ንጉጅለ ህግደፍ’ምበር፡ ንህዝብና’ስ ኣይንታዩን’ዩ!
2024-10-15 07:11:25 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 525 timesህግደፍ ካብ ዝምዘነሎም መሰረታዊ ባህርያቱ ሓደ፡ ዝወስዶም ስጉምትታት፡ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእትዉ ኢደ-ወነናዊ ምዃኖም እዩ። ብከምዚ ዝኣመሰለ ልጓም ዘየብሉ ስዲ ኣካይዳ ምቕጻል ንክጥዕሞ እዩ ከኣ፡ ካብ ሕገመንግስቲ ጀሚሩ ናይ ህዝቢ ኣፍልጦን ምርጫን ካብ ዘለዎም ትካላትን ዝምርሕሉ ሕግታትን ዝሃድም። ኣብ ክንድኡ ንመሸፈኒ ብዝኾንዎ ናይ ውልቀ ወይ ናይ’ቲ ጉጅለ ስምዒታት፡ ድሌትን ትጽቢትን ጥራይ ብዘረጋግጽ ቁርጽራጽ ኣዋጃት ዝመርሕ።
ህግደፍ ዝውጥኖም ትልምታት፡ ኣይኮነንዶ በቲ ዋና ሃገሩ ዝኾነ ህዝቢ፡ ብመብዛሕቶም ካብቶም መሳርሒ ንክኾንዎ ስልጣን ዝምጥዎም ኣካላት እውን ዘይፍለጡ እዮም። ኣርሓ ህግደፍ ቃሕ ክብሎ እንከሎ ከም ድላዩ ንህዝቢ መብጸዓታት ይኣቱ። ክሳብ “ብኣዋርሕ ለውጢ ከምጽእ እየ” ኢሉ ቆጸራ ዝሕዘሉ ኩነት ኣሎ። እቲ ብግብሪ ዘርእዮ ግና ሓታታይ ከም ዘየብሉ ፈሊጡ፡ ኣብ ክንዲ መፍትሒ፡ በብግዜኡ ነቲ ህዝቢ ዝነብሮ ዘሎ ጸገማት ተመሊሱ ይዝርዝረሉ። ተኸታቲሉ “እቲ ቅድም ዝበልካና ደኣ ኣበይ በጺሑ?” ኢሉ ዝሓቶ ስለ ዘየብሉ ከኣ፡ ኣይስከፍን።
ህግደፍ ነቲ ባዕሉ ዘውጸኦ ኣዋጃት ይኹን ሕግታት እውን እሙን ኣይኮነን። ነዚ ዝምልከት ብዙሓ ኣብነታት ምቕራብ ዝከኣል ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ስልጠናን ኣገልግሎትን ዕድመኡ 18 ኣዋርሕ ከም ዝኸውን ዝኣወጆ መደብ ግዱድ ወትህድርና ሳዋ፡ ክሳብ ክንደይ ምኽንያታት ፈጢሩ እንዳናወሐ ኣበይ ከም ዘብጸሖ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ነቲ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ዕቃበ እናሃለዎ፡ ብህዝባዊ ተሳትፎ ብመንገዲ ረፈረንዱም ጸዲቑ ዝተባህለ፡ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘለዎ ጽልእን ንዕቀትን “ከይተወለደ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ብዝብል ሕጫጨ ከም ዝጐሓፎ ካልእ መርኣያ ናይ ዘይተኣማንነቱ እዩ። ነቲ “ሓድሽ ቅዋም ንነድፍ ኣለና ትሕዝቶኡ ከኣ ኣብ ቀረባ ግዜ እትርእይዎ ክኸውን እዩ” ዝበሎ ከመይ ገይሩ ደሃዩ ከም ዘጥፈኦ’ውን ተወሳኺ መርኣያ ሃላልነቱ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣውዒልካ ዘሕድር ዝርዝር ጥልመታቱ ምቕራብ ይከኣል።
ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕብረተ-ሰብ ዓለም እውን ዝፈልጦን ዝተዋሰኣሉን ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምትግባር ክሳብ ሎሚ ዘርእዮ ዘሎ ምድህላል ከኣ ተጠቃሲ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ ብዕጥይጥይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓቢኡ፡ ደጋፊ ትግባረ ናይቲ ብይን ኮይኑ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተሃንጠየ ይዝከር። ናቱ ሓቢኡ ኣንጻር “ዓንቀፍትን ዘራያትን” ዝበሎም መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ብዙሕ ክስታትን ጸለመን ኣቕሪቡ። ድሕሪ 2018 እቲ ምኽንያታት ተቐንጢጡ ናይ ምትግባር ዕድል ኣብ ኢዱ ምስ ወደቐ፥ ኣይኮነንዶ ክትግብር ከም ኣጀንዳ ከልዕሎ’ውን ኣይደለዮን ጥራሕ ዘይኮነ፡ “ቀዳምነትና ኣይኮነን” ብዝብል ጠንጢንዎ። በቲ ዘርኣዮ ዘይምግዳስ ከኣ፡ “እንታይ ብዘይምጥራር ዶብ ኣቢሉ ከብጽሖ ዝደለየ ስለ ዘለዎ’ዩ ዝጓስዮ ዘሎ?” ዝብል ሕቶ ናይ ብዙሓት ነይሩን ኣሎን። ኩሉዚ ተደሚሩ ህግደፍ ብጉጅላዊ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን’ምበር ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ምግዳስ ዘይንታዩ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
