Friday, 28 July 2023 00:35

Dimtsi Harnnet Kassel 27.07.2023

Written by

ኣምራጺት ሽማገለ ስረሓታ እናካየደት

ራብዓይ ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ 26 ሓምለ 2023፡ 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን ኣባላት ዘለዉዎ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣባላት መሪሕነት ዘይነበሩ መንእሰያት ዘሳተፈ ማእከላይ ባይቶ መሪጹ። እዞም ኣባላት ማእከላይ ዝተመርጹ፡ ሓጻይት ሽማግለ ኣቐዲማ ኣጻርያ ካብ ዘቕረበቶምን ጉባአ ኣገዳስነቶም ርእዩ ካብ ዝወሰኾምን ሕጹያት እዮም። ብቅዋም ሰዲህኤ መሰረት፡ ማእከላይ ባይቶ ኣቦመንበር ክመርጽን ደሕሪኡ ድማ ኣቦመንበር ዝሓጽዮም ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ክስይም ትጽቢት ይግበረሉ።

እዚ ከም ከምዚ እንከሎ ኣብዚ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፡ መስርሕ ጉባአ ከመይ ከም ዝነብረን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ግዜ ከም ዝተኻየደን ዝዳህሰሰ፡ ጉባአ ዝፈጸሞም ኣገደስቲ ስረሓት ዘመላኸተን መጻኢ መደባት ሰልፊ ዝእምትን ደምዳሚ መግለጺ ኣውጺኡ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ደምዳሚ መግለጺ ከኣ ከይደንጐየ ክስዕብ እዩ።

New EPDP CC menbers 2023ኣብ 4ይ ጉባአ ካብ ዝተመርጹ ኣባላት ማ/ባይቶ ብኸፊል

4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሰለስተ መዓልታት ውዕሎኡ፡ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ኣጽዲቑ፡ ሰልፊ ኣብ መጻኢ ዝምረሓሎም ሰነዳትን ኣገዳሲ ውሳነታትን ከም ዝወሰነ ዝገልጽ ጸብጻባት ከነቕርብ ምጽናሕና ዝዝከር እዩ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፍራንክፈርት 2023 ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ ከም ዝጋባእን ውጽኢት 4ይ ጉባአ ኣብኡ ከም ዝሕበርን ነዘኻኸር።

ነጋሽ ዑስማን 

ዝኸበርኪ ኣደ መንበርን ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽማግለን 4ይ ጕባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣቦ መንበርን ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ

ዝኸበርክን ዝኸበርኩምን ኣባላት 4ይ ጉባኤን ሰዲህኤ

 ክቡራት ኣጋይሽ

ሰዉራዊ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ኣብ’ዚ ኣገዳሲ 4ይ ጉባኤኹም ንኽንሳተፍ ዘቕረብኩሙልና ዕድመ፣ ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጻሕኩም። ዕዉት ጉባኤ ክኸውንን፣ ኣገዳሲ ውሳኔታትን መደባትን ሒዙ ክወጽእን ድማ፣ ብስመይን ብስም መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘሎና ትምንቲ ክገልጸልኩም ደስ እብለኒ።

