መጀመርያ ንዅሉኹም ሰላምታይ የቕርበልኩም። ቀጺለ፣ ነዚ ክቡር በዓል ምጅማር ዕጥቃዊ ሰውራ ኤርትራ ዘበሰረ ዕለት ሓደ መስከረም 1961 ብሓባር ከነኽብር በቓዕና። እምበኣር ቀሪበያ ዘለኹ ግጥሚ ነጸብራቕ ናይ ተሞክሮይ፡ ማለት ከም መብዛሕትና ኣብ ሜዳ ክንቃለስ ከለና፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ እንዳተዋሳእና ዘጥረናዮ ፍልጠት፣ ተሞክሮ፣ ንቕሓትን ፍቕርን ኣብ ኣእምሮና ዝነብር ተዘክሮታት ዝምንጩ እዩ። ኣነ’ውን በቲ ተዋሂቡኒ ዝነበረ መደባት ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት /ዓድታት ናይ ከበሳ፣ ሰምሃር፣ ባርካ፣ ኣውራ ድማ ጋሽ ተንቀሳቒሰ ዘጥረቕዎ ትሕዝቶ ምዃኑ ኣብቲ ግጥሚ ዝበርህ እዩ።
እዛ ግጥሚ፡ ተሳትፎ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ሰውራኦም፣ በብማሕበራዊ ክፍልታቶምን ደርብታቶምን እንዳጠቐሰት፡ ብሃገራዊ ስምዒታት፡ ሓቦ-ኒሕ፡ ታሪኽ ቆራጽነትን ተወፋይነትን ናጽነቱ ከምዝመንዝዐ እትዝክር እያ። ግፍዕታት ምልካዊ ስርዓትን ክጐሓፍ ከምዘለዎን’ውን ትጽውዕ እያ።
ሓበን ሓደ መስከረም
ኤርትራ ሃገረይ ሓበንና መበቆልና
ብጋህዲ ብሕልሚ ወትሩ ምሳና
ኣብ ዓዲ ኣብ ስደት፣ ኣብ ዘለና ሃሊና
ትጕዓዚ ምሳና ሰፊርኪ ኣብ ልብና
ንሕና ናትኪ ንስኺ`ውን ናትና
ናጽነትኪ ተጓናጺፍኪ ብደም ጀጋኑና
ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና።
ኣንጊሁ ንሃገራዊ ናጽነት ዝኸተተ
መኣዝኑ ንጹር ጐደና መኸተ
ኣብ ጎቦታት ኣዳል ተኲሱ ዘመልከተ
እዋኑ 1961 ሓደ መስከረም ዕፉን ምስ ሸወተ
ክዝክሮ መጀመርያ ተጋዳላይ ሓምድ ዓዋተ
ጅግና ተሰዊኡ`ምበር ነይሞተ።
ሰብ ቁምጣ ስረ ጎታናት፣ ሚዶ ኣብ ርእሶም
ሽዳ ሳእኖም፣ ጋምባለ ኣብ እግሮም
ካዝና ጠያይቲ ምስ ነታጒ ኣብ ዕጥቆም
ብረት ኣብ መንኩቦም ተሓንጊጦም
ሕቡናት ኤርትራውያን ጉዳይ ሃገር ዝዓጦም
ንናጽነት ሃገር ወፍዮም ክቡር ሂወቶም።
ብፈኲስ ብረት ብኸቢድ ሓቦ
ውፉይ ንሃገር ንዓደቦ
መደበራትካ ኣብ ስንጭሮ ኣብ ጎቦ
ንሰራዊት መግዛእቲ ከተኽብቦ
ብዝናብ ጠያይትኻ ዓቕሉ ኽጸቦ
ሬሳኡ ስገር ንዝሃድም ሓዞ ኣርክቦ
ዕጥቁ ሰሊብካ ማሪኽካ ትእክቦ
ብስድሪ ብእመት መሬትካ ሓራ ኣውጺእካ ትዕቅቦ
ህዝብና ኣብ ጎንኻ ኔሩ፣ ዓለም`ውን ዝተገንዘቦ።
ታ`ደይ ታ`ሓብተይ ሸጥ ኣቢላ ቅናታ
ተጋደልቲ ዝቐለበት ሰንኪታ ግዒታ
ታ`ዋዕሮ ተሰሊፋ ኣብ ጎኒ ኣሕዋታ
ግቡኣ ዝፈጸመት ንመግዛእቲ መኪታ
ክብርን ዝኽርን ብማዕረ ይምልከታ።
እቶም ጓሶት ኣሕኦም ገዲፎም
እቶም ሓረስቶት ራሕሪሖም ማሕረሶም
እቶም ሰራሕተኛታት ደሞዞም ጠንጢኖም
እቶም ተመሃሮ ኣቐሚጦም ማህደሮም
እቶም መማህራን ኩርሾም ደርብዮም
ደቀንስትዮ`ውን ኣብ ጐኖም ኣብ ኣሰሮም
ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም
ኤርትራ ሓራ ኰይና ሳላ ኵሎም
ብኽብሪ ንዘልኣለም ንዘክሮም።
32 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት
ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት
ኣብ ክንዲ ህንጻ ልምዓት
ዘይምኽኑይ ዘየድሊ ኲናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት
ርኹስ ሜላ ስልጣን ንምብሓት
ንህዝቢ ኤርትራ ኣውሪድካሉ መዓት
ዕድኡ ከቢድ`ዩ ኣስተውዕል ኣይትስሓት
ትመጸካ’ላ ታ’ዘይትተርፍ ዕጫ ዲክታቶራት።
ብሓደ መስከረም 1961 ነቒልና
ን30 ዓመታት መስዋእቲ ከፊልና
ብ1991 ሃገራዊ ናጽነትና መንዚዕና
ደጊም የለን ዝደፍሮ ልዑላውነትና
ተዓቂቡ ዝቕጽል ንውሉድ ወለዶና
እዚ እዩ ቃልና፣ ንሱ እዩ ታሪኽና።
ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላትና
ናይ ኵሎም ውልቀ-ዜጋታትና
ብልዕልና ሕጊ ብቕዋምና
ፍትሕን ሰላምን ምስ ብልጽግና
ብሓደ መስከረም ዝተበገሰ ትልምና
ትጽቢትና ሕልምና ክገሃድ`ዩ ብቓልስና።
ትጽቢትና ሕልምና ክገሃድ`ዩ ብቓልስና።
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ሓደ መስከረም ንዘልኣለም ትዘከር
ናጻን ልዑላዊትን ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ምይይጥን ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን፡ ብሓብር ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ክቃለስ ምስተሰማምዐ፡ ሓባራዊ ግዝያዊ መሪሕነት ከምዘቖመ ብ2 መስከረም 2023 ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዘቃንዖ ጽንብል ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብቲ መስርሕ ዘተ ክዋስኡ ዝጸንሑ ጽላላትን ውድባትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዲሞክራሲ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን እዮም። እንተኾነ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዘይወገኖ ጉዳያት ስለ ዘጋጠሞ ንዕኡ ክሳብ ዘጻፍፍ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምቛም ግዝያዊ መሪሕነት ጥራሕ ክታሙ ከምዘየንበረን እቶም ሰለስተ ኣካላት ነቲ መስርሕ ከም ዝቕጽልዎን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተመልኪቱ።
ኣብቲ መድረኽ ናይቲ ነቲ ጽንብል ዘሰናደአ ኣካል ቃል ብቋንቋታት ዓረብኛን ትግርኛን ቀሪቡ። ካብቶም ተሳተፍቲ ድማ ዝተፈላለዩ ዕዱማት ናይ ደገፍን ምሕዝነትን ቃሎም ኣስሚዖም። እቶም ናይ ደገፍ ቃል ዘስምዑ፡ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ባሕቲ መስከረም ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጠቒሶም፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ወሳኒ ናይ ቃልሲ መድረኽ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ኣዝዩ ዕዙዝ ምዃኑ ብምምልካት ናይ ሓቢርካ ምስራሕ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።
