ህግደፍ ብዝለዓለ ሰብኣዊ ግህሰት ተኸሲሱ

2024-06-21 20:56:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 533 times

ሱዳናዊ ዶክተር መሓመድ ባብከር

ጉዳይ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ ንክከታተል ቅድሚ 4ተ ዓመታት፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተመዚዙ ኣብ ስራሕ ዘሎ ዶ/ር መሓመድ ባብከር ብ20 ሰነ 2024 ናብ መበል 56 ጠቕላላ ርክብ ናይቲ ባይቶ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ጸብጻቡ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝኾነ ለውጢ የለን ኢሉ፡ ዝርዝር መልክዕ ናይቲ ዝረአ ዘሎ ግህሰታት ከም ዘስፈረ ኣብ ብዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝርዝሩ ኣብ ኤርትራ፡ ጃምላዊ ማእሰርትን ምድጓንን፡ ግዱድ ምስዋር ሰባት፡ ናብ ኣካላዊ ምዝመዛ ዝተሰጋገረ ደረት ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርና፡ ምንፍግ ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ ምስቓይ ዜጋታትን ምግሃስ መባእታዊ ናጽነታትን ሎሚ’ውን ኣብ ኤርትራ ብዝኸፈአ ደረጃ ቀጸልቲ ምህላዎ ኣዕሚቑ ገሊጹ። ንሓቅነት ናይቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብዝምልከት ድማ፡ ብናቱ መንገዲን ብምክትታል ኮሚሽን ሰኣዊ መሰልን በብግዜኡ ዝግምገም ምዃኑ  ኣረጋጊጹ ኣረዲኡ።

ነቲ ካልእ ገጽ ናይቲ ብህግደፍ ዝፍጸም ግህሰት ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ ናይ ፖለቲካ ነጠፍቲ፡ ጋዜጠኛታትን ንሰብኣዊ መሰል ዝግደሱን ኤርትራውያን  ድምጺ ኣብ ዲያፖራ ንምዕፋን ዘካይዶ ምንቅስቓሳት ኣቃሊዑ። ነዚ ንምትግባር ነቶም ነጠፍቲ ንምፍርራሕ፡ ኣብ ህይወቶም ስግኣት ንምፍጣር፡ ካብ ሰባት ንምንጻልን ቆንስላዊ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ ንምግባርን ከም ዝጥቀምን እዚ ተግባራቱ ኣብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣሉታዊ ተጽዕኖኡ ሓያል ምዃኑን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።  ምስዚ ኣተሓሒዙ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ከም ዘተሓሳስቦ ብምጥቃስ፡ ሃገራት ምስቶም ኣብኣተን ዘለዉ ኤርትራውያን ክተሓባበራ ጸዊዑ።

ሕብረተሰብ ዓለም ብጉዳይ ጸጥታን ድሕነትን ኤርትራ ንክግደስ ጸዊዑ፡ ኤርትራውያን ግዳያት ፍትሒ ንክረኽቡ ዓለም ለኻዊ ተጽዕኖ ንክሕይል ዘለዎ ተስፋ ኣስፊሩ። እዚ ኣብ 2020 ዝተመዘ ባብክር ኣብዚ መበል 56 ኣኼባ እውን ንቀጻሊ ሓደ ዓመት መዝነቱ ንክሕደሰሉ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኽበ ብሃብቶም ዘርኣይ ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዘቕረቦ ቃል፡ ካብቲ ብሕብረት ኤውሮጳ እውን ዝተደገፈ ንህልዊ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ብምህዳምን ጓል ነገር ብምፍጣርን ብዛዕባ ኣመጻጸኣ ናጽነት ኤርትራን ኣድላይነት 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣትን  እዩ ተዛሪቡ።

 

Last modified on Friday, 21 June 2024 23:05