ኣቡ ኣግላ ( ቀይሕ ቆቢዕ ዝለበሰ ጀነራል)ን ሰዓብቱን ምስ ሰራዊት ሱዳን (ስእሊ ካብ ሱዳን ትሩቡን)

ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ናይቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ሕመቲ ዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ ናብቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝእዘዝ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተጸንበረ መርበብ ሓበሬታ ሬድዮ ዳባንጋ ኣፍሊጣ። ናይዚ ኣቡ ኣግላ ከይኪል ዝተባህለ ኣዛዝን ሰዓብቱን ነቲ ስጉምቲ ምውሳድ ንህላወ ሰራዊት ሕመቲ ኣብ ማእከላይ ሱዳን ዓብይ ጽፍዒት ምዃኑ ተገሊጹ። ሓይልታት ሰራዊት ሱዳን ብወገኑ ናይቲ ኣዛዚ ናብኡ ምምጻእ ኣረጋጊጹ፡ ኣገዳሲ እዋናዊ ሱምቲ እዩ ከም ዝበሎ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ከይኪል ቅኑዕ ምርጫን ከም ዝወሰደ ክጠቅስ እንከሎ፡ እቲ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣዛዚ ብወገኑ ነቲ ዝጸንሖ ወገን፡ ናይ ወጻኢ መሳርሒ እዩ ኢልዎ። ከይኪል ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ሰራዊት ሱዳን፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ውግእ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ሓይሊ ሕመቲ ተቖጻጺርዎ ዝጸንሐ ቦታታት ንምምላስ ሓድሽ  ወተሃደራዊ ተበግሶ ኣብ ዝወሰደሉ እዩ።

ከይኪልን ሰዓብቱን ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣብቲ ዝነበርዎ ወገን፡ ወተሓደራዊ ሓለፍቲ፡ መራሕቲ ቀቢላታትን ቤተሰብ ከይኪልን ይዛተዩ ኣብ ዝነበርሉ፡ ሩፋ ኣብ ዝተባህለ ጽዑቕ ውግእ ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ ከባቢ ኣልጀዚራ  እዩ። ውተሃደራዊ ክኢላታት እዚ ኩነታት ኣብቲ ከባቢ ንዝጸንሐ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚዛን ክቕይሮ እዩ ዝብል ርኢቶ ይህቡ ኣለዉ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ኣካላት ናይቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከቡ መደበራቱ ኢዶም ንክህቡ  ማዕጾ ክፉት ምዃኑን ምሉእ ምሕረት ኣከም ዝገብረሎምን ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ። እዚ ስጉምቲ ብካለኦት ኣዘዝቲ’ውን ክቕጽልዩ ዝብል ግምት ኣሎ።

ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምራሕ ዘሎ ዕጡቕ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ፡ ናይ ምድኻሙ ጠንቂ ሕቡራት ኤመራት ዓረብን ካለኦት ሃገራትን ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ኣጽዋር ይህበኦ ምህላወን’ዩ ኢሉ ክኸስስ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።

 


ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ናይ ህዝባ እያ፡ ህዝባ ድማ ናታ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ህዝባን ዘሎ ዝምድና ካብቲ ንቡር ኣብ መንጎ ሃገርን ህዝብን ዝህሉ ዝምድና ዝያዳ ጥቡቕን ዝተፈልየን እዩ። ምኽንያቱ ኤርትራ ንህዝባ ከም ማና ዝተዋህበት ዘይኮነት፡ ድሕሪ መሪር ቃልስን ክቡር ናይ ደምን ድምጽን ዋጋን ዝተዋሕሰት ህዝባ ከም ብሌን ዓይኑ ዝሕልዋ ስለ ዝኾነት።

