ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ስምምዕ ከቲሞም

2022-11-12 20:36:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 716 times

ብፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያን ብሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተመርሐ ወተሃደራዊ ልኡኽ ክልል ትግራይን ብ12 ሕዳር 2022 ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ንኣፈጻጽማ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሮተርያ ዝምልከት ናይ ኣተገባብራ ስምምዕ ሰነድ ከም ዝኸተሙ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ብቐጥታ ኣመሓላሊፈናኦ።

እቲ ናይ ናይሮቢ ስምምዕ፡ ኣብቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ተመስሪቱ፡ ኣብ ትግራይን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ክልላትን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት ሰብኣዊ ረዲአት ብቐጻሊ ክቐርብን፡ ኣብ መስርሕ እቲ ምቕራብ ሰብኣዊ ረዲአት ንሰራሕተኛታትን ትካላት ሰብኣዊ ረዲአት ኣድላይ ዝኾነ ሓለዋ ክግበረሎም ኣረጋጊጹ። ብዘይካዚ  ንምንቅስቓስ ሲቪል ወገናት እውን ኣድላይ ናይ ሰላም ውሕስነትን ሓለዋን  ንክግበረሎም ኣብቲ ስምምዕ ተጠቒሱ። እቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ቀጻሊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ክጸንዕ እውን ኣብቲ 6 ገጻት ዝሓዘ ክልቲኦም ወገናት ዝኸተምሉ  ስምምዕ ሰነድ ሰፊሩ ኣሎ።

ነቲ ካብ 7 ክሳብ 12 ሕዳር 2022 ድሕሪ ምዝታይ ዝተበጽሐ ናይ ኣተገባብራ ስምምዕ ምስ ከተሙ፡ ናይቲ ወተሃደራዊ ልኡኻት መራሕቲ ሓጸርቲ ቃል ኣስሚዖም። በዚ መሰረት ፊልድ ማርሻ ብርሃኑ ጁላ፡ እቲ ዘተ ብጽቡቕ መንፈስ ከም ዝተኻየደ ጠቒሱ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ድልዉነት ኣረጋጊጹ። ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ብኣዝዩ ከቢድ መከራን ጨንቅን ከሕልፍ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ።

ኣተሓሒዙ ድማ እዚ ንኽትሞ ዘለና ስምምዕ ፡ ንህዝብና ካብቲ ዝጸንሖ መከራ ከናግፎ እዩ ብዝብል ተስፋን ትጽቢትን እዩ ኢሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንረብሓኦም ክብሉ ክዕንቅፍዎ ዝደልዩ ወገናት ከም ዝህልዉ ጠቒሱ፡ እቲ መፈራርምቶም ወገን፡ ህውከት ጠጠው ኣብ ምባል ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰብኣዊ ቀረብ ኣብ ምቕጻል እውን ብዘይገደብ ክሰርሕ ጸዊዑ።

ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ፡ መስርሕ ምውራድ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ዝቕጽል ኮይኑ፡ ኣፈጻጽማኡ ግና ከምቲ ቅድም ዝተሓስቦ ብታህዋኽ ዘይኮነ፡ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝትግበር ምዃኑ ኣብቲ ሰነድ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብቲ 6 ገጻት ዝሓዘ ዝርዝር ስምምዕ ኣብ ቁጽሪ 2.1/D ምፍታሕ ከቢድቲ ብረት ዝትግበር፡ ብዘይካ ናይ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ መከላኸሊ ሓይሊ፡ ካልኦት ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ኣብቲ ቦታ  ዘለዉ ኩሎም ዕጡቓትን ምስ ወጹ ዝትግበር እዩ” ብዝብል ሰፊሩ ኣሎ።

ንኣገባብን ኣተገባብራን ናይቲ ስምምዕ እትከታተል፡ ካብ ክልቲኡ ወገናትን ካብ መንጐኛታትን ዝኣባላታ ናይ ሓባር ኮሚተ ከውጽኡ ከም እተሰማምዑ ኣብቲ ዝተኸተመ ሰነድ ሰፊሩ ኣሎ።

Last modified on Saturday, 12 November 2022 21:48