ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ፍሉይ ተወርዋሪ ሓይልን መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ውግእ  ህጹጽ ኣኼባ ንክካየድ ወሲኑ። 

እቲ ባይቶ ነቲ ካብ 10 ክሳብ 15 ሓምለ 2024 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዝወሰኖ ኣኼባ ኣብ ምድላው፡ ላዕለዋይ ኣዛታይ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ኢጋድን ኣብ ምስንድኡ ዓብይ ግደ ንክህልዎም ጸዊዑ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒኢ ሓምለ 2024 ብጉዳይ ሱዳን ኣብ ግብጺ ኣኼባ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ተበግሶ ባይቶ ሰላምንን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ከም ዝህቦ ኣፍሊጡ።

እዚ ዞባዊ ትካል ኩሎም ሱዳናውያ ተዋሳእቲ፡ ነዚ ሓድሽ ብዘተ ኣቢልካ ናብ ቀጻሊ ሰላምን ምምስራት ሕገመግስታዊ መንግስትን ከብጽሕ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ እማመ ክሳተፍዎ ጸዊዑ።

እቲ ባይቶ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝምልከት ከም ዘስፈሮ፡ ብዘይወዓል ሕደር ተኹሲ ጠጠው ኢሉ፡ ናይ ህዝቢ ሱዳን ስቓይ ዝውገደሉ ኩንነታት ንክፍጠር ከም ዝጸወዐ ኣብቲ ድሕሪ ኣኼባኡ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ሱዳናውያን ተቐናቐንቲ ኣካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝቐርበሉ ኩነታት ክፈጥሩን ንሰራሕተኛታት ረዲአት ናይ ድሕንነት ውሕስነት ክህቡን ጸዊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ሰላም ንሲቪላዊ ሕብረተሰብ ዝሕልው ፍሉይ ሓይሊ ንከስፍር ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

Sunday, 23 June 2024 10:02

Dimtsi Harnnet Sweden 22.06.2024

Written by

ሱዳናዊ ዶክተር መሓመድ ባብከር

ጉዳይ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ ንክከታተል ቅድሚ 4ተ ዓመታት፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተመዚዙ ኣብ ስራሕ ዘሎ ዶ/ር መሓመድ ባብከር ብ20 ሰነ 2024 ናብ መበል 56 ጠቕላላ ርክብ ናይቲ ባይቶ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ጸብጻቡ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝኾነ ለውጢ የለን ኢሉ፡ ዝርዝር መልክዕ ናይቲ ዝረአ ዘሎ ግህሰታት ከም ዘስፈረ ኣብ ብዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝርዝሩ ኣብ ኤርትራ፡ ጃምላዊ ማእሰርትን ምድጓንን፡ ግዱድ ምስዋር ሰባት፡ ናብ ኣካላዊ ምዝመዛ ዝተሰጋገረ ደረት ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርና፡ ምንፍግ ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ ምስቓይ ዜጋታትን ምግሃስ መባእታዊ ናጽነታትን ሎሚ’ውን ኣብ ኤርትራ ብዝኸፈአ ደረጃ ቀጸልቲ ምህላዎ ኣዕሚቑ ገሊጹ። ንሓቅነት ናይቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብዝምልከት ድማ፡ ብናቱ መንገዲን ብምክትታል ኮሚሽን ሰኣዊ መሰልን በብግዜኡ ዝግምገም ምዃኑ  ኣረጋጊጹ ኣረዲኡ።

