ቱርኪ ኤርትራውያን ኣገዲዳ ምምላሳ ግጉይ ምዃኑ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ተነጊርዋ

2024-12-17 19:30:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 557 times

ሱዳናዊ ራፖርተር፡ ዶር መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር

ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ቱርኪ ኤርትራውያን ኣገዲዳ ናብ ሃገሮም ምስጓጓ ግጉይ ምዃኑ ዝሕብር መልእኽቲ፡ ብ16 ታሕሳስ 2014 ከም ዝለኣኸላ ተሓቢሩ። እቲ ሰነድ እቶም ኣቐድም ኣቢሎም፡ ብመንግስቲ ቱርኪ ተገዲዶም ዝተሰጉ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ዝተፈላለዩ ግህሰታትን ስቓይን ከም ዘጋጥሞም ብምጥቃስ ዝሓደሮ ሻቕሎት ገሊጹ።

እቲ ብሰለስተ ላዕለዎት ራፖርተራት ሰብኣዊ መሰል ተዳልዩ ናብ ቱርኪ ዝተላእከ ሰነድ፡ ንቱርኪ ብዛዕባ ምእሳርን ኣገዲድካ ናብቲ ዝተፈላልዩ ሓደጋ ከጋጥሞም ዝኽእል ኤርትራ ምምላሶምን ዝምልከት መብርሂ ክወሃቦም ከም ዝሓትት’ውን ተሓቢሩ። እቲ ጸገም ናብ ዘጓንፎም ኤርትራ ኣገዲድካ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ምስ መሰረታዊ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰል ዝጻረር ምዃኑ’ውን እቶም ራፖርተራት ከሲሶም።

እቲ ስጉምቲ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግን ስምምዓት ኣንጻር ምስቓይን ኣገዲድካ ናብ እተስግእ ሃገር ምስጓግን ኮይኑ፡ ቱርኪ ብ1988 ኣብቲ ሰነድ ዝኸተመት ሃገር ምዃና እውን ጠቒሱ። እቶም ራፖርተራት ኣብቲ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራ፡ ስቓይን ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰትን ከም ዘኸትል ጠቒሶም፡ ኣብ ርእሲኡ ንዝይተወሰነ ግዱድ ውትህድርናን ምስዋርን ዘኸትል ምዃኑ ከኣ ኣመልኪቶም።

እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተገዲዶም ዝተሰጉ ኤርትራውያን ከም ዝተራእየ፡ እቶም ራፖርተራት ጠቒሶም፡ በዚ መሰረት ሕቡራት ሃገራት ኣይዲን ኣብ ዝተባህለ መእከቢ ማእከል ቱርኪ፡ 50 ዝኾኑ፡ ኤርትራውያን ግዳያት ሕጂ’ውን ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ተኣሲሮም ይውቅዑን ምስ ኣዝማዶምን ናይ ሕጊ ኣካላትን ከይራኸቡ ይኽልከሉን ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ሕጂ ናይ ሰብኣዊ መሰል ክኢላታት፡ ቱርኪ ንመደባት ምስጓግ ኤርትራውያን ንከተቋርጾን መነባብሮ ናይቶም ሒዛቶም ዘላ ከተመሓይሽን ከም ዝጸውዑን ብወገን ቱርኪ ግና ቅልጡፍ መልሲ ከም ዘይተረኽበን ተፈሊጡ። ነቲ ናብ ቱርኪ ዝተለእከ ሰነድ፡ ናይ መወዳእታ መልክዕ ዘትሓዘ፡ ሱዳናዊ ዶር መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር ፍሉይ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

Last modified on Tuesday, 17 December 2024 20:36