Remembering Over 360 Eritrean Victims Of Lampedusa at its 11th Anniversary
Written by Wolde-Yesus Ammarህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ ነዊሕ ጉዕዞን ሎሚ ዝርከበሉ ዘሎ ሃለዋትን ባዕሉ ዝተዋሰኣሉ ስለ ዝኾነ፡ ብኻልእ ኣካል ዝንገሮ ኣይኮነን። እቲ ዝሓለፎ መስርሕ በበይኑ መልከዓትን ትሕዝቶን ዝነበሮ ስለ ዝኾነ፡ ብሓደ ቃል “ከምዚ ነይሩ” ኢልካ ክትገልጾ የጸግም። “ህይወት ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን” ምባሉ ከኣ ሓደ ካብቲ ልሙድ ኣገላልጻ ናይ ዝነበረን ዘሎን ኩነታት ኤርትራ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዘርኣዮ፡ ተወፋይነት፡ ጽንዓትን ኣይንብርከኽን በሃልነትን ብፈተውቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብጸላእቱ ከይተረፈ ዝተመስከረሉ እዩ። ብዙሓት ናይ ታሪኽ ይኹን ናይ ፖለቲካ ዓውዲ ተመራመርቲ ከኣ “ውሑድ ክነሱ፡ ኣንጻር ብዙሓት ገጢሙ፡ ብዝተሓተ ደረጃ ዕጥቂ ዝተዓወተ ህዝቢ” ኢሎም ንመስተንክራዊ ኣበርክቶኡ መስኪረምሉ እዮም። ህዝብና ነዚ መስተንክር ክሰርሕ እንከሎ፡ “ከምዝን ክንድዝን ነይሩ” ኢልካ ዓይነቱን ብዝሑን ምጽብጻቡ ዘጸገም ክቡር ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋ ከፊሉ እዩ። ኩሉ መሰረታዊ መሰላቱ እውን ተገፊፉ። ነዚ ኩሉ ጸገማት ተጻዊሩ ተስፋ ከይቆረጸ ነቲ ዋጋ ናይ ምኽፋሉ ምስጢር ከኣ፡ ዝርኣዮ ብርሃን ናጽነትን ሓርነትን ስለ ዝነበሮ እዩ።
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቚኑ ምስ ጸዓየ፡ ናጽነት ኤርትራ ወሊዱ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዑናታት መግዛእቲ ክድኮን ዝተቓለሰሉ ሰላም፡ ዕቤትን ዲሞክራሲን ግና ኣይተረጋገጸን። ህዝብና ኣብ ጽባሕ ናጽነት እዩ፡ እቲ ዝተሓተ ከም ናጻ ዜጋ እግርኻ መሊእካ ናይ ምስጓምን፡ ኣፍካ መሊእካ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን መሰል’ኳ ዝተነፍገ። ብኣንጻሩ ናይ 2ይ ዜጋ ዝመስል ኣስማትን ደረጃን እናተዋህቦ ርእሱ ከድንን ተገዲዱ። ኣብቲ እዋንቲ’ዩ ከኣ “ትርጉም መግዛእትን ናጽነትን ደኣ እንታይ እዩ ፍልልዩ? ዝብል ንደገ ዘይወጽእ ድምጺ ሕቶ ዘቃለሐ። መልሱ ድማ ብዓውታ ደኣ ናብቲ ጉጅለ ኣየብጻሕ እምበር፡ “ገዛኢ ተቐይሩ፡ ተግባራት መግዛእቲ ግና ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ” ብዝብል ዝቕለስ፡ “ግዜ ደርጊ ይሕሸና፡ ድርጊ ብኣካል ወጺኡ ባህርያቱ ግና ኣሎ ጋና” ዝብል ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብናቱ መስዋእትነት ዘረጋገጾ ዓወት ተጠሊሙ፡ በቲ ጉጅለ ብኣዝዩ ከቢድ ምረትን ክብደትን ኣብ ዳግማይ ወጽዓ ክኣቱ እዩ ዝብል፡ ናይ ዝኾነ ኣካል ትጽቢት ኣይነበረን። ብግብሪ ግና ምእማኑ ብዘጸግም ተራእዩ። እቲ ቅድሚ ናጽነት ኣንጻር መግዛእቲ ዝስማዕ ዝነበረ ናይ “ኣይንብርከኽን” ድምጹ ግና፡ “ህዝቢ ኤርትራ ደኣ ካብ መዓስ እዩ ክሳብ ክንድዚ ወጽዓ ዝስከም እንግደዓ ኣጥሩ” ክሳብ ዝበሃል ክቱር ስቕታ ኣርእዩ። ብሰንክ’ቲ ስቓታኡ ድማ ብብዝሑ ኮነ ብዓይነቱ ምጽብጻቡ ዘጸግም ዘይተጸበዮ ዋጋ ከፊሉን ይኸፍል ኣሎን።
