ናይ ስደተኛታት ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ምዕሩግ በዓል ተኻይዱ

2015-03-17 10:52:59 Written by  ሽማግለ በዓላት ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤ ክርስትያን ከሰላ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2605 times

     ብዕለት 10 .03 2013 ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ብሓባር ተጠርኒፈን ኣብ ቀጽሪ መባእታ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዕውት መዛዘሚ ናይ 2014-2015 ዓመተ ትምህርት በዓልን መመረቕታ ናይቶም 12 ክፍሊ መበል 15 ዙርያን ድርብ በዓል ኣኻይደን። ኣብዚ በዓል እዚ ዕድመ ዝተገብረሎም መራሕቲ ሃይማኖት ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፣ ሓው እስታዝ ዑመር መሓመድ ኸሊፋ ኣማሓዳሪ ዘይማንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዞባ ከሰላ (ሞዲር ተርቢያ ዎ ታዕሊም ቀር ሕኩሚ ፊ ውላየት ከሰላ) ማሕበረ ኮማት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ህንዳውያን ወለዲ ተማሃሮን ተሳቲፎም።

WedSherrifey 1

መድረኽ ልኽዕ ሰዓት 2፣00 ድ.ቀ. ብመምርህ ወልድሂወት ቀለታ ተኸፊቱ። መምህር ወልድሂወት ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽትን ሰላምታን ብምሃብ፣ ክሳብ ሰዓት 6፣00 ድ.ቀ ዘሎ መደባት ብኽልተ ቛንቛታት ማለት ትግርኛን ዓረበኛን ጌሮም ንመድረኽ ዝመርሑ ክልተ ተማሃሮ ኣረኪቡ። ኣለይቲ መድረኽ ነቲ ካብ ተማሃሮ ዝተዋጽኡ ኣባላት ክፍሊ ባህላዊ ጉዳያት ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ብሽማግለ መማህራን ተመልሚሎም ዘዳለውዎ መልእኽቲ ሓዘል ተዋሶኦታትን መዛሙርን ደርፍያትን ዋዛ ምስ ቁም ነገርን ብቛንቛታት ትግርኛ ዓረበኛ ብትግሬ ብሌን ናራ ኩናማ እንግሊዘኛ ከምኡውን ብኣምሓሪኛን ናይ ሁኑድ ባህልታት ተቐሪቡ ከምዘሎ ብምግላጽ ተሳተፍቲ ሑጉሳት ኮይኖም ከምስዩ ብምትምናይ ፣ተቐሪቡ ዘሎ መደባት ክሳብ ዝዛዘም ብትዕግስቲ ክከታተሉ ተላቢዮም። መኽፈቲ ናይቲ በዓል ከኣ ብህጻናት ተማሃሮ ሰላም ሰላም ዘኣርእስታ መዝሙር ቀሪቦም።

WedSherrifey 2

ኩሉ እቲ ብተማሃሮ ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝቐርብ ዝነበረ መደባት ቁምነገር ሓዘል ትምህርቲ ዝህብ መደባት ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ዝነበረ ተዋስኦ ብትግርኛ ገለ ስድራቤታት ካብ መርዓ ደቂ ኣንስትዮ ደቆም ገንዘብ ዝጽበዮ ምህላዎም፣ ድሌቶም ንምምላእ ከኣ ንጓሎም ኣታሊሎም ኣብ ዘይተጸንዕ መውስቦ ይጸምድወን እሞ ደሓር ኣብ ተጣዒሶም ክመልሱዎ ዘይክእሉ ደረጃ ከምዝበጽሕ፣ እዚ ትምህርቲ ንኻልኦት ክኸውን ይላበው። ከምኡ’ውን ብእንግሊዘኛ ሽጋራ ምትካኽ ኣብ ርእሲቲ ሽጋራ ዘትኽኽ ዘሎ ሰብ ኣስዕቦ ዝተፈላለየ ሕማማት ንኣብ ከባቢኡ ዘሎ ኣየር ስለ ዝብክል ብሕጊ ከምዘኽስስ ተንጸባርቕ ነይራ።ከምኡ’ውን ነዞም ኣብ ቦታ ስደት ተወሊዶም ዝዓብዩ ዘለው ህጻናት ካብ ባህልታት ናይ ሃገሮም ንኸይርሕቁ ዝዓለመ ዝተፈላለየ ካብ ባህልታትና ቀሪቡ። ኣብ መንጎ ናይቲ ዝቐርብ ዝነበረ መደባት ናይ ተማሃሮ ከኣ ቃል መማህራን ፣ቃል ኣማሓዳሪ ዘይ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዞባ ከሰላ ፣ ቃል ኣማሓዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ኣባ ገብራይ ብኢደማርያም ተዋሂቡ።

