ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ ሕጂ’ውን ኣብ ሓደጋ ምስጓግ ይርከቡ

2022-03-27 18:26:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 848 times

ኣምኒስተ ኢንተርናሽናል ሰብ መዚ ግብጺ፡ ኤርትራውያን ተገዲዶም ናብ ሃገሮም እንተተመሊሰሞም ምስቓይን ካልእ ኩሉ ዓይነት ግህሰትን ስለ ዘጋጥሞም  ካብ ምስጓጎም ከቋርጹ ጸዊዑ።

ኣምኒስቲ ግብጻውያን ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዓለምለኻዊ  ሕጊ ብምጥሓስ 31 ኤርትራውያን ኣገዲዶም ናብ ኤርትራ ከም ዝመለሱ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ እውን ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ኣስዋን ህጻናትን ቆልዑን ዝርከብዎም 50 ኤርትራውያን ኣብ ናይ ምስጓግ ሓደጋ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዞም ግዳያት ናይ ስደተኛ መስልን ጉዳዮም ከረድእሉ ዝኽእሉ ዕድልን ከም ዘየብሎም ድማ ኣምኒስቲ ገሊጹ።

እዚ ተግባር ንግብጺ ብጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ሕማቕ ምስሊ ስለ ዝኾነ፡ ብቕልጡፍ ክቋረጽ ይግበኦ ዝበለ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ዝተመልሱ ግዳያት፡  ተገዲዶም ከም ዝተመርመሩ፡ ብጃምላ ከም ዝተኣስሩን ዝተሳቐዩን ከም ዝተፈልጠ  ኣዘኻኺሩ። ፍሊፕ ሉተር ተመራመርን ተማጓትን ሰብኣዊ መሰል ዲረክተር ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣምኒስት ኢንተርናሽና፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ግብጺ ንኤርትራውያን መሰል ሓታቲ ዑቕባ ከኽብርሎምን ኣገዲድካ  ምምላሶም ከቋርጹን ይግበኦም ኢሎም።

እዞም ኣብ ግብጺ ዝእሰሩን ዝስጐጉን ዘለዉ ህጽናት ዝርከብዎም ኤርትራውያን ግዳያት፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከምዘይክሰሱ፡ ብጨካን ኣገባብ ከም ዝተሓዙ፡ ንወዲ ሰብ ዝተፈቕደ መሰረታዊ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ጽሬትን ክዳንን ከም ዘይረኽቡ እዚ ናይ ኣምኒስት ጸብጻብ ኣቃሊዑ። ሰብ መዚ ግብጺ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቑጠቡ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንዝቐርቦም ምሕጽንታ ክነጽግዎ ከም ዝጸንሑ እውን ተፈሊጡ።

ኣምኒስት ተኸታቲለዮ ኣለኹ ከም ዝበሎ፡ ኤርትራውያን ቅድሚ ምስጓጎም ናይ ጉዕዙ ሰነዳት ክወስዱ ተግዲዶም ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካይሮ ይውሰዱ፡ ሕክምናዊ መርመራ ይገብሩ፡ እዚ ኩሉ  መስርሕ ክካየድ እንከሎ ምስ ዝኾነ ኣካል ክራኸቡ ስለ ዘይፍቀደሎም ነቲ መደብ ምሱጓግ ኣቐዲምካ ምፍላጡ ከም ዘጸግም ሓቢሩ።

ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፎም ክሃድሙ ካብ ዝግደድሉ ምኽንያታት፡ ገደቡ ዘይፍለጥ ግድዱ ውትድርና ሓደ  ምዃኑ እዚ ካብ ኣምኒስት ዝተረኽበ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ተገዲዶም ዝተመልሱ ኤርትራውያን ብስንኪ ዘጋጥሞም ስቓይን ካልእ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ኣብ ዝለዓለ ስግኣትን ቅልውላውን ከም ዝወድቁ ብደረጃ  ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ከም ዝፍለጥ ኣረዲኡ።

ኣምኒስት ንድሕሪት ምልስ ኢሉ፡ ኣብ  ወርሒ ሕዳር 2021 ኣብ ግብጺ 20, 778 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ተመዝጊቦም ምንባሮም ጠቒሱ፡ ሽዑ ዘይተመዝገቡ ኤርትራውያን ስለ ዝነበሩ እቲ ኣሃዝ ካብኡ ንላዕሊ ከም ዝነብር ኣዘኻኺሩ። ኤርትራውያን ናብ ግብጺ ብደቡባዊ ወሰናስን ናይታ ሃገር እዮም ዝኣትዉ።

Last modified on Sunday, 27 March 2022 20:38