ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣብቲ ብኤርትራዊ ፎረም ንሃገራዊ ዘተ ዝተዳለወ ዋዕላ ለንደን ተኻፊሉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤካብ 7-8 ሚያዝያ 2018 “ፖለቲካው ልዝብን ሓባራዊ ዕዮን ምእንቲ ስጡም ሕብረተ-ሰብ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ኣብ ከተማ ለንደን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብምትሕብባር ኤርትራዊ ሃገራዊ ናይ ዘተ ፎረም”ን ኤርትራዊ ማእከል ዜናን እተዳለወ ዋዕላ ተኻይዱ። ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ ብርክት ዝበሉ ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ወከልቲ ሲቪላውያን ማሕበራት፡ ኣገደስቲ ሃገራውያን ባእታታትን ናይ ዜና ማዕከናትን ተኻፊሎም ነይሮም። ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታትን ሓጺር መእተዊ ናይ ኣዳለውቲ ዋዕላን ኢዩ ተጀሚሩ።
እቲ ዋዕላ ብኣቦ መንበርነት ሓው ዓብዱልራሕማን ሰይድ እትምራሕን ሓው ነጋሽ ዑስማንን ሓው ኣማኒኤል በራኽን ዝርከብዋ ሰክረታርያን ኢዩ ተማእኪሉ። ኣብ ምትግርጓም ዝተሓባበሩ ኣሕዋት ነጋሽ ዑስማን፡ ኣሕመድ ነጋሽ፡ ዓብዱራሕማን ሰይድን ሱሌማን ኣደምን ድማ ምስጋና ይግብኦም ኢዩ።
ኣብ ዋዕላ ዝቐረቡ ወረቓቕቲ ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም
1. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ራእይ ኣብ ምህናጽ ሕድሕድ ምትእምማንን እማመ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ሓይልታትን (ብመንግስተኣብ ኣስመሮም)፤
2. ተቓውሞ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ መንጐ ባህጊ ንሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን ኣብ መንጐ ብድሆታት ባዕላዊ ሕጽረትን ናይ ግዳም ኣጀንታታትን (ብበሺር ኢሽሓቕ)
3. ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ብዓብደልረዛቕ መሓመድ ሙሳ)

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ንኣዳለውቲ ዋዕላ ድሕሪ ምምስጋን፡ ጠንቅታት ናይ ዘይምትእምማን መንፈስን ከመይነት ምውጋዶምን ዝብል ቴማ ብሰፊሑ ኣቕሪቡ። ቀኢሉ፡ ነቲ ሰዲህኤ ኣቕሪብዎ ዘሎ ኵሎም ተቓወምቲ ክፈላለየሉ ዘይብሎምን ብሓባር ንኽሰርሑ ዘኽእሎምን ዝብሎም 4 ነጥብታት ብዝርዝር ገሊጹ። ንሳቶም ከኣ፡-
1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፣
2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ ጨቋኒ መሓውራቱን፣
3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፣
4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፣ ዝብሉ ኢዮም ኢሉ።
ነዞም ዕላማታት እዚኣቶም ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብክእለቶም ዝልለዩን ኵሉ ዝዓግበሎምን ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ወጻኢ ካብ ውድባት ኰይኖም ንፍትሒ ዝቃለሱ ምሁራትን ዘጠቓልል ኮሚቴታት ብምቛም ንደምበ ተቓውሞ ወኪሎም ክዋስኡ ምውፋር ኢዩ ክብል ንሕምረት ናይ’ቲ እማመ ንሓባራዊ ዕዮ ኣብሪሁ።
ሓው በሺር ኢሽሓቕ ከኣ፡ ግደ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ተማላላኢ እምበር ናይሕሪ ሕድሕድ ተወዳደርቲ ከምዘይኰኑ፣ ብዙሕነት ጸገም ከምዘይኰነ፡ እቲ ጸገም ኣብ ምምሕዳሩ ምዃኑ፤ ብስምዒት ዝግበር ምጽንባራት ዘላቒ ከምዘይኰነ ድሕሪ ምብራህ፡ እቲ ጸገም ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት፡-
1. ብሩህ ኣረዳድኣ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘይምህላው፣
2. ንጹር ስትራተጂ ዘይምህላው፣
3. ንውሽጥን ንግዳምን ዝውሃብ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘይተነጸረ ምዃኑ፣
4. ኣብ ግዳም ምምርኳስ ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ጽለዋታት ከምዘሎ ገሊጹ፣
5 ካብ ህዝብኻን ሃገርካን ርሒቕካ እተካይዶ ቃልሲ ድማ ቀሊል ከምዘይኰነ ኣረዲኡ።