ኣብዚ ኣሓት ኣድያም ተፈራን ሓናን መሓመድ ሳልሕን ዝመረሐኦ ዝያዳ ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ መድረኽ፡ ኣብ መንጎ መንጎ እቲ መደባት ንታሪኻውነት ባሕቲ መስከረም ዘንጸባርቑ ግጥምታትን መዛሙርን እውን ቀሪቦም።
ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ነሃሰ 2023 ካብ ዶብ ኬንያን ኡጋንዳን 140 ኪሎሜትር ንውሽጢ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ናይ ኡጋንዳ ከተማ ጂንጃ 20 ኤርትራውያን ብናይ ኡጋንዳ ኣባላት ፖሊሲን ጸጥታን ከም ዝተኣስሩ ሞኒተር ግሩፕ/MONITOR GROUP፡ ዝተባህለት መዲያ ሓቢራ። እታ መዲያ ከም ዝሓበረቶ ካብቶም እሱራት 12 ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን፡ 6 ህጽናት ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።
ናይቶም ኤርትራውያን ናይ መወዳእታ ጉዕዞ ኣብ ከተማ ካምፓላ ናብ ዝርከብ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብብዝሒ ዝርከብዋ ክፍለ-ከተማ ካባላጋ ከም ዝነበረ ሞኒተር ግሩፕ ሓቢራ።
ናይቲ ዝተታሕዝሉ ዞባ ኣዛዚ ፖሊስ ወሃብ ቃል ጀምስ ሙቢ፡ እቶም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝርከብዎም ዓበይቲ፡ ኣብ ማእከላይ መደበር ፖሊስ ጂንጃ ክእሰሩ እንከለዉ፡ እቶም ህጽናት ግና ኣብታ ከተማ ኣብ ሆቴል ተዓቚቦም ከም ዘለዉ ሓቢሮም።
እቶም ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣስዒቦም፡ እቶም ኤርትራውያን “ዝኾነ ሕጋዊ ናይ መገሻ ሰነድ ኣይነበሮም” ኢሎም፡ ብድሕሪ እቲ ዘይሕጋዊ ጉዕዞ መን ከም ዘሎ ንምጽራይ ጻዕሪ ከም ዝግበር ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ እቶም ዘይሕጋውያን ተጐዓዝቲ ካብ ኢትዮጵያ ዶብ ኬንያ-ኡጋንዳ፡ ጥሒሶም ከም ዝኣተዉ ንጋዜጣ ቪዥን ኡጋንዳ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምጥቃሶም ሞኒተር ግሩፕ ኣፍሊጣ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብ መፋርቕ 1880 ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከከም ዝጥዕሞም ንኣፍሪቃ ክማቐልዋ እንከለዉ፡ ኢጣልያ ንኤርትራ ወሪራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእተወታ። መግዛእቲ ኢጣልያ ግዝኣቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ ንኣስመራ ከም ቀንዲ መንበርን መዋፍርን ከተምኡ ክትከውን ኣዕበያ። ነዚ ዝገበሮ ብዋጋ ናይቶም ደቀባት ጉልበት ነይሩ። ናይ ኤርትራውያን መሬት ሕርሻ መንዚዑ፡ ጉልበቶም መዝሚዙን ሰብኣዊ መሰላቶም ገፊፉን። ህዝቢ ኤርትራ ግና፡ ኣብቲ እዋንቲ ምስ ዝነበሮ ውሱን ዓቕሚ፡ ንፋሽስታዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ክገቶኳ እንተዘይከኣለ ብቐሊሉ ኣይረዓሞን።
ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ስዕረት ናይቲ ኢጣልያ ዝነበረቶ ምሕዝነት ድሕሪ ምግጣሙ፡ ኤርትራ ሓያላት ሃገራት ስለ ዝዘረይዋ፡ ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝነበራ ሃገራት ብቐጥታ ኣኽሊል ናጽነት ክትደፍእ ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ እቶም ናይ ምውሳን ስልጣን ዝነበሮም ሓያላት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ሕድሕዶም’ውን ምርድዳእ ስለ ሰኣኑ፡ ኤርትራ ካብ ትጽቢት ህዝባ ወጻኢ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጸንሕ ተወሰነ።
ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፡ “መጻኢ ዕድል ኤርትራ” ንምውሳን ኣዝዩ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ተኻየደ። ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኩሉቲ ጨቋንን ፈላሊኻ ግዛእ ኣመሓዳድራኣን ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ቁጠባዊ ፖሊሲኣን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ስለ ዘፍቀደት ኤርትራውያን ከከም ዝንባለኦም ተወዲቦም መጻኢ ዕድል ሃገሮም ክውስኑ ተንቀሳቒሶም። እንተኾነ እተን ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈጠራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበራት ብሓፈሻ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተጽዕኖ ብፍላይ ከኣ ካብ ኢድ ኣእታውነት ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ናጻ ሰለ ዘይነበራ መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ኣየማልኣን። ኣብ መውዳእታ ከኣ እቲ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ዝተመስረተ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ሰንከልከል ክብል ምስ ጸንሐ፡ ብ14 ሕዳር 1962 ብኢደወነናዊ ውሳነ ንጉሰ ሃይለስላሴ ፈረሰ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ብሕቡእን