ጉባኤኹም፣ ኣብ ኣዚዩ ፍሉይ ምዕባሌታት ዝተኸስተሉ መድረኽ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ብፖለቲካዊ መዳይ ምስ እንምልከት፣ ብስንኪ ኣዕናዊ መርሆ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ፣ ልዑላውነት ሃገርና ንሓደጋ ተሳጢሑ፣ ኤርትራ ኣብ ዓቢ ፈታኒ መዋእል ትርከብ ኣላ። ብካልኣይ ሸንክ ከኣ፣ ነዚ ብግቡእ ዘስተባሃለ ሰፊሕ ኣካላት ህዝብና፣ ኣንጻር ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ተቓውሞ ድምጹ ክብ እናበለ ይኸይድ ምህላዉ ዓቢ ሓበን እናተሰማዓና ክንገልጾ ንፈቱ። ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታትና’ውን፣ ኣብቲ ንብህጎ ደረጃ በጺሑ ክንብል`ኳ እንተ ዘይከኣልና፣ ብተዛምዳዊ ኣገላልጻ፣ ናይ ዘተን ናይ እንካን ሃባን መንፈስ ኣብ ዝሰፈነሎ ጎዳና ይጓዓዝ ምህላዉ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብ ወርሒ ለካቲት 2020 ዝጀመምቅርራብን ምውህሃዳዊ ስራሕን፡ ሓያሎ ብድሆታት ዝገጠሞ’ኳ ይኹንምበር፣ ክሳብ ሕጂ ብዝተወሃሃደ መደባት፡ ኣብ ዝተፈላለየ መጋባእያትት ብሓደ ድምጺምቕራብ ብዙሕ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉ ብቐረባ ትከታተልዎ ዘለኹም ጉዳይ’ዩ። ኣብ ኣገዳሲ መዳያት ዘይነዓቕ ስጉምታት ሰጒምና ምህላና’ውን ክንገልጽ ንፈቱ። ሓደ ካብ’ቶም ክንዕወተሎም ዝኻኣልና’ውን ካብቲ ኣብ ሕሉፍ ተሞክሮና ሰፊኑ ዝነበረ ከንቶ ውድድራትን፣ ሕድሕድ ምክሳስን ምንእኣስን ንድሕሬና ገዲፍና፣ ሕድሕዳዊ ምትእምማንን መንፈስ ምምልላእን ኣብ ዝሰፈኖ ሓባራዊ ጎደና ክንጓዓዝ ምኽኣልና ኢዩ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ክሳብ’ቲ ጠርናፊ ሰፊሕ ጽላል ኣብ ምምስራት ንበጽሕ፣ ሓባራዊ መሰጋገሪ መሪሕነት ንምቛም ተሰማሚዕና ምህላውና ከበስረኩም እፈቱ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ነቲ ድሮ ኣብ መንጎና ተሃኒጹ ዘሎ ምትእምማንን ሓልዮትን ዝያዳ ከዕዝዞ ምዃኑ እምነትና ክንገልጽ ንፈቱ። ከይዱ ከይዱ’ውን እዚ ምውህሃዳዊ ስራሕ ናብ ናይ መላእ ሃገራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሓድነታውን ምትሕብባራውን ዕዮ ክሰግር ድሌትናን ሃንቀውታናን ስለ ዝኾነ፣ ካባና ዝጥለብ ኩሉ ጻዕርታት ከነካይድ ምዃንና ነረጋግጸልኩም።

ክቡራትን ክቡራንን፣

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ  ትሕቲ  ገባቲ ምሕደራ ህግደፍ፡ ንኣስታት 32 ዓመት ዘሕልፎ ዘሎ፣ ኣሰቃቂ ኩነታት፣ ይትረፍ ዶ ንዓና ኣብ ዓውዲ ቃልሲ ተጸሚድና ዘለናስ፣ ንሰፊሕ ኣካላት ማሕበረ ሰብ ዓለም’ውን ከይተረፈ ዝተፈልጠ ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ ንሕና ከም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ኩነታት’ዚ ብግቡእ ኣንቢብና፣ ንቃልሲ ከደንፍዕ ዝኽእል ተበጎሳታትን ሓባራዊ ስራሕን ከነካይድ ናይ ግድን ይኸውን። እዚ ንምግባር ከኣ ካብ ጸቢብ ውድባውን ጉጅለኣውን ሒሳባት ርሒቕና፣ ናይ ሓባር ስራሓት ከነማዕብልን፣ ኣብ ሓደ ተጠርኒፍና ክንዓይን ናይ’ዚ መድረኽ ህጹጽ ዕማም ምዃኑ ክንፈላለየሉ ዘይግባእ ጉዳይ ኢዩ።   