ቃል መማህራን ብዓረበኛ ብመምህር ኣለም ዘርኣይ ብትግርኛ ከኣ ብመምህር ወልደየሱስ ሃብተ ቀሪቡ። ብትሕዝትኡ ብዙሕ ዘይፈለለ ኮይኑ እነሆ ነቲ ብትግርኛ ዝቐረበ ትሕዝቶ ነቕርብ።

WedSherrifey 3

ዝኸበርኩም ኣባ ገብራይ ሓላፊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብየት ትምህርቲ ከሰላ፣ ዝኸበርኩም መራሕቲ ሃይማኖት ዝኸበርኩም ዳይረክተራት; ዝኸበርኩም መማህራን ;ዝኸበርኩም ኣጋሽናን - ወለድን - ፍቁራት ተማሃሮ ደቅናን ; ዓመት ዓመት ነዛ ዕለት እዚኣ ንመናፍቅ ። እነሆ ከኣ እታ ብሃንቆውታ እንጸበያ ዝጸናሕና ዕለት ናይ 2014-2015 ዓመታዊ ትምህርቲ ምዕጻው ኣብየተ ትምህርቲ ካቶልካዊት ቤት ክርስትያን ከሰላ ብንጹር ኣዘራረባ መባእታ - ማእከላይን - ላዕላዋይን ተጠርኒፈን ኣብዛ ግርማ ዘሎም ሽልምቲ ጽላልና ተኣኪብና፣ ነቲ ኣስታት ናይ 10ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መማህራን ተማሃሮን ወሃብ ስራሕን ፍልጠት ንተማህራይ ንምሃብ ኣብ ዝተገበረ ናይ እንካን ሃባን ርብርብ ኩሎም ውጺኢት በብስራሖም ፍረ ጻማኦን ዝርእዩላ ዕለት ንርከብ። ኣብዚ ርብርብ እዚ ተዋሳእቲ በብደረጃኦም ይሰርዑ፣፣ መምህር ፣ ተማሃራይ ፣ ወለዲ ፣. ወሃብ ስራሕን ነዚ ዕማም እዚ ዘሰላሰሉ ማሕበር ሰብ ኢዩም።