ኣብ መንጎ ሃገርን ህዝብን ዘሎ ዝምድና ዘይጭበጥ ሓሳባዊ ዘይኮነ፡ ብሓያሎ ግብራዊ መዕቀንን ረብሓታትን ዝግለጽ  እዩ። ብመንጽር’ዚ “ኤርትራ ንህዝባ እንታይ ገይራትሉ ህዝባኸ እንታይ ገይሩላ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ንቡር ይኸውን። ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ምንባር ሓርቢትዎም ኣብ ዘለዉሉ እዋን ንሃገሮም  “ብመንጽርቲ ንኽብራ ዝኸፍለናዮ ዋጋ እንታይ ጌራትልና?” ኢሎም ክሓቱ ንቡርን እትጽበዮን እዩ። ኤርትራው እውን ብውገና “ሰለምንታይ ደኣ እቲ ንናጽነትን ልኡላውነትን ዝኸፈልኩምዎ ዋጋ ንሓርነት ህዝቢ  ዘየብቃዕኩምዎ?” ዝብል ሕቶ ከም ዝህልዋ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ኣይኮነን።

ኤርትራ ነቲ ደቃ ምእንተኣ ዝኸፈልዎ ዋጋ ስለ ዘይትዝንገዖ፡ ከምቲ ዝተጸበይዋ ከምዘይኮነትሎም እትኽሕዶ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኤርትራ ከምዚ ዘላቶ ዝኾነት፡ ብደቃ ስለ ዝጨከነት ዘይኮነስ ኣብ ኢድ ጸቢብ ዓመጸኛ ጉጅለ ስለ ዝወደቐት እሞ፡ ከምቲ “ዝሰኣነት ኣደስ ካብ እምኒ ትጸንዕ” ዝበሃል  ስለ ዝኾና ምዃኑ  ደቃ ክርድኡላ ይግበኦም ። ውዕለት ደቃ ናይ ዘይምኽፋላ ጠንቂ እቲ ንታሪኽ ጠማዚዙ “ኣነ በይነይ ሰለ ዘምጻእኩዋ” ብዝብል ጥልመትን ሸፈጥን፡ “ብጸጋታታ ዝጥቀምን ብስማ ዝሕበንን እውን በይነይ እየ” ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ክርድኡን “ኤርትራኮ ናይ ህዝባ እያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓቛፊ  ጽላል ክቃለስዎን ከም ዝግበኦምን ኤርትራ እትዝንገዖ ኣይኮነትን።

ንኤርትራ ካብ ምንጋጋ መግዛእቲ ኣውጺኡ፡ ኣኽሊል ናጽነትን ልኡላውነትን ዝደፈኣላ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይ ውሱናት ሰብ ፍሉይ ረብሓ ጉጅለ ኣይኮነን። ግደ ውድባት፡ ግንባራት፡ ማሕበራትን ባእታታትን ድሕሪኡ እዩ ዝስራዕ እምበር፡ ኣበርክቶ ሓደ ግንባር ቅድሚ ግደ ህዝቢ ምስራዕ፡ ግጉይን ንታሪኻዊ ክውንነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይገልጽ ኣቀማምጣ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ተዋዳዳሪ ዘየብሉ ዋጋ ዝኸፈለላ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ክጽወዓላን ክፍክረላን  ዘይኮነ፡ ኩለ-መዳያዊ ክብሩ ክዕቅበላ፡ ብዜግነቱ  ክነብረላን ክርበሓላን እዩ። ኤርትራዊ ነዚ ዝበሃጎን ዝተቓለሰሉን ሓበን፡ ከተማለኣሉን ግና ኣብ ርእሲቲ ናጽነታን ልኡላውነታን፡ ሓርነት ዝሰፈና ናይ ምግባራ  ሓላፍነት’ውን ኣለዎ። ምኽንያቱ  ብሓርነት ዘይተሰነየ ናጽናትን ልኡላውነትን ምሉእ ባህጊ ሓርነት ህዝቢ ከማላእ ስለ ዘይክእል።

ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ናጽነቱ ብዘይዋጋ ዘይረኸባ፡ ንሓርነት ዝኽፈል ዋጋ ከም ዘለዎ እውን፡ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ኮይኑ ከይተረፈ ዝተረደኦ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ርእሲቲ ዝካየድ ዝነበረ መሳርሒ ሓርነት ዝኾና ትካላትን ህዝባዊ ማሕበራትን ምውዳብ፡ “ኣሰይ ከጥዕመሎም ዕጥቂ ሰውራ፡ ሓርነት ከልብስዋ ንኤርትራ” ዝዝመር ዝነበረ ከኣ ብዘይምኽንያት ኣይነበረን። ከምቲ “ሓረድዋ ሞተት፡ ነጸይዋ ሞተት” ዝበሃል፡ ጭቆና ብጓና ኮነ ብወዲ ሃገር ምረቱ ሓደ እዩ። እቲ ንምውጋዱ ዝኽፈል ዋጋ እውን  ኣገባቡን መድረኹን ደኣ ይፈላለ ይኸውን እምበር፡ እቲ ንሓርነትን ንመሰረታዊ መሰላትን ዝኽፈል ዋጋ፣ ካብቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝኽፈል ዋጋ እንተዘይልዒሉ ዝትሕት ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ እንኳዕ ደኣ “ቋንቋና ዝዛረብ ወዲ ላምና ኮነ  እምበር፡ ድላዩ ይግበር” ኢልካ ነቲ ንሓርነት ክግበር ዝግበኦ ውሁድ ቃልሲ ሸለል ምባሉ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝልለየሉ ተመኩሮ ቃልሲ፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝምጥን ኣይኮነን።

እቲ ዝመረረ ወጽዓ ብዘይተጸበኻዮ ኣካልን ኣገባብን ዝፍጸም፡  እሞ ኣብ ስደት እውን ከይተረፈ እናሰዓበ ዘሳቕየካ፡ “ናተይ እዩ” ብእትብሎ ጉጅለ ወዲ ሃገር  ክኸውን እንከሎ ምዃ ህዝቢ ኤርትራ ኣብኡ ይነብር ስለ ዘሎ ኣጸቢቑ ዝርደኦ እዩ። እቲ ህዝባዊ ሓርነት ንምርግጋጽ ክግበር ዝግበኦ ቃልሲ ኣብ ሕልና ኩሉ ኤርትራዊ እንተላይ ኣብቶም ናብ ግዝያዊ ረብሓ ኣዳልዮም፡ “ደገፍቲ ጉጅለ ጸረ ሓርነት ኢና” ዝብሉ ኤርትራዊ ወገናት ከም ዝህሉ ርዱእ እዩ። እቲ ፍልልይ ዝመጽእ በቲ ዝስመዓካ ውሽጣዊ ሓቦ ተተባቢዕካ፡ ጉልባብካ ቀሊዕካ ኣብ ምቅላሱን ብግዝያዊ ረብሓን ዘይትግበር መብጸዓታትን ተጠቢርካን ርዒድካን ምስ ወጻዒኻ ምምስሳል እዩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓርነትካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ንምውጻእ እዩ ከኣ “ኤርትራኮ ናይ ህዝባ እያ” ዝብል ሓቦ ብዓውታ ምቅላሕን ንግብራውነቱ ተቢዕካ ምቅላስን መሰረታዊ ተደላይነት ዝህልዎ።

እዚ መልእኽቲ ሕራነ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ዝግበኦ፡ ክንድቲ ዝድለ ናብቶም “ኤርትራ ናይ ግንባርና እያ” ኢሎም ዝንየቱ ውሑዳት በጺሑ ናብ ነገራዊ ቀያሪ ዓቕሚ ከም ዝብርኽ ምኽኣሉ ግዜ ዘይህብ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ሓላፍነት እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ነቲ “ኤርትራኮ ናይ መላእ ህዝባ እያ” ዝብል ኒሕን ሓቦን ዝምጥን ስሙር ናይ ለውጢ ዓቕሚ ፈጢርካ  ሓርነት ንምውሓስ ንቕድሚት ምስጓም ናይ ግድን ኮይኑ ቀሪቡ ዘሎ።

ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ውሑስ ቦታ ክወስዶም እናሓተቱ

ዓለም ለኻዊ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ውግእ ነብሶም ከድሕኑ ካብ ሱዳን ናብ ሃገሩ ናይ ዝኣተዉ ሱዳናውያን ስደተኛታት ድሕንነት ንከኽብር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ውግእ ምስተባርዐ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን፡ ነብሶም ከድሕኑ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ፡ ኣብቲ መጀመርያ መብዛሕትኦም መዕቆቢ ረኺቦም ከም ዝነበሩ እቲ ሰብኣዊ ትካል ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። እንተኾነ ኣብቲ ኣብ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተዓቖብሉ ክልተ መደበራት ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ጉጅለታት ቅትለት፡ መጭወይትን ምስዋርን ከም ዘጋጠሞም እውን እቲ ጸብጻብ ኣቃሊዑ።

ነቶም ስደተኛታት ናብ ዝሓሸ ዝበሃል መዕቆቢ መደበራት ናይ ምስጋሮም ስጉምቲ’ኳ እንተ ተወስደ፡ እንተኾነ እቲ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝካየድ ውግእ ስለ ዝገደደ እቶም ስደተኛታት ኣብቲ ሓድሽ መዕቆቢ መደበራት እውን ውሕስነት ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ እቲ ዜና ጢቒሱ።

እዞም ሱዳናውያን  ግዳያት ዝሓሸ ድሕነት ንክረኽቡ’ኳ ናብ ኢትዮጵያ እንተ ኣተዉ፡ እቲ ኩነታት ከምቲ ዝተጸበይዎ ከም ዘይጸነሖም ተጠቒሱ፡፡ ላየተቲታ ባደር ዝተባህሉ፡ ምኽትል ዳይረክተር ናይቲ ትካል ሰብኣዊ ሓለዋ ኣብ ኣፍሪቃ ሓቢሮም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓላፍነቱ ንክፍጽም ድማ ጸዊዖም።

እቲ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ ምስ ሱዳናውያን ስደተኛታት ዝተኻየዱ ቃለ መጠይቓት መሰረት ብምግባር ከም ዝጠቐሶ፡ መንነቶም ዘይፍለጥ ዕጡቓት ወገናት ከምኡ እውን ናይ መንግስቲ ኣባላት  ጸጥታ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝተፈላለዩ በደላት ከውርዱ ከም ዝጸንሑ ሓቢሩ።

Friday, 18 October 2024 12:18

Dimtsi Harnnet Kassel 17.10.2024

Written by

ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጀነቫ

ኣርበዓን ሓሙሽተን ሃገራት ብኣባልነት ዝርከበኦ ኣካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይፍጸም ብዛዕባ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣጠንቂቑ፡ እቲ ግህሰት ጠጠው ኢሉ ሰላማዊ ዘተ ክካየድን እኹል ዓለምለኸ ረዲአት ንጽጉማት ክቐርብን ከም ዝጸውዐ መርበብ  ሓበሬታ ኣዲስ ስታትዳር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

ኣብቲ በተን ሃገራት ጐኒንጐኒ መስርሕ መበል 57 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብ10 ጥቅምቲ 2024 ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ዘሎ ብደሆ  ንዝረአ ዝተወሰነ ኣውንታዊ ስጉምታት ኣፍልጦ ሂቡ። እቲ ናይ ሓባር መግለጺ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተወሲኑ  ዝነበረ ናይ ህጹጽ ግዜ ገደብ ኣዋጅ ምልዓሉን ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ሰላም ንምምጻእ ይግበር ንዘሎ  ፈተነታትን ኣተባቢዑ።

ብዛዕባቲ ብመንግስታዊ ኮነ ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት እታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ናይ ሰባት ጃምላዊ ምእሳር፡ ምስቓይ፡ ምስዋር፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ምቕታል ሲቪልን ዝምልከት እቲ መግለጺ ተሪር መጠንቀቕታኡ ኣቃሊሑ። ኣብ ምግዳብ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምእካብ፡ ካብን ናብን ምንቅስቓስን ምእሳር ጋዜተኛታትን ዝረአ ዘሎ ግህሰታት ከም ዘተሓሳስቦ’ውን ኣስፊሩ።

