ሽግርና ምልኪጥራሕ ድዩ ወላስ ክንዮ ምልኪ ካልእ ሽግር ኣሎ፧ (ሳልሳይ ክፋል)

2015-03-18 06:53:31 Written by  መድሃኔ ሃብተዝጊ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2873 times

ሳልሳይ ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ምልኪ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ክንድኡ ዓቢይ ሽግር ሃገርን ህዝብን ዝኾነ ሕድሕዳዊ ዘይምትእምማን ብሔራት ሰፊኑ ከምዘሎ ኣብሪሀ:: ኣስዒበውን ኣብ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ፣ እዚ ንብሔራትና ኣብ ዘይ ምትእምማን ዘብጽሐን እቲ ንመንነታዊ ህልውና ብሔራትና ኣጥፊኡ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ባህልን ሃገራውነትን ጨፍሊቁ ከእቱ ዝሃቀነ እሞ ንብሔረ ትግርኛ ናይ ዓብላልነት ዕድል ዝኸሰተን፣ ዘይሓላፍነታውን ዘይፍትሓውን ኣዋጃት ስርዓት ኣስመራን ትግባረኦምን ምዃኑ ገሊጸ:: ኣብ መወዳእታውን ካብ ብኩራት ግቡእ ተረድኦ ኣካይዳ ስርዓት ህግዲፍ ብሔራትና ኣብ ዘይምትእምማን ኣትየን ከምዘለዋ ወስ ኣቢለ ነይረ::

ሕጅውን እንተኾነ ከም መብጽዓይ እንታይ እዩ እዚ ጊጉይ ተረድኦ ብሔራት፧ ካብ እንታይ ዝነቀለ እዩ፧ ንምዕባለ ናይዚ ዘይምትእማማን ብሔራትን ዞባታትን ንምብራኽ ኣስተዋጽኦ ዝነበሮ ኩነታትከ ነይሩዶ፧ እንታይከ ኩንይኸውን ንዝብሉ ሕቶታት ክምልስ ክፍትን እየ::

ከም ተረድኦ መብዛሕትና ስርዓት ኢሰያስ ሃይማኖት፣ ብሔር፣ ዞባ፣ ዓዲ፣ ወገን ዘይፈልጥን ዘይፈልን ገባትን መላኽን ጥራሕ ዘይኮነስ ወረ ኣረሜናዊ ስርዓት እውን እዩ:: በዚ ናይ ሎሚ ኣካይድኡስ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን ሃገራውነት ዓለዎ ኢልካ ንኽትዛረብ እውን ዘድፍር ኣይኮነን:: ምእንቲ ምንታይሲ ንብርሰትን ዕንወትን ህዝቡን ሃገሩን ዘቀላጥፍ ሃገራዊ ስርዓት ኮነ መንግስቲ ኣብ ዓለምና ኣይተራእየን::

ኣቀዲመ ከምዝገልጽኩዎ ግን ትግባረ ናይቲ ዘይፍትሓዊ ኣዋጃቱ ንገለን ዕድል ዘርሑ ንገለን ዕድል ዝነፍግ ኮይኑ:: እቲ ንዘለዎ ይውሰኸሉ ንዘይብሉ ግን እታ ዘላቶውን ይሕደገሉ ዝብል ጽሕፍ ብርግጽ ኣብ ከርሰ ኤርትራ ግብራውነት ረኸበ:: እቲ ፍርዲ ግን ከምቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ህርኩትነትን ትህኪትን ወይ ምስ ጉርሕን የዋህነትን ብሔራት ኮነ ውልቀሰባት ዘራኽቦ ነገር ኣይነበረን::