ክቡራት ተኻፈልቲ፣-

ዘሎናዩ ዘመን - ዘመን ምዕባሌ ኢዩ። ዘሎናዩ ዘመን - ዘመን ተክኖሎጂ ኢዩ።ዘሎናዩ ዘመን ንኽትነብር ረቒቅ ሜላ ተጠቅምካ ናይ ትምህርቲ ፍልጠት ሒዝካ ናብራኻ ክትመርሕ ወይ ክትሰርዕ ዝሓተካ ዘሎ ዘመን ኢዩ። መምህር ካብ 5 (ሓሙሽተ ) ሰዓታት ዘይበዝሕ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓበሬት ዝህብ ኣካል እምበር እቲ ዝያዳ ናይ 19 ሰዓታት ክፍሊ ግዜ ሓላፍነት ተማሃራይ ኣብ ወለዲ ዝተመርከሰ ኢዩ ። ኩሎም ወለዲ ኣባላት ሽማገለ ናይ ቤት ትምህርቲ ኢዮም። ወላዲ ንምክትታል ደቆም ክሕግዝዎ ዝኽእል ነጥብታት …. መዓስ የጽንዕ . መዓስ ይድቅስ . መዓስ ይዘወር . ምስ መን ይዛወር       . መዓስ ይኣቱ፣. መዓስ ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸይድ፣ መዓስ ይምለስ . ግዜ ትምህርቲ ክንደይ ሰዓት ኢዩ፣ . እንታይ ተማሂሮ ፣. እንታይ ውጺኢት ኣብ ፈተነታትን መርመራን ረኺቡ …….. ዝኣመሰለ ኢዮም። ወለዲ እዚ ምክትላል እዚ ከዘውትሩ ኣለዎም። መንእሰይ መንእሰይ ምዃኑ ኣይተርፎን ኢዩ እሞ “ቈልዓ ብኑኡሱ ቈርበት ብርሑሱ” ተሪር ምሰላ ኣቡታትና ተጠቅምና ኣብ ግብሪ ነውዕሎ “ ነዚ ዝተርጎመ ዕውት ኢዩ “። ግዜና ግዜ ሃውኪ ኮይኑ ኣሎ ፣ ሓንጎል ተማሃሮን ወለድን ከም ቈጸራ መርዓ ሸበድበድን ዓቅሊ ዝበትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ዕለታዊ ርሱን ዜና ኰይኑ ኣሎ ። እዚ ሃዋሁ እዚ ወይ እዚ ነውጺ እዚ ናይ ብሓቂ ኣቃልቦ ፍልጠት ደቅና ንድሕሪት ጐቲትዎ ኣሎ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝረሓቅና ኣይመስለነን። ነዚ ኣብ ገምጋም ኣእትና ድማ ቡሉጻት ተማሃሮ ንምጥራይ ዳርጋ ማህሚኑ ይርከብ ኣሎ። ነዚ ቅድሚ ሕጂ ዝምእረር (ዝእከብ ) ዝነበረ ናይ ተማሃሮና ዝነኣድ ዉጺኢት ዘመዝግቡ ዝነበሩ መማህራን ሕጂ እውን ኣሎዉ።

ኦ ወለዲ ተሪር ገዛ ኣብ ከውሒ ምስ ዝስረት ነባሪ ኢዩ።ንፉዕ ተማሃራይ ከኣ ንኡድ ምክትታል ምስ ዝህልዎ፣ ጻዕቂ ትምህርቲ ምስ ዝፈቱ ጥራሕ ኢዩ ዕውት ዝኸውን።ሕማቅ ተማሃራይ የሎን። በብዝንባሌኡ ኩሉ ንፉዕ ኢዩ። ሕማቅ ተማሃራይ ዝበሃል ብተፈጥሮ ናይ ኣእምሮ (ሓንጎል) ጭንቀት ምስ ዝህልዎ ጥራሕ ኢዩ። ኣብዚ ናይ 2014-2015 ዓመተ ትምህርቲ ኣብ መባእታ 247 ተማሃሮ ፣ኣብ ማእከላይ ደረጃ 207 ተማሃሮ፣ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ከኣ 166 ተማሃሮ፣ብድምር 620 መዝገብ ተበጊስና። ኣብጉዕዞ ከኣ ገለ ስድራቤታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ስደት ስለዝኸዳ ኣብ መወዳእታ ትምህርቶም ዝዛዘሙ ተማሃሮ 565 ኢዮም። ናሳቶም ከኣ 297 ደቂ ተባዕትዮ 268 ደቂ ኣንስትዮ ኢዮም። እቶም ዕውታት ኮይኖም ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ዝተሰጋገሩ 88.3% እዮም። እቶም 10.7% ኣብቲ ዝነበርዎ ክፍሊ ደጊሞም ኣለው።

