ስዊዘርላንድ ተቐባልነት ዘይረኸቡ ኤርትራውያን ናብ 3ይ ሃገር ከተስግር መደብ ኣለዋ ተባሂሉ

2023-03-26 21:08:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 713 times

ስዊዘርላንድ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ተቐባልነት ዘይረኸበ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምስግጋር እማመ ከም ዘለዋ ሬድዮ ኤረና ምንጭታታ ብምጥቃስ  ሓቢራ። ነቲ እማመ ዘቕረቡ ስዊዘርላንዳዊ ቆንስል ዳምያን ሚዩለር፡ ነቶም ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ቅሩባት ዝኾኑ ምፍናው ቀዳምነት ከም ዝወሃብ ጠቒሶም፡ ድሕሪዚ ዝስራዕ መደብ ከኣ ናብ ዘይጠቐስዋ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምስግጋር ምዃኑ ምሕባሮም እቲ ዜና ኣረዲኡ። እዚ ናይ ምስግጋር መደብ ብዝበዝሑ ኣባላት ቆንስላኳ ተቐባልነት እንተረኸበ፡ ክትግበር ነዊሕ ግዜ ከም ዝወስድ ዝተወከሰቶም ኣካላት ከም ዘረጋገጹላ  እታ ሬድዮ ጠቒሳ።

እቶም ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝጥረዙ ዜጋታት ከምዘይቅበል ጠቒሶም፡ ክሳብ ወርሒ ለካቲት 2023 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ፡ 336 ናይ ዑቕባ መሰል ዝተነፍጎም ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ምስዚ ብዝተሓሓዘ ኣቐዲማ፡ ኤርትራውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ንክትቅበል ምስ እስራኤልን ዓባይ ብሪጣንያን ክትሰማማዕ ዝጸንሐት ሩዋንዳ፣ ከም ቀዳመይቲ ምርጫ ናይቶም ኣባል ቆንስል ስዊዘርላንድ ጠመተ ከም እትኸውን ድማ እቲ ዜና ጠቒሱ። ሩዋንዳ ከም ኣምሳያ ናይቲ ብቕዓት ዘይብሉ ናይ ስደተኛታት ኣተሓሕዛኣ፣ ብርክት ዝበለ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ክትረክብ ጸኒሓ እያ። በዚ ድማ ንጉዳይ ንስደተኛታት ከም ምንጪ ኣታዊ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ትጥቀመሎም ኣላ ዝብል ክሲ ክቐርባ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ 2021 ምስ ናይ ስዊዘርላንድ ዝመሳሰል ውሳኔ ዘሕለፈት ዴንማርክ፡ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥራዝ መስርሕ ብወግዒ ከምዘይጀመረት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፈረንሳ’ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ስደተኛታት ክረኽብዎ ዝጸንሑ መሰላት ዝገትእ ውሳኔ ከተሕልፍ ኣብ ምድላው ከምዘላ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

Last modified on Sunday, 26 March 2023 23:14