ናይዚ ዝተኽስተ ዕድል ተጠቃማይን ተዓዋተይን ንምዃን ካብ ዜጋታት ዝጥለባ ዝነበራ ክልተ ነገራት እየን:: ሓደ ናይቲ ስርዓት እሙን መጋበሪ ምዃን: ካልኣይ ድማ ቁጠባውን ኪኢላውን ዓቅሚ ምውናን:: ካብዚ ሓሊፉ ግን ካበየናይ ብሔር፣ ሃይማኖት፣ ዞባ፣ ዓዲ፣ ዓሌት ኢኻ ብኢሰያስ ኮነ ብስርዓቱ ዋጋ ዝወሃቦም ኣይነበሩን: ኣይኮኑን እውን:: ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ፣ ክንደይ ሃብታማትን ለባማትን ተወለድቲ ከበሳን ብሔረ ትግርኛን ድሕሪ ናጽነት ሃገሮም ከማዕብሉ ካብ ወጻኢ ጠቅሊሎም ኣትዮም፣ ነቲ ስርዓት ኣምልኾ ስለዘይሃቡ ብበትረ ሓጺን ተጸፊዖም ዳግማይ ንሃገረ ስደት ዘይተመልሱ:: ክንደይ ምሁራትን ለባማትን፣ ሃብታማትን ብሔረ ትግርኛን ተወለድቲ ከበሳንከ ዋላ ድሕሪ ነጻነት ሃገር ገዲፎም ምስ ንብረቶም ኣብ ዓዲ ጓኖት ሰፊሮም ብዘለዎ ቁጠባውን ክኢላውን ዓቅሚታቶም ዓዲ ጓኖት የማዕብሉ ዘየለዉ:: ወረ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን እንተኾነ ክንደይ ምሁር፣ ክንደይ ለባም፣ ክንደይ ሃብታም ተወላዲ ከበሳን ተወላዲ ብሔረ ትግርኛን እሙን መጋበሪ ናይዚ ስርዓት ስለዘይኮነ ኣብ ማሕዩር ዘይበለየን፣ ተዓፊኑ ሃለዋቱ ዘይጠፍአን::

እቲ ሓቂ እዚ እንክንሱ ግን ነዚ ስርዓት እዚ ከም ናይ ከበሳ ስርዓት፣ ከም ናይ ብሔረ ትግርኛ ስርዓት፣ ከም ናይ ክርስትና ስርዓት ገርካ ክትርእዮን ክትገልጾን ምፍታን ንሓቀኛ ባህርያትን ኣካይዳን ናይቲ ስርዓትን ብግቡእ ዘይምግንዛብ እዩ ጥራሕ እየ ክብሎ ዝኽእል ብወገነይ:: ዕድል ዝፈጠሮ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ነተን ዝጥለባ ክልተ ረቋሒታት ካብ ዘማልኡ ብዙሓት እውን እቶም ዝበዝሑ ብሔረ ትግርኛን ተወለድቲ ከበሳን ከይኮኑ ኣይተርፉን እዮም ዝብል ግምት ኣሎኒ:: ውጽእት ጽጹይ መጽናዕቲ ዝኾነ ሓበሬታ ኳ እንተዘየለ ንኣቃውማን ተቕዋምን ናይቲ ስርዓት ኣብ ጋድማውን ትኹላውን ጽፍሕታቱ፣ ቁጠባዊ ጽላታቱ፣ ምምሕዳራዊ ጽፍሕታቱ፣ ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ትካላቱን ካልእን በመን ተወኪሉ ኣሎ ምስ ዝበሃል፣ ካብ ሓቂ ዘይረሓቀ ግን ከኣ ግምታዊ መልሲ 80% ብብሔረ ትግርኛ ተሓብሪሩ ይርከብ:: እዚ ግን ስርዓት ኢሰየስ ኣብ ልዕሊ ብሔረ ትግርኛ ብዘለዎ ፍቅርን ሓልዮትን ወይ እውን ብሔረ ትግርኛ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ብዘለዎ ፍቅሪ ዝተረኽበ ጉነዖ ዝተጨበጠ ዓወትን ኣይኮነን: ኣጋጣሚ ዝፈጠሮ ዕድል እዩ:: እዚ ማለት ድማ ብሓደ ወገን ምስ ታሪኻዊ ኣመሰራርታን ኣመዓባብላን ናይቲ ሎሚ ስርዓትን መንግስትን ኮይኑ ዘሎ ውድብ ህዝባዊ ግንምባ ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ ዝተኣሳሰር ኮይኑ፣ ብኻልእ ወገን ድማ ምስቲ ብሔረ ትግርኛ ወኒንዎ ዝጸንሐ ዓቅማዊ ብቅዓት ዝተኣሳሰር ኮይኑ ይረኣየኒ:: ኣብ እንተ ኣቲና ንሓቅነት ናይዚ ናይ ኣጋጣሚ ዕድል ክነዛምድ ንፈትን እስከ:: ነዚ መርሕነት ውድብ ህዛውዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ ዝረኸቦ ናይ ዓወት ዕድል፣ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ/ጀብሃ ረኺብዎ ነይሩ እንተዝኸውን እሞ ነጻነት ሃገረ ኤርትራ በዚ ዳሕረዋይ ውድብ ተረጋጊጹ ነይሩ እንተዝኸውን እቲ ባይታ ሎሚ ከመይ መሃለወ ነይሩ ኢልና ንሕሰብ እስከ:: ንኣቃውማን ተቅዋምን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቅድሚ ምስቲ ሓዉ ዝኾነ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ጎንጺ ከይኣተወን ናይ ሰፊሕ ግዝኣተ መሬት ኪሳራ ከየጋጠሞን እንከሎ ዝነበሮ ስእሉ ካብ ሰነዳቱ ንርኣዮ:: 80% ክንብል እኳ እንተዘይደፊርና ሊዕሊ ፍርቒ ዝኾነ ሕብረ መልክዑ ግን መታሕታውን እስላማውን ከምዝነበረ ዘማትእ ኣይኮነን:: ውድብ ጀብሃ በቲ ዝጸንሖ መልክዑ ንነጻነት ሃገር በቂዑ እንተዝኸውን እምበኣር እዚ ሎሚ ንከበሳውያንን ተወለድቲ ብሔረ ትግርኛን ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ዓብላልነት ዕድል ምናልባት ንመታሕታውያንን ንኣመንቲ ምስልምናን ተኸሲቱ መሃለወ ኣብ ዝብል መደምደምታ ክንበጽሕ ንኽእል::

