ሰንበት 15 ጥቅምቲ 2023 ብወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ እተጸወዐ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ተኻይዱ። ሓፍቲ ኣድያም ኣኼባ ኣብ ምኽፋታ ብጸይትና ኣልጋነሽ ያቆብ ብምዝካር ዝነበራ ዓቢ ኣስትአዋጽኦ ድሕሪ ምጥቃስ መስዋእታ ኣብ ሰልፍና ዓቢ ሃጓፍ ከምዝፍፈጠረ ኣብሪሃ። እዚ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝተሰላሰለ ዕዉት ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ብምንባሩ ኣቃዉማ ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮን ናይ ዝመጽእ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ ንድፊን ብሓፍቲ ኣድያም ቀሪቡ።  

ዝቐረበ ናይ ዝመጽእ ሓደ  ዓመት ናይ ስራሕ ንድፊ ድሕሪ እኹል ምምይያጥ ጸዲቑ። ብመሰረት ዝጸደቐ መደብ ድማ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ተገይሩ። ኣብ ምውዳብን ምምልማልን ሓደስቲ ደቂ-ኣንስትዮ ጽዑቕ ጻዕርታት ክካየድ ከምዘለዎ ኣኼባ ተመልኪቱ።

ብዘይካ’ዚ  ንቤት-ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ንምሕጋዝ ብቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትትዮ ዝተገብረ ሓገዛት ብምምጓስ ቀጻሊ ጻዕርታት ክካየድ ኣኼባ ተሰማሚዑ።

ምስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ዝካየድ ምንቅስቓስሳት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ምሉእ ምትሕብባር ክግበር ኣድላይነቱ ተራእዩ።

ኣብ መደምደምታ ሓፈሻዊ እኼባታት ደቂ-ኣንስትዮ ስሰልፊ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሕጂ’ውን ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ክካየድ ኣኼባ ወሲኑ።

ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕምብብ ዲሞክራሲ የለን!

ቤት ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮ ሰ.ዲ.ህ.ኤ

15 ጥቅምቲ 2023

Sunday, 15 October 2023 21:14

Dimtsi Harnnet Sweden 15.10.2023

Written by

ብዕለት 14.10.2023 ዓ.ም. ፈ. ሰዓት 20.00 ድ. ቀ. ብመራኸቢ ብዙሓን ዙም ጨንፈር ቁ.2 ሰ. ዲ. ህ. ኤ. ሃገረ ሽወደን ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዶም`። ኣጀንዳ ኣኼባ ከኣ 1- ዉጺኢት 4ይ  ጉባኤ ሰ. ዲ. ህ. ኤ.  ብወከልቲ ጉባኤ ምቀራብ ፣ 2- ገምጋምን ዉጺኢት ፈስቲቫል ኤርትራ 2023 ብኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል ።

