2ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ
2016-08-10 03:25:28 Written by ኣሳናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ Published in EPDP News Read 2243 timesኣሳናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ስራሓታ ብምዕሩግ ኣገባብ ተዳሉ ምህላዋ ተሓቢሩ ኣሎ:: ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ዝተመዘዘት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ እነሆ ድሕሪ ሓያሎይ ርኽክባትን መጽናዕትን: ንነብሳ ኣብ ናይ ዕማም ጉጅለታት ከፋፊላ ክትሰርሕ ብምጽናሕ ኣብ ጽቡቕ ምድላዋት ከምይበጽሐት ኣብ ናይ ዕለት 18ን 25 ሓምለ 2016 ዘካየደቶ ኣኼባታት ኣስመረትሉ:: ኣስዒባ እዚ ታሪኻዊ 2ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ እዚ: ትካላዊ ኣሰራርሓን ዲሞክራስያዊ ተመኩሮን ንምሕያል ንቃለስ!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ጀርመን ንዕለት 11 ነሓሰ 2016 ክጋባእ ምኻኑ ወሲና:: ኣሳናዳኢት ሽማግለ ቀንዲ መሰረታዊ ሰነዳት ስርሓ ንምስራዕ ዘድሊ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ወከልቲ መሰረታት ጨናፍር ኤውሮጳ ምርካቡን ዝተጻፈፈ ኣጀንዳን ሰነዳት ጉባኤን ኣዳልያ ምህላዋ ሓቢራ::
ኣሳናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