እዚ ኮነ እቲ ግን ሃገራዊ ፖለቲካና ገና ሓቀኛ መስመሩ ከምዘይሓዘ እዩ ዘአንፍት:: ንሱ ድማ፣ ክሳብ ሕጅውን እንተኾነ እቶም መስረትን መራሕትን ንውድባትን ሰልፍታትን ካብ መስመር ሃገራውነት ጠሊፎም ዞባውን፣ ሃይማኖታውን፣ ብሔራውን፣ ዓዳውን፣ ቀቢላውን ኣንፈታት ከምዘትሕዝዎ ክንግንዘብ ንኽእል::

ነዚ ናይ ኣጋጣሚ ዕድልዚ እየን እምበኣር ብሔራት ከምኡውን መታሕታውያን ብግቡእ ክርድእዎ ዘይከኣሉ:: ኣብ ክንድኡ ዕብላለን ንሁር ምስፍሕፋሕ ብሔረ ትግርኛ ኣብ ኩሉ ዞብባታት ብምዕዛብ ነቲ ብሔርን ነቲ ስርዓትን ከም እድን ጓንትን ገይሮም ክርእይዎ ፈቲኖም:: እዚ ሓቂዚ ዋላ ብዕሊ ዝእወጅ ኣይኹን እምበር፣ ኣብ መዓልታዊ ታራ ፖለቲካዊ ዕላል ብሔራትን ወክልቲ ብሔራት ዝኾና ፖለቲካውያን ውዳትን በርገሳውያን ማሕበራትን ወትሩ ዝስማዕ እዩ:: ካብ ሸፋፍንካን ተኸዊልካን ምዝራብ ግን ብጋህዲ ምዝራብ ከቀራርበናን መፍትሒ ኣብ ምርካብ ክሕግዘናን ይኸእል እዩ ዝብል እምንቶ ኣሎኒ::

ብወገነይ እቲ ግጉይ ተረድኦ ናይ ሔራትን መታሕታውያንን ዝብሎ እምበኣር፣ ሓደ ነቲ ሓቀኛ ባህርያትን ኣካይዳን ናይቲ ስርዓት ብግቡእ ዘይምርዳ፣ ካልኣይ እቲ ነቲ ስርዓት ኣቊሙ ካብ ዘሎ 80% ብሔረ ትግርኛ፣ ኣብ ቁጽሪ ብሔረ ትግርኛ 20% ናይቲ ብሔር እውን ክኸውን ከምዘይክእል ዘይምግማት፣ ሳልሳይ ነዚ ናይ ኣጋጣሚ ዕድል ምስ ታሪኽ ሰውራን ታሪኽ ምዕባለ ብሔራትን ሃገርን እውን ኣዛሚድካ ብዓይነ ልቦና ዘይምርኣይ እዩ ክብል እደፍር::

