ጨናፍር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሃገረ ሽወደን ንታሪኻዊት ኣህጉራዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብምዉቅ ምስዮት ኣብዒሎምዋ

2022-03-12 14:35:00 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 830 times

ብዕለት 11መጋቢት 2022 ዓ.ም.ፈ. ክልቲኤን ጨናፍር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሃገር ሽወደን ንክብሪ 8ተ መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምዝካር ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ዙም ተራኺቦም ምዉቅ ምስዮት ኣካይዶም። ኣኼባ ብክልቲኦም ኣቦ መንበራት ሓጺር ምሕዝነታዊ መግለጺ ድሕሪ ብምሃብ ፡ ንኣባል ፈጻሚት ሽማገለ ብጻይ መብግስተኣብ ኣስመሮም ዕድል ተዋሂቡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ታሪኻውን ባህላውን ግደ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ስሉስ ዓለምን ምዕራባውያንን ዘሎ ፍልልይ ጠቂሱ ብፍላይ ኣብ ሃገርና ዘሎ ብሰንኪ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ጉጉይ ምምሕዳርን ነታ እምነ መሰረትን መበቆል ሕብረሰብ ዝኾነት ኳዕናን ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ኣዝዩ ኣሰካፊ ሃስያታት ጠቂሱ ንኣባላት ሰ.ዲ.ህ. ኤ. ዘወፍዮኦ ዘሎዋ ተባዕ ቃልሲ ኣመስጊኑ ንቀጻሊ ከኣ ኣብ ጎድነን ከም ዘሎ ቃል ኣትዩ። ቀጺሉ ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያቆብ ብኣዝዩ መሳጢ ዝኾነ ኣገባብ ህልዊ መሪር ሃለዋት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ገሊጻ ፡ ብተወሳኺ ሓዲሽ ተረኽቦ ኣብ ስደት ዝጋጠም ዘሎ ምስ ባህልናን ታሪኽናን ዘይዛመድ ጨካን ቅትለታት ኣምሪራ ገሊጻ ብኸመይ ይፍታሕ  እንታይ ክግበር ኣለዎ እውን ኣንፈት ብምሃብ ንተሳተፍቲ ክልተ ነጥበ መበገሲ ንክትዕ ብምቅራብ ንሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ መግለጺ ምሕዝነታዊ መልእኽትታትን ክትዕን ብምክያድ ሃነጽቲ ርእይቶታትን ለወባታትን ብምሃብ ኣኼባ ተዛዚሙ።

Last modified on Saturday, 12 March 2022 15:41