እቲ ስቕታ ኣብቲ መጀመርያ፡ ናይቲ ሕድሩ ዝጠለመ ኣካል ምፍርራሕን ዘይትግበር መብጸዓታትን ተወሲኽዎ፡ ምኽንያታዊ ኣምሲሎም ዝገልጽዎ ኣካላት ነይሮም። እቲ በደል እንዳኸበደ፡ እቲ ግዜ እንዳነወሐን ህግደፍ ከኣ ከም ዝጠለመ ብተግባር እናርኣየን ምስ መጸ ግና፡ እቲ ክቱር ስቕታ ህዝቢ ምኽንያታዊ ዘይምንባሩ በሪሁ። ኣንጻር’ቲ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ስቕታን ኩራን “ጽቡቕ ኣለና፡ ካብዚ ዝዓቢ ናጻነት እንታይ ኣሎ? ዝብል ጠባሪ ድምጺ ዘስምዑ፡ ቅድሚ ጠቕሚ ህዝቢ ረብሓኦም ዘቐድሙ ኣዝዮም ውሑዳት ኣካላት ምስተኸሰቱ ከኣ እቲ ዘይምኽኑይ ስቕታ ሓፋሽ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ደኣ እንታይ እዩ ዓዚምዎ” ኢሎም ዝሓቱ ወገናት በርኪቶም።
እቲ ኣብ ሃገርና ብዘይዝኾነ ህዝባዊ ኮነ ሕጋዊ ቅቡልነት፡ ብኢደወነኑ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውረዶን ዘውርዶ ዘሎን ወጽዓ፡ ኣደዳ ጥሜት፡ ሕማም፡ ድኽነት፡ መሰላት ምሕራምን ተደፊእካ ሃጽ ኢልካ ናብ ስደት ብምምራሕን ጥራይ ዝግለጽ ኣይነበረን። ንህዝብና ኣብ ብዙሓት ዘይምልከትዎ ውግኣት ብምጥባስ እውን ካብቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋ ናብ ዝተዓጻጸፈ፡ ኩሉ ናይ ውግእ ሳዕቤናት ከእትዎ ጸኒሑ።
ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ብሰንኪቶም ትዕቢትን ብደዐን ህግደፍ ዝወለዶም ውግኣት ዝሓደሮ ቁስሊ ከየሓወየን ኣብኡ ናይ ዝጠፍኡ ደቁ መርድእ እናተጸበየን ጌና ካብ ናይ ዘይምልከቶ ውግእ ደበና ኣይወጸን። እቲ ጉጅለ ውግእ ትግራይ ብምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ደው ምስ በለ፡ “ተኾሊፍና” ብዝብል ዘሕፍር ኣገላልጻ ህርፋኑ ስለ ዘየርወየ ከንባሁቕ ጸኒሑ። ሎሚ ድማ ኢስያስ ኣፈወርቂ ደሃይ ውግእን ዘይምርግጋእን ድምጺ ናብ ዝስመዖ ኩርነዓት መገሻታት የጽዕቕ ኣሎ። ዕላምኡ ከኣ ብውግእ ንዝደላለዩ መንግስታት ክዓርቕ ዘይኮነ፡ ጸግዒ ሒዙ ከሳውር ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብቲ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና እምበር ስቕ ኢልና ንዕዘቦ ኣይኮነን” እናበለ ዝኣተዎ ውግእ ትግራይ፡ ብዝተፈላለዩ ገበናት ተሓታቲ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ናይ ርሑቕን ቀረባን ወገናት ክኸስዎ ጸኒሖም እዮም። ጠቕላሊ ኣዛዚ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ’ውን ልኡላዊ መድያ ምስ ዝበሃል ዩቱብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ናይ ፋብሪካታት መሳርሒ ፈቲሑ ወሲዱ እዩ። ሰባት እውን ቀቲሉ። እቲ ተግባር ቅድም ናይቲ ኣብ ቅድሚት ዝስለፍ ሰራዊት ስምዒታዊ ስጉምቲ ይመስለና ነይሩ። ደሓር ግና ኢድ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝነበሮ ኣረጋግጽና። ብሰንክዚ ከኣ መንእሰይ ትግራይ ብብዝሒ ኣንጻርና ተሰሊፉ” ብዝበሎ ኣቃሊዕዎ። እዚ ንህግደፍ ከተሓሳስቦ መተገበአ። እንተኾነ ሓንሳብ ብደም ስለ ዝሰኸረ፡ ንድሕሪት ኣይክብልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራኸ ሎሚ’ውን ነዚ ተግባራት እቲ ጉጅለ ብስቕታ ክሓልፎ እዩ ማለት ድዩ?