እተን ዘተረፋ ብሔራት ኮነ መታሕታውያ ኣብ ልዕሊ ብሔረ ትግርኛ ከምዚ ዓይነት ጊጉይ መረዳእታ ንኽህልወን ግን ዝኾነ ካልእ ምኽንያትን ድርኺትን ኣይነበረን ክብል ኣይክእልን:: እተን ብትግባረ ናይቲ ዘይፍትሓዊ ኣዋጃት ዝያዳ ዝተጎድኣ ብሔራትን መታሕታውያንን፣ ምስ መንነትናን ምስ ዋንነትናን ናይ ምንባር መስልና ይተሓለውልና ብምባል ናይ ተቃውሞን ኢምቢታን ቃል ክስምዓ እንከለዋ፣ በቲ ዘይሓላፍነታዊ ዝኾነ መራሒ ስርዓት ኣስመራ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ጸለመን ዘለፋን መግለጺታት ኮነ ዝውሰድ ዝነበረ ኣረሜናዊ ስጉምትታት በቲ 80% ክፋል ተቅዋሙ ዝኾነ ደገፍ ምርካብን ከም ቅኑዕን ሓቀኛን ገርካ ምውሳድን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያታት እዩ::

ሕቶ ምስ መንነትካን ምስ ዋንነትካን ምንባር መሰረታዊ ሕቶ ህልውናን ቀጻልነትን ብሔራትን ጉጅለታትን እዩ ነይሩ:: ንሱ ድማ ጅሆባ ከም ጅሆባ፣ ኣስላም ከም ኣስላም፣ መታሕታውያን ከም መታሕታውያን፣ ኩናማ ከም ኩናማ፣ ሳሆ ከም ሳሆ፣ ዓፋር ከም ዓፋር፣ ብሊን ከም ብሊን ናይ ምንባርን ምምዕልን መሰል ኣሎናሞ፣ መንግስቲ ግን ነዚ መሰረታዊ መሰልዚ ይግህሰናሎ እዩ:: እንተኾነ ነዚ መሰረታዊ ሕቶዚ ዘልዓለ ኣማኒ ጅሆባ እንተኾነ ከም ዘይሃገራዊ፣ ኣማኒ ምስልምናን መታሕትን እንተኾነ ከም ጀሃድን ግብረሽበራውን፣ ኩናማ እንተኾነ ከም ከዳዕን መርገጺ ኣልቦን፣ እቶም ዝተረፉ ካልኦት እውን እንተኾኑ ብደዐ ብዝመልኦ ነናቶም ናይ ዘለፋ መግለጺታት የወሃቦም ነይሩ:: ከምቲ ‘ክበልዕዋ ንዝደለዩ ኣባ ጉምባሕሲ ዛግራ ይሰምይዋ’ ዝበሃል፣ ፕረሲደንቲ ኢሰያስ እውን ክቀትለካን ከቅትለካን ምስዝደሊ ኣቀዲሙ ኣብ ገርሀ ልቢ ተቀባልነትን ሓቅነትን ዝረክብ ናይ ገበነኛ፣ ጸረሓድነት ሃገር፣ ተጻብኦ ሃገራዊ ምዕባለ፣ ትሕተ ሃገራውነት ወዘተ ዝብሉ ኣስማት የጠምቀካ:: ካብቶም ገርሂ ልቢ ዝኾኑ መምለኽቱ ሞራልን ደገፍን ድሕሪ ምቕሳም ድማ ኣስዒቡ ይሃድነካ:: ሃለዋትካውን ይጠፍ:: እቲ ዝተረፈ ድማ ርዒዱ ይተርፍ:: ኣብ ክንዲ ንበዳሊ ዓገብ ምባል፣ ናይ ዘይሓላፍነታዊ ልሳን ህግዲፍ መጕሊሕን መባዝሕን ኰንካ ድዲሕሪ ኢሰያስ ንዝተበደሉን ውጹዓትን ወገናት ከም ከሓድቲ፣ ግብረ ሽበራውያን፣ ከደዓት ወዘተ ክትገልጽ ምፍታን ግን ነተን ካልኦት ብሔራት ካብ ብሔረ ትግርኛ እምነት ከምዘጕድላ ገይርወን::