ኣኼባ  ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሙዉቅ ሰላምታ ብምቅራብ፣ ንብጻይ ኣረፋይነ እስቲፋኖስ ወኪል ጉባኤን ኣባል ሽማገለ ን ዝኾነ ሙሉእ ጥዕና ክህቦ ብምምናይ ከፈቶ። ኣስዒቡ ኣባላት እዚ ጨንፈር ቁ.2  ተሰኪሞሞ ዘሎዉ  ሰልፋዊ ሓላፍነት ካብቶም ቀንዲ ኣዕኑድ ጽንዓትን ንቅሓትን ተወፋይነትን ኣበርክቶን ብሓቂ ዓቢ ግናዕ ጽፈትን ብሩህ ምሕደራን ብምኻን፣ ከም ኣባል ሕቡንን ዕጉብን ብምባል ግደ ብጻይ ነጋሲ ሓምደን ብጻይ ፍጹም ኢሳቅን ኣመስጊኑ ። ኣብቲ ጉባኤ ስነበሩ መስራሓት ብቀደም ተኸተል ብምትንካፍ ከኣ እዚ ሰልፊ እዚ ጽኑዕን ንቁሕ ተረዳኦ ዝውንን ንዝኾነ ተርእዮታት ወይ ለውጥታት ኣብ ጎረበት ይኹን ኣብ ዓለም እውን  ብቁዕ ኣስተብህሎን ንቁሕ ሚዛንን ብምሃብ ብማንም ዘይክሰስ ሓያል ተባዕ መሪሕነቱ ኣመስኪሩ እዩ ኢሉ ፣ 4ይ ጉባኤ ዉህድ ሓድነቱ ዝዓቀበ ዕዉት ጉባኤ ምንባሩ ሓቢሩ። ቀጺሎም ኣብ ጉባኤ ዝተሳተፉ ሰለስተ ብጾት ኣዎንታዉን ገለ ጉድለታት ብምትንካፍ ንመጻኢ ክጽንዑ ተላብዮም  ዉሁድ ጉባኤ ምንባሩ ኣስሚሮምሉ። ብፍላይ ሓዲስ ኣቦ መንበር ብኩሉ ቅቡል ዝኮነ ባእታ ተስፋ ንዓወት ምኻኑ ኣስሚሮምሉ። ብምቅጻል ኣቦ ወንበር ኣሳናዳኢት ሸማገለ ፈስቲቫ 2023 ዕዉት ፈስቲቫል ፖሊቲካዊ ተልእኾ ዘማሓላለፈን ህዱእን ዓቅምና ዝኾነ በዓል ብዘሕለል ተወፋይነት ኣባላት ሰልፊ ዝተዓመ ኩሎም  ስራሓት ብዘይ ክሳራ ከም ዝነበረ ብዝርዝር ኣቅሪቡ። ኣኼባ ብሃነጽቲ ለዉባት ኣብ ገንዘባዊ ጉዳይ ብምቅራብ ኣኼባ ብዕጉብ መንፈስ ተዛዚሙ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!!!

Thursday, 12 October 2023 23:49

Dimtsi Harnnet Kassel 12.10.2023

Written by

ብዕለት  08 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ስያትል ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ጨንፈር ስያትል ኣብቲ ሰለስተ ሳዓታት ዝውሰደ ኣኼባ ብቐዳምነት ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣብቲ ብዘተ ንሓባዊ ንቕሓት ዝተባህለ መራኸቢ ተዓዲሙ፣ ብዛዕባቲ ንምዕዋት ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተሓልፈ ቅዋማዊ መስርሕን ዝሰገሮም ብድሆታትን ጉባኤ ዝወሰዶም ሓደስቲ መድረኻውያን ፖለቲካዊ  ውሳኔታትን ንምብራህ ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ ዘትዩ። ጨንፈር ኣብቲ ናይ ኣቦ መንበር ኣኼባ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ኣገደስቲ ሕቶታትን ኣቦ መንበር ሰልፊ ብተደጋጋሚ ዘብርሆ ዝነበረ መልስን ንጹርን ግልጽን ምንባሩ መዚኑ። ከምኡ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ናይ ህዝብን ኣባላት ሰልፍን ቀጻሊ ክኸውን ድማ ርእዩ።

እቲ ካላኣይ ኣብ ኣኼባ ጨንፈር ዝቐረበ ዛዕባ ድማ፡ ሐፈሻዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሐመዱ ዝብል ኮይኑ: ኣብ ውጽኢት ራብዓይ ጉባኤን ነዚ ዝምልከት ውሳኔን ምርኩስ ብምግባር፣ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘድሊ ምትብባዕን ደገፍን ንኽግበረሉ፣ ዘለዎ ናይ ኣመራርሓን ምምሕዳራዊ ሕጽረታትን ክምልእን ኩሉ ዓይነት ደገፍ ክረክብ ከምዝግባእ ኣኼባ ርእዩ።

እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ኣኼባ ጨንፈር ዝተዛረበሉ ኣጀንዳ ድማ፡ ሓፈሻዊ ኲነታት ኤርትራን ከባቢኣን ዝብል ኮይኑ፣ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ብፍላይ  ዘንጸላሉ አሎ ናይ ኲናት ሓደጋን ስቅያት ህዝብናን ዘጠቓለለ ነይሩ። ኣኼባ ብብጸይቲ ኤርትራ ኣልኣዛር  ኣደ-ወንበር ጨንፈር ተመሪሑ ብሓባራዊ ምርድዳእ ምድምዳሙ ተሓቢሩ።  

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!!!

