ኢትዮጵያ፡ ምስ ህወሓት ንምዝታይ፡ መንጎኝነት ደቡብ ሱዳን ተቐቢላ

2021-10-09 21:20:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1190 times

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡  ነቲ ደቡብ ሱዳን ንመንግስቶምን ህዝባዊ ወያነ ሕሃርነት ትግራይን  (ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ) ከተዛቲ  ብኢጋድ ዝቐረበ  ሓሳብ ከም ዝተቐበልዎ፡ ሱዳን ትሪቡን ብ8 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝዘርገሓቶ ዜና ሓቢራ።

ደቡብ ሱዳናዊ ፕረሲዳንታዊ ወሃብ ቃል፡ ኣተኒ ወክ ኣተኒ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ብምብራቕ ኣፍሪቃዊ ዞባዊ ኣካል ኢጋድ ዝቕረበ ንደቡብ ሱዳን ነቲ ኣብ  ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ጸገም ንምህዳእ  ከም ብቕዕቲ  ኣዛታይት ዝመዘዘሉ  ሓሳብ ብወግዒ ከም ዝተቐበልዎ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 08: ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።

እቶም ደቡብ ሱዳናዊ ፕረሲደንታዊ ወሃቢ ቃል፡ ኣብ ጁባ ንናይ ሕቡራት ሃገራት  ሬድዮ ኤፍ ኤም ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ መስርሕ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብ4 ጥቅምቲ 2021 ናይ 2ይ ዙር መዝነቶም ምስ ተረከቡ ውሱን ዕለት  እዃ እንተዘይጠቐሱ  ብቐጥታ ከም ዝጅመር ሓቢሮም።

ሚራያ ከም ዝጠቐስዎ፡ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ተቐባልነቶም ብኢትዮጵያ ዘረጋገጹ ኣብ ጽንበል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ።  ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2021 እዋናዊ ኣቦመንበር ኢጋድ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ሓምዶክ፡ እቶም ብቑዕ ሰብ ነቲ ዘተ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ምዃኖም ምሕባሮም ዝዝከር እዩ። ናይ ደቡብ ሱዳን ሚኒስተር ዜና ብወገኖም ቀዳማይ ሚንስተር ሓምዶክ ንፕረሲደንት ሳልቫኬር ዝመዘዝሉ  ምኽንያት  ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ርክብ  ስለ ዘለዎም ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ብቑዕ እዮም  ብዝብል ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እቲ ሓበሬታ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህውከት ዝተፈጥረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ውርሒ ሕዳር 2021 ምንቅስቓስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንምቁጽጻር ሓይልታቶም ናብ ትግራይ ምስ ኣዋፈሩ እዩ ክብል፡ ንኣመዓባብላ ናይቲ ኩነታት ጠቒሱ። ድሕሪዚ እቲ ህውከት ምሉእብምሉእ ናብ ሰፊሕ ወግእ ማዕቢሉ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝመዛበለሉ ደረጃ ከም ዝዓረገ  ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ቤት ጽሕፈት ትካል ሰብኣዊ ረዲአት ዝሃቦ ጸብጻብ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋንዚ  ካብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ 250 ሺሕ ካብ ክልልዓፋር ከኣ ክሳብ 112 ሺሕ ዝበጽሑ  ሰባት ብሰንክቲ ውግእ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ከምዘለዉ ኣስፊሩ።

ኣብ መወዳእታ  እቲ ከም ቅድመ-ኩነት ተኹሲ ንምቁራጽን ንዘተን ምውጻእ መልሻ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ ኣቕሪቡ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብዚ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ክመርሖ ዝበሃል ዘሎ ዘተ ብዛዕባ ምስታፉ ዝተፈልጠ ከምዘየለ ጠቒሱ።

Last modified on Saturday, 09 October 2021 23:31