እዚ ናይ 45 ሃገራት መጠንቀቕታ ኢትዮጵያ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ኮይና ምስተመርጸት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዝወጸ ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ እታ ሃገር ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ዝተበጽሐ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባሩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ብመጽርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣዊጁ ዘሎ፡ ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ መንግስቲ ማእከሉ ግዳያት ወጽዓ ብዝኾነ ኣገባብ ብደረጃ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ንክትግበር እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ጸዊዑ። ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ተክኒካዊ ደገፍ ንክጥቀምሉ ከኣ ኣተሓሳሲቡ።

ህግደፍ ካብ ዝምዘነሎም መሰረታዊ ባህርያቱ ሓደ፡ ዝወስዶም ስጉምትታት፡ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእትዉ ኢደ-ወነናዊ ምዃኖም እዩ። ብከምዚ ዝኣመሰለ ልጓም ዘየብሉ ስዲ ኣካይዳ ምቕጻል ንክጥዕሞ እዩ ከኣ፡ ካብ ሕገመንግስቲ ጀሚሩ ናይ ህዝቢ ኣፍልጦን ምርጫን ካብ ዘለዎም ትካላትን ዝምርሕሉ ሕግታትን ዝሃድም። ኣብ ክንድኡ ንመሸፈኒ ብዝኾንዎ ናይ ውልቀ ወይ ናይ’ቲ ጉጅለ ስምዒታት፡ ድሌትን ትጽቢትን ጥራይ ብዘረጋግጽ ቁርጽራጽ ኣዋጃት ዝመርሕ።

ህግደፍ ዝውጥኖም ትልምታት፡ ኣይኮነንዶ በቲ ዋና ሃገሩ ዝኾነ ህዝቢ፡ ብመብዛሕቶም ካብቶም መሳርሒ ንክኾንዎ  ስልጣን ዝምጥዎም ኣካላት እውን ዘይፍለጡ እዮም። ኣርሓ ህግደፍ ቃሕ ክብሎ እንከሎ ከም ድላዩ ንህዝቢ መብጸዓታት ይኣቱ። ክሳብ “ብኣዋርሕ ለውጢ ከምጽእ እየ” ኢሉ ቆጸራ ዝሕዘሉ ኩነት ኣሎ። እቲ ብግብሪ ዘርእዮ ግና ሓታታይ ከም ዘየብሉ ፈሊጡ፡ ኣብ ክንዲ መፍትሒ፡ በብግዜኡ ነቲ ህዝቢ  ዝነብሮ ዘሎ ጸገማት ተመሊሱ ይዝርዝረሉ። ተኸታቲሉ “እቲ ቅድም ዝበልካና ደኣ ኣበይ በጺሑ?”  ኢሉ ዝሓቶ ስለ ዘየብሉ ከኣ፡ ኣይስከፍን።

ህግደፍ ነቲ ባዕሉ ዘውጸኦ ኣዋጃት ይኹን ሕግታት እውን እሙን ኣይኮነን። ነዚ ዝምልከት ብዙሓ ኣብነታት ምቕራብ ዝከኣል ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ስልጠናን ኣገልግሎትን ዕድመኡ 18 ኣዋርሕ ከም ዝኸውን ዝኣወጆ መደብ ግዱድ ወትህድርና ሳዋ፡ ክሳብ ክንደይ ምኽንያታት ፈጢሩ እንዳናወሐ ኣበይ ከም ዘብጸሖ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ነቲ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ዕቃበ እናሃለዎ፡ ብህዝባዊ ተሳትፎ ብመንገዲ ረፈረንዱም ጸዲቑ ዝተባህለ፡ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘለዎ ጽልእን ንዕቀትን “ከይተወለደ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ብዝብል ሕጫጨ ከም ዝጐሓፎ ካልእ መርኣያ ናይ ዘይተኣማንነቱ እዩ። ነቲ “ሓድሽ ቅዋም ንነድፍ ኣለና ትሕዝቶኡ ከኣ ኣብ ቀረባ ግዜ እትርእይዎ ክኸውን እዩ” ዝበሎ ከመይ ገይሩ ደሃዩ ከም ዘጥፈኦ’ውን ተወሳኺ መርኣያ ሃላልነቱ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣውዒልካ ዘሕድር ዝርዝር ጥልመታቱ ምቕራብ ይከኣል።

ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕብረተ-ሰብ ዓለም እውን ዝፈልጦን ዝተዋሰኣሉን ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምትግባር ክሳብ ሎሚ ዘርእዮ ዘሎ ምድህላል ከኣ ተጠቃሲ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ ብዕጥይጥይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓቢኡ፡ ደጋፊ ትግባረ ናይቲ ብይን ኮይኑ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተሃንጠየ ይዝከር። ናቱ ሓቢኡ ኣንጻር “ዓንቀፍትን ዘራያትን” ዝበሎም መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ብዙሕ ክስታትን ጸለመን ኣቕሪቡ። ድሕሪ 2018 እቲ ምኽንያታት ተቐንጢጡ ናይ ምትግባር ዕድል ኣብ ኢዱ ምስ ወደቐ፥ ኣይኮነንዶ ክትግብር ከም ኣጀንዳ ከልዕሎ’ውን ኣይደለዮን ጥራሕ ዘይኮነ፡ “ቀዳምነትና ኣይኮነን” ብዝብል ጠንጢንዎ።  በቲ ዘርኣዮ ዘይምግዳስ ከኣ፡ “እንታይ ብዘይምጥራር ዶብ ኣቢሉ ከብጽሖ ዝደለየ ስለ ዘለዎ’ዩ ዝጓስዮ ዘሎ?” ዝብል ሕቶ ናይ ብዙሓት ነይሩን ኣሎን። ኩሉዚ ተደሚሩ ህግደፍ ብጉጅላዊ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን’ምበር ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ምግዳስ ዘይንታዩ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

እቲ ዘይግልጹነቱ ኣብ ዘቤታዊ ዛዕባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝምድናኡ ምስ ጐረባቲ እውን፡ “እንታይ ረብሓ ህዝቢ ከረጋግጸለይ ይኽእል?” ብዝብል ዝተቓነየ ከምዘይኮነ፡ ኩሉ ናይ ክሳብ ሎሚ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኡ ኣብነት እዩ። ኣብ ብዙሕ ዝርዝር ከይኣተና፡ ኣብ 2018 ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ኣብ ዘይተጸበይዎ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ “ሓድሽ ዝምድና ፈጢርና” ኢሉ ምስ ኣውደኽደኸ፡ እዚ ሎሚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍትሕ፡ ገለ ወገናት ከም ዝመጽእ ክግምቱ እንከለዉ፡ ገለ ከኣ “ደጊም ንድሕሪት ዘይምለስ ፍቕሪ እዩ” ስለ ዝበልዎ፡ ኣካታዒ ተረኽቦ ኮይኑ ነይሩ። ጉጅለ ህግደፍ እቲ ዝተጀመረ ጉርብትና ብህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ምስ ተዓዘበ፡ ብዝሓደሮ ቅንእን ስግኣትን፡ ህርፋኑ ጥራይ ዘርውየሉ ገይሩ ከመሓድሮ ግዜ ኣይወሰደሉን። ድሕሪ 4ተ ዓመታት በቲ ዘይተጸንዐ ዝምድና ኣቢሉ ከረጋግጾ ዝሓሰቦ ምስተኾለፈን በቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ ዓይኑ ደም ስለ ዝነጠቦን  በብቑሩብ ክቑርምሞ ጀሚሩ።