ርእሰ ዓኣንቀጽ ሰዲህኤ

ቅድሚ ናብቲ ኣርእስቲ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ምእታውና ብመንቀሊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ክንጅምር ይሓይሽ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሰላማውን ፖለቲካውን ኣገባብ ዝጀመሮ ናይ መሰልካ ምሕላውን ከም ዓለሙ ሃገራዊ ክብሩ ዓቂቡ ናይ ምንባርን ቃልሱ ሰማዒ ኣይረከበን። ብኣንጻሩ ግዳይ ምብርራይ መግዛእታዊ ሕልምታቶም ንኽኸውን፡ ዘጥረዮ ህዝባውን ሃገራውን ሓድነት በታቲኖም ኣብ ሕድሕዱ ንኽቓተልን ምትእምማን ንኸየጥርን መፈላላዪ ሜላታት እንዳፋሓሱ ከናቑትዎ ፈቲኖም። ጎበጥቲ መንግስታት ኣዕጢቆም ዘዋፈርዎን ዝፈጸምዎን ቅትለታት፣ ኤርትራውያን ኣብ ሕድሕዶም ከምዝፈጸምዎ ኣምሲሎም ክጥቅንዎ ተሰሚዖም። ሓያላን መንግስታት ብወገኖም ወታሃደራውን ፖለቲካውን ስትራተጂካዊ ጠቕምታቶም ንኸረጋግጹ፡ ብስም ምውናን ኣፍ-ደገ ባሕርን ወደብን  ዝብል ሜላ ንኤርትራ፤ መጋበሪያኦም ንዝኾነ መስፍናዊ ስርዓት ሃይለስላሰ  ኣሕሊፎም ንማሃብ ውዲታዊ ኣኼባታትን ሽምግልናታትን ኣካይዶም።

ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ እወ ንነጻነት ኤርትራ ዝብል ብዝሒ ድምጺ ኤርትራውያን ጓዕጺጾም በቲ ክከላኸልሉ ዘይኽእሉ ውዲታዊ ውዑል ፈደረሽን ዝበልዎ፡ ምስ ኢትዮጵያ ንኽተኣሳሰር ፈረድዎ። እዚ ውዲት’ዚ ድማ’ዩ ነቲ ኣቀዲሙ ዝተሓስበ ጎባጢ ዕላማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ መሰጋገሪ ዕድል ዝኸፈተ። ምኽንያቱ ውዕል ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣጣጢሐ እግራ ንኽትረግጽ መግዝኢ ግዜ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዘቆሞ ኣካልውን ክከላኸለሉን ክሕልዎን ሰለዘይኽእል ንክትግበር ባይታ ኣይንበሮን። ስለዚ ድማ’ዩ ብኡ ንብኡ እቲ ውልዶ ዝቆመ ሃገራዊ መንግስትን ትካላቱን ብሓይሊ ብረት ክድምሰስ ዝጅመረ። ቀጺሉ “ካብ ሎሚ ንዳሓር ኣብ ጠረጴዛ ናይ ኢትይጵያ እንተዘይኮይኑ፤ ናይ ኤርትራ ዝባሃል ጉዳይ የለን” ዝብል ውዱእን ናይ መወዳእታን መግለጺ ተዋሂቡ። ኤርትራውያን ግን፡ በዚ ከይሰንበዱ ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ፖለቲካዊ ቃልሲ ድሕሪ ምክያድ፣ “ናብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ከምዝባሃል፡ መልሱ በትርን ጥይትን ስለዝኾነ ተገዲዶም ዕጥቃዊ ቃልሲ ምጅማሮም ታሪኽ መስዋእቶም ዝዝክሮ እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ምስ ኩሉ ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማቱ፡ ንሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ  ገጠራት ካብ ዝነበሮ መደበራት ናብ ከተማታት እንዳኾብኮበ ኣብ 1974 ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዋና ከተማ ኤርትራ በጺሑ። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ብምሉእ ዓቕማ ሰላማዊ ህዝቢ ከተጽንት፡ ንብረትን ማልን ከተብርስ ዘይተኣደነ ግፍዕን በደልን ፈጸመት። ኣብዚ ኣዋን’ዚ እዩ ማዓመር ገዳፊ ናይ ሊብያ መራሒ ነበር፡ ኤርትራ ካብ መግዛእት ኢትዮጵያ ነጻ ክትወጽእ ኣለዋ፡ ክብል ድምጹ ዘስመዐ።  በዚ ዝሰንበደ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ሕታምን ዕለትን ገዲፍና ኣብ መጠረስታ ወርሒ ናይ 1974 ኣብ  “ኣዲስ ዘመን” ኣብዝተባሀ ጋዜጣ “በኣፍሪቃ ውስጥ ኣንድ ዕብድ ኣለ” ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ጽሉል ኣሎ፡ ክትብል ኣስፊራ፡  ኣንጻር ገዳፍን፡ ብሓፈሻ’ውን ኣንጻር ሃገራት ኣዕራብ ብዙሕ ኢላን ፈኪራን። ክሳብ ብራድዮ ቴለቪዝዮንን “ግደፊ እባ ሶርያ ኣሽንኳይ ንዓኺ ምስ ሰብ ጀለብያ፡ ክንደይ ኣራኢና ኢና ኣብ ኮርያ” ዝብል ፈኸራ ወሲኾምሉ። ካብዚ ንላዕሊ ናይቲ እዋን ጽላለ መንግስት ኢትዮጵያ ግን ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ከምቲ ናይ ገዳፊ ልሳኑ መሊኡ ዝዛረብ መንግስታት እንተዝነብር ድማ፡ እቲ ክሳብ 1991 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቐጸለ ውግእ ዝጠፍኤ ሂይወትን ዝወረደ ኩሉ መዳያዊ ብርሰትን ምዳሓነ። ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ነጻነቱ ኣረጋጊጹ። ድሕሪ 1993 ኤርትራ ኣብ መጋባእያ ዓለም ሉኣላዊት ሃገር ኮይና፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ንኤርትራውያን ዝተዓጽወ ፋይል እዩ። ድሕር’ዚ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ክሕብኡን ክነብሩን  እንተዘይደልዮም ንዋንነት ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ብዝምልከት ከተመ፡ ብስምምዕን ፍታውን ኤርትራውያን እንተዘይኮይኑ ከምጡብ ኣዲኦም ክቐብጽዎ ይግባእ።