ብግሁድን ንናጽነቱ ዘካየዶ ፈተነታት ምስ መኸነን እቲ ካብ ድልየቱ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን እውን በቲ ዝወሰኖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ተጠሊሙ ምስ ፈረሰን፡ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይካ“ንመግዛእቲ ክርዕም ወይ ድማ ዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል” ካልእ ምርጫታት ኣይነበሮን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ስለ ዘይመረጸ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ዘይጉነጻውን ኣገባብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ዝበልሐን ዝለዓለን ኣገባብ ክኽተል ናይ ግድን ኮነ። በዚ መሰረት ባሕቲ መስከረም 1961ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ተበሰረ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ወድዓዊ ኩነታትን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ኣንቢቡ ኢዩ ተበጊሱ። ንኤርትራ ልክዕ ከምተን ኣብቲ እዋንቲ ናጽነተን ዝዓተራ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምግባራ ዝዓለመ ከኣ ነይሩ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተመኮሩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን ሓሲቦምን ምስቲ ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ኣገናዚቦምን ምስ ዝተወሰነ በዓል ቤታዊ ሕጽረታት ዝኣተዉዎ ምርጫ’ዩ ነይሩ።
ቅድሚቲ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ብ7 ሓምለ 1960፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ትምህርትን ስራሕን ዝነበሩ ኤርትራውያን ንኣጀማምራ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝምልከት ተኣኪቦም ምዝታዮምን ኣብቲ ዓመት ብ10 ሓምለ 11 ዝኣባላታ መሪሕነት ምምራጾምን ድማ፡ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብኣፍልጦ እምበር ብሃንደበት ከም ዘይተጀመረ ዘረድእ እዩ።
ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ከይተረደአ ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ኣብ 5 ጉዳያት ዘተኩር 14 ዓንቀጻት ዝሓዘ መበገሲ ሰነድ ከም ዝነበሮ ብዛዕባኡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ እዩ። ኣብቲ መበገሲ ሰነድ፡ ሰውራ ንምሕያል ከከም ኩነታቱ ብግሁድን ብስዉርን ሰፊሕ ህዝባዊ ውደባ ምክያድ፡ ሓድነት እቲ ዝምስረት ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ምዕቃብን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ግንዛበ ክረክብ ጻዕሪ ምቕጻልን ዝብሉ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ እዋንቲ ሎሚ እውን ኣገዳስነቶም ህያው ዝኾኑ ሓሳባት ነይረምዎ። ከም ኣካል ናይዚ ሰነድዚ ተሳትፎ ኣብቲ ቃልሲ ንዝኾነ 18 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሜኡ ኤርትራዊ ክፉት ምንባሩ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣህጉራዊ ሕጊ ውትህድርና ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ።
ሰውራ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት እቲ ብ1915 ተወሊዱ ብ1962 ዝተሰወአ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ምስ ተበሰረ፡ ብዙሓት ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ክኽተልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ፡ ብ1934 ኣብ ሱዳን ወተሃደር ዝነበረ፡ ኣቡ ርጀላ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1962 ንሱ ዝርከቦም 20 ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ናብቲ ዕሸል ሰውራ ከም ዝተጸንበሩ ይገልጽ። እቲ ዋሕዚ ተሳትፎ ድሕሪኡ’ውን ቀጺሉ።
እቲ ብኸምዚ ዝሰፍሐ ሰውራ፡ ኣብቲ መስርሕ የጋጥሞ ንዝነበረ ውሽጣዊ ምፍንጫላትን መግዛእታዊ ተጻብኦታትን በዲሁ፡ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ ህይወት ገቢሩ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞ ብ1991 ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ብ1993 ብመንገዲ ረፈረንደም ልኡላዊት ኤርትራ ኣውሒሱ። እዚ ዓወትዚ ናይቲ ቃልሲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ መዛዘሚ ናይ ቀጻሊ ምዕራፍ ከኣ መኽፈቲ እምበር፡ ናይ መውዳእታ ኣይነበረን። ምኽንያቱ “ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ትመሓደር?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ ዘይነበረ። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ቃልሲ መበገሲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣካላዊ ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ምረት ናይቲ ብኣታቶም ዝወርድ ዝነበረ ወጻዒ ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ኣተሓሳስባኡን ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ክቕጽል ባህርያዊ ዝኸውን።