ክቡራንን ክቡራትን ተሳተፍቲ ጉባኤን ኣጋይሽ ዕዱማትን

ኣብ ዞባዊ መዳይ ብዝምልከት፡ ተጻባእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኲናት ኣቋሪጾም ስምምዕ ሰላም ኣብ ፕሪቶርያ ክኽትሙ ምብቓዖም ደገፍና ብምግላጽ፣ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝተፈጸመ ምፍሳስ ደም ደው ምባሉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ መላእ ዞባና ጸጥታን ምርግጋእን ዘውሕስ ክኸውን ተስፋ ንገብር። ሰራዊት ኤርትራ፡ ወጻኢ ካብ መሬቱ ኣብ ዝተኻየደ ዘይምልከቶ ኲናት ተጠቢሱ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ምስሓብ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ፣ ሃገራውያን ሓይልታት ዝፈላለይሉ ነጥቢ ኣይኮነን። ቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ዋላ’ውን ካልእ መልክዕን ዝተቐየረ ምልፋን ሓይልታትን ዝሓዘለ እንተኾነ፣  ዝነበረ ግጭት ኣብቂዑ ኢዩ ዝብል ዘተኣማምን ሃዋሁ ሰፊኑ ዘይምህላዉ ንኹላህና ዘሻቐል ኩነታት ምዃኑ ብምርዳእ፣ ስምምዕ ኣልጀርስ ሰረቱ ዝገበረ ብይን ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ወዓል ሕደር ክትግበርን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽን ኣትሪርና ንጽውዕ። ኣብዚ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ፣ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ እቲ ብሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ጀጋኑ ኤርትራውያን ዝተረጋገጸ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና፣ ዛጊት ከም ዘይተዋሓጠሎም ሓሓሊፎም ዝህብዎ መግለጺታት ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ገሊኦም ከይሓፈሩ፣ ቀይሕ ባሕሪ ይምልከተና ኢዩ፣ ብሓይሊ ይኹን ብፍቶት ክንመልሶ ኢና ክብሉ ክትሰምዕ፣ እዚዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ’ዩ። ሓደጋታት ናይ ከም’ዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣቃላሊካ ክረአ ኣይግባእን ኢዩ። ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ድሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ሃገርና ንምትካል ዘካይድዎ ዘለዉ ዘይሕለል ቃልሲ፣ ንኸምዚ ዓይነት ኣዕናዊ ጥሙሕ ብትሪ ክምክትዎ’ውን ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ’ዚ፣ ጉዳይ ምቕያር ስርዓት ኣብ ኤርትራ፣ ንዓና ኤርትራውያን ደኣ’ምበር ንዝኾነ ባዕዳዊ ኣካል ዝምልከት ጉዳይ ከም ዘይኾነ፣ መትከላዊ እምንትና ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ክኸውን ይግባእ።   

ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተባሪዑ ዘሎ ውሽጣዊ ኲናት፣ ኣዚዩ ከም ዘሕዘነና ብምግላጽ፣ ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ኣብቲ ልሙድ ናይ ምጽውዋርን ልዝብን ባህሊ ሓው ህዝቢ ሱዳን ተመሊሶም፣ እዚ ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ደው ከብሎን፣ ብዘይ ቅድመ ኩነት ናብ መኣዲ ዘተ ብምእታዊ ኣብ ሱዳን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋጽ ክጽዕሩን ንምሕጸን። ኣብዚ መዳይ’ዚ፣ ንተጻባእቲ ሓይልታት ሱዳን ናብ መኣዲ ዘተን ልዝብን ንምምጻእ ብዝተፈላለዩ ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት ዝውሰድ ዘሎ ተበግሶታት ደገፍና ብምግላጽ፣ ኩሎም ሓይልታት ሱዳን፣ ካብ ሃገራዊ ጠቕምታቶም ዝኣልዮም ናይ ግዳም ምትእትታውን ተጽዕኖን ነጺጎም፣ ውሽጣዊ ጉዳያቶም ንምስራዕ ንሃገራዊ ዘተ እንኮ ምርጭኦም ክኸውንን ጻዊዕትና ነቕርብ።

ክቡራትን ክቡራንን፣

ኣብዚ ኣገጣሚ’ዚ ኮሎም ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ሓይልታት፣ ነዚ ገባቲ ስርዓት ብምእላይን፣ ልዑላውነት ሃገርና ንምዕቋብን፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈኖ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንምቋምን፣ ዓቕምታቶም ብሓባር ጸሚዶም ዕቱብ ቃልሲ ከካይዱ ህጹጽ ተዳላይነት ከም ዘለዎ ከነዛኻር ንፈቱ።

ኣብ መደምደታ፣ 4ይ ጕባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዓወት ክዛዘም ዘሎና ትምኒት ብምግላጽ፣ ነቲ ነካይዶ ዘሎና ሓባራዊ ዕዮ ዘዕዝዝ ውሳኔታት ሒዙ ክወጽእ ትጽቢትና ዓቢ ምዃኑ ደጊመ ከረጋግጽ እፈቱ።

 ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዉኣትና!

24/07/2023

 

 

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

23 ሓምለ 2023፡ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ዝኽፈተሉ ዕለት እዩ፡ ድሮ ድማ ተሳተፍቲ ኣብ ቦታ ጉባኤ በጺሖም ኣለዉ። ኣመጻጽኣ ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላልዩ መድረኻት ዝተጠቅሰኳ እንተኾነ፣ ሎሚ ኣብ ድሮ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ደጊምና ክንጠቅሶ ምምራጽና ንሓበሬታ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ክውረሱ ዝግብኦም ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን  ሕጋውን ትካላውን ኣሰራርሓን ናይ ምኽታል መልእኽቲ ስለዘለዎ እዩ።

