መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ

2023-02-23 15:51:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 953 times

ጀነራል ታደሰ ወረደን ምክትሉ መምህር ምሉወርቅ ኪ/ማርያምን

ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ድሕሪኡ ክካየድ ዝጸንሐ ቀጻሊ ርክባትን፡ መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ። ነቲ መስርሕ ትመርሕ ዘላ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተመዘዘት ትሻዓተ ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ እያ።  እዛ ሽማግለ ብማዕረ ቁጽሪ ካብ ህወሓት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን  ምሁራት ተጋሩን ዝቖመት እያ።

እዛ ብኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ሌፍተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ እትምራሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ምስ ዝተፈላለዩ እቲ መስርሕ ዝምልከቶም ኣካላት ትግራይ ተራኺባ ሓሳባት ትእክብ ከም ዘላ ኣፍሊጣ። ኣብቲ ርክባት ነቲ ቀጻሊ መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ብዝምልከት ዝተነድፈ እማመ እያ ትገልጽ ዘላ። እቲ ዝምስረት ግዝያዊ ክልላዊ መንግስቲ ናብ ብዲሞክራስያዊ ምርጫ ዝምስረት መንግስቲ ዘብጽሕ እዩ።

ኣብቲ ርክባት ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ናይታ ሽማግለ ኣቃውማ ግሉጽን ኣሳታፍን ኣይኮነን ዝብል ተቋውሞታትኳ እንተኣጋጠማ፡ ናይ ብዙሓት ርኢይቶ ግና ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ኣመሰራርታ እታ ኣሰናዳኢት ዝተራእየ ሕጽረት ተመሊስካ ንምእራም ግዜ ምብላዕን ነቲ ዕድል ምብኻንን፡ እቲ ቀጻሊ መስርሕ፡ ኣሳታፊ፡ ግሉጽን ዲሞክራስያውን ከም ዝኸውን ጌርካ ምቕጻል ይሓሽ ዝብል እዩ። ብመሰረት መግለጺ ናይታ ሽማግለ እቲ ርክባት ምስተፈጸመ፡ እቲ መስርሕ ብመንገዲ መዛዘሚ ኮንፈረንስ ኣቢልካ ክዛዘም እዩ።

እቲ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ዝድለየሉ ምኽንያት፡ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ዝግባእ በጀት ዝፍቀድን ካልእ ዓበይቲ ውሳኔታ ዝትግበርን ድሕሪ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ ምዃኑ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ስለ ዝተበጽሐ ምዃኑ ይግለጽ። ኣብዛ ደሞዝ ካብ ዝኽፈሉ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝሓለፎም ኣሸሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዘለዋ ትግራይ፡ ምፍቃድ በጀት ወሳኒ ምዃኑ እቲ ኮሚተ ኣብቲ መድረኻት ይገልጽ ኣሎ። 

ኣብቲ ዝቕጽል መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ መንግስቲ፡ ኣሰሓሕብቲ ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ ዛዕባታት፡ ኣሰታትፋ ናይ ህወሓት፡ መሪሕነት ሰራዊት ትግራይ፡ ተቓወምቲ ውድባት፡፡ ምሁራት፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ተጋሩን ካለኦት ዝምልከቶምን “ከመይ ይኹን?” ኣብ ዝብል ምስምማዕ ሓደ ክኸውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ቁጽሪ ኣባላት ባይቶ፡ ዕድመ ግዝያዊ መንግስቲ፡ ኣገባብ ኣመራርጻ ፕረሲደንትን ኣባላት ካቢነን ቀንዲ ዕማማት ናይቲ መንግስት እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦን እውን ድሮ ርሱናት ኣዛረብቲ ኮይኖም ዘለዉ እዮም። 

እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስተመስረተ ኣብ መወዳእታ ብወግዒ ስርሑ ዝጅምር፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ረኺቡ ምስ ጸደቐ  ምዃኑ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ እዩ።

Last modified on Thursday, 23 February 2023 16:57