ሓባራዊ ዕብየትን ሰናይ ጉርብትናን ብውግእን ፈኸራን ክረጋገጽ ከምዘይክእል ኣሚንካ፣ ሃገራውን ኣህጉራውን ሕግታት ቀሪጽካ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ክረጋገጽ ስለዝካኣል ድማ’ዩ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ራብዓይ ጉባኤኡ፡ “ልኡላዊ ዋንነት ወደባት ኤርትራ ዘኽብር፣ ሃገራውን  ኣህጉራውን ሕግታትን ውዑላትን ዘሰነዮ፣ ነጻ ተጠቓምነትን ኣገልግሎትን ዝህብ ንኽኸውን” ዝውሰነ።  እዚውን ኣብቲ ኣንብህጎን እንቃለሰሉን ዘለና ምቋም ቕዋማዊ መንግስቲ ምስተበጽሔን ብእኡ ዝብየንን እምበር፡ ብሓደ ሰልፊ ወይ ምንቅስቓስ ዝውዳእ ከምዘይኮነ እንግንዘቦ እዩ።

ህልዊ መራሕ መንግስታት ኢትዮጵያን ሚኒስተራቱን ግን፡ ካብቲ ዝፈሰሰ ደምን ህልቂትን ገና ዝተማህሩ ስለዘይመስሉ፡ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ዝብል ሕማም ርእሲ ዘለዎም ንሳቶም እዮም። ገዳፊ ግን መንቀሊኡ ብዘየገድስ ናይ ኤርትራ መሰል ይታሓሎ። ውግእን ጥፍኣትን ደው ይበል  ስለዝበለ ጥራሕ’ዩ ናይ ኣፍሪቃ ጽሉል ተባሂሉ። ብጸለመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1974 ዓ.ም ናይ ኣፍሪቃ ጽሉል ዝበልዎ ሓደ ጥራሕ እዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ኣብ ኣፍሪቃ ዘይኮነስ ኣብቲ ብብልጽግናን ኢዜማን ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህርፋን ባሕርን ወደብን  ኣብ ጽላለ ዘድሃበሎም ብዙሓት ምዃኖም፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ሓደ ዝሓለፎ ዕቡድ ምህላዉ ካብ ልሳናቶምን ተግባራቶምን ንዕዘብ ኣለና።