ባሕቲ መስከረም እዚ ን62 ዓመታት መልክዓቱ እንዳቀያየረ ጌና ዘይዓረፈ ዘሎ ቃልሲ በቲ ዝበለሐ መልክዑ ዝተጀመረላ ስለ ዝኾነት ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኣብቲ ዝኽራ ኣብ ጸልማት ኮይኖም ብርሃን ከም ዝመጽእ ተኣማሚኖም ቃልሲ ብዛዕባ ምጅማሮምን ዝሰዓብዎም ሓርበኛታትን ገድሎም ከነዝንቱ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር “ንሳቶምስ ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኩበሙና ንሕናኸ ናበይ ገጽና ኢና?” ዝብል ንቕድሚት ዘማዕዱ ሕቶ ንምምላስ ድልዊ ምዃን እዩ። እቶም ሓርበኛታት ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኪቦም ስለ ዝሓለፉ ቅሱናት’ዮም። ንሕና ግና እቲ ሓላፍነት ጌና ኣብ ኢድና ስለ ዘሎ ሰብ ዕዳ ኢና። ንተካኢና ወለዶ ከነረክብ ግድን ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብቲ ምርኽኻብ “እዚ ዓሚምና ኣለና ንስኻትኩም ከኣ መልእዎ” እንብለሉ ስራሕ ክንዓመም ይግበኣና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ዕለት፡ መንእሰይ ወለዶ ተኸኣኢሉ፡ ተጸዋዊሩን ተመላሊኡን፡ ትርጉም ፍልልያዊ ሓድነት ተረዲኡ ብሓባር ዝቃለሰሉ ባህሊ ከነውርሶ ይግበኣና።
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
ባሕቲ መስከረም 2023
መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ኤርትራ ተሪፎም ዘለዉ ወተሃደራቱ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ጻዕሪ የካይድ ከም ዘሎ፡ በሺር ሓሰን የሱፍ ዝተባህለ፡ ጉዳይ ሶማሊያ ዝከታተል ጸሓፊ ብ31 ነሃሰ 2023 ኣብ ትዊተር ብዝዘርግሖ ዜና ኣፍሊጡ። ንሱ ከም ዝጸሓፎ ኣቐዲሞም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022፡ ሰለስተ ሺሕ (3000) ዝኾኑ ሶማላውያን ወተሃደራት ካብ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ጠቒሱ፡ እዞም ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ መስከረም 2023 ክምለሱ ትጽቢት ዝግበረሎም ኣብ ኤርትራ ዝተዓለሙ ካብ 1800 ክሳብ 2000 ዝበጽሑ ምዃኖም ሓቢሩ።
ካብዞም ዝምለሱ ናይ ጸጥታን ባሕረኛን ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ሓበሬታ ተጠቒሱ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኤርትራ ገይሾም ዝነበሩ ወተሃደራዊ መኮነናት ሶማሊያ፡ ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ወተሃደራቶም ከም ዝተራኸቡን ብዛዕባቲ ንምምላሶም ወጺኡ ዘሎ መደብ ከም ዝሓበርዎምን እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ቅድሚ ሕጂ ንወተሃደራዊ ትምህርቲ ተባሂሎም ናብ ኤርትራ ዝኸዱ መእሰያት ሶማሊያ፡ ህግደፍ ምስምሳት ፈጢሩ ኣይለቆምን እየ ስለ ዝበለ፡ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሶማሊያን ወለዲ ናይ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙን ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ወተሃደራት ጋቦን ሕገ-መንግስቲ ሰሪዞም ስልጣን ከም ዝመንዝዑ ኣፍሊጦም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ጋቦን ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ስልጣን ከም ዝመንዝዑ ብናይታ ሃገር ተልቪዚዮን ጋቦን-24 ምግላጾም ማዕከን ዜና ቢቢሲ/BBC ሓቢራ። እቶም ወተሃደራት ነቲ ብ26 ነሃሰ 2023 ዝተኻየደ እሞ ፕረሲደንት ዓሊ በንጎ ከም ዝተዓወተ ተነጊርሉ ዝነበረ ምርጫ ውጽኢት ከም ዝሰረዝዎ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዞም ድማ ፕረሲደንት በንጎ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከም ዘሎን ሓደ ካብ ደቁ ድማ ብኽድዓት ሃገር ከም ዝተኣስረን ኣብ መግለጺኦም ጠቒሶም። በቲ መግለጺ መሰረት ናይ 53 ዓመታት ስልጣን ቤተሰብ ዓሊ ቦንጎ በዚ ዝተወስደ ናይ ዕልዋ ስጉምቲ ከብቅዕ እዩ።
እቶም 12 ኮይኖም ብ30 ነሃሰ 2023 ኣብ ሰዓታት ንጉሆ ብተለቪዝዮን መግለጺ ዝሃቡ ወተሃደራት፡ ንውጽኢት ምርጫ ሰሪዞም ንትካላት ናይ ሪፐብሊክ ጋቦን ከም ዘፍረስዎ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዞም ድማ ሓድሽ መግለጺ ክሳብ ዝወሃብ ናይታ ሃገር ዶባት ከም ዝተዓጽወ ሓቢሮም። ተቓወምቲ መንግስቲ ዓሊ በንጎ ብወገኖም፡ ናይታ ሃገር ኮሚሽን ምርጫ ዓሊ በንጎ ዳርጋ ብክልተ ሲሶ ናይቲ ዝተዋህበ ድምጺ ከም ዝሰዓረ ብምጥቃስ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓሶት እዩ ኢለምዎ።
ኣተሓሒዞም ድማ ዓሊ በንጎ ብኣዛዚ ሪፐብሊካዊ ሓለዋ፡ ጀነራል ብራይስ ኦሊጁ ኒዩማ ከም ዝትካእ ሓቢሮም። እዚ ናይ ጋቦን ኣብ ልዕሊ ግዙኣት ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ዝተኻየዱ ዕልዋታት 8ይ እዩ።
ፈረንሳ ነቲ ትግባር “ውጽኢት ምርጫ ክኽበረ ኣለዎ” ብዝብል ኮኒናቶ። ቻይናን ሩሲያን እቲ ዕልዋ ካብ ዘሻቐለን ሃገራት እየን። ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ እቲ ተረኽቦ ዓብይ ዛዕባ እዩ ኢሉ፡ ስልጣን ብሓይሊ ምምንዛዕ ዘይምርግጋእ ዘጋድድ እዩ ኢሉ።