ነቲ ካልእ ገጽ ናይቲ ብህግደፍ ዝፍጸም ግህሰት ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ ናይ ፖለቲካ ነጠፍቲ፡ ጋዜጠኛታትን ንሰብኣዊ መሰል ዝግደሱን ኤርትራውያን  ድምጺ ኣብ ዲያፖራ ንምዕፋን ዘካይዶ ምንቅስቓሳት ኣቃሊዑ። ነዚ ንምትግባር ነቶም ነጠፍቲ ንምፍርራሕ፡ ኣብ ህይወቶም ስግኣት ንምፍጣር፡ ካብ ሰባት ንምንጻልን ቆንስላዊ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ ንምግባርን ከም ዝጥቀምን እዚ ተግባራቱ ኣብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣሉታዊ ተጽዕኖኡ ሓያል ምዃኑን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።  ምስዚ ኣተሓሒዙ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከም ዘተሓሳስቦ ብምጥቃስ፡ ሃገራት ምስቶም ኣብኣተን ዘለዉ ኤርትራውያን ክተሓባበራ ጸዊዑ።

ሕብረተሰብ ዓለም ብጉዳይ ጸጥታን ድሕነትን ኤርትራ ንክግደስ ጸዊዑ፡ ኤርትራውያን ግዳያት ፍትሒ ንክረኽቡ ዓለም ለኻዊ ተጽዕኖ ንክሕይል ዘለዎ ተስፋ ኣስፊሩ። እዚ ኣብ 2020 ዝተመዘ ባብክር ኣብዚ መበል 56 ኣኼባ እውን ንቀጻሊ ሓደ ዓመት መዝነቱ ንክሕደሰሉ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኽበ ብሃብቶም ዘርኣይ ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዘቕረቦ ቃል፡ ካብቲ ብሕብረት ኤውሮጳ እውን ዝተደገፈ ንህልዊ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ብምህዳምን ጓል ነገር ብምፍጣርን ብዛዕባ ኣመጻጸኣ ናጽነት ኤርትራን ኣድላይነት 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣትን  እዩ ተዛሪቡ።

 

Friday, 21 June 2024 00:53

Dimtsi Harnnet Kassel 20.06.2024

Written by

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ፡ ኤርትራውያን ደገፍቱ፡ 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣት ንምዝካር፡ ካብ ገዝኦም ወጻኢ ከይእከቡ መጠንቀቕታ ዘርጊሑ። እቲ ኤምባሲ ኣብቲ ብ19 ሰነ 2024 ዝዘርግሖ መጠንቀቕታ፡ ብድሮ ኣብ ገገዝኦም ኮይኖም፡ ሽምዓን ጥዋፍን ከብርሁ ኣዚዙ፡ ኣብቲ ዕለቱ ድማ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ገዛ ክጸሙን ሰዓት ሓደ ድማ ንስዉኣት ብጽሞና ክዝክሩ ጸዊዑ።

እቲ ኤምባሲ ድሕሪ 2018 ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣሎ ኣብ ዝበሃል ሰፋሕቲ ኣዳራሻት፡  ኣቐዲሙ ገንዘባዊ ኣታዊ ዝረኽበሉ መእተዊ ትኬታት ኣዳልዩ ብምሻጥ፡ ንህግደፍ ዘመጉሱ መደረታት ብምስማዕ እዩ ዘኽብሮ ነይሩ።

ናይዚ ዓመትዚ ብኽንድዚ ብዝተሓተ ደረጃ ምዝካሩ፡ ምልክት ስግኣቱ ኮይኑ፡ እዚ ስግኣቱ ካብ ምንታይ ከም ዝነቅል ዘዘራርብ ዘሎ እዩ። ኣብ መንጎ ህግደፍን ብልጽግናን ናይ ዘሎ ምትፍናን ሓርፋፍ ዝምድናን ውጽኢት’ዩ ዝብሉ ወገናት ብዙሓት እዮም። ብፍላይ ድማ ናይ ብሪገድ ንሓመዱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወግዒ ቅሉዕ ኣኼባታት ምክያዱ፡  እቲ ፍልልይ ምስፍሑ ከም ዘመልክት ናይ ብዙሓት እምነት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 24 ጉንበት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ እውን፡ እቲ ኤምባሲ ብኣዝዩ ጸቢብ ደረጃ እምበር፡ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ደገፍቱ ብዘሳትፍ፡  ኣብ ኣዳራሽ ከኽብሮ ዘይምኽኣሉ ናይ ቀረባ ዝኽሪ እዩ።

