ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና ኣኼባ ኣካይዳ

2023-12-01 21:51:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና Published in EPDP News Read 466 times

ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ1 ታሕሳስ 2023 ኣኼባ ኣካይዳ። ምምሕዳር ዜና ኣብ ኣኼባኣ ናይ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ስረሓታ ክትግምግም እንከላ ኣብ ዓመታዊ ትልሚ ስራሓታ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ መጻኢ እትሰርሖ ድማ ኣሚታ።

ኣብቲ ገምጋም ብኹለን ናይ ሰዲህኤ ልሳናት፡ መስርሕ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2023 ዝተቓንዐ፡ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤን ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርትን ብግቡእ ከም ዝተቓልሐ ተገንዚባ። ድሕሪኡ እውን ኣብቲ ጉባአ ዝጸደቑ ፖለቲካዊ ውሳነታት፡ መድብ ዕዮን ካለኦት ሰነዳትን ናይ ምብራህ ሰረሓት ተካይድ ከም ዘላ መዚና። በቲ ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ደረጃ ብዘለዉ ኣካላት ሰልፊ፡ በብግዜኡ ዝወጹ መግለጽታትን ናይ ዝተኻየዱ ኣኼባታት ዜናዊ ጸብጻባትን ከተቃልሕ ከም ዝጸንሐት’ውን ተረዲኣ።

ብዘይካዚ መተካእታ ዘይብሉ ዕማም ኮይኑ ብዛዕባ ዝጸንሐን ዘሎን ምምስራት ናይ ሓባር መቃለሲ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንጉዕዞ  ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ግደ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ መስርሕን ዝምልከቱ መደባት  ድማ ብፍላይ፡ ብዘይምሕላል ንህዝቢ ትሕብር ከምዘላ እቲ ኣኼባ ተገንዚቡ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ምቅላዕ ጸረ-ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኸፈቶ ኣፍደገ ተኸቲሉ ዝጽሕትሮ ዘሎ ኣዛራብን ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ዛዕባ’ውን ልሳናት ሰዲህኤ ከቃልዐኦ ዝጸንሓ ምዃኑ ኣብቲ ኣኼባ ምምሕዳር ተገምጊሙ።

ኣኼባ፡ ዜናዊ ስረሓት ኣብ ምሕያል ብደረጃ መሪሕነት ክማልኡ ዝበሎም መሳርሕታት ዳህሲሲ። ምስኡ ከኣ ሰራሓት ዜና ብባህሪኡ ናይ ብዙሓት ዕማም እምበር፡ ናይ ውሱናት ጥራይ ከምዘይኮነ ብምርዳእ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ብፍላይ፡ በሃግቲ ለውጢ ኤርትራውያን ድማ ብሓፈሻ ኣብ ምሕያል ልሳናት ሰዲህኤ እጃሞም ከበርክቱ ጸዊዑን ናይ መጻኢ  ኣተኩሮ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ኣሚቱን።

Last modified on Friday, 01 December 2023 23:08