እቶም ወተሃደራት ኣካል ናይቲ “ኮሚተ ምስግጋር፡ ምዕቃብ ትካላትን ምምላስ ኩነታት ጸጥታ ናብ ንቡር”ን” ዝበልዎ ምዃኖም ጠቒሶም፡ ተልእኮኦም ነቲ ዝነበረ ምምሕዳር ኣወጊድካ ጸጥታ ሃገር ምሕላው ምዃኑ ሓቢሮም።
ጋቦን ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይና፡ 90 ሚእታዊ ካብ መሬታ ብኣግራብ ዝተሸፈነ ሃገር ምዃና ይንገረላ።
ፈጻሚ ጉዳይ ኣብ ስዊዘርላንድን ወኪል ኣብ ጀነቫን ኤርትራ ተሰዊሩ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤምስሊ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ
ናይ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳይ ኣብ ስዊዘርላንድን ወኪል ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጀነቫን ኣደም ዑስማን ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሑ ከም ዝተሰወረ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
እቲ ዲፕሎማት ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ ጉዳያቱ ኣጻፊፉ ቀልጢፉ ጠቕሊሉ ናብ ኤርትራ ክምለስ ምስተነግሮ ብዝሓደሮ ስግኣት ምዃኑ እውን ተጠቒሱ። ናይ ስግኣቱ ምኽንያት ከኣ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ኤምባሲ ድሕሪ ዝተፈጥረ ጸገም ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ፡ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኤምባሲ ዝነበሩ፡ ኣደዳ ማእሰርትን ካብ ስራሕ ምድስካልን ምዃኖም ስለ ዘረጋገጸ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ከም ዘስፈሮ፡ ኣደም ዑስማን ካብ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝወጸ ምስ ተጠርጠረ፡ ሽዑንሽዑ ናይ ዲፕሎማሲ ፓስፖርቱ ከም ዝተሰረዘ ተገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃብቶም ዘርኣይ ዝተባህለ ዲፕሎማት ኣብ ቦታ ኣደም ዑስማን ብግዝያውነት ተመዲቡ ከምዘሎ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።
ኣደም ዑስማን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝጋብኡ፡ ኣኼባታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ህግደፍ ንዝቐረቡ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓቅታት እንዳ ከሓደ ብምቅዋም ምስሊ ህግደፍ ንምጽብባቕ ክሰርሑ ካብ ዝጸንሑ መጋበርያታት ሓደ እዩ።
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማይክ ሃመር፡ ካብ 28 ነሃሰ ክሳብ 8 መስከረም 2023 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝጸንሑ ክፍሊ ርክብ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ ሓጺር መዘኻኸሪ ሓቢሩ። ማይክ ሃመር ኣብ ጉዕዘኦም ናብ ኣዲስ ኣበባን ናይሮብን ክበጽሑ እዮም።
እቲ መዘኻኸሪ ከም ዝጠቐሶ፡ ኣብቲ መገሸኦም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ፡ ከኒያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ክራኸቡ እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ብዛዕባ መስርሕ ኣተገባብራ ስምምዕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ደቡብ ኣፍሪቃ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክዘራረቡ እዮም። ብዘይካዚ ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ዘሎ ጐንጽታት ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ከም ዘተሓሳስቡ ተፈሊጡ’ሎ።
ብዘይካዚ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ብሰላም ዝፍተሓሉ፡ ድሕሪኡ ኣብታ ሃገር ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዝትከለሉ፡ ምዕሩይ ምምሕዳር ዝተኣታትወሉ፡ ልዕልና ፍትሒ ዝረጋገጸሉን ተሓታትነት ዝፍጠረሉን ኩነታት ብዝምልከት ምስቶም ዝራኸብዎም ኣካላት ከም ዝመያየጡን ብዛዓብ ምፍታሕ ጉዳይ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ዘባዊ ጻዕሪ ከምዘልዕሉን ተፈሊጡ።
ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወስደ ምስሊ
ኣብ ዓመተ 2023 ክልተ ሺሕን ዓሰርተ ሰልስተን (2,013) ስደተኛታት ናብ ኤውሪጳ ክሰግሩ ክብሉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደሃዮም ከም ዝጠፈአ ጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሊጡ። እዚ ኣሃዝ ምስቲ ናይ 2022 ምሉእ ዓመት ዝነበረ ኣሃዝ 1,417 ክወዳደር እንከሎ ዝለዓለ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ 24ን 25ን ነሃሰ 2023፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ህይወት ኣድሕን/Ocean Viking፡ 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ ”ኣሽርቕ ኣል-ኣውሰጥ” ዝተባህለት ማዕከን ዜና ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ሓቢራ። ብመስረት ጸብጻብ “ኣሸርቕ ኣል-ኣውሰጥ”፡ ብ24 ነሓሰ 2023 ናይ 23 ሃገራት ዜጋታት ከም ዝኾኑ ዝተጠቕሱ፡ ኣብ ሰለስተ ጀላቡ ተሳፊሮም ዝነበሩ 272 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከም ዝደሓኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ግዳያት፡ 32 ትሕተ-ዕድመ፡ 9 ህጻናትን 5 ኣካለ ስንኩላንን ምዃኖም እቲ ህይወት ኣድሕን ትካል ከም ዝሓበረ እታ ማዕከን ዜና ኣስፊራ።
