ጋዜጠኛታት በቃሉ ኣላምረውን በላይ ማናየን ተሰዲዶም

2024-09-22 20:13:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 19 times

ጋዜጣኛታት፡ በቃሉ ኣላምረውን በላይ ማናየን

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈጥሑ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት በቃሉ ኣላምረውን በላይ ማናየን ካብ ሃገሮም ከም ዝተሰዱ ባዕላቶም ንመርበብ ሓበሬታ “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ሓቢሮም። ንድሕንነቶም ክብሉ ኣብየናይ ሃገር ጠዓቚቦም ከም ዘለዉ ዘይገለጹ፡ በቃ ኣላምረውን በላይ ማናየን፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ክስደዱ ዝተገደዱ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህይወቶም ዘስግእ ምፍርራሕን ምክትታልን ስለ ዘጋጠሞም ምዃኑ ኣፍሊጦም።

እዞም ጋዜጥኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣስሩ፡ ብምኽንያት እቲ በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡  ከም ኣድላይነቱ ከኣ ኣብ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ንክትግበር ተባሂሉ ዝተኣወጀን ኣብ ወርሒ ጉንበት 2024 ዘብቀዐን ኣዋጅ ፍሉይ ኩነታት እዩ። መስራትን ኣካያድን “ኣልፋ መዲያ” ዝነበረ በቃሉ ኣላምረው እቲ ፍሉይ ኩነታት ምስተኣወጀ ድሕሪ 2ተ መዓልታት ዝተኣስረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ “ኣዋሽ ኣርባ” ኣብ ዝበሃል ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ዝተደኮነ ጽንኩር ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተሳቐየ ገሊጹ።

በላይ ማናየ እውን ከም በቃሉ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ  ዝቓይ ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ መስራትን ኣካያድን “ኢትዮ-ኒውስ” ዝተባህለ ትካል መድያ ዝነበረ እዩ። በላይ እውን ኣብቲ ማእሰርቲ ኣዝዩ ከቢድ ስቓይ ከም ዘሕለፈን ክሳብ ናይ ኣካል መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞን ንመርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ሓቢሩ።

እዞም ካብቲ ስሩዕ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ምስጢር ቦታትን መደበራት ፖሊስን ብዝተፈላለዩ ናይ ጸጥታ ኣካላት ይሳቐዩ ከም ዝነበሩ ጠቒሶም፡ ንክስደዱ ዘገደዶም ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይኮነንዶ ናብቲ ዝፈትዉዎ ናይ መድያ ክእለቶም ክምለሱ፡ ብህይወት ክነብሩ ከምዘይክእሉ ስለ ዝተረድኡ ምዃኖም ካብቲ ዘለዉዎ ቦታ ኣፍሊጦም።

ጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው ቅድም “ኣውሎ” ኣብ ዝበሃል መዲያ፡ ደሓር ድማ ኣብ “ኣልፋ ሜድያ፡ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ  ግዜ፡ ርትዓውን መሳጥን ዜናታትን ትንትናታትን ብምቕራብ ገኒኑ ዝነበረ ብተደጋጋሚ ዝተኣስረ መንእሰይ ጋዜጠኛ እዩ።

Last modified on Sunday, 22 September 2024 22:26