ዜናዊ ጸብጻብ፡ ኣኼባታት ኣቦመንበር ሰዲህኤ

2023-11-12 15:52:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 684 times

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ብ11ን 12ን ሕዳር 2023 ሓፈሻዊ ኣኼባታት ኣባላት ሰልፊ ኣካይዱ። እቲ ናይ 11 ሕዳር ምስ መሰረታት ሰልፊ ኣብ ኤውሮጳ ኣሜሪካን ካናዳን፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኣወስትራሊያን ሱዳንን ድማ ብ12 ሕዳር 2023 ተቓኒዑ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣብቲ ኣኼባታት፡ ንተሳተፍቲ ስለቲ መጸዋዕታ ኣኽቢሮም ዘርኣይዎ ተሳትፎ ኣመስጊኑ፡ ኣብቲ ኣኼባታት ዝዝረበሎም ኣጀንዳታት ኣፋሊጡ። በዚ መሰረት ኣብ ክልቲኡ ኣኼባታት ሰፊሕ ምይይጥ ዝተገብረሎም፡ ገምጋም 4ይ ጉባአ ሰዲህኤን ጉዕዞ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝኣትዎ ዘሎ ሓድሽ ምዕራፍን ግደ ሰዲህኤ ኣብቲ መስርሕን ዝብሉ ነይሮም።

ኣቦ-መንበር፡ ኣብቲ ዝሃቦ መበገሲ ሓሳብ፡ መስርሕ ምድላው 4ይ ጉባአ ከመይ ከም ዝነበረ ብዝርዝር ድሕሪ ምጥቃስ፡ ውጽኢቱ ድማ ዲሞክራሲያዊ ከም ዝነበረ ሓቢሩ። ነዚ ዛዕባ ከም ኣገዳሲ ኣጀንዳ ምድህሳሱ ዘድለየሉ ምኽንያት ድማ መጻኢ ጉባአታት ኣብ ምድላው፣ ካብቲ ኣውንታዊ ኮነ ኣሉታዊ ተመኩሮ ንምቕሳም ምዃኑ ኣስፊሑ ገሊጽዎ።

መግለጺኡ ብምቕጻል እቲ ንነዊሕ ግዜ ክጸዓረሉ ዝጸንሐ ጉዕዞ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ናብ ተግባር ኣብ ዝኣትወሉ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎን ነዚ ዝምልከት ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ሓባር መግለጺ ንክወጽእ ከም መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎን ብዝርዝር ኣበሲሩ። ብዘይካዚ ኣቦመንበር ገረዝግሄር ድሕሪ 4ይ ጉባአ ካብ ዝተራእዩ ንጥፈታት ሰዲህኤ ነቶም ቀንዲ ቀንዲ ጠቒሱ።

ናይዚ ብመንገዲ ዙም ዝተኻየደ ኣኼባታት ተሳተፍቲ፡ ድሕሪቲ መግለጺ ሕቶታትን ርኢቶታትን ብምቕራብ ነቲ ምይይጥ ኣህብቲመሞ። ኣቦመንበር ድማ ንዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልስታት ሂቡ።  መስርሕ 4ይ ጉባአ ዲሞክራሲያዊ ከም ዝነበረን ከኣ ማእከላይ ዕግበት  ተሳተፍቲ እዃ ይኹን እምበር፣ ንዝያዳ ጽፈት መጻኢ ጉባአታት ድማ፡ ማእከላይ ባይቶ ብዓንተብኡ፡ ብዛዕባ እተን ኣብ ምድላው ጉባአ ወሳኒ ግደ ዘለወን ሓጻይትን ኣሳናዳኢትን ሽማግለታትን ካለኦት ኣካላትን ጽጹይ ቅድመ-ምድላው ዝግበረሉ መንገዲ ክፈጥር  ካብቲ ኣኼባ  ለበዋታት ቀሪቡ።

ብዘይካዚ ኣንጻር ዓመጸኛ ስርዓት ህግደፍ ብሓባር ዘቃልስ መድረኽ ምፍጣር መተካእታ ከምዘየብሉ ብምጥቃስ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ክቕጽልን ኣብኡ ከይተደረተ ናብ ዝሰፍሐ ደረጃ ዝብርኸሉ ኩነታት ንምፍጣር  ቃልሲ ንክቕጽል ተሳተፍቲ ኣኼባ ዕዙዝ ለበዋ ኣቕሪቦም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራውያን ዝረአ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብታትን ምንቅስቓስ መንእሰያትን፡ ግደ ሰዲህኤ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦን በተሳተፍቲ ተላዒሉ፡ ሰፊሕ መብርሂ ድማ ተዋሂብዎ። ከምኡ እውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ተላዕሉ ዘዛርብ ዘሎ ዛዕባን ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ነዚ ብዝምልከት ብ21 ጥቅምቲ 2023 ዘውጸኦ መግለጽን ዘተኮሩ ሕቶታት ተላዒሎም መብርሂ ተዋሂብዎም።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባታት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ርክባት መሪሕነትን መሰረታትን ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ንክቕጽል ለበዋ ኣቕሪቦም። ኣቦመንበር ብወገኑ እዚ ርክባት  ቀጻሊ ዝኾነሉ መደብ ተሰሪዑ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ፡ ህልውናን ሓያልነትን ሰዲህኤ፡ ብኣበርክቶ ኣባላቱ ከም ዝውሰን ብምጥቃስ ኣብ መጻኢ እውን ነፍሲ ወክፍ ኣባል ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኩሉ መዳያት  ቃልሱ ንከሕይል  ጸዊዑ።

Last modified on Sunday, 12 November 2023 17:00