እቲ ዘይግልጹነቱ ኣብ ዘቤታዊ ዛዕባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝምድናኡ ምስ ጐረባቲ እውን፡ “እንታይ ረብሓ ህዝቢ ከረጋግጸለይ ይኽእል?” ብዝብል ዝተቓነየ ከምዘይኮነ፡ ኩሉ ናይ ክሳብ ሎሚ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኡ ኣብነት እዩ። ኣብ ብዙሕ ዝርዝር ከይኣተና፡ ኣብ 2018 ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ኣብ ዘይተጸበይዎ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ “ሓድሽ ዝምድና ፈጢርና” ኢሉ ምስ ኣውደኽደኸ፡ እዚ ሎሚ ተፈጢሩ ዘሎ ፍትሕ፡ ገለ ወገናት ከም ዝመጽእ ክግምቱ እንከለዉ፡ ገለ ከኣ “ደጊም ንድሕሪት ዘይምለስ ፍቕሪ እዩ” ስለ ዝበልዎ፡ ኣካታዒ ተረኽቦ ኮይኑ ነይሩ። ጉጅለ ህግደፍ እቲ ዝተጀመረ ጉርብትና ብህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ምስ ተዓዘበ፡ ብዝሓደሮ ቅንእን ስግኣትን፡ ህርፋኑ ጥራይ ዘርውየሉ ገይሩ ከመሓድሮ ግዜ ኣይወሰደሉን። ድሕሪ 4ተ ዓመታት በቲ ዘይተጸንዐ ዝምድና ኣቢሉ ከረጋግጾ ዝሓሰቦ ምስተኾለፈን በቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ ዓይኑ ደም ስለ ዝነጠቦን በብቑሩብ ክቑርምሞ ጀሚሩ።
ከምቲ ውግእ 1998-2000 ክጅመር እንከሎ፡ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኤርትራውን ንብረቱን ዘይተገደሰ እሞ ደሓር ብዙሕ ምንግልታዕን ዛሕዛሕን ዘኸተለ፡ ሎሚ’ውን ቅድም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝሰኣኖ ሕክምና፡ መርዓን ንኡስ ንግዳዊ ንጥፈታትን ናብ ኢትዮጵያ ዝመላለስ ኤርትራዊ ከይተገደሰ፡ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ንክቋረጽ ወሲኑ። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝለመዶ ናይቲ መንገዲ ኣየር ገንዘብ ካብ ባንክ ብምርሳይ ከኣ ተኸሲሱ። ቀጺሉ ኣብ ኤርትራ መተካእታ ዝኸውን ናይ ዋይፋይ መስመር’ኳ ኣብ ዘየብሉ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ቀጥታዊ ርክብ መስመር ተለፎን ኣቋሪጹ። ብሰንክዚ ሃንደበታዊ ምቑራጽ ርክብ፡ እቲ ዝጸንሐ ስኽፍታ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ኤርትራውያን ፈጢርዎ ዘሎ ስግኣት ቀሊል ከም ዘይኮነ ርዱእ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብቲ ናይ 2018 ብዘይፍለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ፡ ከምቲ ናይ ጎንደር ስምምዕ ሰለስተ ኣካላት፡ ሎሚ ድማ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን ስሉሳዊ ስምምዕ ጸጥታ ከም ዝተኸተመ ይስማዕ ኣሎ። ነዚ ንምትግባር መራሒ ግብጺ ንመጀመርያ ግዜኡ፡ መራሒ ሶማሊያ ከኣ ን7ይ ግዜኡ ናብ ኣስመራ መጺኦም። እቲ ስምምዕ “ንጥቡቕ ጉርብትናን ዞባዊ ሰላምን ምርግጋጽ” ዝብል ስያመ’ኳ እንተተዋህቦ፡ ሓቢርካ ንኢትዮጵያ ንምኽባብ ምዃኑ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ግብጽን ሶማሊያን ንኢትዮጵያ ክኸባ እንከለዋ ነናተን እዉጅ ምኽንያት ኣለወን። ግብጺ ንህንጸት ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ ጠጠው ከተብሎ ካብዘይከኣለት፡ ኣካል’ቲ ምምሕዳሩ ኮይና ዓቐን ዝዕቆርን ናብኣ ዝፍኖን ማይ ናይ ምክትታል ድሌት ዘይተዓጽወ ፋይል ኣለዋ። ሶማሊያ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኣትያ ምስ ኣካለይ ዝኾነት ሶማሊላንድ ኣገልግሎት ወደብ ክትረክብን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽን ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህብን ሃቂና ዝብል ክሲ ኣለዋ።
ናይ ክልቲኦም ክሲ ቅኑዕ ድዩ ግጉይ ካልእ ኮይኑ፡ ምስ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ምትእስሳር ኣለዎ። ናይ ህግደፍ ኣንጻር ኢትዮጵያ ምስላፍ ግና፡ ነቲ ባዕሉ “ወደባት ርኸቡ ኣይትስኣኑ” ዝብሎም ዝነበረ ዘንጊዑ’ኳ፡ መልክዕ “ልኡላውነት” ከትሕዞ እንተፈተነ፡ ሕነ ናይቲ ኣብ ውግእ ትግራይ ዝተኾልፎ ንምፍዳይ ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ንዓኡ ዝምልከት ጉጅላዊ ዕንደራ እምበር፡ ንህዝቢ ኤርትራሲ ከምቲ ዝቐደመ ህይወት ደቁ ካብ ምጥፋእን ንብረቱን ካብ ምብራስን ሓሊፉ፡ ዘይንታዩ ምዃኑ ርኡይ እዩ።