ኣባላት ባይቶ ኣውሮጳ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ምምሕያሽ እንተዘይተራእዩ እገዳ ክግበር ሓቲቶም

2021-10-08 07:46:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1155 times

ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጵ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 እንተዘይተመሓይሹ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ናይቲ ውግእ እገዳ ክውሰን ብ7 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ሓቲቱ።

ብመሰረትዚ ብብዙሓት ማዕከናት ዜና ዝተቃልሐ መጸዋዕታ ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ምግዳድ እቲ ውግእ ኢድ ዘለዎም ኣካላትን እዩ። እቶም ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ንምቕራብ ሰብኣዊ ረዲአት ዘተዓናቕፉ ኣካላት ብቕልጡፍ እዚ ተግባሮም ከቋርጹ፡ ኣብ ትግራይ ሕገመንግስታዊ ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስን ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክብጻሕን ጸዊዖም። ከምኡ እውን ኣብ ካለኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው እንዳበኣሰ ይኸይድ ምህላዎም ኣብዚ ኣኼባኦም ኣመልኪቶም።

እዚ ብ618 ድምጺ ዝተደገፈ፡ ብናይ 4 ድምጺ ተቓውሞን 58 ተዓቅቦን ብብዝሒ ድምጺ ዝተወሰነ ውሳነ ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ፡ እቲ ቀረብ መድሃኒት፡ ነዳድን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ዝኽልክል ዘሎ ዘይዕላዊ ውሳነ ክለዓል፡ እቲ ጉዳይ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።  

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋላኳ እንተዘይተቐበሎ፡ ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ትግራይ ከይቀርብ ከም ዝዕንቅፍ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክኽሰስ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ጥምየትን ካልኦት ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ንምእታው ኣብ ክባ ከም ዘእተዎ ብምጥቃስ እዩ ዝኸስስ።

ኣባላት ባይቶ ኣውሮጳ ኣብቲ ናይ 7 ጥቅምቲ 2021 ኣኼብኦም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እውን  ሰብኣዊ ረድኤት ክግበር ኣዘኻኺሮም፡ ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ንሰላማውያን ዜጋታት ዒላማ ምግባሮም  ኮኒኖም። ትሕቲ ዕድመ  ህጻናት ናብ ኲናት ምምልማል ከምኡ’ውን ኣብቲ ኲናት ንዝፍጸሙ ጾታዊ ዓመጽን ካለኦት ግፍዕታትን እውን ተቓዊሞም።

እቲ ኣኼባ ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ጎረባብቲ ሃገራት ነቲ ኲናት ዘጓሃህር ተግባራት ካብ ምፍጻም ክዕቀቡ ብምምሕጻን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕነት ናይቶም ብሰንኪ ውግእ ዝተመዛበሉ ወገናትን ናይቶም ዛጊት ደሃዮም ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመት ክገብር ተማሕጺኑ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንተኒዮ ጉተረዝ ብ6 ጥቅምቲ 2021 ንኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባቲ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት መብርሂ ሂቦም። ኣብ መብርሂኦም፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ዘጋጥም ዘሎ ሞት ብዝምልከት ዝወጹ ዘለዉ ዘሰንብዱ መረዳእታታት ይውስኹ ምህላዎም ኣመልኪቶም። ህይወት ንምድሓን ናብቲ ክልል ረዲአት ከይበጽሑ ይሰናኸሉ ምህላዎም እውን  ነቲ ቤት ምኽሪ ኣረዲኦም።

Last modified on Friday, 08 October 2021 10:07