ኣብ ኢትዮጵያ ይፍጸም ብዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል መጸዋዕታ ቀሪቡ

2024-10-16 08:48:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 10 times

ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጀነቫ

ኣርበዓን ሓሙሽተን ሃገራት ብኣባልነት ዝርከበኦ ኣካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይፍጸም ብዛዕባ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣጠንቂቑ፡ እቲ ግህሰት ጠጠው ኢሉ ሰላማዊ ዘተ ክካየድን እኹል ዓለምለኸ ረዲአት ንጽጉማት ክቐርብን ከም ዝጸውዐ መርበብ  ሓበሬታ ኣዲስ ስታትዳር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

ኣብቲ በተን ሃገራት ጐኒንጐኒ መስርሕ መበል 57 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብ10 ጥቅምቲ 2024 ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ዘሎ ብደሆ  ንዝረአ ዝተወሰነ ኣውንታዊ ስጉምታት ኣፍልጦ ሂቡ። እቲ ናይ ሓባር መግለጺ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተወሲኑ  ዝነበረ ናይ ህጹጽ ግዜ ገደብ ኣዋጅ ምልዓሉን ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ሰላም ንምምጻእ ይግበር ንዘሎ  ፈተነታትን ኣተባቢዑ።

ብዛዕባቲ ብመንግስታዊ ኮነ ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት እታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ናይ ሰባት ጃምላዊ ምእሳር፡ ምስቓይ፡ ምስዋር፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ምቕታል ሲቪልን ዝምልከት እቲ መግለጺ ተሪር መጠንቀቕታኡ ኣቃሊሑ። ኣብ ምግዳብ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምእካብ፡ ካብን ናብን ምንቅስቓስን ምእሳር ጋዜተኛታትን ዝረአ ዘሎ ግህሰታት ከም ዘተሓሳስቦ’ውን ኣስፊሩ።

እዚ ናይ 45 ሃገራት መጠንቀቕታ ኢትዮጵያ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ኮይና ምስተመርጸት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዝወጸ ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ እታ ሃገር ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ዝተበጽሐ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባሩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ብመጽርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣዊጁ ዘሎ፡ ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ መንግስቲ ማእከሉ ግዳያት ወጽዓ ብዝኾነ ኣገባብ ብደረጃ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ንክትግበር እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ጸዊዑ። ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ተክኒካዊ ደገፍ ንክጥቀምሉ ከኣ ኣተሓሳሲቡ።

Last modified on Wednesday, 16 October 2024 11:00