ብኻልእ ወገን ከኣ፡  መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዘኽፍሎ ዋጋ ቲኬት፡ ናብ ኤውሮጳ ካብ ዘኽፍሎ ዝያዳ ክሳብ ሚእቲ ሺሕ ብር ከም ዘብጸሖን ብሰንክዚ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ጸገማት የጋጥሞም ከም ዘሎን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መዲያታት ሓቢሮም።

ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ሶፍያ ተስፋምርያም፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኣኼባ ናይቲ ባይቶ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ነቲ ንሳ እትውክሎ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ በደላት ሓቢኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ እገዳት ዘይሕጋዊ ከተምስሎ ተሰሚዓ።

ካብቶም ዕሉላት መሳርሒ ሕግደፍ ምዃና ዝንገረላ ሶፍያ፡ ነቲ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባን ሰብኣውነትን ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን መዳርግቲ ዘየብሉ ገበናት ሸፊና፡ እቲ ቅድም መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘንበሮ ደሓር ድማ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝደገፎ እገዳ ንናይ ምዕራባውያን ፖለቲካዊ ሕሳብ ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ ክትብሎ ፈቲና።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ወዮ እቲ ዝወከለቶ ኣካል በብግዜኡ ዝጥሕሶ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ዘንጊዓ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ እገዳ ዓለምለኻዊ ኣሰራርሓ፡ ሕግታት ንግድን ፖሊሲ ዝምድናን ዝጠሓሰ እዩ ኢላቶ።

ሶፊያ ቀጺላ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍትን ቁጠባዊ ትካላትን ህግደፍ ዘንበሮ እገዳ ከም ዘሕደሶ ተኣሚና፡ ዕላምኡ ከኣ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ፡ ናይ ከባቢና ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ንምዝራግ  ዝዓለመ እዩ ኢላ ገሊጻቶ። ኣብዚ እቲ ዘገርም እቲ ዞባዊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ንምዝራግ ዘይቅዱስ ዝምድናታት ክፈጥር ከይደቀሰ ዝሓድር ህግደፍ ምዃኑ ክትሓብእ ምፍታና እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣንበሳደር ሩሲያ ኣብ ኤርትራ ዝሃቦ ምስክርነት ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ክውሰን ዝጸንሐ እገዳታት፡ ብመንጽር ድሌት ናይቶም ዝውስኑ ኣካላት እምበር፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ በደላትን ገበናትን ህግደፍ ክንድቲ ዝድለ ኣብ ግምት ዘይምእታዉ ከዛርብ ዝጸንሐ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ብመስዋእቲ ጀጋኑኣን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንዝኸፈለ፡ ካብኡ ንታሕቲ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋን ግቡእ ስለ ዝኾነ “ብሳላኹም ልኡላዊት ሃገር ወኒንና ኢና እሞ፡ ክብርን መጎስን ንዓኻትኩም ይኹን፡ ኣብ ዘለኹምዎ ቅሰኑ፡ ብህግደፍ ንዝተጠለመ ሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ኢና”፡  ክንብሎም ግቡእ እዩ። ዝኽሪ ስዉኣት ኣበይን መዓስን ብወግዒ ክትዝክሮ ከም ዝግበኣካ ምውሳን ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላን ዝምስገኑላን ዕለት ክህልዎም መን ወሲንዎ ብዘየድስ፡ ዝቃወሞ የለን። ቅድሚ ሕጂ እውን ብፍላይ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡  ባሕቲ ታሕሳስ መዓልቲ ሰማእታት ኮይና ክትዝከር ጸኒሓ እያ። ምኽንያት መንቀሊኣ ድማ ድሕሪ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብ1970 ኣብ ከባቢ ሃብረንቃቓ ብድብያ ተበዓት ተጋዳልቲ ተሓ ብምቕንጻሉ፡ “ሕነኡ ንምፍዳይ”፡ ኣማኢት ሲቪል ኤርትራውያን ኣብ በሲግድራን  ዖናን ከባቢ ከረን ብሰራዊት መግዛእቲ ተቐቲሎም  ዓዶምን ንብረቶምን ነዲዱ ዝሃለቑላ ዕለት ስለ ዝኾነት።

መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ልቦና ኩሉ እትሓድርን ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ኣብ መሳርዕ ቃልሲ ንዝተሰውኡ ዕጡቓትን ሲቪልን ኤርትራውያን እተማእክልን ንከትከውን፡  ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕላ ብሕገ መንግስቲ ዝተደገፈት ምኽንያታዊት መዓልቲ ምግባራ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ  ዛዕባታት ሓንቲ ክትከውን ምተገበኣ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን በሓቲ ኣካይዳ ህግደፍ፡ ከምቲ ካልእ መድረኽ  እሂንምሂን  ዘይተፈጥረሉ ዛዕባታት፡  መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ’ውን ብወግዒ ዝመጸት ኣይነበረትን።

20 ሰነ ጓይላ፡ ጃህራን ዳንኬራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሪ ሰማእታት ብንጹህ ሕልና ምዝካራ ኣገዳሲ ነይሩ። ዝያዳ ንምዕዛዙ፡ ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብቲ ወተሃደራዊ ሜዳ ናብ ዝተሰዉኡ ጥራይ ዘተኩር ኮይኑ፡ እዚ እውን  ኣዝዩ ውሑድን ሓደ ሸነኻውን  ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ዝህቡ ኣካላት ዝሰማምዕሉ ኣይኮነን።

መዓልቲ ሰማእታት እቲ ቀንዲ ዕላማኣ  “ሕድሮም ክሳብ ክንደይ ተኸቢሩ?” ዝምዘነላን ኣብ መጻኢኸ እቲ ዝተጠልመ ሕብሮም ብኸመይ ይትግበር ዝትለመላን ቃል ዝእተወላን ክትከውን ምተገበአ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና ብኣንጻሩ ኣብዛ ንክብሮም ባዕሉ ዝወሰና  ዕለት እዩ ብኣዋጅ ዝጠለሞም። ብ1991 ኣብዛ ዕለት ድሕሪ 25 መዓልታት ናጽነት ኣብ በኹሪ መግለጺኡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ኣስመራ ብወግዒ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ኢሉ ኣውጁ። እዚ ኣዋጅ ነቲ ኤርትራውያን ሰማእታት ህዝቦም ድሕሪ ናጽነት ናይ ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ሓርነት ንክህልዎ ዝኸፈልዎ ዋጋን ቃሎም ከይጥለም ሓደራ ዝበልዎን ዝተነጽገሉ መድረኽ’ዩ ነይሩ። ብሰንኪቲ ጥልመት ከኣ እነሆ ናጽነት ኤርትራ ናይ ውሑዳት መዕንደሪ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና 33 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት እውን ኣብ ገዛእ ብሰማእትነት ደቁ ብኣዝዩ ዕዙዝ ኣበርክቶኡን ናጻ ዝኾነት ሃገሩ፡ የዋጽኣኒ  ዝበሎ ሓሳብ ከየቕርብ ኣፉ ተለጒሙን እግሩ መሊኡ ምርጋጽ ሓሪምዎን ብሹቕርርታ ይነብር ኣሎ።

