ኣብ ፖርት ሱዳን፡ ኣንጻር ኣንበሳደር ኢማራት ሰልፊ ተኻይዱ

2023-12-02 11:46:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 466 times

ኣብ ጐደናታት ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን፡ ብ1 ታሕሳስ 2023 ኣንበሳደር ሕቡራት ዓረብ ኢማራት  ንክስጎግ ዝሓትት ሰልፊ ከም ዝተኻየደ ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢረን። ተሳተፍቲ ናይቲ ሰልፊ ኢማራት፡ ነቲ ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ብጀነራል ሐመቲ ዝምራሕ ፍሉይ ተወርዋሪ ሓይሊ ብምሕጋዛ ከሲሶማ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ እቶም ተሰለፍቲ ናብ መንበሪ እቲ ኣንበሳደር ንከይኣትዉ ናብኡ ዝወስድ ጐደና ክዓጽዉ ከም ዝተገደዱ እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ተሳተፍቲ ሰልፊ  ንሰራዊት ሱዳን ብምድጋፍን ንኢማራት ብምቅዋምን “ብመራሒ ሱዳን ዝእዘዝ ሓደ ሰራዊት ጥራይ” ዝብል ጭረሖ ከም ዘቃልሑ’ውን ተፈሊጡ።

ፖርት ሱዳን ኣብዚ እዋንዚ ድሕሪ ኣብ ካርቱም ውግእ ምብርዑ፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ማዝያ 2023 ንደሓር ማእከል ናይቲ ብጀነራል ኣብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ  መንግስቲ ኮይና ዘላ እያ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ብማሕበራዊ መራኸብታት ሱዳን፡ መንግስቲ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣንጻር ኢማራት መርገጽ ንክወስድ ክካየድ ዝጸንሐ ጐስጓስ ስዒቡ ዝተኻየደ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ምኽትል ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ያሲር ኣል ኣታ፡ ንሕቡራት ዓረብ ኢማራት “ማፊያ” ብዝብ፡ ቅጽል ብመንገዲ ቻድን ኡጋንዳን ነቲ ብጀነራል ሐመቲ ዝምራሕ ሓይሊ ኣጽዋር ተቕርብ ኣላ ዝብል ተሪር ክሲ ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብቲ ንክሊማዊ ለውጢ ብዝምልከት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኢማራት ዝተኻየደ ኣኼባ ከምዘይተሳተፉ ተፈሊጡ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ናይ ከባቢና ኣሰላልፋ፡ በቲ ሓደ ወገን ሱዕዲያ፡ መንግስቲ ሱዳንን ኤርትራን በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ኢማራት፡ ኢትዮጵያን ብጀነራል ሐመቲ ዝምራሕ ተወርዋሪ  ሓይሊ ሱዳንን ኮይኖም ይጠማመቱ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

Last modified on Saturday, 02 December 2023 12:52