ሓው ዓብደልረዛቕ መሓመድ ሙሳ ድማ፡ ህዝቢ ንጡፍ ተዋሳኣ እምበር ተጸባያይ ክኸውን ከምዘይብሉ ዝብል መሰረት ዘበገሶ ኣዝዩ መሃርን መሳጥን መግለጺ ኣቕሪቡ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ንሕና ብዛዕባ ዝመርሓና ራኢ ደኣ’ምበር ብዛዕባ መን ይመርሓና ዝብል ኣብ ውልቀሰባት ዝተመርኰሰ ምክፍፋላት ከምዘየድልየና ኣተንቢሁ። ከምኡ’ውን፡ ጉድለታትካ ምልላይ ዘለዎ ኣገዳስነት ሓቢሩ። ጉድለታትን ንምልላይን ንምግምጋምን ከኣ፡ እቶም ፈጸምቱ ዘይኰናስ፡ ናይ ናጻ ዝዀኑ ኣካላት ተራ ምዃኑ ኣተንቢሁ።
ቀጺሉ፡ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መዳይ እቲ እውጅ መርገጽን ብዘይእውጅ ኣገባብ ተኸዊሉ ዝኸይድ ጐስጓሳትን ሓደ እንተደኣ ዘይኰኑ ከስዕቦ ዝኽእል ጕድኣትን ዘይምትእምማንን ቀሊል ከምዘይኰነ ኣረዲኡ።
ተኻፈልቲ ዋዕላ፡ ነቲ ዝቐረበሎም መግለጺታት ብሕቶን ርእይቶን ድሕሪ ምህብታሙ፡ ነቲ ውዕሎ ዝገልጽ ሓባራዊ መግለጺ ክወጽእ ተሰማምዑ።
ኣብ መወዳእታ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ዋዕላ፡ ሓው ዶክተር ዑመር ዘርኣይ ንኣቕረብቲ ወረቓቕቲ፡ ንወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ንኣኼበኛታት ብሓበራ ብምምስጋንን፣ እቲ ዋዕላ በቶም ኣዳለውቱ ጥራሕ ከም እተመወለን ብምግላጽ ነቲ ዋዕላ ዛዚምዎ።

ዶክተር ዑመር ዘርኣይ
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ነቲ ብሓው ዓብደልረዛቕ ዝቐረበ ኣስተምህሮ ብትግርኛን ዓረብኛን ተተርጕሙ ብጽሑፍን ብድምጽን ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ተላብዩ። ኣኼበኛ ድማ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዋዕላ ብስፍሕ ዝበለ ኣገባብ ክዳሎ ተላብዩ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ብቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ዋዕላ ብዅሉ መዳያቱ ዘሕጉስን መሃርን ምንባሩን እማመ ሰዲህኤ እውን ደገፍ ከምዝረኸበን ኣብሪሁ። ብቋንቋ ዓረብኛ ምስ ተለቪዥን ኤርትራዊ ማእከል ዜና ቃለ-መሓትት ከምዝገበረ ሓቢሩ። ከምኡ’ውን፡ ሓው ኣማኒኤል በራኺ፡ ኣባል ማእክላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ሓው ጐይትኦም መብራህቱ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብሪጣንያ እውን ኣብ’ቲ ዋዕላ ተኻፊሎም ምንባሮም ገሊጹ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ንዅሎም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዘኽብርዎ ዘለዉ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ምእመናን ክርስትና ብሓፈሻ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይግበረልኩም እናበለ ናይ ሓጐስኩም ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ኣብ ሃገርና፡ ዞባናን ዓለምናን ሰላም፡ ፍትሕን ብልጽግናን ክሰፍን ኵልና አእጃምና ከነበርክት ድማ ይጽውዕ።
ፍቅርን ስኒትን ዝሰፈኖ ዓመት ይግበረልና
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
7 ሚያዝያ 2018
ስዊዘርላንድ ፖለቲካዊ ዑቑባ ዝረኸቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትሰጉጕ ትደናደን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሓለፍቲ ስዊዘርላንድ ብዛዕባ ኣብ ሃገሮም ዝርከቡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝረኸቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝግበር ዳግመ ግምት ይሕብሩ ከም ዘለዉ፡ ትሪቡን ዲጀነቫ ዝተባህለት ዕለታዊት ጋዜጣ ኣብ ናይ 5 ማዝያ 2018 ሕታማ ሓቢራ። እታ ጋዜጣ እቶም ነዚ ብዝምልከት ዝሕበሩ ዘለዉ፡ ጉዳዮም ተራእዩ ኣብ ኤርትራ ኣብ ወተሃደራዊ ተግባር ንዓመታት ዘገልገሉ ምዃኖም ተጻርዩ ፖለቲካዊ ዑቑባ ዝተውህቦም ምዃኑ ከም ዘጻረየት ኣረጋጊጻ።
ናይ ስዊዘርላንድ ፈደራላዊ ምምሕዳራዊ መገባእያ፡ ናይ ወርሒ ነሓሰ 2017 ውሳነ፡ ፖለቲካዊ ዑቑባ ተዋሂብዎም ዝነበረ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ናይ 18 ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙ እንተኾይኖም፡ ብሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም ዝብል እዩ። ሓለፍቲ ስዊዘርላንድ ነዚ ፍሉይን ኣገራምን ውሳነኦም መወከሲ መሰረቶም መንግስቲ ኤርትራ ዝህቦም “መረጋገጺ” እዩ።.