ብኤርትራ ዝጀመረ “ንኢትዮጵያ ፋሕ ፋሕ ከየበልና ክንገዝኣ ኣይንኽእልን ኢና፡ ንኽንገዝኣ  ፋሕ ፋሕ ከነብላ ኣለና፡ ምስዚኣቶም ክደፍዶ ብሓባር ክትነብር፡ ብሓባር ክትልምንውን ኣይካኣልን እዩ”፡ ክብል ከምዘይጸንሐ  “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ” ዝብል ሕቡእ ሕልምታት ዘግሃደ ናይ ዕብዳን መግለጺ ኢሳያስ ብቐዳምነት ዝስራዕ ክኸውን ከሎ፡ ካብዚ ብዘይፍለ  ኣቢዪ ኣሕመድ እውን፡ “ኣፈራሪሰ ኣምጺኤ ክሕውሳ እየ ኤርትራ፣ መኣስ ከምዝኸውን ግን ኣይነግረኩምን እየ፡ ዓሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ቀይሕ ባሕሪ ወሲኽና ዋናታት ስለ እንኸውን ኤርትራ ትባሃል ሃገር ኣይክትህሉን እያ። ንሰርሕ ኢና ዘለና፡ ናይ ቀይሕ ባሕርን ዓሰብን ዕንቅፋት ኮይኑና ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ነቲ ህዝቢ ኣምበርኪኹ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ እዩ፡ ኣብኡ ዘሎ ኣገዛዝኣ ከነወግዶ ኢና” ምባሎውን ልዕሊ ዕብዳን ካልእ ክባሃል ኣይካኣልን እዩ። የድሕነና እምበር፡ ኣብዚ እዋን ካብዚ ናይ ክልቲኦም፡ ሃገራት ኣፈራሪሶም ክገዝኡ ዝደልዩን ዝሓልሙን ዝዓብን ካብ ሕድሕድ ዘይሕሹ ጽሉላት ምዃኖምን እዩ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ክግንዘብ ዘለዎ። ዘየፍረስዎን ዘየዕነዉዎን እንታይ ዝተረፈ ስለዘሎ እዩ  ኸ ተመሊሶም ዝፍክሩ ዘለዉ?

ኣብዘን ዝሓለፋ 5 ዓመታት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ፈኸራን ጉዳይ ዋንነት ወደብ ዓሰብን ኣብ መንጎ ኣቢይን ኢሳያስን ኣቐዲሙ ኣብ ቃልዕ ዝወጸ ስምምዕ እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ዓበይቲ ምልክታት ክረአ ጸኒሑ እዩ፡ ናይ ውልቀ ሰባትን ጋዜጠኛታትን ወስታታት ከምዘይነበረ ድማ እዚ ሕጂ ዝስማዕ ዘሎ ሰለስትኤን ሃገራት ኣብ ጎንደር ዝገበርኦ ስምምዕ ቀንዲ ዕላምኡ ብኮንፈደረሽን ንምውህሃድ ዝዓለመ ምንባሩ ኣቢዪ ኣሕመድ ቅድሚ 2 ኣዋርሕ ንጋዜጠኛታት ከምዝሐበረ፡ ናይቲ ኮንፈደረሽን ፕረሲደንት ኢሳያስ ክኸውን፤ ኣቢዪ ኣሕመድ ድማ ጠቕላይ ሚኒስተር ኮይኖም ክማስሕዎ  ምስጢራዊ ስምምዕ ከምዝነበሮም፣ ኢትዮ ፎርም ኣብ ናይ ዕለት 07.10.2023 ፈነዋኡ ኣብሪሁ ኣሎ።  

ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ እንሓንሳብ “እኔና ኢሱ ተደምረን ኣሰብ ኣንካፈልለን፡ ጸኒሑ “በሰላም ካልተቻለ በሓይል ኣሰብን እንመልሰዋለን” እንዳተባህለ፡  ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ልዕሊ ዜናን ብሂልን፡ ካልኦት ኣካላት ብድሕሪኡ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ተገንዚቡ፡ ብተገዳስነት ክርእዮን፣ ህዝብና ኣብ ህልውና ኢሳያስን ናይ ጥፍኣት ፖሊሲታቱን ብሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ክነብር ከምዘይኽእል ኣሚኑ፡ ካብ ተደጋጋሚ ህልቂትን ውግእ ከነድሕኖ፡ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንስርዓት ኢሳያስ ንምውጋድ መሳርዑ ከስምር ይግባእ ንብል።