ህግደፍ ሎሚ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ውግእን ህውከትን መኻይዲ ንምርካብ ሃሰው ይብል ኣሎ። ኣብቲ ዝእጐድ ሓዊ ግዳይ ዝኸውን ከኣ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መንእሰይ ኤርትራን ቤተሰቡን እዮም። “ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስቕታሲ ክሳብ መዓስ?” ናይ ዝብል ሕቶ መልስኸ፡ “ንሓዋሩ” ዝብል ድዩ ወይስ “ሎምስ በዚሑ ጉልባብና ቀሊዕና ደኣ ንቃለሶ” ዝብል ክኸውን እንጽበዮ እዩ።
ስማዊ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ብስሩዕ ካብ ዝእከብ 28 መስከረም 2024 ሽዱሽተ ዓመቱ ከም ዝሓለፎ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ብ30 መስከረም ዝተዘርግሐ ዜና ቢቢሲ፡ ብዙሓት ደገፍቲ ህግደፍ “ካቢነ ኣበይ ጠፊኡ? ሃለዋት እተን ዝመርሐን ዝነበረ ሚኒስተሪታት ከ ኣብ ከመይ ዝኣመሰላ ሃለዋት ኣለዋ?” ዝብሉ ሕቶታት የቕርቡ ከም ዘለዉ እውን ጠቒሱ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ደገፍቲ ህግደፍ፡ በቲ ሓደ ወገን ናይቶም ሚኒስተራት ብዕድመ ምድፋእ በቲ ካልእ ወገን ድማ መስርሕ ምትኽኻእ ዘየለ ምዃኑ ከም የተሓሳስቦም ከም ዘሎ’ውን ኣስፊሩ።
ፖለቲካዊ ባህሪኡ ብዘየገድስ ኣብ ንቡር መንግስታዊ ኩነታት፡ ካቢነ ሚኒስተራት ፈጻሚ ኣካል ኮይኑ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ናይቲ መንግስቲ ዝከታተል እዩ። ሓጋግን ፈራድን ከኣ ነናቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት መንግስቲ እዮም። ኣብ ኤርትራ ግና ሓጋግን ፈራድን ኣካላት ካብ ቀደም ካብ ንቡር ወጻኢ በቲ ካቢነ ዝተጨውዩ ኮይኖም፡ እቲ ቁርብ ድምጹ ዝስማዕ ዝነበረ ስማዊ ካቢነ ሚኒስተራት ካብ ዝእከብ 6ተ ዓመታት ምሕላፉ ድማ ኩሉ ነገር ተጠቕሊሉ ኣብ ኢድ ውልቀ መላኺ ኢስያስ ምውዳቑ ዘመልክት እዩ።
ካቢነ ሚኒስተራት ብመሰረቱ ብሓጋጊ ኣካል ዝጸድቕ ሕግታትን ኣዋጃትን ዘተግብር ኮይኑ፡ ናይ ሕግታት፡ ዓመታዊ በጀትን ንድፊ ናብቲ ሓጋጊ ኣካል ዘቕርበሉ ኩነታት እውን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ግና ሓጋጊ ኣካል ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኩሎም ሕግታት መሰረት ዝኾነ ሕገ-መንግስቲ ኮነ ብግሉጽነት ዝፍለጥ በጀትን የለን። ኣባላት ስማዊ ካቢነ ሚኒስተራት ምምሕዳር ህግደፍ፡ ብሓጋጊ ኣካል ዝድይቡን ዝወርዱን ዘይኮኑ፡ ውልቀ-መላኺ ብኢደ-ወነኑ ዘደይቦምን ከውርዶም እዮም። ኣብዚ መስርሕ ህዝቢ ኣጋጣሚ መዲያ እንተዘይኮይኑ፡ መን ኣበየናይ ሚኒስትሪ ተመዚዙ ይመርሖ ከም ዘሎ ኣይሕበሮን እዩ።
እቲ ብምርጫ ዘይኮነ ብሕርያ ቆይሙ ዝነበረ ሓጋጊ ኣካል ኤርትራ፡ ካብ 2002 ንደሓር ኣበይ ከም ዘሎ ከምዘይፍለጥን ናይቲ ኣካልቲ ምእካብን ዘይምእካብን ጠንቂ ናይቲ ኣብ 2001 ዝተኻየደ ኣልማማ ማእሰርቲ ፖለቲከኛታትን ጋዜተኛታትን ከም ዝነበረን እውን ቢቢሲ ኣብቲ ሰፊሕ ገምጋማ ኣስፊራ።
