ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ እንደገና ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣልዒሉ

2023-11-15 09:41:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 540 times

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብ14 ሕዳር 2023 ፡ ብዙሓት ሕቶታት ዝቐረብሉ ናይ “3ይ ዓመት 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ኢትዮጵያ”  ኣካይዱ። ኣብዚ መድረኽ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያዊ ዛዕባታት ብዙሓት ሕቶታት ዝመለሰ ኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃበሉ ከኣ፡ ንጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ነይሩ።

ኣብዚ ብዝተፈላለዩ መዲያታት ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ መድረኽ ሕቶን መልስን፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ “ሕቶና ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ የድልየኒ እዩ ዝብል ሕቶ ብብዙሓት ወገናት ዝለዓል ዘሎ እዩ” ምስ በለ፡ “እቶም ንሕቶና ሓዱሽን ኣብ ዘይእዋኑ ዝተላዕለን   ዘምስልዎ ወገናትከ፡ ሓይሊ ባሕሪ ከነሰልጥን እንከለና ኣይነበሩን ማለት ድዩ? ነቲ ሓይሊ ከነሰልጥን እንከለናኮ መልእኽቱ ብንጹር ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ የድልየናሎ ማለት እዩ ነይሩ” እውን ኢሉ።

ካብዚ ሓሊፉ “ህዝብና ይበዝሕ ኣሎ ብወደብ ናይ ዝኣቱ ጠለብና ድማ ክዓቢ እዩ፡ ብሰንኪ ወደብ ዘይምርካብ ኣብ ጥሜትን ጸገምን እንተወዲቕና ዝኣመናሉ ስጉምቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና፡ ሽዑ ሕጊ ዝበሃል ነገር ኣይህሉን እዩ” ከኣ ኢሉ።

ኣተሓሒዙ ድማ ደሓር ስጉምቲ ምስ ወሰድና ከይትሓቱና ብዘስምዕ ኣገባብ፡ ንብዙሓት ትካላትን ሃገራትን  ዘርዚሩ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ክሰምዑልና ዝብል መልእኽቲ ኣስፊሩ፡ ብስምምዕ ይኹን ብግዲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ናይ ግድን እዩ ዘስምዕ ናይ “ካሮት ወይ በትሪ” መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ስርዓት ሃይለስላሴ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣፍሪሱ ኢትዮጵያ ክልተ ውድባት ከም እትውንን ዝወሰዶ ስጉምቲ ቅኑዕን ሎሚ እውን ዘይድገመሉ ምኽንያት የብሉን ዘስምዕ ናይ ቅኔ መልእኽቲ  ዘርጊሑ። ካልእ ምስ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ዝምድና ዘየብሉ ነቲ ሓቀኛ መልእኽቱ ንምሽፋን ብዝመስል ብዙሓት ነጥብታት  ዘርዚሩ። ብወተሃደራዊ ልዕልና ኢትዮጵያ ንምፍርራሕ እውን ፈቲኑ።

እዚ ኣብይ ኣሕመድ ኣንቂልዎ ዘሎ ተባራዒ ኣጀንዳ፡ ካብቲ ህግደፍ ንምውጋድ እንካይዶ ቃልሲ ከየልግሰና እኳ ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና እንተኾነ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ስለ ዝኾነ፡ ቆላሕታ ክንነፍጎ ከምዘይግባእ ምስትውዓል  ኣድላይ እዩ።

Last modified on Wednesday, 15 November 2023 10:49