ኣብ መጻእታ ክብሉ ዝድሊ እንተሎ ነዚ ዕለት እዚ ብኸምዚ ብዝድንቅ ኣገባብ ከብሩ ንኽውዕል ዘዳለዉ ተዋሳእቲ መማህራንን ተማሃሮን ብልቢ የመጉስ ።

ስደተኛ ክመሃር ኣሎዎ ብምባል ነውሕን ኣድካምን ዝኾነ ንቤት ትምህርትና ምወላ እተበርክት ዘላ ማሕበር ካቡቺኒ ብሰመይን ብስም መማህራን የመጉስ ።

እቶም ካብ ድሮ ጀምርኩም ስራሕ ዳስን ብምቅራብ ልስሉስ መስተን ብተወሳኺ ኣብ መንጎ መማህራን ኰንኩም ዘርኣኹምዎ ድስፕልናዊ (ሰነስርዓት ) ምትሕግጋዝን ንወለዲ ፉሉይ ምስጋና የመጉስ ።ንክትቅጽልዎ እላቦ።

ነዚ መቃረንቲ ዘይብሉ ለይቲ ምስ መዓልቲ ተማሃሮ ፍልጠት ክቀስሙ ኣሎዎም ኢልካ ትሰርሕ ዘሎኻ መምህር ኣብ ምድሪ ብሰብ ኣብ ሰማይ ድማ ብኣምላኽ ንክትከብር የምንየልካ።

ድሮ ርብዒ ዘመን ዝኸውን ብንእስነትኩም ጀምርኩም ደኽመ ከይበልኩም ስደተኛ ክመሃር ኣሎዎ ኣብ ዝብል እዋናዊ ጭርሖ ተመርኩስኩም ከም ወሃብ ስራሕን ጠቅላላ ኣማሕዳርን ኰንኩም ተዋሰኡ ዘሎኹም ሓው ኣባ ገብራይ ብ\ማርያም ፍሉይ ምስጋና የቅርበልኩም ። ይኣክል ስደት እትብል ቃል ክሳብ ትመጽእ ድማ ንክትቅጽልዎ እላቦ።

ኣብ መጨረሻ ቃለይ ነዚ ነጻ ምምሕዳርን - ምምሃርን ዕድል ዝሃበና ሓዉ መንግስቲ ሱዳን ብልቢ የመጉስ።

እቶም ናይዚ ዓመት እዚ 12 ክፍሊ ዝነበርኩም ኣብ ተቀሪኩሙሉ ዘሎኹም ናይ 12 ክፍሊ መዛዘሚ መርመራ ዓወት ይምንየልኩም ። ስምኩም ስም ቤት ትምህርትኹምን ሓፍ ንክተብሉ ድማ በርትዕኩም ክትሰርሑ የተባብዓኩም። ብምባል ቃሉ ዛዚሙ።

ብድሕሪ ናይ ናራ ባህሊ ብምቕራብ ፣ መድረኽ ነቶም 12 ክፍሊ ናይ ቤት ትምህርቶም ምስክር ወረቐት ምዕዳል ኮይኑ። ንዑ ንምዕዳል ከኣ ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ሓላፊ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፣ሓው እስታዝ ዑመር መሓመድ ኸሊፋ ኣማሓዳሪ ዘይመንግስታዊ ኣብያተ ትምህርት ኣብ ዞባ ከሰላ። ዳይረክተራት ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ኣብ መድረኽ ብሓባር ደይቦም።