ኣብ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡ እዚ ሰልፍዚ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2010  ብምጽንባር ናይ 3  ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፣ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራዊ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቃስን ዝቆመ ሰልፊ እዩ። ካብዞም ንሰዲህኤ ዘቖሙ 3 ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሰልፊ ዲሞክራስን  ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስን መብዛሕትኦም ኣባላተን ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ድሕረ ባይታ ዝነበሮም ኮይኖም፣ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ባይታ ዝነበሮ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተርኢና፣ ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ  ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝነበረ ዘይምቅዳው፣ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ኣትዮም ነንሕድሕዶም ከም ዝፋለሱ ዝገበረ፣ ኣብ መወዳእታኡ እውን ብናይ ሰዓርን ተሰዓርን መንፈስ ዝተዓጽወ ኣሉታዊ  ዝምድና ዝነበሮም ኣካላት እዮም።  

ናይዚ ክልተ ዝተፈላለየ ድሕረባይታን ተጻባኢ ተመኩሮን ዝነበሮም መሪሕነታት 3ቲኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብዘርኣይዎ ልቦና፣ ሃገራዊ ሓላፍነትን ውሕሉል ኣተሓሕዛ ጉዳያትን ናይ እንካን ሃባን ልዝብ  ናይ ዝሓለፈ ግዜ ጌጋታት ንታሪኽ ብምግዳፍ፣ ኣብ ህልውን መጻእን ሃዋህው ክተዓረቁ ንዝኽእሉ ፍልልያት ብምቅርራብ፣ ክተዓረቁ ንዘይከኣሉ ጉዳያት ድማ መዝጊብካን ወንዚፍካን ብምሓዝን፣ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ብምሃብ ብሓድነት ተጸናቢሩ ሓያል ሃገራዊ ቃልሲ ብምክያድ ንህዝብን ሃገርን ካብቲ ብፍላይ ካብ 2001 ኣትሒዙ ዝተጋህደ ፖለቲካዊ ረጽምን ሕሉፍ ምልካዊ ምሕደራን ህግዲፍ ክድሕኑ ተባዕ ታሪኻዊ ስጉምቲ ወሲዶም።

ሰዲህኤ ኣብቲ ብናይ ሓደ ዓመት መሰጋገሪ መድረኽ ሓሊፉ፡  ኣብ 2011 ዘካየዶ ቀዳማይ ሓድነታዊ ጉባኤኡ ናይ ርሑቕን ቀረባን መደባቱ ዘነጽር ቻርተር ወይ ሰልፋዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን፣ ሃገራዊ መደባቱ ንምዕዋት ኣብ ዘካይዶም ሰልፋዊ ንጥፈታቱን ምንቅስቃሳቱን ዝምረሓሉ ቅዋምን ዝሓዙ ሰነዳቱ ኣጽፊፉን ኣጽዲቁን እዩ ንሃገራዊ ቃልሱ ኣንጻር ምልኪ ዘሕደሰ።

ሰዲህኤ እዚ ናይ 12 ዓመታት ጉዕዘኡ ልሙጽ ኣይነበረን ጥራሕ ዘይኮነ፣ ብከበድቲ ውሽጣውን ግዳማውን ብደሆታት ተፈቲኑ እዩ።  ብኣንጻሩ ንኹሉ ዘጋጠሞ ፈተነታት በዲሁ፡ ብምስጋር እነሆ ናብ ምክያድ 4ይ ጉባኤኡ በቂዑ’ሎ። ቀንዲ ምስጢር ዓወቱ ከኣ መትከላዊ ጽንዓቱን ክንዮ እቶም ዝጋጥሙ ግዝያዊ ጸገማት ኣማዕዲኻ ናይ ምርኣይ ዓቕምን ባህርይን ምውናኑን ኮይኖም፡ እዚኣቶም ካብቶም ክውረሱ ዝግበኦም  መለለይታቱ እዮም።

ንክምረሓሎም ኣብ ጉባኤታቱ ዘጽድቆ ቁዋም ዘለዎ ዲሞክራሲያዊ ምእዙዝነቱን ንኹሉ ኣባል ብማዕረ ኣሳታፊ ዝኾነ ትካላዊ ኣሰራርሓኡን እውን ቀንዲ ካብቶም ፖለቲካዊ መለለዪ  ሰዲህኤ እዮም። ኣብ 2011 ቃልሱ ብሓድሽ መልክዕ ከሕድስ እንከሎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4 ዓመት ጉባኤ ብምክያድ  ጉዕዞ ቃልሱ ክግምግምን፣ ናይ ዝስዕብ 4 ዓመታት መደባት ክትልምን፣ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪሕነት ከውርድን ሓድሽ መሪሕነት ክመርጽን ከምዘለዎ ኣብ ቁዋሙ ኣስፊሩ ምስ ነቀለ፡ እነሆ ኣብ ናይ 12 ዓመታት ጉዕዘኡ፡ ኣብ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ በጺሑ። ዘካይዶም ጉባኤታት ንይምሰል ዘይኮኑ ከምቲ ኣብ ቁዋማዊ ዓንቀጻቱ ዝሰፈረ ሰፊሕ ኣሳታፍነት ኣባላቱ ዘመስከሩን ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ዝተኸተሉን ክኾኑ ሓያል ጻዕሪ የካይድ።