ብ27 መስከረም 2024 ንዝኽሪ መስዋእቲ ተጋዳላይ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝተዳለወ መደብ ኣብ ሱዳን (ከሰላ) ተኻይዱ። ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ብ24 ነሓሰ 2024 ኣብ ግብጺ ተሰዊኡ ኣብ ከተማ ካይሮ ድማ ተቐቢሩ። ኣብ’ዚ ዝኽሪ’ዚ ኣብ ሰዳን ዝነብሩ ቤተሰቡ፡ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣባላት ካልኦት ኤርትራውያን ውድባትን ፈለጥቱን ተኻፊሎም ውዒሎም።
እቲ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን መፍትሒ ቃል ኣኼባን ብኣቶ ጀማል መሓመድ ዑመር ክንበብ እንከሎ፥ ቃል ሰዲህኤ ብትግርኛ ብኣቶ ዑስማን ፈይሳል፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤን ብዓረብኛ ከኣ ብኣቶ ባብክር መሓመድ ሓምድ ኢዩ ተነቢቡ። ብድሕር’ዚ፡
1. ተጋዳላይ ሓሰን ኢማን 2. ተጋዳላይ ዓሊ ሁመድ ዲናይ 3. መምህር እልፉ ተኽለሃይማኖት ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ስደተኛታትን ወኪል ማሕበር ኣካለ-ስንኩላን ኣብ ሱዳንን በብተራ ንስዉእ ኣርትዓ ዝምልከት ቃል ኣስሚዖም።
እዞም ዝስዕቡ ተጋደልቲ በብተራ ኣብ ዝተዛረብሉ ዝኽርታቶም ብዛዕባ ክብርታት፡ ብቕዓትን ዝምድናታቶም ምስ ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ኣመልኪቶም መግለጺታት ድሕሪ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ናይ ጽንዓት መልእኽትታቶም ኣመሓላሊፎም።
ጸጥታዊ ኩነታት ሱዳን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ለበዳ ኮለራን ረስኒ መዓንጣን ብፍላይ ድማ ኣብ ከሰላ ጽንኩር ምዃኑ ዝፍለጥ ኢዩ።
ብማእከላይ መሪሕነት ፖሓኤ ዝተማሓየሸ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
Written by ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ሃገርና ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ኲነታት ኣብ እትኸደሉ፡ ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ምንቁልቋል ንምድሓን ሓድሽ ማዕበል መንእሰያት ኣብ ዝካየደሉ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራውን ሓቢሩ ክሰርሕ ጽላላት ኣብ ዘቑመሉ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ሕድሕድ ውግእን ምቅትታልን ሃለዋት ኣብ ዝተባርዓሉ፡ ኣብ ናይ ቀረባ ጐረቤትና ዝኾነት ክልል ትግራይ ድማ ብናይ ፕሪቶርያ ስምምዕ መሰረት ናይ ሰላም ጩራ ኣብ ዝተራኣየሉ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባና ኮነ ዓለምና ሓድሽ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሰላልፋ ኣብ ዝተጋሃደሉ፡ ቀይሕ ባሕሪ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ፍልስጤምን፣ መንግስቲ እስራኤልን፣ ዩክረይንን ሩስያን ኣልዒልዎ ዘሎ ነውጺ፣ ናብ ተጠምቀቕ ኣትዩ ኣብ ዘሎ ህሞትዩ ተኻይዱ። ዋዕላ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝቐረብሉ ንድፊ ቀወምቲ ሰነዳት ቻርተን ዓንዲ ሕግን ተመያይጡ ምጽዳቑ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት ዓሚቚ ዘተ ኣካይዱ፡ እዚ ዝስዕብ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ድማ ኣሕሊፉ።
እዋናዊ ኲነታት ኤርትራ፣ ስርዓት ህግደፍ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፣ ባዕሉ ንዘቖሞም ትካላት’ውን ከይተረፈ ጠሊሙ፡ ናብ ክቱር ክሕደት ስለዝጠሓለ ምስ ህዝቢ ዘለዎ ኩሉ መዳያዊ ዝምድናታት ኣብ ኣዝዩ ክተዓረቐሉ ዘይክእል ዝተረሓሓቐ ደረጃ ከምዝበጽሐ ዋዕላ ፖሓኤ ገምጊሙ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ዋዕላ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ራህውኡን ሓርነቱን መንገዲ ድሕነቱ ንኽጸርግ ጸዊዑ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካልን ኣብ ዘካየድ ዘሎ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ፖሓኤ ቅድሚት ከምዝስለፍ ብምርግጋጽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ፖለቲካዊ ሓይልታቱ ንኽስለፍ ጸዊዑ።
ኤርትራዊ ልኡላውነት፡ ኣብ ሃገርነት ኤርትራ እሙን ዘይኮነ፡ ተወላዋሊ ስርዓት ህግደፍ ብዝተኽተሎ ስልጣኑ ናይ ምስፋሕን ምሕላውን ፖሊሲ፡ ናጽነት ኤርትራ ዘይተወሕጠሎምን ንኣፍደገ ባሕሪ ምስምስ ዝገብሩ ገለ ኢትዮጵያዊ ውድባትን ውልቀ ሰባትን፡ ንልዑላውነትና ኮነ ሓድነት ህዝብናን መሬትናን ትርጉም ዘስእንዎ ወስታታት ከርእዩ ክንዕዘብ ጸኒሕና። ይኹን እምበር፡ ፖሓኤ ልዑላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን፣ ባሕርን ኣየርን ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ምዃኑ የረጋግጽ።
ኣድላይነት ሓባራዊ መቃለሲ ጽላል ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡
ፖሓኤ ንተዳላይነት ሓቢርካ ምስራሕ ካብ ምርዳእ ሓሊፉ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳቤታት፡ ግንባራትን ምንቅስቃሳትን ክዝቲ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ኣብ መስራቲ ዋዕላ በጺኡ። እዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ መጀመርታ እምበር መወዳእታ ከምዘይኮነ ስለ ዝኣምን ከኣ፡ ኣብ ዙሪያ’ቲ ከም መእከቢ ኣስፊርዎ ዘሎ ኣርባዕተ መቆሚ ነጥብታት፡ ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ጀሚርዎ ዘሎ ኣብ ናይ ሓባር ጽላል ናይ ምምጻእ ቃልሱ ክቕጽሎ እዩ። ንዘተን ሓባርዊ ስራሕን ቅሩባት ምስ ዝኾኑ ኣካላትውን ሓድሽ ናይ ዘተ መኣዲ ንምኽፋት ቅሩብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ዝሰማማዕ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ምስ ዘለዎም ሓይልታት`ውን፡ ኣብ ሓደ ውዳበ ንኽመጹ የተባብዕ።