WedSherrifey 4

መጀመርያ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ማለት ኣብ ስፖርቲ ባህሊ ናይ ሕርሻ ስራሕት ከም መራሕቲ ጉጅለታት ኮይኖ ብብቕዓት ከገልግሉ ዝወርሑ። ቀጺሎም ከኣ ነቶም 12 ክፍሊ ብምልኦም ምስክር ወረቐት ዓዲሎም። ቀጺሉ እስታዝ ዑመር መግለጺ ሂቡ። ንሱ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ኣብ ከምዚ ዝኣምሰለ ዕውት ሰራሕ ዓመት መጸት ምሳኹም ኮይነ ንኸብዕል ሓጎስ ይስመዓኒ። ንሕና ሓንቲ ስድራ ኢና። እናተረዳዳእና ከኣ ንኾነ ሽግራት ክንፈትሖ ኢና። ከምቲ ትዝክርዎ ዓሚ ናይ ተማሃሮ 12 ክፍሊ መሳተፊ ዝነበረ ክፍሊት ካብ መጠን ንላዕሊ ከቢድ ስለዝነበረ ተጋይና ፍታሕ ረኪብናሉ። ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርትኩም ኣብ ዕልሚ (ሳይንስ) ጥራይ ዘተኮረ ነይሩ። ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ግን ብጻዕሪ ናይ ኣባ ገብራይን ናትናን ነቶም ብኣደቢ (ኣርት) ክቕጽሉ ዝደልዩ ተማሃሮ ክንከፍተሎም ኢና። ንሓደ ህጻን ኣብ ምእላይ ዝለዓለ እጃም ዘለዎም ስድራኡ እዮም። ብጽቡቕ ተርብያ (ኣተዓባብያ) ክህልዎ ወለዲ ደቕኩም ክትካታተሉ ትጥለቡ። ከምኡ ውን ተማሃሮ ዘረባ ወለድኹምን ምኽሪ መማህራንኩምን ክትሰምዑ ኣለኩም። ብፍላይ ከኣ እዞም ሕጂ ክንምርቐኩም ዝጸናሕና ተማሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ተካይድዎ ናይ ሱዳን ሰርቲፊከይ መርመራ ዕውታት ኮንኩም ክትርከቡን። ኣብ ዩኒቨርስታት ናይ ሱዳን ትምህርትኩም ከቕጽሉ ትምኒተይ ደረት የብሉን። ድሮኻ ካባኻትዱም ክልተ ተማሃሮ ኣብ ዓለምለኻዊ መርመራ ተሳቲፎም ዕድል ናይ ምንሓ ድራስያ ( እስኮላር ሽፕ) ረኺቦም ኣለው።እዚ ድማ ነዚ ኣብያተ ትምህርትኹምን ንዓና ንሱዳናውያን ዘኹርዕ ኢዩ። ሰለዚ ኣጀኹም ኣብ ጎንኹም ኣሎና። ብምባል መልእኽቱ ዛዚሙ።

ቀጺሉ ድሕሪ ገለ መደባት ናይ ጉጅለ ባህሊ መድረኽ ንኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ተዋሂቡ። ንሶም ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ምውቕ ሰላምታ ብምሃብ፣ኣብዚ ክቡር ኣድራሻ ዳስና ነዛ ዕለት ናይ ደቅና ዉጺኢት ስራሕ ናይ 2014-2015 ምዕጻው ናይ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ኣብየተ ትምህርቲ ከሰላ ነቲ ምሉእ ዓመት ዘመዝገብዎ ፍረ ንምእካብ ዕድል ዝሃበና ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ ።

እዛ ዕለት እዝኣ ኣብ ታሪኽ ምዕጻው ቤት ትምህርቲ ኣገዳሲ ታሪኽ ኣሎዎ ፣ ንሳቶም ድማ ፣-ውሕዳት (ስምረት) ናይ ሰለስትኡ ኣብየት ትምህርቲ ተርኢ።ስምረት መማህራን ናይ ሰለስትኡ ኣብየት ትምህርቲ ተርኢ።ስምረት ወለዲ ብሓደ ተጠርኒፎም ብምምጻእ ድሌት ትምህርቲ ከም ዘሎዎም ተርኢ።

