ማይክ ሃመር ምስ መራሕቲ ተቓውሞ ኦሮሞ ተራኺቡ

2024-05-15 12:48:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 416 times

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ምስ ፍሉጣት መራሕቲ ተቓውሞ ኦሮሞ ተራኺቡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዘሎ ምዕባለታት ከም ዝተመያየጠ  መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እቶም ብ13 ጉንበት 2024 ምስ ማይክ ሃመር ተራኺቦም ዝተመያየጡ፡ ፕሮፌሶር መራራ ጉዲና ኣቦመንበር ኦሮሞ ፈደራላዊ ኮንፈደራሽንን ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኣቦመንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ምዃኖም እቲ ዜና ተቒሱ።

ድሕሪቲ ርክብ፡ ምስ ኣዲስ ስታንዳርድ ቃለ መጠይቕ ዘካየደ ፕሮፌሶር መራራ ጉዲና፡ ነቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ብሓፈሻ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ምዕባለ ክልል ኦሮሚያ ኣድላይ ሓበሬታ ከም ዘስነቖ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ፕረፎሴር መረራ ጉዲና፡ ንማይክ ሃመር ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሕሰብ ዘሎ መስርሕ ሃገራዊ ምይይጥ ኣካቢ ስለ ዘይኮነን ህዝቢ ኢትዮጵያ እምነት ስለ ዘየሕደረሉን ናብ ዘብጸሓ የብሉን ኢልዎ።

ብዘይካዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ከተማ መቂ ዝተቐትለ ሓደ ካብ መራሕቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝነበረ በተ ኡርገሳን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝሓቁ ዘለዉ ናይቲ ግንባር ሓለፍትን እውን ኣጀንዳኦም  ከም ዝነበረ ተፈሊጡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ምስ ዳውድ ኢብሳ ዝተገብረ ርክብ ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣዲስ ኣበባ ምንባሩ ወሃቢ ቃል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ለሚ ገመቹ ሓቢሩ።

ዳውድ ኢብሳ ብወገኑ ኣብቲ ምስ ማይክ ሃመር ዝገበሮ ዓሚቕ ርክብ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ዘሎ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ይሓልፎ ብዛዕባ ዘሎ ኣጸጋሚ ፖለቲካዊ ኩነታት ከም ዝብረሀ እቲ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ። ዳውድ ብዛዕባ ብህጹጽ ምፍታሕ ናይቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝማስኑ ዘለዉ ኣባላት መሪሕነት ግንባሩ ከም ዘልዓለ ከኣ ተፈሊጡ። ማይክ ሃመር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ 19 ጉንበት 2024 ከም ዝጸንሕ ምግላጽና ዝዝከር እዩ።

Last modified on Wednesday, 15 May 2024 15:09