ኣሳታፍነትን ዲሞክራስያውነትን ንምርግጋጽ ካብ ዝኽተሎም ኣገባባት፣ ሓደ ዓመት ቅድሚ ጉባአ፣ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ፡ ጉባኤ ዝካየደሉ ግዜ ወሲኑ፣ ኣሰናዳዊትን ሓጻዪትን ሽማገለታት ይምዝዝ። እዘን ሽማገለታት ዝተዋህበን ተልእኮ ሒዘን ምስ ነፍሲ ወከፍ ጨንፈርን ኣባልን ሰልፊ ብዝተፈላለየ ኣገባብን ኣብ ዝተፈላለዩ መደረኻትን እንዳተራኸባ ንኹሉ መሰላትን ግቡኣትን ናይ ኣባላት የረጋግጻ። ንተሳትፎ ኣብ ጉባኤን ንሕጸ ኣብ ጉባአ ዝምረጹ ኣባላት ባይቶን ድማ ይጉስጉሳ። ምስዚ ብተወሳኺ ኣብ ጉባአ  ዝጸድቕ ንድፊ ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ተዳልዩ ናብ ኣባላት ተዘርጊሑ በብትካላዊ ደረጃኦም ብሰፊሑ ከምዝመያየጡሉን ሪኢቶታቶም ከምዘመዝግቡን ይግበር።

ኣብ ተሳትፎ መሪሕነቱ እውን ሰልፊ ዝጥቀመሉ ግቡእ ሰብ ኣብ ግቡእ ቦታ ኣብ ዝብል መትከል ተሰሪቱ ንብቅዓት ሕጹያት ከም ቀንዲ መዐቀኒ ቅጥዒ ዝጥቀም ኮይኑ፣ ንውክልናን ኣሳታፍነትን ናይ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ማለት ዕድመ፣ ጾታ፣ ብሄር፣ ዞባ፣ ሃይማኖት ቋንቋ፡ ወዘተ ንምርግጋጽ  ሓያል ጻዕሪ ይካየድ።

 መለልይታት ሰዲህኤ ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፣ ኣብዚ እዋን 4ይ ጉባአ  ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይንኽእል ኣብ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘለዎ ሓቛፍን ሚዛናውን  ኣረኣእያ እዩ። ንኹሉ ኣብ ሓድነት ህዝብን መሬትን፣ ኣብ ናጽነትን ልዑላውነት ሃገር፣ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ኣድላይነት ደሞክራስያዊ ለውጥን ኣሚኑ ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ንዝቃለስ ኤርትራዊ  ዕድመኡ፣ ጾታኡ ብሄሩን ሃይማኖቱን ቋንቁኡን፡ ብከመይ ኣገባብ ይውደብን ብዘየገድስ ከም ናይ ቃልሱ ኣካል ገይሩ ዝወስድ ምዃኑ እዩ።  ኣብ መንጎ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዘጋጥም ፍልልያትን ምንፍፋጋትን ብህድኣት ክመሓደር ከም ዝግበኦ ዝኣምን፡ ሎሚ ክፍትሑ ዘይከኣሉ ፍልልያት ኣወንዚፍካ ኣብቶም ዘሰማምዑ ነጥብታት ብሓባር ናይ ምቅላስ  መትከል ብጽኑዕ ዝኣምን  ሰልፊ ምዃኑ ካልእ መለለይኡ እዩ። ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ንእንደልዮ ለውጢ “ብኣይን ብመንገደይን ጥራይ” ብዝብል ዘይኮነስ፣ ብዝተወሃሃደ ናይ ሓባር ቃልሲ ምዃኑ ዝቕበል እውን እዩ። ነዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብደረጃ ሓይልታት ለውጢ፡ ሰፊሕ ጽላል ንምምስራት ከይተሓለለ ዝጽዕርን ንመጻኢ እውን ዝቕጽለሉ ሰልፊ እዩ።  ናይዚ ኩሉ ዓወቱን ኣሳልጦኡን ቀንዲ ምስጢር ከኣ ናይ ኣባላቱ ጽንዓትን ተወፋይነትን እዩ።

ዓውት ን4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