ከም ሓደ ናይ ቀረባ ኣብነት ናይዚ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ሃገራውያን ዋዕላታትን ዝተዋህቦም መግለጺታትን ንውሰድ:: ብርግጽ ክልቲኡ ሃገራዊ ዋዕላታት ብዕላምኦም ክንመዝኖም እንተዀና ንሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታት ሃገር ኣወሃሂድካ፣ ንዝድለ ለውጢ ንምቅልጣፍ እዩ ነይሩ:: ኣብ ኣድማዕነት ናይ ክልቲኡ ዋዕላታት ተመርኲስና እንክንዛረብ ግን፣ ኣብ ምድላዋቱ ኮነ ኣብ ከይዱ ብዙሕ ጉድለታትን ኣበራትን ስለዝነበሮም፣ ሽትኦም ከም ዘይወቅዑ ፍሹላት ዋዕላታት ክግለጹ ይከኣል:: ኣብ ክንድኡ ግን ገና እቲ ዋዕላታት እንዳተኻየደ ቁጽሪ ክርስትያንን ኣስላምን፣ ቁጽሪ ከበሳውያንን መታሕታውያንን፣ ቁጽሪ ተወልድቲ ብሔረ ትግርኛን ካልኦት ብሔራትን ኣረጋጊጽካ ድሕሪ ምፍላጥ ተሳትፎ ብሔረትግርኛን ኣመንቲ ክርስትናን ውሒዱ ስለዝተራእየ ወይ ዓብላሊ ኮይኑ ስለዘይተረኽበ እዩ ይመስለኒ እቲ ዋዕላታት፣ ዋዕላታት ጨሓማትዝብል ስያምየ ተዋህቦም:: ናይ ሳዕቤቱ ሓላፍነት ናይ ዘይስምዖም ወገናት ሰንካም ኣበሃህላ! እዚ ድማ መቀጸልታ ናይቲ በብእዋኑ ተበዲልና ንዝብሉን መሰሎም ንዝጠልቡን ኣካላት ዝወሃብ ናይ ትሕቲ ሃገራውነት መግለጺታት እዩ:: እዚ ኣጋጣሚዚ ነቲ ዋዕላታት ጨሓማትንዝብል ንጎኒ ገዲፍካ፣ ሚዛን ሓይሊ ሃይማኖታትናን ብሔራትና ኣብ ፖለቲካዊ መሳርዕና መን ኣበይ ከምዝርከብ ሓደ ጭቡጥ መርትዖ እዩ::

ንብሔራትን፣ መታሕታውያንን ንብሔረ ትግርኛን ከበሳውያንን ምስ ስርዓት ኢሰያስ ክውግንዎምን ኣብ ሊዕሊኦም እምነት ንኸጕድሉን ዘገደዶም እምበኣር እዚ እዩ ብወገነይ::

ብሔረ ትግርኛውን ከበሳዊ ወገንን እውን ብወገኑ ብኽልተ ብቁዕ ምኽንያታት በዞም ኣብ ልዕሊኡ ዝሕንሕኑ ዘለዉ ወገናት ሰጊኡ ኣብ ልዕሊኦም እምነት ኣጕዲሉ ይርከብ:: እቲ ሓደ ምኽንያት ብሔራውን ሃይማኖታዋን ውደባታት ደምበ ተቃውሞ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምድና እዘን ውድባትን እዩ:: ነዚ ነጥቢዚ ኣብ ዝቅጽል 4ይ ጽሑፈይ ኣስፊሐ ክገልጾ ክፍትን እየ:: ንሕጂ ግን እዚ ወደሓንኩም!!!

መድሃኔ ሃብተዝጊ

(LLM)

Last modified on Wednesday, 18 March 2015 07:56