“ወዲ ወርቂ” ዝብል ቅጽል ዝተዋህቦ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ

2024-10-14 20:14:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 41 times

ኤርትራዊ ተወዳዳሪ  ብሽግለታ፡ ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ኣብ ናይ 2024 ውድድር ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኬንያ ኢልዶረት ኣብ ዝተባህለት ከተማ ፍሉይ ታሪኻዊ ዓወት ከም ዝመዝገበ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ጠቒሶም።  ሄኖክ ኣቐዲሙ እውን ኣብ 2023 ኣብ ጋና ኣክራን፡ ብ2022 ድማ ኣብ ሻርም ኢል ሸይክን ግብጺ ተኸታታሊ ዓወታት ዘመዝገበ እዩ።

ስፖርታዊ ሄኖክ ኣብዚ ናይ 2024 ውድድር፡ ካለኣይን ሳልሳይን ንዝወጹ ደቡብ ኣፍሪቃውን ኡጋንዳውን ኣኸቲሉ እዩ ቀዳማይ ኮይኑ ወርቂ መዳልያ ተቐቢሉ። ነቲ ርሕቀት ንምዝዛም ዝወሰደሉ ግዜ 3 ሰዓታት፡ 46 ደቓይቕን 21 ሰከንድን ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።

.ሄኖክ ምስ ጋዜጠኛታት ኬንያ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መተይቕ፡ ነቶም ሓቢረምዎ ዝተወዳደሩ ኤርትራውያን ዘለዎ ክብሪ ብምጥቃስ፡ ነቲ ዓወት ንከመዝግብ ናታቶም ግደ ዕዙዝ ከም ዝነበረ ሓቢሩ። እቲ ዓወት ናይ ሓባሮም ምዃኑ እውን ኣመልኪቱ። ናይ ሄኖክ ምሉብርሃን ዓወት፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ተወዳደርቲ ብሽግለታ፡ ኣብ ኣፍሪቃዊ ዓቕሚ ዓብይ ብጽሒት ከም ዘለዎም ዘመልክት ምዃኑ ድማ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን። ጋንታ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር፡ 7 ወርቂ፡ 5 ብሩርን 4 ነሃስን ብድምሩ 16 መዳልያታት ረኺባ እያ ቀዳመይቲ ኮይና።

ኤርትራ ኣብ ብሽግለታ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩዕሶ እግሪ እውን ብደረጃ ኣፍሪቃ ዝፍለጡ ብቑዓት ከም ዝነበርዋ፡ እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ህግደፍ ዝኽተሎ ንስፖርት ዘይምችእ ኣገባብ ካብ ብሽግለታ ወጻኢ ኣብቲ ካልእ ስፖርታዊ ውድድራት ድሕሪት ከም ዝተረፈት ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Monday, 14 October 2024 22:19