2ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ

2016-08-10 03:25:28 Written by  ኣሳናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ Published in EPDP News Read 2243 times

ኣሳናዳኢት ሽማግለ 2 ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ስራሓታ ብምዕሩግ ኣገባብ ተዳሉ ምህላዋ ተሓቢሩ ኣሎ:: ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ዝተመዘዘት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ እነሆ ድሕሪ ሓያሎይ ርኽክባትን መጽናዕትን: ንነብሳ ኣብ ናይ ዕማም ጉጅለታት ከፋፊላ ክትሰርሕ ብምጽናሕ ኣብ ጽቡቕ ምድላዋት ከምይበጽሐት ኣብ ናይ ዕለት 18ን 25 ሓምለ 2016 ዘካየደቶ ኣኼባታት ኣስመረትሉ::  ኣስዒባ እዚ ታሪኻዊ 2ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ እዚ: ትካላዊ ኣሰራርሓን ዲሞክራስያዊ ተመኩሮን ንምሕያል ንቃለስ!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ጀርመን ንዕለት 11 ነሓሰ 2016 ክጋባእ ምኻኑ ወሲና::  ኣሳናዳኢት ሽማግለ ቀንዲ መሰረታዊ ሰነዳት ስርሓ ንምስራዕ ዘድሊ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ወከልቲ መሰረታት ጨናፍር ኤውሮጳ ምርካቡን ዝተጻፈፈ ኣጀንዳን ሰነዳት ጉባኤን ኣዳልያ ምህላዋ ሓቢራ::

ኣሳናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ

Last modified on Wednesday, 10 August 2016 05:29