ህግደፍ ሕድሮም ጠሊሙ ከብቅዕ፡  ብናቶም ክብሪ  ንክሽቕጥ ዘይፍንቅሎ እምኒ የብሉን። ሰማእታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ናይ ክብሪ ቦታ ስለ ዝፈልጥ ብስሞም፡ ሃብቲ ንምኽዕትን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ካብቲ ዝጥቀሞ ሜላታት ሓደ እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ፡ ኣብ ክንዲ ንናይ ህግደፍ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ስዉእት ምቅላዕ፡ ብተመሳሳሊ ቃና፡ ክብሪ መስዋእትነትን ሰማእታትን ዘናእሱ ወገናት ይቀላቐሉ ምህላዎም ካልእ ገጽ ናይቲ ጥልመት እዩ።

እቶም ቀንዲ ተረከብቲ ሕድሪ ሰማእታት፡ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ  መንእሰይ ወለዶ እዮም። ስለዚ እዞም ኣካላት እዚኣቶም ካብቲ ሓንሳብ ኣንጻር ሰማእታት ጨኪኑ ናብ ልቡ ናይ ምምላስ ዕድሉ ዝዓጸወ ጉጅለ ምጽባይ ዘይኮነ፡ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይግበኦም። እዚ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ክሓስብሉ ዝግባእ ዓብይ ዛዕባ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሩ ሃገርን ህዝብን ዝምርሕሉ ሕግን ህዝባዊ ስርዓትን ክተክል ቅሩብ ዘይኮነ ጉጅለ፡ ግበር ስለ ዝበለካ ፈልሲ ብምትካልን ሽምዓታት ምብራህን ወይ በል ስለ ዝተበሃልካ “ስዉኣትና ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና” ዝብል ጭረሖ ብምቅላሕ ጥራይ፡  ሕድሪ ሰማእታት ኣይክበርን’ዩ።  ወለድን ስድራቤትን ፍቕሪ ሰማእታቶም ዝገልጽሉ ኣገባብ፡ ኣብ ገዛ ተዓጺኻ ኣሳእሎም እናረኣኻ ብምንባዕ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣደባባያት “ክብርን መጐስን፡ ነቶም ሕድሮም ዝተጠልመ ስዉኣት” ብዝብል ንህግደፍ ዘርዕድ ስሙር መቓልሕ ክኸውን ይግበኦ።

ብዝተፈላለየ መልከዓት ተወዲቦም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት  ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት መግለጽታትን ኣዋጃትን ብምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተጠልመ ህዝባዊ ሕድሮም  ዘኽብር ናይ ሓባር ዓቕሚ ንምፍጣር ብዛዕባ ዝኽእልሉ ክሓስቡ ይግበኦም። ዘለካ ፍልልያት ኣመሓዲርካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ተቢዕካ ንህግደፍ ክትስዕር ምብቃዕ ክሳብ ክንደይ ንሰማእታት ከም ዘቕስኖም ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ኮይኖም ክሓስብሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ሰማእታት ስሞም ደጋጊምካ ብምጽዋዕ ዘይኮነ፡ ዘቕስኖም ብምስራሕ እዮም ዝቐሱ።  

እቲ ንብጾቱ ቀቢሩ ዕጥቆምን ሕድሮምን ዝተረከበ፡ “ናይ ናጽነት ሓርበኛን ደሓር ዝተሰለፈን”፡ ናይ ሎሚ  ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም “ወራሪን መሰል ንጹሃት ዝግህስን”  እናተባህለ መዛረቢ ኮይኑ’ሎ። ሕድሪ ሰማእታት ከኽብርስ ይትረፍ ክብሩ እውን ክዕቅብ ኣይከኣለን። ናይዚ ኩሉ ውርደቱ ጠንቂ ድማ ሕድሪ ብጾቱ ምጥላሙ ምዃኡ ክርዳእ ይግበኦ። ጥልመት ህግደፍ ቀጻሊ ስለዝኾነ ጽባሕ ናብ ርእሱ ከምዝምለስ ዘዳዲ ኣይኮነን።  ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ክበራበርን፡ በታ ዘላቶ ዕድል፡ ቅድም ናይ ገዛእ ርእሱ፡ ደሓር ከኣ ሕድሪ ሰማእታቱ ኣኽቢሩ ኣብ ጐኒ ህዝቡ ክስለፍ፡  ሎሚ’ውን ንጽወዖ ኣለና።  