ብቀዳም ዕለት 07 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ከተማ ሲያትል ብኣባላት ምንቕስቓስ ይኣክልን ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱን  ዝተዳለወ መበል 10ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብዚ ናይ ዝኽሪ ኣኼባ ብናይ ሰማእታት ናይ ሕልና ጸሎት  ድሕሪ ምጅማር ሓው መሓሪ ኣስራት መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ። ቀጺላ ኣደ መንበር ምንቅስቓስ ይኣክል ወ/ሮ ገነት ብርሃነ ሎሚ ን10ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ከነኽብር ከሎና “ቃልስና ብምሕያል ሕድሪ እቶም ኩሎም ኣብ ሰሃራን ባሕርን ዝተቀዘፉና ሰማእታትና ከነተግብር ደጊምና ደጋጊምና ቃልና እነሐድሰሉ ክኸውን ይግባእ” ዝብል ናይቲ መዓልቲ መእከቢ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ሓጺርን ረዚንን መግለጺ ኣቕረበት።

ኣስዒቡ፡ ኣቦ መንበር ብሪጌድ ንሓመዱ ሲያትል ሓው መዓሾ ጎይትኦም ታሪኽ ህይወት ናይ ስዉእ ብሪጌድ ንሓምዱ ዝኾነ ሃይለ መስፍን ኣንበበ። ካብዚ ቀጺሉ እቲ ወናም ስነ-ጥበባዊ ገጣሚ ዳዊት ክፍልዝጊ ብዛዕባ ህልቂት ላምፓዱዛ መሳጢ ግጥሚ ምቕራቡ ይዝከር።

ቀጺሉ ንዝኽሪ ኩሎም ዝሓለፉ  ሰማእታት ብተሳተፍቲ ናይ ሽምዓ መብራህቲ ተገይሩ። ስዒቡ ንኣዳለውቲ በዓል ኮነ ፈጸምቲ ኣካላት ዝምልከቱ ካብ ኣባላት ዝተፈላለየ ርእይቶታትን ለበዋታት ቀሪቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንናይ እስራኤል ብሪጌድ ንሓመዱን ናብ ኤሪሳት ዝኸይድን ብፍላይ ንስድራ ስዉእ ጅግና ሃይለ መስፍን ዝለኣኽን ናይ ገንዘብ ወፈያ ብምግባር እቲ ኣኼባ ተደምደመ።

እዛ መዓልቲዚኣ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሲያትል ፍልይቲ ዝገብራ ድማ፡ ቅድሚ 10 ዓመታት በቲ ኣብ ላምፓዱዛ ዘጋጠመ ህልቂት፡ ክሳብ 800 ዝኣክል ብዝሒ ዝነበሮም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ሲያትል፤ ሓዘኖም ንምግላጽን ንናይ ሓባር ቃልሲ ክዕጠቑን ተኣኪቦም  ዝተበገሱላ መዓልቲ ብምዃና እያ።

 ወናም ስነ-ጥበባዊ ሰመረ ኣብርሃም ናይ ላምፓዱሳ ህልቂት ብምዝካር ዘቕረቦ ናይ ሓዘንን ቆራጽነትን ዜማታት ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀት ከምዝሃቦ‘ውን ተሓቢሩ። እተን ዘይሕለላ ኣዴታትን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ድማ ንኹሉ ኣኼበኛ ሻህን ሕብስትን ብምቕራብ ዝምስገን ዕማም ምብርካተን ዝዝከር እዩ።

 ሓው መሓሪ ኣስራት ከም ኩሉግዜ ነቲ ኣደራሽ ናይ መለይ ባንዴራታትን ስልማትን ናይ ድምጺ መጉልሒ መሳርሒታትን ብምትካል ነቲ ኣኼባ ኣማዕሪጉዎ ወዓለ። ንኹሎም ኣብ ምድላውን ምስታፍን ናይቲ ኣኼባ ዝተኻፈሉ መንእሰያት፡ ዓበይትን ኣዴታትን ድማ ልባዊ ምስጋና ብምቕራብ እቲ ዝኽሪ ተደምዲሙ።

Sunday, 08 October 2023 12:30

Dimtsi Harnnet Sweden 07.10.2023

Written by