ብተመሳሳሊ ኩነታት ብ25 ነሓሰ፡ 166 ብተመሳሳሊ ኩነታት፡ በታ ህይወት ኣድሕን መርከብ ካብ ሞት ከም ዝተረፉ ተፈሊጡ። ብድምሩ 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብታ Ocean Viking ዝተባህለት መርከብ ናይ 438 ስደተኛታት ህይወት ክድሕን ክኢሉ።
More...
ዕድመ ንዝኽሪ መበል 62 ዓመት ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ
Written by ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራዕድመ ንዝኽሪ መበል 62 ዓመት ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ
Written by ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ 4ይ ምዱብ ጉባአ፡ ብ26 ነሃሰ 2023 ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ’ቲ ኣኼባ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ፡ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰዲህኤ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ኣብ ዝተፈልየ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ሓደስቲ ምዕባለታት ይረኣየሉ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዝተኻየደ 4ይ ጉባአ ዕዉት ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ንሓድሽ ፈጻሚ ሽማግለ መጻኢ ዕዉት ናይ ቃልሲ ግዜ ክኾነሉ ትምኒቱ ገሊጹ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ 5.14.6 “ዝጸንሐ መሪሕነት፡ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ (30) መዓልታት ድሕሪ ምዝዛም ጉባኤ ንሓድሽ መሪሕነት ሓላፍነቱ የረክብ” ዝብሎ፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ምርኽኻብ ሓላፍነት ከም ዝፍጸም ኣረጋጊጹ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ዝተመያየጠሎም ኣጀንዳታት፡ ምቛም ምምሕዳር ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ምትላም ዓመታዊ መደብ ዕዮን ጸብጻብ መስርሕ ምቛም ግዜያዊ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ኮይኖም፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ጉዳያት እውን ተመያይጡ ኣድለይቲ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።
በቲ ዝሓዞ ኣጀንዳ መሰረት ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ምይይጥ ድማ፡
1) ብሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ ዝቐረቡ ኣባላት ምምሕዳር ተመያይጡ ኣጽዲቑ። ዘይተማልኡ ድማ ክስዕቡ ወሲኑ።
2) ምትላም ዓመታዊ መደብ ዕዮ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ ዝምልከት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንድፍታት ዝቐርብሉን ፈጻሚ ሽማግለ ድማ ነቲ ንድፍታት ብፍሉይ ኣኼባ ዘጽድቐሉን መስርሕ ሓንጺጹ።
3) ንምቛም ግዝያዊ መሪሕነት ናይቲ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ዝቖመ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ዝምልከት፡ ናብኡ ንምብጻሕ ዝተኻየደ መስርሕ ዝሕብር ጸብጻብ ሰሚዑ። ድሕሪ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ምምዛን ድማ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝእወጅ፡ ግዝያዊ መሪሕነት ዘለዎ ደገፍ ኣረጋጊጹ፡ ሰዲህኤ ቀጻሊ መስርሕ ሓቢርካ ምቅላስ ዕዉት ንክኸውን ኩሉ ዝከኣሎ ጻዕሪ ከም ዝገብር ኣረጋጊጹ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣኼባ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ቀጻልነት ሃገርን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታትን ኣንጻር ምልኪ፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ዝያዳ ከሐይሉ ጸዊዑ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ኩሎም ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐኒ ፍትሓዊ ቃልሱ ክስለፉን ኩለ-መዳያዊ ሓገዞም ከወፍዩን ከምኡ’ውን ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ከሐይሉን ተማሕጺኑ።
ዝያዳ ኩሉ ድማ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘይሕለል ቃልሶም ንምዕዋት 4ይ ጉባአ ሰልፎምን፡ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2023ን ንዘርኣይዎ ሓልዮትን ተወፋይነትን ንኢዱ። ኣብ መጻኢ እውን ውሳነታት ጉባአ ንምዕዋት ዘይሕለል ቃልሲ ከም ዘካይዱ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ።
ንዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ!
ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ
ጅግና ተጋዳላይ ታረቀ በራኺ
ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ታረቀ በራኺ እንካብ ወለድቱ ኣቶ በራኺ ኃብተሚካኤልን ወ/ሮ ለተንጉሥን ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ተወሊዱ ዝዓበየን ዝተማህረን ከምኡ ከኣ ማትሪክ ሓሊፉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ዝቐጸለን እዩ።ንሱ ንሃገሩን ሓልዮት ሕዝቡን ኣዝዩ ግዱስን በዓል ሓቦን ብምንባሩ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዓቢ እጃም ኣበርኪቱ እዩ።
ታረቀ ንሓደ ዓመት National Service ኣብ ከተማ ሓረር ብዩኒቨርስቲ መደብ ተዋሂቡዎ ከብቅዕ ቅድሚ ናብ መደቡ ምኻድ ግን ሥድራቤቱ ክርኢ ናብ ከተማ ደቀምሓረ መጸ። ኣብ ዓላ ዝበሃል ቦታ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብኣብርሃም ተወልደ እትምራሕ ሰሎሙን ወልደማርያም ፖለቲካዊ ኮምሽነራ ጋንታ ተጋደልቲ ነበሩ። ስለዚ ከኣ ታረቀ በራኺ ናብዞም ተጋደልቲ ብምኻድ ምስኦም ተረዳዲኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ውሽጣዊ ስርርዕ ንኸካይድ ተሰማሚዑ ጉዕዝኡ ናብ ኢትዮጵያ ቀጸለ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከኣ ውሽጣዊ ስርርዓት እንዳ ኣካየደ ከሎ ብሃንደበት ፀጥታ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ሒዞም ብምእሳር ናብቲ ሽዑ እዋን መመርመሪ ናይ ፖለቲካ እሱራት ዝነበረ ኣብ ናይ መሰልጠኒ ኮማንዱስ ደቀምሓረ ምስ ካልኦት ብዙሓት እሱራት ኤርትራውያን ኣምጽኡዎ። ኣብቲ ናይ ምርመራ ቤት ማሰርቲ ከኣ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተኣሰርና ብዙሓት ጸናሕናዮም። ድሕሪ ብርቱዕን ግፍዒ ዝተሓወሶ ምርመራን ከኣ ናብ ሰንበል ኣሥመራ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕረቡና። ከልከል ዝተባህለ ዓቃቢ ሕጊ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ካብ ሰሎሙን ወልደማርያም ምስ ኮማንዱስ ኣብ ውግእ ዝተኻየደሉ ጊዜ ዝወደቐት ምሉእ ሰነዳት ኣስማትና ዘለዋ ደብተር ኣቕረበ። በዚ ምኽንያት ከኣ ፍርድና ካብ ሓደ ዓመት ክሳዕ ዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ተበየነልና። ኣነ ናይ ክልተ ዓመት ተፈሪደ ሓደ ዓመትን ገለ ኣዋርሕን ተኣሲረ ብድሕሪኡ ጃንሆይ ምሕረት ሂቦምና ክወጽእ ከለኹ ታረቀ በራኺ ግን ንሓሙሽተ ዓመት ተፈረደ። ድሕሪ ማእሰርቱ ምውዳእ እንደገና ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ነቲ ቅድሚ ምእሳሩ ዝጀመሮ ውሽጣዊ ስርርዓት ብዝያዳ ብዕቱብን ጽፉፍን ኣገባብ ቀጸሎ። ነዊሕ ከይጸንሐ ከኣ ናብ ሜዳ ኤርትራ ኣትዩ መጀመርታ ምስ ክፍሊ ዕዮ ዜና ኮይኑ ኣብ ከበሳ ንሓጺር እዋን ኣገልጊሉ ቀጺሉ ምስ ጋንታ 104 ቸንቶ ኩኣትሮ ኮይኑ ካብቶም ቀንዲ ፈዳይን ኣብ ኣሥመራ ብምዃን ተጋደለ። ታረቀ ብዙሕ መስተንክራት ንምእማኑ ዘጸግም ስርሒታት ይሃልዎ እንበር ሓደ ካብቲ ዓቢ ዓወት ዘመዝገቦ ንዶክተር በረኸት ኃብተሥላሰ ካብ ትግራይ ተቐቢሉ ናብ ኣሥመራን ሜዳ ኤርትራን ዘሰጋገረ ከምኡ`ውን ንጀነራል ጎይትኦም ብተወሳኺ ንልዕሊ 900 እሱራት ኣብ ቤት ማሰርቲ ሰንበል ተዳጒኖም ዝነበሩን ከምኡ`ውን ኣብ ሆስፒታላት ዝእለዩ ዝነበሩን ብብርቱዕ ጥንቃቀን ሜላን ኣገባብ ተጠቒሙ ነጻ ብምውጻእ ናብ ሜዳ ኤርትራ ከምዝጽንበሩ ገበረ። ቀጺሉ ብ 1975 ዓ.ም.