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

20 ሰነ 2024

ካብ ማሕበራዊ መድያ፡ ዝተወስደ፡  ሰማንታ ፖወር፡ ኣካያዲት፡ ዩ ኤስ ኣይድ/(USAID

ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ ኣብታ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ሰብኣዊ ቅልውላው ወዲቓ ዘላ ሱዳን  ዘሎ ህዝቢ ንምሕጋዝ ተወሳኺ ልዕሊ 315 ሚልዮ ዶላር መዲባ ከም ዘላ ሓንቲ ኣሜሪካዊት ላዕለወይቲ በዓልቲ መዚ ኣፍሊጣ።

ኣመሓዳሪት  ትካል ዓለምለከ ልምዓት ኣሜሪካ፡ ሳማንታ ፖወር፡ ከም ዝገለጸቶ እቲ ረዲአት ብሰንኪ ጥሜት ኣብ ኣፍደገ ሞት ናይ ዘለዉ ግዳያት ህይወት ምድሓን ዝዓለመ እዩ።

ሳንማታ ፖወር ከም ዝበለቶ’ እኹል ረዲአት መግቢ ዝኽዘነሉ  እኹል ማእከላት ዘይምህላው፡ ድሕሪቲ ታሪኻዊ ዓጸቦ ዘሎ ሓደገኛ ዕንቅፋት እዩ። እዚ ኰነታት ካብቲ ቅድሚ ኩሉ ክፍታሕ ዝግበኦ ምዃኡ’ውን ኣብቲ ዝሃበቶ ቃል ጠቒሳ። ህዝቢ ሱዳን ከባቢ 25 ሚልዮን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብኡ ኣስታት 8 ሚልዮን ካብ ሃገር ምውጽኡ ተመዛቢሉ’ሎ። 

እዚ ብኣሜሪካ ዝልገስ ረዲአት፡ ህልቂት ህይወት ሱዳናውያን ኣብ ምድሓን ዝለዓለ ግደ ክህልዎ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን ሕድሕድ  ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት ኣብ ምግሃድ ሰላማዊ መፍትሒ ትብዓትን ተወፋይነትን ከርእዩ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ሳማንታ ፖወር ጸዊዐን።

እቲ ኣሜሪካዊ ዓለምለኸ ትካል ረዲአት ከም ዝገለጾ፡ ካብቲ ተዋግእቲ ወገናት ዝሓዝዎ ቦታታት ካብ ናይቲ ሓደ ናብቲ ካልእ ዝቆጻጸሮ ከተሰጋግር ኣጸጋሚ እዩ። ብዘይካዚ ናብ ሱዳን ኣብ ዘእቱ ዓለምለኻዊ ዶባት እውን ጸገም ኣሎ። ብመንጽርዚ ብቻድ ኣቢልካ ናብ ሱዳን ዘእቱ ቦታ ህይወት ሚልዮናት ጽጉማት ሰለ ዘድሕን ምኽፋቱ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

በቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ተቐናቐንቲ ዘካይድዎ ዕንቅፋት፡ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዓጸቦ ቀንዲ ጠንቂ እዩ። ብምትሕሓዝ ድማ ኣሜሪካ ናይተን ካለኦት ትካላት ረዲአት ቀጻልነት ከይቋረጽ ክትጽዕር እያ። በዚ ድማ ህይወት ንምድሓን ዝወሃብ ሓቀዝ ቀጻሊ ምግባር ከም ዝከኣል መልእኽቲ ኣሜሪካ እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ካብ ዩ ኤስ ኣይድ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይልን፡ ብህጹጽ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ከኽብሩን ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ሓደኛ ኩነታት ንምፍታሕ ናብ መኣዲ ዘተ  ንክምለሱን ጸዊዑ።

Page 38 of 599