ከምቲ ውግእ 1998-2000 ክጅመር እንከሎ፡ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኤርትራውን ንብረቱን ዘይተገደሰ እሞ ደሓር ብዙሕ ምንግልታዕን ዛሕዛሕን ዘኸተለ፡ ሎሚ’ውን ቅድም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝሰኣኖ ሕክምና፡ መርዓን ንኡስ ንግዳዊ ንጥፈታትን ናብ ኢትዮጵያ ዝመላለስ ኤርትራዊ ከይተገደሰ፡ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን  ንክቋረጽ ወሲኑ። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝለመዶ ናይቲ መንገዲ ኣየር ገንዘብ ካብ ባንክ ብምርሳይ ከኣ ተኸሲሱ። ቀጺሉ  ኣብ ኤርትራ  መተካእታ ዝኸውን ናይ ዋይፋይ መስመር’ኳ ኣብ ዘየብሉ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ቀጥታዊ ርክብ መስመር ተለፎን ኣቋሪጹ። ብሰንክዚ ሃንደበታዊ ምቑራጽ ርክብ፡ እቲ  ዝጸንሐ ስኽፍታ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ኤርትራውያን ፈጢርዎ ዘሎ ስግኣት ቀሊል ከም ዘይኮነ ርዱእ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብቲ ናይ 2018 ብዘይፍለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ፡ ከምቲ ናይ ጎንደር ስምምዕ ሰለስተ ኣካላት፡ ሎሚ ድማ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን ስሉሳዊ ስምምዕ  ጸጥታ ከም ዝተኸተመ ይስማዕ ኣሎ። ነዚ ንምትግባር መራሒ ግብጺ ንመጀመርያ ግዜኡ፡ መራሒ ሶማሊያ ከኣ ን7ይ ግዜኡ ናብ ኣስመራ መጺኦም። እቲ ስምምዕ “ንጥቡቕ ጉርብትናን ዞባዊ ሰላምን ምርግጋጽ” ዝብል ስያመ’ኳ እንተተዋህቦ፡ ሓቢርካ ንኢትዮጵያ ንምኽባብ ምዃኑ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ግብጽን ሶማሊያን ንኢትዮጵያ ክኸባ እንከለዋ ነናተን እዉጅ ምኽንያት ኣለወን። ግብጺ ንህንጸት ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ ጠጠው ከተብሎ ካብዘይከኣለት፡ ኣካል’ቲ ምምሕዳሩ ኮይና ዓቐን ዝዕቆርን ናብኣ ዝፍኖን ማይ ናይ ምክትታል ድሌት ዘይተዓጽወ ፋይል ኣለዋ። ሶማሊያ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኣትያ ምስ ኣካለይ ዝኾነት ሶማሊላንድ ኣገልግሎት ወደብ ክትረክብን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽን ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህብን  ሃቂና ዝብል ክሲ ኣለዋ።

ናይ ክልቲኦም ክሲ ቅኑዕ ድዩ ግጉይ ካልእ ኮይኑ፡ ምስ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ምትእስሳር ኣለዎ። ናይ ህግደፍ ኣንጻር ኢትዮጵያ ምስላፍ ግና፡ ነቲ ባዕሉ “ወደባት ርኸቡ ኣይትስኣኑ” ዝብሎም ዝነበረ ዘንጊዑ’ኳ፡ መልክዕ “ልኡላውነት” ከትሕዞ እንተፈተነ፡ ሕነ ናይቲ ኣብ ውግእ ትግራይ ዝተኾልፎ ንምፍዳይ ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ንዓኡ ዝምልከት ጉጅላዊ ዕንደራ እምበር፡ ንህዝቢ ኤርትራሲ ከምቲ ዝቐደመ ህይወት ደቁ ካብ ምጥፋእን ንብረቱን ካብ ምብራስን ሓሊፉ፡ ዘይንታዩ ምዃኑ ርኡይ እዩ።