ካለኦት ናይ ስዊዘርላንድ ምንጭታት ብወገኖም ከም ዝሕብርዎ፡ ካብቶም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ተቐባልነት ዝረኸቡ 9 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዳግመ ርኢቶ ንክምለሱ ጠመተ ተገይርሎም ዘሎ እቶም 3 ሺሕ እዮም። ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ልዕሊ 25 ሺሕ ዑቑባ ዝሓቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ስዊዘርላንድ ኣትዮም።
Switzerland Intends to Expel Eritrean Refugees Holding Political Asylum
Written by EPDP Information OfficeSwiss authorities are informing thousands of Eritrean refugees already holding political asylum that their cases will be reconsidered for eventual repatriation back to Eritrea, according to the French daily newspaper Tribune de Genève of 5 April 2018.
The paper confirmed that those receiving notifications are already accepted political refugees who reportedly completed some years in military service in Eritrea before they escaped the country.
According to a decision in August 2017 by the Swiss Federal Administrative Tribunal, those Eritrean refugees who were given political asylum on reasons of 'military desertion' can return home 'safely' if they already completed up to 18 months of military service before escaping from Eritrea. The Swiss authorities appeared to be willing to accept Eritrean government "assurances" as the basis of their exceptionally surprising decision.
Other Swiss sources reported that of about 9,000 Eritrean political refugees accepted in recent years as army deserters, more than 3,000 are currently targeted for reconsideration of their cases for repatriation. During the past ten years, over 25,000 Eritreans entered Switzerland as asylum seekers.
Israel Likely to Send 16,000 African Refugees to Western Countries
Written by EPDP Information OfficeIsrael has announced having reversed its plan of expelling African asylum seers to African countries and is now to send over 16,000 of them to Western countries. This latest plan is agreed with the UN agency for refugees.
Israeli Prime Minister Benjamin Netanyahu told the press over the weekend that Canada, Germany and Italy are among the countries that may welcome the asylum seekers. However, he added that the plan is not formally accepted by all the supposed destination countries.
Many of the rest of the 'migrants' who are said to have reached Israel 'illegally' will be allowed to stay in that country at least for the coming five years.
UNHCR office confirmed the existence of such agreement without disclosing the names of the welcoming countries. However, German and Italian spokespersons said their respective countries were not aware of the agreement. On the other hand, a Canadian Immigration Ministry spokesperson confirmed his country's agreement with Israel about not expelling those asylum seekers until their sponsorship applications to enter Canada are processed. Some 1,840 sponsorship to Canada were reportedly registered till end of 2017.