ፈ ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ጒባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብምስታፍ ናኣባልነት ገድላዊ ባይቶ ተመዘዘ። ብመጀመርታ ሓላፊ ናይ ስነ-ኪነት ሙዚቃን ባህልን ኮይኑ ንሓጺር ጊዜ ኣገልጊሉ ቀጺሉ ናብ ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ ተመዲቡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ብጾቱ ኮይኑ ብምኻድ ብዙሕ ዓይነት መግብን መድኃኒትን ቴንዳታትን ወዘተ ... ክረክብ ከኣለ። ብ 1977 ዓ.ም.ፈ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ንለውጢ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ/ ኢ.ዲ.ም ፋሉል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተፈጢሩ ታረቀ በራኺ እውን ኣባል እቲ ምንቅስቓስ ስለዝነበረ ኣብ ካርቱም ሱዳን ብፀጥታ ተ.ሓ .ኤ ምስ ብጾቱ ከምዘይሓልፍ ተሃደነ። ንዘይመውት ፈውሲ ኣለዎ ተባሂሉ ከምዝተመሰለ ታረቀ በራኺ ብናቱ ክእለትን ሜላን ተጠቒሙ ብጀርመን ኣቢሉ ናብ ኣሜሪካ ክኣቲ ከኣለ። ኣብ ኣሜሪካ ናብራ ስደት ሕይወቱ እንዳ መርሐ ሸውሃት ቃልሱ ገና ስለዘይረወየ ዕላማኡ ኣብ ሽቶ ንምብጻሕ ምስ ብጾቱ ኢ.ዲ.ም ኮይኑ ቀጸለ። ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ እንተኾነ እውን ኣብ ኤርትራ ብምእታው ከም መምህር ኮይኑ ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይ ኣሥመራ ንሓጺር እዋን ኣገልገለ። ንኣካይዳን ጒዕዞን ጊዝያዊ መንግሥቲ ኤርትራ ተዓዚቡን ኣጽኒዑን ከኣ ከምዘየወጻጽኦ ተገንዚቡ እንደገና ናብ ስደት መዕቆቢኡ ኣመሪካ ተመልሰ። ወላዲት ኣዴኻ ብጽኑዕ ሓሚማ ተባሂሉ ምስ ተነግሮ ከኣ ናብ ኣሥመራ ኣትዩ ደቀምሓረ ብምኻድ ንወላዲቱ ክሕብሕብን ከፈውስን ላዕልን ታሕትን እንዳበለ ንርእሱ ብሓደገኛ ሕማም ተታሒዙ ኣብ ኣፍ ሞት በጽሐ። ነዚ ኲነታት ዝተሓበረት በዓልቲ ቤቱ ብቕጽበት ንደቀምሓረ ከይዳ ናብ ኣሥመራ ብምውሳድ ብሕክምናዊ ረድኤት ኣፈዊሳ ካብ ሞት ከምዝድሕን ገይራ ንጀርመን ኣእተወቶ። ኮይኑ ግን ኣብ ጀርመን ምስ ኣተወ እውን ጸቕጢ ብዝሒ ደም ገይሩ ስትሮክ ሒዙዎ ምስ ሕማም ሽኮር ተወሳኺ ስቓይ ገበረሉ። ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሕክምና ረድኤት ብበዓልቲ ኪዳኑ እንዳተኣለየ ጻውዒት ኣምላኽ ፈጣሪ ኮይኑ ብዕለት 16.08.2023 ኣብ ሃገረ ጀርመን ዓረፈ። ስነ-ሥርዓት ቀብሩ ብዕለት 25.08.2023 ሰዓት 11፡00 ቅ.ቅ. ኣብ መቓብር ቦከንሃይም/ፍራንክፈርት ብግዕዝ ሪቱስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት መተዓብይቱን መቓልስቱን ፈተውቱን መላእ ቤተሰቡን ካብ መላእ ኣውሮጳን ካናዳን ኣሜሪካን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዓጀብን ክብርን ብመዝሙር ተ.ሓ.ኤ. ብባንዴራ ኤርትራ መለይ ተሰንዩ ተፈጸመ። ብዓርኩን ፈታዊኡን ኣቶ ሃይለ ገ/ትንሳኤ ካብ ኣሜሪካ ብሓብቱ ኣበባ ዝተነበ ግጥሚ ከምኡ`ውን ብመተዓብይቱ ኣቶ ኣንገሦም ገ/ዮውሓንስ ካብ ጀርመን ዝተገበረሉ ወየ ... ወየ ምስ ተፈጸመ ብዶ/ር ሕሩይ ባይሩ ዘገርም ሓጺር መግለጺ ጒዕዞ ቃልሲ ታረቀ በራኺ ተዋህበ። ቀባሮ ናብ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ብምኻድ ተመጊቦም ካብ ኣሕዋት ነፍሰኄር መዋቲ ምሥጋና ንቐባሮ ተዋሂቡ ብዙሓት መቓልስቱ ዝነበሩ ከኣ ምስክርነቶም ብምቕራብ ብፍላይ ንበዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ በላይነሽ ዮውሃንስ ቃል ኪዳና ሓልያ ንበዓል ቤታ ኣብ እዋን ሽግሩን ስቓዩን ዝኣለየትን ዝሓብሓበትን ደረት ዘይብሉ ምስጋንኦም ገሊጾም ተዛዘመ።
ጅግና ሓርበኛ ታሪኹ እዩ ነባሪ !
ዘልዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና
25.08.2023 ፍራንክፈርት/ጀርመን