ህዝባዊ ማዕበላት፡ ፖሓኤ ምስ ከሎም ኤርትራዊ ህዝባዊ ማዕበላት፡ ብፍላይ ድማ ብብርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጥን፡ ብዙሓት ኣባላት ፖሓኤ ተጸንቢሮሞ ኣብ ዝሳተፍሉን ዘለዉ ምንቅስቓስ ንክህሉዎም ዝኽእል ሕጽረታት ብብቕዓት መኪቶም ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ቃልሲ ክድይቡ እንዳተባብዐ፣ ሕጋውን ብጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍን ዘይምዝመዝ ኣገባብ ቃልሲ ብምኽታል፡ ንህግደፍ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ካብ መንግስታትን ህዝብታትን ዝንጽልን ንቑጠባዊ ኣታዊታቱ ዘንጽፍን ክኸውን ንመክር። ብፍላይ ድማ እቲ ብሰንኪ ህግደፍ ዘንቐሎ ተጻራሪ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ክረአ ንዝጸንሐ ምቅትታልን ምጉዳል ኣካላትን መርወይ ድሌት ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ክንዲ ዝቕጽል ጠጠው ንኽብል ኣትሪሩ ይጽውዕ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኣደዳ ስደት ኮይኖም ከምዘለዉ፡ ከምኡ’ውን ብምኽንያት መግዛእቲ ካብ 1967 ጀሚሩ ንዓሰርታት ዓመታት ኣብ ስደት ዝጸንሑን፡ ብሰንኪ ነጻጊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ፣ ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘይከኣሉን ዋዕላ ተገንዚቡ። ህዝብና ካብዚ ኣብ ፈቐዶ ዝተሰዶ ሃገር ዝሓልፎ ዘሎ ኣስቃቒ ሃለዋት መታን ክገላገል፡ ሓይሉ ኣወሃሂዱ ወጽዓ ንምልጋስ ክቃለስ ዋዕላና ደጊሙ ይጽውዕ። ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦምን ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ክቕበሉን ክናብዩን ንዝጸንሑ ሃገራትን ህዝብታትን ኣመስጊኑ። ናይ ስደተኛ መሰል ጠሊሞምን ኣህጉራዊ ሕግታት ጥሒሶምን ስደተኛ ካብ ሃገሮም ኣገዲዶም ናብ ኤርትራ ክሰጉ ንዝደናደኑ መንግስታት ከቋርጽዎ ንምሕጸን።
ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ሕግታት ብምጥሓስን እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት በብግዜኡ ለውጢ ክገብር ዝወሃቦ መተሓሳሰብታት ብምንጻግ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዘይፈለጥ ቦታታት ንዝኣሰሮም ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖታት፡ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ተራ ሃገራውያንን ኮታ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ግዳያት ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ግፍዕታት ንኹንኖ። ኩሎም ዝምከቶም ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ከሕይሉ ድማ ንጽውዕ።
ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክህሉ ዝግብኦ ዝምድና፡ መሰረታዊ ረብሓን ሰላምን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ብድልየት ውልቀ መራሕቲ ዘይኮነ ብትካላዊ ኣሰራርሓን ግሉጽ ስምምዓትን ዝተዋሕሰ፡ ኣብ ፖሊሲ ሕድሕድ ጣልቃ ዘይምትእትታው ዝተሰረተ ክህሉ መትከላዊ እምነቱ ምዃኑ ፖሓኤ የረጋግጽ። ብዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ኣካላት እንደገና ከም ሓዲሽ ዝወዓዋዕ ዘሎ ጉዳይ ናይ “ኤርትራ ትግባኣኒ እያን” ኣፍደገ ባሕርን፡ ናብ ዘየድሊ ውግእ ንኸየምርሕ ዋዕላና ሻቅሎቱ ይገልጽ። ነቲ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉድያትን ዝምድናን ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘካይዶ ዘሎ ሓደገኛ ስጉምታት፡ ንገዛእ ርእሱ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክል ብምጥቃስ ከኣ ይነጽጎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንኤርትራ ዝምልከት ዝኽተሎ ፖሊሲ ማእከሉ ልኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ዘኽበረ ንክኸውን ዋዕላ ይጽውዕ።
ኣብ ስምምዕ ኣልጅርስ ዝተመርኮሰ፣ ንቐያድን ናይ መወዳእታን ዶባዊ ኣህጉራዊ ብይን ደንሃግ ሓንሳብን ንሓዋሩ ኣብ ባይታ ክትግበር ድማ ዋዕላ ይምሕጸን። ብፍላይ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ሕቡራት መንግስታት ይኹን ካልኦት ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ብህጹጽነት ክርእይዎ ዋዕላ ይምሕጸን።
ርክብ ኤርትራን ሱዳንን፣ ቀዳማይ ዋዕላ ፖሓኤ፡ ህዝቢ ሱዳን ኩነታቱ ተቐይሩ፡ ናብ ዝሓሸ ሰላማዊ ህይወት ንምምላስ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ፣ ኣብ ጐኑ ከምዘሎ የረጋግጽ። ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ሱዳናውያን ወተሃደራዊ መራሕቲ ካብ ዓውዲ ውግእ ናብ ዓውዲ ዘተ ተመሊሶም ባህጊ ህዝቦም ከውሕሱ ይጽውዕ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ነቲ ኣብ ዞባና ከይተረፈ ስግኣት ዝፈጥር ዘሎ ጉዳይ ሱዳን፣ ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉን ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጸገማት ተሸሚሙ ንዘሎ ህዝቢ ሱዳን ክሕግዝን ንምሕጸን። ስርዓት ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኣትዩ ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራውን ጸጥታውን ኢድ ኣእታውነት ደው ከብል ህዝብና ብትሪ ክቃወሞ ዋዕላ ይጽውዕ።
ዓወት ንፍትሓዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!
ሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ይዓንብብ!!
ውድቀት ንገባትን ጨቋንን ስርዓት ህግደፍ!!
07 ነሓሰ 2024
في مواساة الذات ونعوة الرفاق ... رحيل الشهيد محمد آدم ارتعا
Written by محمد ادريسMore...