It is to be recalled that an EPDP leadership delegation arrived in Israel on 31 March 2018, and many Eritrean asylum seekers in Israel are reportedly referring to the delegation as "a mission coming with good tidings" - “ርሑሳትኣእጋር!!”
ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ሓርበኛን ገዲም ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኣቦና ድንጉስ ኣረይ ኣብ መበል 103 ዓመት ዕድሚኡ፤ ከምኡ’ውን ሓርበኛ ተቓላሲት ጸረ’ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ዓሌታዊ ስርዓት ብትብዓት እተቓለሰት በዓልቲ ቤቱ ንነፍስሄር ፕረሲደንት ኒልሰን ማንደላ ዝነበረት 81 ዓመት ዝዕድሚኣ ዊኒ ማንደላ ካብ’ዛ ዓለም ተፈልዮምና ኣለዉ። ብኣካል እኳ ካባና እንተተፈልዩ፡ ምያኦም ግን ንዘልኣለም እናተዘከረ ክነብር ኢዩ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንስውኣት መንግስተ-ሰማይ የዋርሶም፡ ንቤተሰቦም፡ መቃልስቶምን ህዝቦምን ድማ ጽንዓት ይሃቦም እናበለ፡ ናይ ሓዘኖም ተኻፋላይ ምዃኑ ክገልጽ ይፈቱ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
3 ሚያዝያ 2018
ጋዜጣዊ መግለጺ ሰዲህኤ ብዛዕባ ውሳኔ መንግስቲ እስራኤልን ሕቡራት ሃገራትን
Written by መንግስተኣብ ኣስመሮምእስራኤል፡ ነቲ ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኣፍሪቃ ንምብራሮም ሒዛቶ ዝነበረት ውጥን ሰሪዛ፡ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛ ትካላት ብዝገበረቶ ስምምዕ መሰረት ካብ 16,000 ስደተኛታት ንላዕሊ ናብ ሃገራት ምዕራብ ክትሰዶም፤ ነቶም ብግብጺ ብእግሮም ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቝባ ድማ ብውሑዱ ን5 ዓመታት ኣብ እስራኤል ክነብሩ ምፍቃዳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ዓቢ መስተርሆት ብምቝጻር፡ ንኽልቲኦም ሸነኻትን ነተን ነዞም ስደተኛታት ንምቕባል ድልውነተን ዝገለጻ መንግስታት ኣውሮጳን ህዝበንን ብሓባር ምስጋናኡን መጐሱን ክገልጽ ይፈቱ።
እዚ ውሳኔ’ዚ፡ ነቲ ንመጻኢ ዕድል እቶም ስደተኛታት ኣጸልሚቱ ዝጸንሐ ድነ ዝቐንጠጠ፡ ነቲ ተስፋ ምቝራጽ ብሓድሽ ናይ ብሩህ መጻኢ ተስፋ ዝተክአ፡ ንንግዲ ደቂ ሰባት ዘካይዱ ጐሓላሉ ውልቀሰባት፡ ውድባትን መንግስታትን ዝዓጸወን ምስ’ቲ ሰዲህኤ ንስደተኛታት ኣመልኪቱ ከካይዶ ዝጸንሐ ዘይሕለል ጻዕርታት ዝሳነን ስለዝዀነ ደረት ዘይብሉ ደገፍናን ሓጐስናን ክንገልጽ ንፈቱ። ነቲ ን5 ዓመታት ኣብ እስራኤል ክነብሩ ተፈቒዱሎም ዝብል ውሳኔ ድማ፡ መንግስቲ እስራኤል ዳግመ ርእይቶ ክገብረሉ ንጽውዕ። ምኽንያቱ፡ ምምላስ ናይ ስደተኛታት ምስ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ዝህሉ ወድዓዊ ኵነታት ናይ’ታ ዝተሰደዱላ ሃገር ዝዛመድ ጕዳይ ስለዝዀነ ኢዩ።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ እስራኤል ዑደት ዝገብር ዘሎ ሓውቲ ፈቨን ግዴዎንን ሓዉ ትኩእ ተስፋይን ዝርከብዎ ልኡኽ ሰልፍና፡ በቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት “ርሑሳት እግሪ” ዝብል ቅጽል ስም እናተዋህቦ፡ ተቛደሳይ ሓጐሶምን ዕድመታቶምን ኰይኑ ኣሎ። ነዚ ሓጐስ’ዚ ብክብ ዝበለ ባህላዊ ምሸት ንምጽንባሉ እውን ጻዕርታት ይየደሉ ኣሎ።