WedSherrifey 5

ኩልና ከምእንርድኦ እዚ ዘሎናዩ ዘመን ወዲ ሰብ ኣብ ዕምቈት ናይ ፍልጠት እናተባለሐተ ዝኸዶ ዘሎ እዋን ኢዩ። በዚ መነጻር እዚ ድማ ደቕና ነዚ ምህዞ እዚ ቀሲሞም ናይ ዝመጽእ ናብራኦም ክመርሑሉ ዝኽእሉ ዓቅሚ (ፍልጠት ) የድልዩም። ብምባል ዓቅምና ብዝፍቅድ ብዘይ ናይ ወገን፣ ሃገር፣ ቈርበት ኣፈላላይ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ነዚ ገዚፍ ዕማም ካብ ኣዚለ ጀሚራ ክሳብ 12 ክፍሊ ምስ ምምጻእ ስደት ጀሚራ ኣብያተ ትምህርቲ ከፊታ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ብዑቱብነት ተካየድ ኣላ። ከተካይድ እዉን እያ ።መርኣያ ናይዚ ውጺኢት ድማ ኣብዛ ቤት ትምህርቲ ዝተማሃሩ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ተዘርጊሖም ጥጡሕ ናብራ የሕልፍ ኣሎዎ።

ኣብዚ ክዝክሩ ዝሎዎም ነዚ ኣድካምን ዓቅልን ዝሓትት ስራሕ ንደቅና ዘቕስሙ ዘሎዉ መማህራን ናይ ሰለስቲኡ ኣብየተ ትምህርቲ ዓቢ ዝናን መጎስን ካብ ልቢ ዝነቀለ ምስጋናይ ክቅርበሎም እፈቱ። ሓድናታዊ ስምረቶም ቀንዲ መግለጺ ናይ ስራሖም ኢዩ። ነዚ ዝገልጽ ህያው ምስክር ድማ ሎሚ ዕለት ኩሎም ተጠርንፎም ምስ ወለድን ተማሃሮን ምስ ክቡራት ኣጋይሾም ብዘድንቕ ኣገባብ ከብራ ዘላ ዕለት መርኣያ ናይ ስምረቶም ዘርኢ ምስክርነት ኢዩ።

ዝከበርኩም ወለዲ ከምኡ’ውን ተማሃሮ ፣ ኩልና ኣብ ትምህርቲ ሓባራዊ ጥቅሚ ኣሎና ። ወለዲ ብምልኡ ሓላፍነት ኣብ ደቆም ዓወደ ትምህርቲ ተሓተቲ ምዃኖም እንተዘንጊዖም ታሪኽ ይሓቶም ። ስለዚ ምክትታል እቲ ቀንዲ ንተማሃራይ ዓወት ዘጐናድፍ ኢዩ።

ዘሎናዮ እዋን ዘናውጽ ግዜ ኢዩ። ኩሉ ሰብ ንሳልሳይ ስደት ዝኸደን ፣ ክኸይድ ኣብ መንገዲ ዘሎን ፣ ንክኸይድ ሃንቈውታ ዘሎዎን ኰይኑ ፣ ኣብ ሰለስተ ደረጃታት መቅልና እንጐዓዞ ግዜ ብምዃን ኣብ ትምህርቲ ብዙሕ ናይ ሓንጉል ዘይቅሳነትን፣ ዘይምርግጋእን ይፈጥር ስለዘሎ ኣብ ዘሎናዮ ቦታ ንኣምላኽ ሰላምን ቅሳነትን ጥዕናን ክልግሰልማ ንለምን። ኩሉ ቦታ ቦታ ኣምላኽ ከምዚኾነ ፈልጥና ዕለታዊ ናብራና ከይተሸበርና ክንመርሕ ይግበኣና።

