መራኸቢ ብዙሓት (ሚድያ) ንዋንኡ’ዩ ዝመስል

2015-03-21 12:41:07 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2847 times

ኣብዚ ሎሚ እዋን ዝተወሰነ ጉጅለ፡ ውድብ፡ ሰልፊ፡ ማሕበር ወይ ውልቀ-ባእታ ብሓፈሻ ኣብ ዝኾነ ዛዕባታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ በይኑ ከዕውቶ ዝኽእል የለን። ብመንጽር’ዚ ሓደ ኣካል ናቱ ርኢቶ፡ ድሌትን ስምዒትን ናይ ብዙሓት ከም ናቱ ረብሓ ዘለዎም ወገናት እምነት ከም ዝኸውን ናይ ምግባሩን ምስፍሑን ሓልፍነትን ተሓታትነትን ኣለዎ። ነዚ ናይ ምስፋሕ ዕማም ኣብ ግብሪ ምውዓል ካብ ዝኽእለሎም መንገድታት ሓደ ድማ ምጥቃም መራኸቢ ብዙሓት (ሚድያ) ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ካብ ዕማማት ሚድያ ሓደን ቀንድን ሓበሬታ ምዝርጋሕን ምብጻሕን እዩ። ሓበሬታ ከዓ ኣገዳሲ ሓይሊ እዩ። ነዚ ሓይሊ እዚ ዘባጽሕ ሚድያ ከዓ ሎሚሎሚ ኣድላይነቱ ኣዝዩ ኣብ ዝዓዘዘሉ መድረኽ ኢና ንርከብ ዘለና። ካብዚ ወሳኒ ኣድላይነቱ ብምንቃል፡ ሚድያ ማዕረ’ቶም ሰለስተ መንግስታዊ ኣካላት ማለት ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ክስራዕ ይግበኦ ኢሎም ዝከራኸሩ ወገናት እንዳበዝሑ ኣብ ዝኸድሉ ኩነታት ኢና እንርከብ ዘለና። ብፍላይ ድማ ኣብ ከምዚ ንሕና ኤርትራውያን ካብቲ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝኾነ ህዝብና ርሒቕና ንቃለሰሉ ዘለና መዋእል፡ ሚድያ ክልቴና ሰብ ሓደ ዕላማን ድሌትን ኣብ ምርኻብ ዝህልዎ ግደ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። ንሚድያ ክንድቲ ወሳንነቱ ናብዚ ከተብቅዖ ዝሓቶ ዋጋ ክቡር ምዃኑ’ውን ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ።

ኣብዚ ልዕልና ደሞክራሲ ንክብርኽ ሓያል ቃልሲ ዝካየደሉ ዘሎ መዋእል ኣድላይነትን ዕቤትን ሚድያ’ውን፡ ከም መሰል ምውዳብ፡ ኣብዘሓ ሰልፍን ልዕልና ሕግን ዕዙዝ እጃም ኣብ ዝተዋህበሉ መድረኽ፡ ጽልዋኡ ኣብ ምውሳን ባህርያት ሓደ ስርዓት ቅድሚት ዝስራዕ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ማለት ደሞክራሲያዊ ስርዓታትን ፖለቲካዊ ውዳበታትን ደሞክራሲያዊ መንነቶም ንሚድያ ብዝህዎ ቆላሕታ ዝምዘን ክኸውን እንከሎ፡ ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰሉ ጸረ ደሞክራስን ፍጹማት መለኽቲ ኣካላትን ድማ ካብቲ ዝቃልዕሉ መርኣያ ሓደ ኣብ ሚድያ ዘለዎም ኣተሓሕዛ እዩ። ናብ ጉዳይና ክንምለስ እንከለና፡ ኣብ ኤርትራ ብሕታዊ ሚድያ ዘይምህላዉ፡ እቲ ዝርካቡ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ዘሎ ሚድያ ድማ ናይ ህዝቢ ድሌትን ስምዒትን ዘየንጸባርቕ ብምዃኑ ኣብ ልዕሊኡ እምነት ኮነ ዕግበት ከም ዘየብልና ደጋጊምና እንብሎ እዩ። ንሕና ጥራይ ዘይኮና ሕብረተሰብ ዓለም እውን ንጸረ ህዝብነት ጉጅለ ህግደፍ ከም ኣብነት ካብ ዝጠቕሶም ቀንዲ መርኣያታት፡ ኣብ ልዕሊ ሚድያን ናይ ሚድያ ሰራሕተኛታት ዝወስዶ ዓመጽን ክሕደትን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝተዓዘብናዮ እዩ። ኤርትራ ካብተን ብዝሒ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቅድሚት ዝስረዓ ሒደት ሃገራት ሓንቲ ምዃና ክጥቀስ እንከሎ ድማ ነዚ ዘርኢ እዩ።