ሰዲህኤ፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣመልኪቱ፡ ናብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ መራሕቲ መንግስታትን ፓርትታትን ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝለኣኾ መዘክራትን ዝገበሮ ብጽሖታትን ማእለያ ዘይብሉ ኢዩ። ንመርኣያ ዝኣክል፡ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ብቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበርን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያትን ሰዲህኤ ዝተጻሕፉ መዘክራት ዘርእዩ መላግቦ ንኣንበብቲ ከቕርብ እፈቱ።
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
3 ሚያዝያ 2018
To read the text copy the link and paste it in a new browser
file:///C:/Users/admin/Desktop/1%20Eritrean%20Memo%20to%20EU%20High%20Rep%20%20%20Mogherini.pdf
እስራኤል 16,000 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ምዕራብ ክትሰዶም ምዃና ኣፍሊጣ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤእስራኤል፡ ነቲ ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኣፍሪቃ ንምብራሮም ሒዛቶ ዝነበረት ውጥን ሰሪዛ፡ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛ ትካላት ብዝገበረቶ ስምምዕ መሰረት ካብ 16,000 ስደተኛታት ንላዕሊ ናብ ሃገራት ምዕራብ ክትሰዶም ምዃና ኣፍሊጣ።
ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁ፡ ካናዳ፡ ጣልያን ጀርመንን ገለ ካብ’ተን ነዞም ስደተኛታት ዝቕበላ ሃገራት ምዃነን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግልጺ ጠቒሱ። ግን ከኣ፡ ብዛዕባ’ዚ መደብ’ዚ ኵለን እተን ሃገራት ተሓቢረን ማለት ከምዘይኰነ እውን ኣብሪሁ።
ካልኦት ስደተኛታት፡ መብዛሕታኦም ከኣ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብእግሪ ብዶብ ግብጺ ኣቢሎም ናብ እስራኤል ዝኣተዉን ሓተትቲ ዑቝባ እንተውሓደ ንዝመጽእ ዘሎ 5 ዓመታት ኣብ እስራኤል ክነብሩ ክፍቀደሎም ኢዩ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ እስራኤል ስምምዕ ከምዝተፈራረሙ ከረጋግጽ እንከሎ፡ እተን ስደተኛታት ዝቕበላ ምዕራባውያን ሃገራት መን ምዃነን ግን ኣይጠቐሰን።
ቃልውሃቢ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ጀርመን ይኹን ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ጣልያን ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣብ መንጐ እስራኤልን ላዕለዋይ ኮሚሽን ዝተበጽሐ ስምምዓት መንግስታቶም ከም ዘይፈልጥኦ ሓቢሮም።
ካናዳ ግን፡ ነቶም ናብ ካናዳ ንምእታው ናይ ግሊ ውክልና (sponsorship) ጠለባት ንዘቕረቡ ስደተኛታት፡ ክሳብ ጕዳዮም ዝጻረ ከይተባረሩ ምስ እስራኤል ኣብ ስምምዕ በጺሓ ከምዘላ ከምዘላ ሁሩሽ ጃስዋል፡ እተባህለ ቃል ውሃቢ ሚኒስትሪ ኢሚግረሽን (ፍልሰት) ሓቢሩ። ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ 1,840 ዝኸውን ጠለባት ኣብ ናይ ምጽራይ መስርሕ ኣትዩ ነይሩ ኢዩ ኢሉ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል፡ ነቲ ዑደት ዝገብር ዘሎ ልኡኽ ሰዲህኤ “ርሑሳት ኣእጋር” ብምባል ሓጐሶም ይገልጹ ምህላዎም ምንጪታት ሰዲህኤ ሓቢሮም።
EPDP Delegation Arrives in Tel Aviv to Meet Compatriots Stranded in Israel
Written by EPDP Information OfficeTwo EPDP Central Council members, Ms Feven Gideon and Mr. Tuku Tesfai, arrived in Tel Aviv, Israel, on 31 March 2018 on a timely mission to meet and discuss the problems of 27,000 Eritrean asylum seekers stranded in Israel.
