ህወሓት ኣብ ክልተ ከም ዝተኸፍለ ብጋህዲ ኣርእዩ

2024-08-19 10:11:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 246 times

ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ኣቦመንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምራሕ ወገን ብ15 ነሃሰ 2024 ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ኣዳራሽ “ሓወልቲ ሰማእታት” መበል 14 ጉባአ ናይቲ ውድብ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝምራሕ ካብቶም ብህይወት ዘለዉ 45 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ናይቲ ውድብ 24 ኣባላትን ከምኡ’ውን ኣባላት ማእከላይ ኮሚሽን ምቁጽጻር ናይቲ ውድብ  ዝርከብዎ ወገን ኣብቲ ጉባአ ከምዘይሳተፍ ብምግላጽ፡ ነቲ ጉባእ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ዘመልክት መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ  ብዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ዘሎ ኣካል መስርሕ ጉባአ ብምቕጻል፡ ድሮ እቶም ኣብቲ ጉባአ ዘይተሳተፉ ኣባላት መሪሕነት ካብ ሓላፍነቶም ከም ዝወረዱ ብምጥቃስ፡ ብስም ህወሓት ናይ ምንቅስቓስ ሕጋውነት ከምዘይብሎም ከም ዝወሰነ ብናይቲ ጉባአ ወሃቢ ቃል  ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ነቲ “መበል 14 ጉባአ ህወሓት ወሲንዎ” ዝተባህለ ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ውሳነ ብምቅዋም ብ18 ነሃሰ 2024 ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ፡ እቶም ካብቲ ጉባአ ዝበኾሩ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ህወሓትን ኣባላት ማእከላይ ኮሚሽን ምቁጽጻርን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ   መቐለ ካብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዝተጸውዑ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቶ ጌታቸው ኣብዚ ኣኼባ ንተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ገሊጹ፡ ነቲ ብዶር ደብረጼን ዝምራሕ “ኣኼባ” ዝበሎ ጉባአ፡ ብዘይካቲ ብብሄራዊ ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ “ሕጋዊ ዘይኮነ” ዝተባህሎ፡  ብመንጽርቲ ከካይዶ ዝጸንሐ መስርሕ ምድላው እውን ሕጋዊ ኣይኮነን ኢልዎ። ብዘይካዚ እቲ ጉባአ ብዘይካ ዝተወሰኑ ኣባላት መሪሕነት ምውራድን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከፍርስ ምድላይን ካልእ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዕላማ የብሉን ኢልዎ።

ናይ ክልቲኦም ወገናት ጭረሖ ከኣ “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንምድሓን”  እዩ ዝብል። እዚ በበይኖም ዘካይድዎ ዘለዉ መድረኻት ትሕዝቶ መልእኽቱ ብዘየገድስ፡ እቲ ውድብ ምክፍፋሉ ዘርኢ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ሚዛን እዩ። ኣብዚ እቲ ወጥሪ ዝገደሉ ዘሎ ኩነታት ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይ፡ ምስ ዝኾነ ወገን ከምዘይውግን ይገልጽ ኣሎ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ መጀመርያ መበል 14 ጉባአ ንከይካየድ ከጠንቅቕ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Monday, 19 August 2024 12:23