ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ኮይኑ

2023-03-24 17:55:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 851 times

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንክኾኑ ዘካየዶ ምርጫ ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ረኺቡ ከም ዝጸደቐ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር  ኢትዮጵያ ብ23 መጋቢት 2023 ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

 ምርጫ ኣቶ ጌታቸው ረዳ  ብደረጃ ፈደራል ተቐባልነት ዝረኸበ፡ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ብሕገመንግስቲ ናይታ ሃገር ዓንቀጽ 6/9ን ብኣዋጅ ቁጽሪ 259/1995 ኣብ ትግራይ ግዝያዊ መንግስቲ ንክምስረት ብዘውጸኦ ኣዋጅን መሰረት  ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ኮይኑ ትግራይ ክመርሕ ዝጸንሐ ዶ/ር ደብረጼን ገብረሚካኤል፡ ድሕሪ ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ  ምውጻኣ መግለጺ ሂቡ። ኣብ መግለጺኡ፡ ንናይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከም ፕረሲደንት ትግራይ ምምዛዝ ዘለዎ ደገፍ ጠቒሱ፡ ህወሓት ባህግታት ህዝቢ ትግራይ ንምምላእ ቃልሳ ከም እትቕጽል ብምጥቃስ ገሊጹ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ብ24 መጋቢት 2023 በኹሪ መግለጺ ሂቡ። ኣብቲ መግለጺኡ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ዝወረደ ዕንወት ብምዝርዛር ኣስፊሩ። እቲ ዕንወት ኣብ መጻኢ ዳግመ-ህንጸት ትግራይ ዓብይ ብደሆ ከም ዝኸውን እውን ጠቒሱ። ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ መኸተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓድን ወጻእን ንዘርኣይዎ ጽንዓት ንኢዱ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ናብ ራህዋ ናብ ዝወስድ ሓድሽ ምዕራፍ ኣትዮም ከምዘለዉ ሓቢሩ። ኣብ ርእስ’ቲ ሰፊሕ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህንጸት፡ ምምላስ ሕገመንግስታዊ መሬት ትግራይ፡ ሕቶ ውጉኣት ምምላስን ተመዛቢሎም ዘለዉ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስን ቀዳምነት ዝሕዙ መደባት ምዃኖም ኣመዝጊቡ። ምስ ጐረባብቲ ትግራይ ናይ ሰላም ሃዋህው ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ ከኣ ጠቒሱ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ መግለጺኡ ከጠቓልሉ እንከለዉ ድማ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይ፡ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ድልዊ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ናይ ሰላም ስምምዕ ንክብጻሕ ንዝጸዓቱ ወገናት ኣመስጊኑ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ኩሎም ወገናት ኣብ ዳግመ-ህንጻ ትግራይን ምስራጽ ሓድሽ ኣተሓሳስባን ምስ’ቲ ግዝያዊ ምምሕዳር  ንክተሓባበሩ ጸዊዑ።

Last modified on Friday, 24 March 2023 19:08