ብኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ፖሓኤ ኣድያም ተፈራ፡ ዝቐረበ መኽፈቲ ቃል

2024-08-15 22:07:26 Written by  ኣድያም ተፈራ Published in EPDP News Read 508 times

ዝኸበርካ ኣቶ ገርዝግሄር ተወልደ ፦ ኣቦ መንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ

ዝክበርካ ኣቶ ያሲን መሓመድ ዓብደላ ፦ ምኽትል ኣቦ መንበርን ሰክረተርን፥

ዝኽበርካ ኣቶ  ዮውሃንስ ኣስመላሽ ፦ ሓላፊ ክፍሊ ዲፕሎማስን መጽናዕትን፥

ዝኸበርክን ዝኸበርኩምን ናይ ሰለስቲኡ ኣባላት ተወክልቲ ዋዕላ

 ዝኸበርኩም ኣባላት ሚድያ

ብስመይን ብስም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ፖሓኤ እንቋዕ ብዳሓን መጽክን/መጽኩም ።

ኣብ'ዚ ክቡር  ኣጋጣሚ ቀዳማይ ዋዕላ ፖሓኤ ክንከፍት ከሎና፡ ንባዕሉ ዓቢ ጸጋ ምዃኑ እናስመርኩ፡ ደጊመ  እንቋዕ ናብ'ዚ መድረኽ በጻሕና እናበልኩ፡ ብስም ኣስናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ሰላምታይ አቕርብ።

ብ17 ለካቲት 2024 ላዕላዋይ ኣካል ፖሓኤን ኣስናዳት ሽማግለን ተራኺቦም፡ ኣብቲ ኣኼባ ብላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዝቐረበ ቃል፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ፖሓኤ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ተገሊጹ። ድሕሪኡ ናይ ሰለስቲኡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ምልላይ ተገሩን ናይ ስርሕ መምርሕታት ተዋህቡን። ቀጺሉ ብመሰረት ውሳነ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 9 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ፡ ዝተዋህባ ሓላፍነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ብ24 የካቲት 2024 ቦዂሪ ኣኼባኣ ኣካይዳ።

ኣብዚ ኣኼባ ኣደ መንበር፣ ምክትል ኣደ መንበርን ዋና ጸሓፍን ተመሪጾም። ብ2 መጋቢት 2024 ንኣሰራርሓ ብዝጥዕም ንነብሳ ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ሽማግለታት ከፊላ። እተን ዝቖማ ንኡሳን ሽማግለታት ናይ ሰነዳት፡ ናይ ቀረብ/ሎጅስቲክን፣ ናይ ዜናን ተሳተፍቲ ኣባላት  ዋዕላን እየን። 

እዘን ንኡሳን ሽማግለታት፡ ብዘይካቶም 9 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ካለኦት ኣባላት ወሲኻ  ስረሓተን ጀሚረን። ነዛ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካብ ዝተዋህባ ዓበይቲ ዕማማት፡

  1. ንድፊ ሰነዳት ኣማዓራሪኻ ናብ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ንምይይጥ ምቕራብን ኣብ መወዳእታ እቲ ንድፊ ናብ ዋዕላ ከም ዝቐርብ ምግባር፡
  2. ንዋዕላ ዝምልከት ፋይናንስያዊ ቀረብ ምክታታልን፡ ዋዕላ ዝካየደሉ ቦታ ምጥጣሕን።
  3. ናይ ሓባር ስምምዕ ዋዕላ ብኣካልን ብዙም ክግበር ሰለ ዝኾነ መሳለጥያ ዝኸውን መሳርሒ ምቅራብን ካልእን ነይሩ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ፡  ንምዕዋት ብተወፋይነት ኣብ ዝተጓዕዘቶ መስርሕ ብዘይካቲ ቀጻሊ ዘይስሩዕ ርክባት፡ 9 ስሩዕን ህጹጽን ኣኼባታት ኣካይዳ። ኣብዚ ኣኼባታታ፡ ሓጸርቲ መደባት እንዳሰርዐትን፡  ኣተገባብረኦም እንዳገምገመት ክትሰርሕ ጸኒሓ። ብዘይካ’ዚ ኣብቲ መስርሕ ንዘጋጥማ ጸገማትን ሕጽረታትን፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ውሽጣ ባዕላ እንዳፈተሐት፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣገዳሲ ምውኽኻሳት እናገበረት እያ ስራሓታ ከተሰላስል ጸኒሓ። 

