ቱርኪ ሱዳን ንምሕጋዛን ምስ ኤመረት ንምዕራቓን መደብ ኣለኒ ኢላ

2024-12-15 10:24:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 402 times

ስእሊ ካብ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን

 ፕረሲደንት ኤርደጋን፡ ቱርኪ ንሱዳን ዝወሃብ ሓገዝን ሓድነት ሱዳን ኣብ ምሕላው ዘለዋ ጽኑዕ መርገጽን ብምሉእ ዓቕማ ከም እተሕድሶ ከምኡ’ውን ሱዳንን ሕቡራት ዓረብ ኤመረትን ናይ ምትዕራቕ መደብ ከም ዘለዋ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ኣፍሊጣ። ፕረሲደንት ቱርኪ ነዚ ዝገለጸ ብ13 ታሕሳስ 2024 ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ብተለፎን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ምዃኑ ከኣ እታ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጣ።  

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝሸምገለ፡ ፕረሲደንት ጠይብ ኤርዶጋን፡ ድሕሪ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ብተለፎን ምዝርራቡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሃገሩ ናብ ሱዳን ዝግበር በረራ ነፋሪት ኣብ ቀረባ ግዜ ንምሕዳስን ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝን ንምቕራብን ቅርብቲ ከም ዘላ’ውን ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ንምድልዳልን ኣብ ሕርሻ፡ ንግድን ዝኣመሰሉን ቁጠባዊ ሰክተራት ዘለዎም ዝምድና ንምሕያል ዘኽእል ወፍሪ ንምክያድ ሃገሩ ቅርብቲ ምህላዋ ኣረጋጊጹ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ቱርኪ ንሱዳንን ሕቡራት ዓረብ ኤመረት ኣቀራሪብካ ንምትዕራቕ ድልውቲ ምህላዋ ኣብቲ መግለጺ ምጥቃሱ እታ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሳ።

ጀነራል ኣብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ብወገኑ፡ ናይ ቱርኪ ደገፍን ምትሕብባርን ተቐቢሉን ንኢዱን፡ ፕረሲደንት ኤርደጋን ብዞባውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ሰላም ንምስፋን ይገብሮ ንዘሎ ጻዕርን ኣብ ጉዳይ ሲርያን ንዘርኣዮ ኣተሓሕዛን ኣመስጊኑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ቱርኪ ነቲ ኣብ ሱዳን ብሰንኪቲ ብጀነራል ሕምቲ ዝምራሕ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ ዝተላዕለ ዝበሎ ውግእ፡ ኣብ ምውጋድን ቁጠባዊ ወፍሪ ኣብ ምትብባዕን ንእትገብሮ ጻዕሪ ከም ዝድግፍ ኣረጋጊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ሱዳንን ኤምረትን ናይ ምትዕራቕ መደብ ዘለዎ መራሒ ቱርኪ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ካብ ምእታው ንክቑጠቡ ምጽውዑ ሱዳን ትሪቡን ብወገና ኣፍሊጣ። ኣብ መንጎ ጀነራል ኣልቡርሃንን መንግስቲ ኤመረት ፍልልይ ዝተፈጥረ፡ ሱዳን ኤመረት ንጀነራል ደጋሎ ዕጥቂ ተቕርብ ኣላ ብዝብል ስለ እትኸሳ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢድ የእትዉ ካብ ዘለዉ ሓደ ጉጅለ ኢሳያስ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ስለዚ ከምቲ  ጉዳይ ሶማልን ኢትዮጵያን ብመንገዲ ቱርኪ ሰላማዊ መንገዲ ብምሓዙ ተኾሊፍዎ ዘሎ፡ ጉዳይ ሱዳን ካብ ኢዱ ከይወጽ ከም ዘሰንብዶ እውን ፍሉጥ እዩ።

Last modified on Sunday, 15 December 2024 11:34