ኣብ መጽናዕቲ ዝተመስረተ፡ ንህግደፍ ዘቃልዐ ጸብጻብ ማርቲን

2024-05-14 20:35:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1332 times

ናይታ ብ1993 ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ኤርትራ መራሒ ኢሳያስ ኣፈውርቂ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን  ብገንዘብን ፖለቲካን ክድግፍዎ ሓያል ተጽዕኖ ከም ዝፈጥር ተመራማሪ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ደራስን፡  ማርቲን ፕላውት ከም ወትሩ ንህግደፍ  ኣብ ናይ ዕለት 14.05.2024 ጽሑፉ ኣቃሊዑ። ነዚ ንምትግባር ድማ በቲ እንኮ ሰልፊ ኣብ ኤርትራ ህግደፍን ኤምባሲታቱን ዝዳልውዎ መድረኻት ፈስቲቫል ከም ዝጥቀም ገሊጹ።

እዞም ገንዘብ ዝእከበሎምን  ፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳ ዝካየደሎን መድረኻት ህግደፍ ብወተሃደራዊ ስምዒት ዝተጸልዉ ምዃኖም ዝጠቐሰ እቲ ክኢላ፡ ኣብቲ መድረኻት ህግደፍ  ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸድኑን ናይ ሓሶት ብረት ዝዓተቑን ህጻናት ነቲ ካብ ዓለም ብጨቋንነቱ ዝተፈልጠ መንግስቲ ንምድጋፍ ምርኢት ከም ዘቕርቡ  ሓቢሩ። እቲ መድረኻት ተቓወምቲ ንከይኣትዉዎ፡ ኢሪ-ብላድ፡ 4ይ ግንባርን 52ን ብዝበሃሉ ናይ ህግደፍ ዕሱባት ከም ዝሕለው ከኣ ኣስፊሩ። እዞም ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ኣብ ከባቢቲ መእከቢ ኣዳራሻት፡  ንመንግስቲ ኤርትራ ዝነቕፉ ከይሓልፉን  ከይሳተፉን  ከም ዝኽልክሉን ዝሃርሙን ከኣ ጠቒሱ።

እቲ ፈስቲቫላት ብደገፍቲ ህግደፍ ማሕበረ-ኮማትን መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያንን እውን ዝዳሎ ኮይኑ፡ ምቁጽጻሩ ግና ኣብ ትሕቲ ልኡኻት መንግስቲ ኣስመራ እዩ። ነቲ ፈስቲቫል ዝኸውን ኣደራሻት ካብ ዘይጥርጠሩ ትካላትን ከባብያዊ ምምሕዳራት እዮም ዝካረዩ። ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝርከብሉ ከባቢ ምምራጽ ከኣ ሓደ ካብቲ ዝመርጽዎ ተንኮለኛ ስልቲ  ምዃኑ ኣብቲ ሓጺር ጸብጻብ ማርቲን ፕላውት ተሓቢሩ።

ካብቲ መድረኻት ፈስቲቫልን ተመሳሳሊ ኣኼባታትን ዝእከብ ገንዘብ ኣብ ቻይና ወይ ሩሲያ ናብ ዘሎ ናይቲ መንግስቲ ናይ ባንክ ሕሳባት እዩ ዝመሓላለፍ። እቲ ፈስቲቫላት ናይ ጽልኢ መደረታት ዝንጸባረቕሉ እውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ በቶም ኣብ ሓለዋ ዝሳተፉ ዝተባህሉ ጉጅለታት ኣቢልካ፡ ናይ ኤርትራውያን ዲሞክራሲያዊ መሰላት ምግሃስ ይካየድ። እዞም በቲ ኣስመራ ዘሎ መንግስቲ ዝምልመሉን ዝምወሉን ሰለይቲ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ህውከት ናይ ምፍጣር ሕቡእ ተልእኮ  ኣለዎም።

ማርቲን ከም ዘስፈሮ ናይቲ ደገፍቲ ህግደፍ ዝተዋፈርሉ ተንኮላት ነጸብራቕ ኣብ ሃገራት፡ እስራኤል፡ ኔዘርላንድስ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጀርመንን ኣሜሪካን ተራእዩ እዩ። እቶም ህግደፍ ዘዋፍሮም ዓመጸኛታት ኮነ ኢሎም  መሰሎም ንምግፋፍ ግዳይ ዝገብርዎም ኤርትራውያን፡ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት፡ ደለይቲ ፍትሒ፡  ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ንለውጢ ዝጽዕቱ  ጋዜጠኛታትን ምዃኖም ኣብቲ ዜና ጠቒሱ። ኣንጻርቲ ኣብ ኤርትራ ዝዓረደ ተንኮለኛ ጉጅለ ዝግበር ቃልሲ ንምኹላፍ ድማ ኣንጻር ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ቅትለትን መጭወይትን፡ ምግሃስ መሰረታዊ መሰላትን ኮነ ኢሎም ይንቀሳቐሱ። ናይዚ ኩሉ ድምር  ሸቶ ከኣ ዘይሩዘይሩ ተቓውሞ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንምብርዓን እዩ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ  ዘይሰብኣዊ ምንቅስቓሳት ህግደፍን ደገፍቱን ንምግኣት ሃገራት ክወስደኦ ይግበአን ዝበሎም ስጉምትታት ዘርዚሩ። በዚ መሰረት፡ ብዛዕባቲ ጉዳይ ሓበሬታ ዝቐርበሉ መስመራት ምኽፋት፡ ናይቲ ጉጅለ ግብራዊ ንጥፈታት ምግታእ፡ ኣብቶም ዕግርግር ዝፈጥሩ ባእታታት ምጽራይ ምክያድን ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝተጸንዐ እገዳ ምክያድን ዝብሉ ሓሳባት ኣስፊሩ።

Last modified on Tuesday, 14 May 2024 23:01