The EPDP leadership members were warmly received at Tel Aviv airport by compatriots welcoming them with bouquets of flowers.

The two-fold mission of the delegation is, besides expressing solidarity with the Eritrean asylum seekers faced with inhumane expulsion from Israel, to also address meetings with Eritreans on the current situation of Eritrea and its opposition camp struggling for democratic change.
During its stay in the country, the EPDP delegation will make efforts to discuss pertinent issues with civil society organizations and others concerned with problems of refugees. (www.harnnet.org will continue updates on the mission's upcoming performances).
More...
ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝዀኑ ሓው ትኩእ ተስፋይን ሓውቲ ፈቨን ግዴዎንን ዝርከብዎ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ31 መጋቢት 2018 ኣብ እስራኤል ኣትዩ።
ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተልኣቪቭ፡ ዕታሮ ዕንባባ ብዝሓዙ ነበርቲ ኣብ’ታ ሃገር ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ።

ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ሸነኽ፡ ምስ’ቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ንማእሰርትን ምብራርን ተቓሊዖም ዝርከቡ ስደተኛታት ምድግጋፉ ንምርኣይ ክኸውን እንከሎ፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ፡ ሰዲህኤን ደምበ ተቓውሞን መብርሂታት ክህቡ ኢዮም።
ልኡኽ ሰልፊ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ምስ እስራኤላውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጕዳይ ስደተኛታት ዝምልከቶም ካልኦት ትካላትን ክራኸብ ክጽዕር ኢዩ።

ዝርዝር ሓበሬታ ንጥፈታት ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ከነስዕበልኩም ኢና።
መምህር ኢብራሂም መሓመድ፡ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ (ሰደኤ) ብሕማም ምኽንያት ብ26 መጋቢት 2018 ከምዝዓረፈ ሰሚዕና። መስዋእቲ መምህር ኢብራሂም መሓመድ፡ ንቤተሰቡን ንህዝቢ ኤርትራን ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ዝእመነሉ ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ መምህር ኢብራሂም ቅኑዕን ዘይፈላልን ንህዝብን ሃገርን ዘቐድምን ዕጉስን ተቓላሳይ ብምንባሩ ኢዩ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመዋቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓት ይሃቦምን ራሕሱ የውርደሎምን እናበልና ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
EPDP NA Zone & Frankfurt Branch Hold Highly Important Meetings
Written by EPDP Information OfficeOn 24 and 25 March, the EPDP North America Zone and the EPDP Frankfurt Branch held, respectively, very important periodical meetings, thus becoming exemplary EPDP organs in the rejuvenation and reinforcement programme to speed up the much delayed success of the struggle for democratic change in Eritrea.
The main agenda item of the EPDP North America Zone meeting was receiving performance reports from all branches in the United States and Canada. The meeting was highly satisfied with the success so far achieved in registering an increasing number of women as well as young boys and girls and the return to party ranks of former freedom fighters who were not so active in recent years. Meeting participants also commended the active participation in the recent fund-raising drive, and the ongoing efforts of the information and cultural units of the NA Zone.
On its part, the EPDP Branch for Frankfurt and Environs held its regular monthly meeting on 25 March with an educational topic as its main agenda item. Prepared and presented by Tadesse Asmelash, the branch chairman, the three-hour long educational discussion focused on provisions related to three stages in the struggle as enshrined in the EPDP Political Programme adopted at the Second Congress in the summer of 2015. The three stages covered in the discussion paper were:
- The current struggle for first removing the dictatorial regime in Eritrea;
- The common task of all national forces in the transitional period (after the fall of the regime). Priority tasks enumerated in the EPDP Political Programme include guaranteeing peace and security, and the building of institutions that would guarantee the future democratic state, and
- Thirdly, the political, economic and social pillars of a constitutional government in post-dictatorship Eritrea.
