ሕብረት ኣፍሪቃ ብጉዳይ ሱዳን ህጹጽ ኣኼባ ክግበር ጸዊዑ

2024-06-23 21:20:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 417 times

ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ፍሉይ ተወርዋሪ ሓይልን መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ውግእ  ህጹጽ ኣኼባ ንክካየድ ወሲኑ። 

እቲ ባይቶ ነቲ ካብ 10 ክሳብ 15 ሓምለ 2024 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዝወሰኖ ኣኼባ ኣብ ምድላው፡ ላዕለዋይ ኣዛታይ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ኢጋድን ኣብ ምስንድኡ ዓብይ ግደ ንክህልዎም ጸዊዑ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒኢ ሓምለ 2024 ብጉዳይ ሱዳን ኣብ ግብጺ ኣኼባ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ተበግሶ ባይቶ ሰላምንን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ከም ዝህቦ ኣፍሊጡ።

እዚ ዞባዊ ትካል ኩሎም ሱዳናውያ ተዋሳእቲ፡ ነዚ ሓድሽ ብዘተ ኣቢልካ ናብ ቀጻሊ ሰላምን ምምስራት ሕገመግስታዊ መንግስትን ከብጽሕ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ እማመ ክሳተፍዎ ጸዊዑ።

እቲ ባይቶ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝምልከት ከም ዘስፈሮ፡ ብዘይወዓል ሕደር ተኹሲ ጠጠው ኢሉ፡ ናይ ህዝቢ ሱዳን ስቓይ ዝውገደሉ ኩንነታት ንክፍጠር ከም ዝጸወዐ ኣብቲ ድሕሪ ኣኼባኡ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ሱዳናውያን ተቐናቐንቲ ኣካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝቐርበሉ ኩነታት ክፈጥሩን ንሰራሕተኛታት ረዲአት ናይ ድሕንነት ውሕስነት ክህቡን ጸዊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ሰላም ንሲቪላዊ ሕብረተሰብ ዝሕልው ፍሉይ ሓይሊ ንከስፍር ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

Last modified on Sunday, 23 June 2024 23:35