ኤርትራዊ ተወዳዳሪ  ብሽግለታ፡ ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ኣብ ናይ 2024 ውድድር ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኬንያ ኢልዶረት ኣብ ዝተባህለት ከተማ ፍሉይ ታሪኻዊ ዓወት ከም ዝመዝገበ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ጠቒሶም።  ሄኖክ ኣቐዲሙ እውን ኣብ 2023 ኣብ ጋና ኣክራን፡ ብ2022 ድማ ኣብ ሻርም ኢል ሸይክን ግብጺ ተኸታታሊ ዓወታት ዘመዝገበ እዩ።

ስፖርታዊ ሄኖክ ኣብዚ ናይ 2024 ውድድር፡ ካለኣይን ሳልሳይን ንዝወጹ ደቡብ ኣፍሪቃውን ኡጋንዳውን ኣኸቲሉ እዩ ቀዳማይ ኮይኑ ወርቂ መዳልያ ተቐቢሉ። ነቲ ርሕቀት ንምዝዛም ዝወሰደሉ ግዜ 3 ሰዓታት፡ 46 ደቓይቕን 21 ሰከንድን ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።

.ሄኖክ ምስ ጋዜጠኛታት ኬንያ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መተይቕ፡ ነቶም ሓቢረምዎ ዝተወዳደሩ ኤርትራውያን ዘለዎ ክብሪ ብምጥቃስ፡ ነቲ ዓወት ንከመዝግብ ናታቶም ግደ ዕዙዝ ከም ዝነበረ ሓቢሩ። እቲ ዓወት ናይ ሓባሮም ምዃኑ እውን ኣመልኪቱ። ናይ ሄኖክ ምሉብርሃን ዓወት፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ተወዳደርቲ ብሽግለታ፡ ኣብ ኣፍሪቃዊ ዓቕሚ ዓብይ ብጽሒት ከም ዘለዎም ዘመልክት ምዃኑ ድማ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን። ጋንታ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር፡ 7 ወርቂ፡ 5 ብሩርን 4 ነሃስን ብድምሩ 16 መዳልያታት ረኺባ እያ ቀዳመይቲ ኮይና።

ኤርትራ ኣብ ብሽግለታ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩዕሶ እግሪ እውን ብደረጃ ኣፍሪቃ ዝፍለጡ ብቑዓት ከም ዝነበርዋ፡ እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ህግደፍ ዝኽተሎ ንስፖርት ዘይምችእ ኣገባብ ካብ ብሽግለታ ወጻኢ ኣብቲ ካልእ ስፖርታዊ ውድድራት ድሕሪት ከም ዝተረፈት ዝፍለጥ እዩ።

ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ 12 ጥቅምቲ 2024 ስሩዕ ኣኼባኡ ከም ዘካየደ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓኢሩ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ ንተሳተፍቲ ”እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ናይ ዝተኻየደ ንጥፈታት ዝርዝር መብርሂ ሂቡ። ተሳተፍቲ ድማ ኣብቲ ዝቐረበ ዝርዝር መብርሂ ሃናጺ ሓስባት ኣቕሪቦም።

ኣብዚ ብማሐበራዊ መራኸኢ ዙም ዝተኻየደ ናይ 12 ጥቅምቲ 2024 ኣኼባ፡ ናይቲ ምምሕዳር ኣባላት ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳን ሃገራት እስካንድንቪያን ተሳቲፎም። ኣኼባ ምስቲ ህዝብናን ሃገርናን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓልፍዎ ዘለዉ መሪር ኩነታት፡  ስሩዕ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ብቐጻሊ ንክካየድ ጸዊዑ።

ኣብ መደምደምታ ከኣ ኣብ ዞባና ዝካየድ ዘሎ፡ ኣሰካፊ ምዕባለታት ዝያዳ መግለጽን መብርህን ሰለ ዘድልዮ መሪሕነት ሰልፊ ቆላሕታ ሂቡ ንክሰርሓሉ ተላብዩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብመንጽር’ዚ ንጥፈታቱ ከቀላጥፍን ከሕይልን ጸዊዑ።

Page 25 of 599

EPDP Magazines