ባህግና Bahgna-Media: ፈውሲ ሕንኪ ዝዋሓጠ ጉጅለ፡ ኣብ ዞናና ኣንጠልጢሉ ዘሎ ናይ ስግኣት ደበና 29.09.2024
Written by Bahgna MediaMedia
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ንኹሎም ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ንኣመንቲ ክርስትና እንኳዕ ናይ ወርሓት ክረምቲ ክብደትን ተጽዕኖን ሓሊፉ ሸዊት ናብ ዝብለዓሉ ብርሃነ-መስቀል ብሰላም ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና ንብል።
መጻኢና በቲ ሓደ ወገን ሓረስታ ኤርትራ ብሰላም ዘራእቱ ዝእምርረሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝባና ተጻዒኑ ዘሎ በደላት ህግደፍ ብቃልሲ ተሳዒሩ ዘተኣማምን ብርሃንን ሰላምን ዝሰፍነሉ መጻኢ ክኾነልና ብስም ኩሎም ኣባላት ሰዲህኤ ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።
ምስ ኣኽብሮት
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
26 መስከረም 2024
Eritrean activists face legal battles in America
Written by Martin Plaut
|
Eritrean activists face legal battles in America
By Michael Rubin Secretary Antony J. Blinken holds a joint press availability with Secretary of Defense Lloyd J. Austin III, Philippine Foreign Secretary Enrique Manalo, and Philippine Defense Secretary Gilbert Teodoro in Manila, Philippines, July 30, 2024. (Official State Department photo by Freddie Everett) After North Korea, Eritrea is the world’s most repressive and totalitarian country. Independence leader Isaias Afwerki rules with an iron fist. He rejects elections, and treats the country as his personal fiefdom. Unlimited conscription and national service transformed Eritrean citizens into unpaid slaves and made the country Isaias’ plantation. In response, many Eritreans flee. The routes are perilous; many die of thirst in the desert or drown crossing the Red Sea or Mediterranean. Tribesmen, criminals, and slavers prey upon them. Isaias is fine with the flight as Eritrea relies not only upon remittances from those who make it to Europe and the United States but also extorts a two percent “tax” based on ethnicity rather than citizenship. If an Eritrean renounces their citizenship, Isaias does not care. If they do not pay two percent of their income back to his treasury, their relatives will suffer back in Eritrea. Other members of the diaspora, I would argue, advocate for the government for either privilege or, as possible, intelligence officers who spy on the Eritrean community. This is a strategy ripped from the North Korean playbook. Some experts argue that various ‘front groups’ regularly promote Pyongyang positions in Washington, seeking to confuse policy or, on occasion, win a propaganda coup when they can convince a representative to parrot their talking points without looking behind the curtain.Indeed, Isaias considers pro-government diaspora to be a fourth front” to supplement the country’s Western, Central, and Eastern fronts. Eritrean embassies often coordinate with diaspora front groups to lionize Isaias and celebrate festivals important to his rule. Eritrean front groups usually seek to intimidate those who favor freedom and democracy. In recent years, clashes and violence have become commonplace as pro-regime Eritreans attack those who do not share their views. The pro-freedom diaspora has now responded. Over the past two years, diaspora groups across Europe and the United States have rallied behind the so-called Blue Revolution.” Many of this pro-freedom, anti-Isaias Eritreans counter-protest at pro-regime festivals. This infuriates Isaias and pro-regime organizers as it takes the shine off their events and undermines the image of Eritrean solidarity they promote. The pro-Isaias community in the United States now appears to be experimenting with a new strategy: Using U.S. courts to target anti-regime protestors. Earlier this year, the Eritrean Association in Greater Seattle sued several Eritrean democracy activists at the U.S. District Court for the Western District of Washington in Tacoma. While the case remains mired in its early procedural issues such as service, it sets a dangerous precedent. Many cases have no merit—and reading the complaint, this appears to be one of them. The Eritrean Association says they serve more than 7,000 local Eritreans and openly acknowledge they organize events such as Eritrean Independence Day and Martyr’s Day celebrations. These parallel government holidays that lionize Isaias. The complaint then suggests that for their advocacy, they have become the target of hate crimes. This, of course, elides “hate crimes” with political dissent as those whom they accuse share the same ethnicities. The root of the Eritrean Association complaint is that protestors disrupted their event by protesting and caused participants to cancel hotel reservations. They allege violence, but the complaint appears exaggerated. What the complaint alleges to be severe violence and destruction of property, the local police spokeswoman acknowledged tents tipped over. She described them as scuffles “that have quickly ended.” It is understandable that the U.S. government prefers to remain aloof. After all, the judiciary is an independent branch of government, and the executive branch has no business interfering. At the same time, though, this can play into Isaias’ hijacking of the courts. He can channel unlimited funds to his front groups and lawyers to try to use court procedures and hearings to intimidate and bankrupt the Eritrean opposition. The courts should be interested in not allowing themselves to be used by a dictator or groups that, by their actions, appear to act as his proxies. The State Department should also file a brief with the court explaining Eritrea’s methodology and strategies to target and neutralize opposition. Lawfare is simply its latest tactic |