ናይ ቅድም ፕረሲደንት ሱዳን ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ

2024-09-23 11:28:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 15 times

ዑመር ኣልበሸር ኣብ ካርቱም ናብ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ካብ መኪና እናወረደ ኤኤፍፒ)

ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽርን ካለኦት 3 ላዕለዎት ሓለፍቲ ሱዳን ነበርን፡ ካብቲ ተዳጒነምሉ ዝነበሩ ወተሃደራዊ መደበር፡ ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ሱዳን ናብ ዝርከብ ሆስፒታል መረወ ከም ዝተወስዱ መርበብ ሓበሬታ “ሱዳን ትሪቡን”  ኣፍሊጣ። እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ ናይዞም ናይ ቀደም ሓለፍቲ ጥዕናዊ ኩነታት ስለ ዘንቆልቆለ ምዃኑ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቶም ወዲ ሰይድና ካብ ዝበሃል ወተሃደራዊ መደበር ናብቲ ሆስፒታል ዝተወስዱ ናይ ቅድም መራሕቲ ሱዳን፡  ዑመር ኣልበሺር ፕረሲደንት፡ ዓብደልርሒም መሓመድ ሑሴን ሚኒስተር ምክልኻልን መሓመድ ሑሴን ሚኒስተር ስፖርትን መንእሰያታን ዝነበሩ ምዃኖም ጠበቓ ኣልኣሚን ሰይድ ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ ድማ ምክትል ፕረሲደንት ዝነበረ በክሪ ሑሴን ሳልሕ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝተወስደ እቲ ጠበቓ ጠቒሱ።

ናይዞም ናይ ቅድም መራሕቲ ጥዕናዊ ጸብጻብ ተዓዚቡን ኣብቲ ወተሃደራዊ መደበር እኹል ሕክምና ከምዘየለ ተረዲኡን ናብቲ ሆስፒታል ንክውሰዱ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ “ብጾት ኣብ ሰራዊት” ዝተባህለ ወተሃደራዊ ጉጅለ ምዃኑ እቲ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ጠበቓ ከም ዝጠቐሶ ዑመር ኣል በሺርን እቶም ካለኦት ሓለፍትን  ምስ ብዕድመ ምድፍኦም ተተሓሒዙ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ዝሳቐዩን ናይ ወጻኢ ሕክምናን ቀጻሊ ምክትታልን ከም ዘድልዮምን ገሊጹ።

ጠበቓ ኣልኣሚን፡ ዑመር ኣልበሺርን እቶም ካለኦት ናይ ቀደም ሓለፍትን፡ 5 ዓመትን ፈረቓን ስለ ዝተኣስሩን ወተሃደራዊ ደህንነት ሱዳን ንክፍትሑ ወሲኑ ስለ ዝነበረን ብናይ ሰብ ዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክወጹ ጸዊዑ።

በሺርን መተኣስርቱን ብ2019 ካብ ስልጥን ምስ ወረዱ፡ ኮበር ኣብ ዝበሃል ቦታ ተኣሲሮም ምስ ጸንሑን ኣብ ወርሒ ማዝያ 2023 ውግእ ምስ ተኸፍተ ድማ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም ከም ዝነበሩን እቲ ዜና ጠቒሱ።

Last modified on Monday, 23 September 2024 13:34