ብዛዕባ ውጺኢት (ፍረ) ስራሖም ናይ ተማሃሮ ብዝምልከት ከምቲ ኣብ ቃል ናይ መምህራን ዝተነበ ወይ ዝሰማዕናዩ ዋላ እኳ ትሑት መሕለፊ ነጥቢ ይኹን እንበር ዝሓለፉ ተማሃሮ ክብ ዝበለ ደረጃ ሒዙ ኣሎ። ካብቲ ዘሐጉስ ከኣ ካብዞም ናይ ሎሚ ዓመት 12 ክፍሊ ክመሃሩ ዝሓገዩ ፣ ኣብ ዓለምለኻዊ መፈተኒ መርመራታት ተሳቲፎም ጽቡቕ ነጥቢ ሰለዝረኸቡ ኣብ ክልተ ሃገራት እስኮላር ሽፕ ( መንሓ ድራስያ) ምርካቦም ኢዩ። ተማሃሪ ሄለን ተስፋማርያም መንግስቲ ሆላንድ ክትቕበላ ከላተማሃራይ ሄርሞን ወረደ ከኣ መንግስቲ ኣርማንያ ተቐቢላቶ ኣላ። ኣብ ዝኸድዎ ናይ ትምህርቲ ዓለም ዕውታት ኮይኖም ክርከቡ ኣምላኽ ክሕግዞም እምነየሎም።

WedSherrifey 6

እዚ ስእሊ ናይ 2014 – 2015 ዓመተ ትምህርቲ ናይ ተማሃሮ 12 ክፍሊ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ክብሉ ዝደሊ እንተሃሊዩ፣-ክሉኹም መማህራን ፣ ተማሃሮ ፣ ወለዲ እንቋዕ ኣምላኽ ናይ 2014-2015 ፍጻመ ትምህርቲ ኣብጻሓንኩም ፣ ብዘርኣኽምዎ ዝነኣድ ስራሕኩም የመጉሰኩም።ኩሉኹም ወለዲ ዕላማ ትምህርቲ ተረዲእኩሞን ኣሕድሪኩም ኣብ ምእላይ ድቕኹም ኣተኪሮ ንኽህልወኩም ይላቦ።ንሓዉ ምንግስቲ ሱዳን ንምምሃር ነጻ ዕድል ዝሃቡና የመጉሶም። ነዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ብምሉእ ሕልናኦምን ጐልበቶምን ዝሕግዙና ዝነበሩ ነፍስ.ሄር ኣባ ማሪኖ በዚ ናይ ኣጋጣሚ ዕለት ኣምላኽ ኣብ መንግስተ ሰማይ ከንብሮም ኣብ ጸሎትና ክንዝክሮም ይላቦ። ከም ቀደምና ከኣ እቲ ስሩዕ ዓመት ትምህርቲ ኣብ ግዚኡ ክንጅምሮ ምዃና እሕብር። ይቀንየለይ ብምባል ካብ መድረኽ ወሪዶም።

መድረኽ ሕጂውን 20 ደቒቕ ዝኣክል ንኣባላት ጉጅለ ባህሊ ተማሃሮ ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ኢዩ። ኣድናቆት ዘትረፈ ባህላዊ ምርኢት ድሕሪ ምቕራብ ከኣ ሰዓት 6.00 ናይ ምሸት ምሳኸለ ኣብ ምዕዳል ብልጫታት ናይቶም ካብ ነፍስ ወከፍ ክፍሊ ብትምህርቶም ጸብለልትነት ዘርኣዩ ንፍዓት 42 ተማሃሮ ፍሉይ ናይ ብልጫ ምስክር ወረቐት ብኢድ ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ብምዕዳል ናይቲ በዓል መዛዘሚ ኮይኑ።

WedSherrifey 7

እዚ ገለ ናይቲ ዝተኻየደ ናይ ተማሃሮ ንጥፈታት ዘርኢ ስእሊ ኢዩ። ሰላም ዎ ሰናይ ንኹልና!!!

ሽማግለ በዓላት ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤ ክርስትያን ከሰላ

Last modified on Tuesday, 17 March 2015 12:05