ኣሜሪካ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ሻቕሎት ሓዲርዋ

2021-07-29 05:51:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1261 times

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ከም ዘሻቐላ ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊኦም  ዝፍጸም መጥቃዕትን ምፍራራሕን ደው ክብል ጸዊዓ። ወሃቢት ቃል ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጁሊና ኣብ ዝሃበኦ ሓበሬታ፡ "ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምድና ዘለዎም ወተሃደራዊ ሓይልታትን ምልሻን ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣዚና ኢና ተሻቒልና ከም ዝበላ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣፍሊጡ።

እተን ወሃቢት ቃል ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2021 ብወተሃደራት ኤርትራ ቅትለት፡ ጭውያን ኣገዲድካ ናብ ዓዶም ምምላስን ከም ዘጋጠሞም ጠቒሰን፡ ኣብ መጻኢ ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክእደቡ ጸዊዐን። ወሃብ ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ባባር ባሎች ብወገኖም፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብቲ መደበራት ሓደ ስደተኛ ከም ዝተቐትለን፡ ኣብዚ እዋንዚ እቶም ስደተኛታት ብሕጽረት ጽሩይ ማይን ካልእ ከም መግብን መድሃኒትን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ቀረባትን ይጽገሙ ከም ዘለዉ ሓቢሮም። ኣተሓሒዞም ከኣ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ብዛዕባቶም ኣብ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዘለዉ ስደተኛታት ደሃይ ካብ ዝረክብ ሳምንታት ከም ዝሓለፈ ሓቢሮም። እቶም ኣብተን መዓስከራት ዝርከቡ ኣስታት 24 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ወርሓዊ ዝወሃቦም ናይ መግቢ ሓገዝ ካብ ዝቕበሉ ሓደ ወርሒ ስለ ዝኾነ ሓደጋ ጥሜት ኣጋጢምዎም ከም ዘሎ ባባር ባሎች ጠቒሶም።

ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ውግኣት ምቕጻሉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዝለዓለ ሻቕሎት ሓዲርዎ ኣሎ። እቲ ዜና ኣብቲ ከባቢ ውግእ ዘስዓቦ ምፍርራሕን ክትራንን ከም ዘጋጥም’ውን ጠቒሱ። መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈጺሙ ዝተባህለ ምምዝባልን ካልእ በደላትን ከም ዘሻቕሎም ጠቒሶም፡ ብዛዕባ ናይቲ ተግባር ፈጸምቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝመርሖ ናጻ ኣካል ምጽራይ ንክግበር ጸዊዖም ነይሮም።

ብኻልእ ወገን ከኣ ብሰንኪ እቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክመዛበሉ እንከለው፡ ኣብቲ ክልል ኣብ መደበራት ዝነበሩ ኣስታት 55 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣብ ኣሻቓሊ ኩነታት ወዲቖም ከም ዘለዉ እቶም ወሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሓቢሮም።

Last modified on Thursday, 29 July 2021 07:57