መግለጺ መሪር ሓዘን

2024-05-24 07:54:31 Written by  ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 515 times

ሓርበኛ ተቓላሳይ ብጻይና ተስፋማርያም ክብረኣብ ብ21 ጉንበት 2024 ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ሮይትሊንገን  ዓሪፉ፡ ዝብል ዘሰንብድ ዜና  ብመሪር ሓዘን ተቐቢልናዮ።  ሓው ተስፋማርያም ክረኣብ ኣብ መወዳእታ 1974 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓአ) ተሰሊፉ። ከም ኩሎም መንእሰያት መባእታዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ምስ ተኸታተለ ድማ  ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ሓርነት ኣብ ሓይሊ 662 ጋሽ ተመዲቡ ተቓሊሱ።

ድሕሪቲ ብ1975 ዝተኻየደ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ብሓፈሻ ናብ ቤት ጽሕፈት ምጣነ-ሃብቲ ብፍላይ ከኣ በቲ ዝነበሮ ትምህርትን ሞያን ኣብ ክፍሊ ሕርሻ ተመዲቡ ኣብ ዓሊ ግደር ተኽረረትን ካልእ ቦታትን፡ ኣገልጊሉ። ደሓር ድማ ንሕርሻ ዝምልከት መጽናዕቲ ንምክያድ ናብ ኣውራጃ ሳሕል ኣምሪሑ። ድሕሪቲ ንዓመት ምሉእ ዝተኻየደ ውግእ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምቕይያሩ ከኣ፡ ምስቲ ሕጋዊ ሸነኽ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ወጊኑ ካብ ቃልሲ ደው ኣይበለን። ብ1985 ናብ ሃገረ ጀርመን ተሰዲዱ ንዝጀመሮ ናይ ቃልሲ ጎድና ቀጸለ። ኣብ ስደቱ ቃልሲ ብምቕጻል ኣብ ተሓአ-ሰውራዊ ባይቶ ብ1992 ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ መሰረታት ኣባል መሪሕነት ዞባ ጀርመንን ኣባል ኣካያዲ ሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበር መንእሰይ ኤርትራ ተሓኤ- ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ ክሳብ 2003 ዓ.ም. መሪሕ  ግዲኤም ካብ ዘበርከቱ ሓደ እዩ።

ኣብ 2003 ኣብ ሰውራዊ ባይቶ ብዝሳዓበ ፖለቲካዊ ምቕይያራት ከይሰልከየ፡ ዳግመ ውደባ ተገይሩ ዞብዊ ስርርዕ ድሕሪ ምክያዱ፣ ንነዊሕ ግዜ ኣባል መሪሕነት ጨንፈር ጀርመን ኮይኑ’ውን ተቓሊሱ። ኣብከምዚ ዝኣምሰለ ኲነታት ተስፋማርያም ዝልለየሉ ናይ ቃልሲ መስርሕ ሕግን ሕጋውነትን ምኽባር እምበር ካልእ ስለዘይነበረ ኣብ ዝታሃተን ዝላዓለን ጽፍሕታት ክዋሳእ ሽግር ኣይነበሮን። ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ ድማ ከም ንጡፍ ኣባል ኣብ ምቛም ኮነ ምቕጻል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዝቆመ ዞባዊ ስርርዕን  መኽሰብ ኣልቦ ማሕበርን ብመሪሕ ደረጃ ብትብዓት ተቓሊሱ።

ተስፋማርያም ክብራኣብ ኣብቲ ብ2019 ዓ:ም ዝተኻየደ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ተመሪጹ ኣብ ርእሲ ምምርሑ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምስንዳእ እቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ ብዘይምቁራጽ ኣብ ጀርመን ክካየድ ዝጸንሐ ፈስቲቫል ኤርትራ ኮነ ብውድብን ሰልፍን ኣብዝቆማ ሽማግለታት ተመዚዙ ልሉይ ግደ ነይርዎ። ተስፋማርያም ኣብ ዝተመዘዞ ስራሕሕ ምቕሉልን ተወሃሂዱ ዝሰርሕን በዓል ጽኑዕ መርገጽ ነይሩ።

እነሆ ከኣ ከም ኩሎም ቅድሚኡ ዝተሰውኡ ብጾት፡ ኣብታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለላ ሃገር ኤርትራ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ ዕድል ዘይረኸበ  ተቓላሳይ ኮይኑ ኣብ ሃገረ ጀርመን 27 ጉንበት 2024 ዓመድ ኣዳም ክለብስዩ።

ሎሚ ንቃልሲ ነብሰ-ይምሃር ተስፋማርያም ክንዝክር እንከለና፣ ግደ ናይታ ካብ ጎኑ ከይተፈልየት ጉዕዞ ናይ ቃልሳ ዝቐጸለት ብጸይቲ ሕርይቲ ተኺኤ ከይዘከርን ክንሓልፍ ኣይንደልን። ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይቲ መሪር ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኑ እናገለጸ፡ መሪሕነቱን መሰረታቱን ንስዉእ ብጻይና መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ኣኻእሎን ይሃበና ይብል።

ተስፋማርያም ኣብ ቃልሲ ብዘበርከተ ግደ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ካብ ኣብራኹ ብዝወጹ ደቁ፣ ሮቤል፣ ልድያ፣ ሓበንን ሴምን እንዳተዘከረ ክነብር እዩ። ደጊምና ጽንዓትን ጽሮትን ይሃቦም።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ

Last modified on Friday, 24 May 2024 10:07