ከሰሓሕብ ዝጸንሐ መበል 14 ጉባአ ህወሓት ተኸፊቱ

2024-08-13 19:21:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 266 times

መበል 14 ጉባአ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ድሕሪ ተደጋጋሚ ምንዋሕን ዝተፈላለዩ ምስሕሓባትን 13 ነሃሰ 2014 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ተኸፊቱ። እዚ ጉባአ ናይቲ ውድብ ምክትል ኣቦመንበር ጌታቸው ረዳ ሓዊስካ 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ፡ ብሓፈሻ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ትግራይ ብፍላይ ድማ ካብ ከተማ መቐለን ዞባ ደቡብን ዳርጋ ኩሎም ተሳተፍቲ ጉባአ፡ ከምኡ እውን ኮሚሺን ምቁጽጻር ናይቲ ውድብ ኣብ ዝበኾርሉ እዩ ክካየድ ጀሚሩ።

እቶም ናብቲ ጉባአ ምስታፍ ዝነጸጉ ወገናት ካብ ዘቕርብዎም ምኽንያታት፡ “ርትዓዊ ናይ ቅድመ-ጉባአ ገምጋም ብፍላይ ነቲ ናይ 2ተ ዓመታት ውግእ ዝምልከት ኣይተኻየደን፡ ጸቢብ ጉጅለ ፈጢርካ ዝተወሰኑ ባእታታት ንምጥቃዕ ዝዓለመ እዩ፡ መስርሕ ምስንዳእ ካብታ ብዕሊ ዝቖመት ኣሰናዳኢት ኣካል ብዘይፍለጥ ጉጅለ ተጨውዩ እዩ፡ ብዛዕባ ሕጋውነት ምስ ብሄራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዘሎ ምውጣጥ መዕለቢ ኣይረኸበን……ወዘተ” ዝብሉ ይርከብዎ።

ብዘይካዚ ብዛዕባ ሕጋውነት ናይቲ ውድብ፡ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ “ሀ” ኢልኩም ኢኹም ትምዝገቡ ኢሉ ምስክር ወረቐት ኣብ ዝሃበሉ፡ ብዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ወገን ናይቲ ውድብ ድማ ዝነበረና ደረጃ ክምለስ እምበር ከም ሓድሽ ውድብ ክንምዝገብ ኣይሓተትናን ክብል ኣብ ዋጢጥ እንከለዉ እዩ እቲ ጉባአ ተጀሚሩ። በዚ መሰረት ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኣብ ድሮ ዕለት ጉባአ “ኣነ ጉባአ 21 መዓልታት ክተርፎ እንከሎ ተዓዲመ ተሳቲፈ ክዕዘብ እናተገበኣኒ፡ ነዚ ከየማላእኩም ተካይድዎ ዘለኹም ጉባአ ኩሉ ውጽኢቱ ውዱቕ እዩ” ዝብል ደበዳበ ጽሒፍሎም እንከሎ እዩ እቲ ጉባአ ቀጺሉ። ናይቲ ውድም ኮሚሽን እውን ብመንጽር ውሽጣዊ ሕጎም ነቲ ጉባአ “ቅቡል ኣይኮነን” እዩ ኢልዎ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ምስ ዝኾነ ኣካል ፖለቲካዊ ውግንና ከምዘይህልዎ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ጉባአ ዝካየደሉ ዘሎ ግዜ ኮነ ቀጺሉ ኣብ ዝስዕብ ዓመታዊ በዓላት “ኣሽንዳ ትግራይ” ጸጥታ ንምኽባር  ደጋፊ ኮነ ተቓዋማኢ ሰልፊ ከይካየድ ኣጊዱ ኣሎ።

ብዙሓት ከም ዝግምትዎ፡ እዚ ብብዙሓት ዘይሕጋዊ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ጉባአ፡ ነቶም ኣብቲ ጉባአ ዘይተሳተፉ ኣባላት መሪሕነት ኣባልነቶም ከይስርዝን እቲ ውድብ ናብ ምፍንጫል  ከየምርሕን ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስሕሓብ ከየስዕብ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

Last modified on Tuesday, 13 August 2024 21:44