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ ጀርመን ብኣካል ንዝካየድ ዋዕላ ቦታ ምድላውን ከምኡ ድማ  ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፣ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኣውስትራልያን ሰሜን ኣመሪካን  ብዙም ንምስታፍ ብዝገበረቶ ጻዕሪ በዚ ኩነታት ክንጋባእ በቒዕና ኣለና።  ጠቕላላ ተወክልቲ ዋዕላ 60 ክኸውን እንከሎ፡  ኣብዚ ኣዳራሽ  31 ተሳተፍቲ ብኣካል ተርኺብና ኣለና፣ ብዙም 24 ይስተፋ/ ይሳተፉ ኣለዋ/ ኣለዉ። በዚ ኣጋጣሚ፡  ኣብዚ ዋዕላ ብመሰረት ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለን ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካልን ብርቱ ጻዕሪ፡ እቲ ዘድለ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ከም ዝተማለአ  ከነበስር ንፈቱ።

 ዝኸበርክን ዝኸበርኩምን ኣባላት ዋዕላ

ናይ ሓባር መቃልሲ ጽላል ምህላዉን ብሓድነት ምስራሕን እቲ ቀንዲ ብዘይብኡ እውን ምሉእን ዝተኣማምንን ናይ ሰረተ-እምነት ዲሞክራሲያዊ ባህሊ፥ ፍትሕን ሰላምን ክነንግስ ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ። ሓባራዊ  ማኣዲ ቃልሲ ናብ ሓደ ዕላማ ንምብጻሕ ዝውሕስ ምዃኑ፥ ኣብ ግምት ብምእታው  ምስንዳእ  ዋዕላ ፖሓኤ ዕውት ክኸውን ናይ ኩሉ ኣባሉን ናይ ህዝብናን ትጽቢት፡ ሃንቀውታን ድሌትን ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ላዕላዋይ ኣካል ፖሓኤን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላን ዝተኸተለቶ፡ ኩሉ ዝሕበነሉ ግሉጽነት ዘረጋገጸ፡ ናይ ክትዕ መድረኻት ዝኸፈተ፡ ላዕላዋይ መሰጋገሪ   ኣካል ፖሓኤ ሰለስቲኡ ርእይቶታት ዝሃብሉን ዝተኻትዕሉ፡ ከም ኣድላይነቱ እውን ናይ ሓሳባት ምቅይያራት ዘረኣየን ምትሕብባራት ዘዕዘዘን  መስርሕ ነይሩ። እቲ ክትዓትን ርእይቶታትን ንዲሞክራስያዊ ባህልን ናይ ሓባር ስራሕን ዘንጸባርቕ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ዕዉት ዋዕላ ንምክያድ ዘኽእል ቅድመ ተደላይነታት ዘማልእ ነይሩ  ክንብል ንኽእል።

ኣብ መደምደምታ፥ መስርሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ከምቲ ዝድለ ንምዕዋት ብናይ ሰለስትዩ ኣካል መርሕነትን ሽማግለን ሃናጺ ሓሳባት ብምሃብን ኣድላይ ነገራዊ ኣበርክቶ ብምቕራብን ዝተገብረልና ምትሕብባር ኣገዳሲ እዩ ነይሩ’ሞ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ  መድረኽ እዚ ብስመይን ብስም መላእ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለን የመስግኖም። ብሓፈሻ ንኹሎም ኣባላት ፖሓኤ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ንኡስ ሽማግለ  ሰነዳት ዘይሕለል ጻዕሪ ንዝገበሩ ኣባላት ፖሓኤ እውን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣድናቖታ ትገልጽ።

ኣብ መንጎና ተረኺቦም ዘለዉ፣ ኣባላት ሚዲያ

  1. ኣቶ ኣለምስገድ ፣ ቅራጻይ ቢድዮ
  2. ዶ/ር መድሃንየ ካብ ኤሪሳት
  3. ኣቶ መሕመድ፣ ኣቶ ማጂደ ካብ መስከርም 61፣  
  4. ኣቶ ዮናስ ካብ ኤሪፒኤም፣  
  5. ኣቶ ሺሳይ ካብ ራዲዮ ኤረና፣
  6. ኣቶ ዓይነታ ካብ ሃገረይ ቲቪ፣
  7. ኣቶ የወሃንስ  ካብ ስኒትና
  8. ኣቶ ኣማኒኤል ካብ ኣስና

ካብዚ መድረኽ ብዓቢ ክብርን ኣድናቆትን፡ ልባዊ ምስጋና ከመሓላልፈሎም  እፈቱ።

ኣብ መወዳእታ ዋዕላ ዕዉትን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግረናን  ንክኸውን ናይ ኩልና ሓላፍነታዊ ኣበርክቶ ከም ዝሓትት እንዳሓበረት፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ንክዕወት ሰናይ ትምኒታ ትገልጽ።

ብሓድነት ንሓርነት!!!

ክብርን ሞጐስን ንስውኣትና!!!

6 ነሓሰ 2024

ቪስባደን

Last modified on Friday, 16 August 2024 00:18