ርሑስ በዓል ዒድ ኣል ፈጥር

2020-05-23 23:43:49 Written by  ኣቦ መንበር ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1998 times

ምስ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ተኣሳሲሩ ዝብዕል ዘሎ ዒድ ኣልፈጥር ምኽኝያት ብምግባር፡ ንኹሎም  ኣብ ጾም ሮሞዳን ዝወርሑ  ደቂ ሃገር ምእመናን እስልምና፡ እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈተሓልኩም እናበልኩ፡ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መሪሕነቱን መላእ ኣባላቱን፡ ርሑስ ዒድ ይግበረልና ብማለት ሰናይ ምንዮት ሰዲህኤ እገለጽ።

ኣብዚ ዕለት’ዚ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብሓባር ንመዓልቲ ናጽነት ምኽንያት ብምግባር ዘውጽእዎ ናይ ዮሃና መልእኽቲ፡ ልዑል ደገፍናን ተሳትፎናን እናረጋገጽኩ፡ ነዚ ዓቢ ናይ ተስፋ መግለጺ፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ ክድይብ  ህዝባዊ  ደገፍ ክረክብ ትምኒትናን ሰናይ ድሌትናን እገልጽ።

ምልካዊ ስርዓት ህላዌኡ ዘብቅዓሉ፣ ህዝብና ከምቲ ባህጉ ዕርቅን ሰላምን ዘረጋግጸሉ፣  ቅዋማዊ ሃገር ዝሃንጸሉን ጐደና ምዕባሌ ዝሕዘሉን በዓል ዒድን፡ ጽምብል ናጽነትን ይግበረልና።

ብተወሳኺ ህዝብና ካብ ተላባዒ ዝርጋሐ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻልን  ጥዕናን ድሕነትን ህዝብና ንምሕላውን ክብቅዕ፡ዘይጽንቀቕ ተስፋ ከም ዘሎና እናሓበርና፡ ነዚ ሕማም ኮነ ነቲ ከሳቕየና ዝጸንሐ ስርዓት ስዒርና ነባሪ ዓወት ሃገርና ንምርግጋጽ ንዕጠቕ።

ደጊምና ርሑስ በዓል ዒድን ዕዉት ጽንብል ናጽነትን!

ክንዲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ተስፋይ ደጊጋ

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

Last modified on Sunday, 24 May 2020 01:57