ንሚድያ ብዝምልከት ካብ ነዊሕ ግዜ ካብ ዘከራኽሩ ጉዳያት ሓደ “ዘይሻራዊ ሚድያ ኣሎዶ የለን?” ዝብል ሕቶ እዩ። ምናልባት ነጻ ፕረስ ዝበሃል ነገር ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ከም ናቱ ርኢቶ ዘየብሉ ሚድያ ጌርካ ክውሰድ ይረአ እዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና ናቱ ከዕውቶ ዝደሊ ርኢቶ ዘየብሉ ንኹሉ ብማዕረ ከሕጉስ ኢሉ ዝስለፍ ሚድያ ክህልው ከም ዘይክእል ብዙሓት ዝሰማምዕሉ እዩ። ናቱ ርኢቶ ከዕውት እንከሎ፡ ናይ ካልኦት ርኢቶ ብምኽባር ሚዛናውነቱ ዝሕልው ሚድያ ክህሉ ግና ዘጸግም ኣይኮነን። ምናልባት ነጻ ሚድያ ማለት ብመንግስቲ ዘይውነን ማለት እንተኾይኑ ተቐባልነት ኣለዎ። ብመንግስቲ ዘይውነን ማለት ግና ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ንሚድያ ብዝምልከት ብዘወጸኦ ናይ ሚድያ ሕጊ ዘይግዛእ ማለት ኣይኮነን። ስርዓታት ንሚድያ ብዝምልከት ዘውጽእዎ ሕጊ ከዓ ከምቲ ካልኦት ሕግታት፡ ካብቲ ባህርያቶም ዝነቅል እምበር ካብኡ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን። ደሞክራሲያዊ ዝኾነ ስርዓት ዘውጸኦ ናይ ሚድያ ሕጊ ደሞክራስያዊ፡ ሕገመንግስታውን ረብሓ ህዝቢ ዝማእከሉን ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰሉ ዘይደሞክራሲያዊ ስርዓታት ግና፡ ወይ ከምዚ ኣብ ኤርትራ ንርእዮ ዘለና ከም ቋንቋ’ውን ንናይ ሚድያ ሕጊ ኣይጠቕስዎን። ንይምሰል እንተጠቐስዎ ድማ ማዕረ’ቲ ባህርያቶም ዘይደሞክራሲያዊ ክኸውን ናይ ግድን እዩ።

ጸረ ደሞክራሲ ዝኾኑ ስርዓታት ናይ ሚድያ መድረኽ ካብ ዘጽብብሉ ብዙሕ ምኽንያታት ሓደ፡ ኣብቲ ዘመሓድርዎ ህዝብን ሃገርን “ልዕሌና ንህዝብን ሃገር ዝሕለቕ የለን” ዝብል ትምክሕቲ ስለ ዘስክሮም እዮም። እቲ ካልእ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ካብቲ ንሳቶም መመቲሮም ዝህብዎ ዕረ ይኹን መዓር ዝምቓረቱ ፖሊሲ ንላዕሊ ካልእ ምርጫ ክቐርበሉ የብሉን ኢሎም ስለ ዝኣምኑ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ወጻዕቲ ኣካላት ውሽጦምን ግብሮምን ስለ ዝፈልጡ ህዝቢ ንሳቶም ብዘይቆጻጸርዎ ሚድያ ከተንፍስ እንተኽኢሉ ንረብሓኦም ከም ዘይኮነ ስለ ዝፈልጡ፡ ኣብ ክንዲ ብሚድያ ኣንጻሮም ዘዝተወለዐ ሓዊ ከጥፍኡ ዝሃልኩ እቲ ሓዊ ከምዘይእጐድ ንምግባሩ እዩ። ኣብዚ ህዝቢ ዝማእከሉ ሚድያ ክንብል እንከለና ንህዝቢ ዝጥቅም ዝዝረበሉ፡ ዝጸሓፈሉን ዝረኣየሉን ጥራይ ማለትና ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ባዕሉ’ውን ዝሳተፈሉ ማለትና ምዃኑ ከይዝንጋዕ። መራኸቢ ብዙሓት ዘብሎ እውን እዚ ጠባዩ’ዚ እዩ።

ናብቲ ዝነቐልኩሉ ክምለስ። ኣብ ትሕቲ ጸረ ደሞክራሲ ስርዓት ዝመሓደር ሚድያ ጸረ ደሞክራሲ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። መርኣይኡ ድማ ርሑቕ ከይከድና፡ ናይ ሃገርና ኤረ-ቲቭን ድምጺ ሓፋሽር ምዕዛብ ጥራይ ይኣኽለና። እዘን ሚድያታት ተልእኾአን ምግልጋል እቲ ጸቢብ ጉጅለ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ መብዛሕትና ኤርትራውያን ከም መግለጺ ኣብ ልዕሊአን እምነት ምጉዳልና፡ “ነታ መደብ ተለቪኝ ርእየያ’ኳ ኣይፈልጥን፡ ነታ ሬድዮ ሰሚዐያ’ኳ ኣይፈልጥን” ክንብል እንስማዕ። ዝምድናና ምስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ እውን ከምኡ እዩ። ናታተን ቅዳሕ ስለ ዝኾነት። እዚ ድማ ብንጹር እቲ ነቲ ሚድያ ዝውንን ዘመሓድርን ስርዓት ወይ ትካል ኣብ ዘይቀርዓየሉ፡ ቅርዑይ ሚድያ ክህልው ዝኽእለሉ ኩነታት ከምዘይፍጠር ዘብረሃልና እዩ። ማለት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወሉ ባህርያት ሚድያ ኣብ ኤርትራ’ውን ኣይክቕየርን እዩ። ሚድያን ዘመሓድሮ ስርዓትን ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተገጻት ስለ ዝኾኑ።

