ኢትዮጵያ ድሕነት ሰደተኛታት ሱዳን ከተኽብር ተጸዊዓ

2024-10-21 08:31:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 19 times

ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ውሑስ ቦታ ክወስዶም እናሓተቱ

ዓለም ለኻዊ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ውግእ ነብሶም ከድሕኑ ካብ ሱዳን ናብ ሃገሩ ናይ ዝኣተዉ ሱዳናውያን ስደተኛታት ድሕንነት ንከኽብር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ውግእ ምስተባርዐ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን፡ ነብሶም ከድሕኑ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ፡ ኣብቲ መጀመርያ መብዛሕትኦም መዕቆቢ ረኺቦም ከም ዝነበሩ እቲ ሰብኣዊ ትካል ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። እንተኾነ ኣብቲ ኣብ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተዓቖብሉ ክልተ መደበራት ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ጉጅለታት ቅትለት፡ መጭወይትን ምስዋርን ከም ዘጋጠሞም እውን እቲ ጸብጻብ ኣቃሊዑ።

ነቶም ስደተኛታት ናብ ዝሓሸ ዝበሃል መዕቆቢ መደበራት ናይ ምስጋሮም ስጉምቲ’ኳ እንተ ተወስደ፡ እንተኾነ እቲ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝካየድ ውግእ ስለ ዝገደደ እቶም ስደተኛታት ኣብቲ ሓድሽ መዕቆቢ መደበራት እውን ውሕስነት ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ እቲ ዜና ጢቒሱ።

እዞም ሱዳናውያን  ግዳያት ዝሓሸ ድሕነት ንክረኽቡ’ኳ ናብ ኢትዮጵያ እንተ ኣተዉ፡ እቲ ኩነታት ከምቲ ዝተጸበይዎ ከም ዘይጸነሖም ተጠቒሱ፡፡ ላየተቲታ ባደር ዝተባህሉ፡ ምኽትል ዳይረክተር ናይቲ ትካል ሰብኣዊ ሓለዋ ኣብ ኣፍሪቃ ሓቢሮም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓላፍነቱ ንክፍጽም ድማ ጸዊዖም።

እቲ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ ምስ ሱዳናውያን ስደተኛታት ዝተኻየዱ ቃለ መጠይቓት መሰረት ብምግባር ከም ዝጠቐሶ፡ መንነቶም ዘይፍለጥ ዕጡቓት ወገናት ከምኡ እውን ናይ መንግስቲ ኣባላት  ጸጥታ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝተፈላለዩ በደላት ከውርዱ ከም ዝጸንሑ ሓቢሩ።

Last modified on Monday, 21 October 2024 10:51