እዚ ኣብ መንግስቲ ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነ፡ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ትካል፡ እንተላይ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ብግብሪ ዝተራእየ ተመኩሮ እዩ። ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣድላይነት ሚድያ ክርዳእ ናይ ግድን ነይሩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ድማ ቅድም ምሕዝነት ደሓር ድማ ኪዳን ብዝብል ስያመታት መጽሐታት ኣዳልዩ ክዝርግሕ ዝፈተነ። ኣድማዕነቱ ግና ትሕቲ ትጽቢት ምንባሩ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ግዜ ምሕዝነትን ኣብ ግዜ ኪዳንን መዓልታዊ እሞ ድማ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝፍኖ መደባት ሬድዮ እውን ነይሩ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ “ደሃይ ኤርትራ” ዝስሙ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሰዓት ፍርቁ ብትግርኛ ፍርቁ ድማ ብዓረበኛ ዝዝርጋሕ መደብ ተለቪዥ እውን ነይሩ። እዚ ሚድያታት’ዚ ካልእ ምንእኣሳት ክይወሰኽካ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣየድመዐን። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ዝተኻየዱ ገምጋማት ድማ ጠንቂ ናይቲ ትሕቲ ትጽቢት ምዃን፡ ነዚ ሚድያ ዝመርሑ ዝነበሩ ትካላት፡ ምሕዝነት ኮነ ኪዳን ብቑዓት ፖለቲካዊ ጽላላት ብሰንኪ ዘይምንባሮም ምዃኑ ነጺሩ እዩ።እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ካልእ ሕጽረታት እውን ግደ ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን።

ኣብ ከምዚ ብምሕዝነት ወይ ብጽላል ዝውነን ሚድያ እቲ ዋንኡ ጥዕና እንተዘየልይዎ፡ ሓደጋኡ ዘይምድማዕ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ኣብ መንጎ ነቲ ጽላል ዘቖሙ ኣካላት ዝጸንሐ ፍልልያትን ምስሕሓብን ኣባሊሑ ዝያዳ ዘናቑት ናይ ምዃኑ ዕድል እውን ሰፊሕ እዩ። ገለገለ ግሩሃት ግና እቶም ናይቲ ጽላል ተዋሳእቲ ዝየመሓደርዎ ፍልልያት “ናይ ሓባር” ዝበሃል ሚድያ ሰለ ዝወነኑ ጥራይ ዝፍታሕ ይመስሎም ይኸውን። ብተግባር ግና ሚድያ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እምበር ፖለቲክኛታት ክዓምዎ ዝግበኦም ዕማም ዝዓምም ኣይኮነን። እዚ ናይ ሚድያን ዋናታቱን ዘይምቅዳው፡ ብደረጃ ውልቀ ውድባትን ዝውንነኦ ሚድያታትንን እውን ዝተራእየ እዩ። ብዙሓት መርበባትን ካልእ ሚድያታትን ካብ ዝተወሰነ ግዝያዊ ሙቖት ምስ ነቐሉ፡ ምቕጻል ስኢኖም ክዳኸሙ ጥራይ ዘይኮነስ ጠቕሊሎም ክዕጸዉ ተዓዚብና ኢና። ናይዚ ሚድያታት ምድኻም ድማ መግለጺ ምድኻም ናይቲ ዝውንኖም ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ማሕበር ምዃኑ ክንቅበሎ’ሞ ብጽሞና ክንሓስበሉ ዝግበኣና ሓቂ እዩ። ስለዚ ክስከሞ ዝኽእል ፖለቲካዊ ባይታ ኣብ ዘይጣጠሓሉ ንርኣዩለይ ስምዑለይ ጥራይ ሚድያ ምውናን ዘየኽስብ ጥራይ ዘይኮነስ ብቐሊሉ ክሓዊ ዘይክእል ክሳራን እምነት ምጉዳልን ከም ዘስዕብ እውን ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ “ሚድያ ብልሑ ክልተ እዩ። በቲ ሓደ የልምዕ በቲ ሓደ የጥፍእ” እንብል። ሰደህኤ መራኸቢ ሓፋሽ ብጥንቓቐ እንተዘይተታሒዙ ክልተ ብልሒ ከም ዘለዎ ብምርዳእ፡ ኣብቲ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ግደ ዜናዊ መዳይ (ሚድያ) ልሉይ ብምዃኑ ሰደህኤ ፍሉይ ትዅረት ክገብረሉ እዩ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ስለዚ ሚድያ ብፖለቲካዊ ኣምሳል ወናኒኡ ዝግለጽ እምበር፡ ተረኽበ ኢልካ እትዕጠቖ ከም ዘይኮነ ክንርድኦ ይግበኣና እብል።

21 መጋቢት 2015

Last modified on Saturday, 21 March 2015 13:42