ፓርላማ ኢጣልያ፡ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ኤርትራ ባይቶኣዊ ምይይጥ የካይድ

2016-06-01 09:13:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 15041 times

ሽማግለ ወጻኢ ጉዳያት ፓርላማ ኢጣልያ፡ ኣብ 10 ጉንበት 2016፡ ምስ ሓደ ኤርትራዊ ፕሮ-ደሞክራሲ ጕጅለ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ኤርትራ ባይቶኣዊ ምይይጥ ኣካይዱ። ኣብቲ ኣብ ሮማ፡ ኣደራሽ ፓርላማ ኢጣልያ፡ ዚተኻየደ ምይይጥ፡ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ብስም ኤትራዊ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ነዚ ዚስዕብ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ክቡር ኣቦ-መንበር፡ የቐንየለይ፡

ክቡራን ኣባላት ባይቶ፡

ኣብዚ ኣገዳሲ ባይቶኣዊ ምይይጥ’ዚ ቀሪበ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ኤርትራ መግለጺ ከቕርብ፡ ዓቢ ደስታ: አረውን :ፍሉይ ሓበን እስመዓኒ። ብቐዳምነት ድማ: ንሽማግለ ወጻኢ ጕዳያት ባይቶ ወከልቲ ኢጣልያን: ነታ ነዚ እዋናዊ ምይይጥ’ዚ ክዉን ዚገበረት ናይ ነዊሕ እዋን መሓዛይ: ክብርቲ ልያ ኳርታፐለን: ዕዙዝ ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ።

እምበኣርከስ፡ ኣብዚ ሕጽር ዝበለ መኽፈቲ ዘረባይ፡ ኣብዘን ዚስዕባ ኣርባዕተ ነጥብታት ከተኵር እየ፦

1) ባህርይ ስርዓት ኤርትራ: 2) ህሉው ኩነታት ኤርትራ: 3) ኣገዳስነት ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ: 4) ኣድላይነት ኣህጉራዊ ምሕዝነትን ደገፍን ንስሩዕ ደሞክራሳዊ ምስግጋር። ደድሕሪኡ፡ ኣብ ዘገድስኹም ፍሉያት ጕዳያት፡ዝያዳ ዝርዝራዊ ርእይቶታት ክንለዋወጥን ኽእል ኢና።

  1. 1.ባህርይ ስርዓት ኤርትራ
  1. 1.1ታሪኻዊ ውርሻ

እቲ ዝተናወሐን ጽንኩርን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ሃገራዊ ሓርነት ጥራይ ዘይኰነ፡ ማዕረ-ማዕሪኡ :እንተላይ ምእንቲ መሰረታዊ ፖለቲካው፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ለውጢ ኢዩ ተኻይዱ። እቶም ኣብቲ ቃልሲ ንእስነቶም ዘወፈዩ ተጋደልቲ ኤርትራውያን፡ ብሃረርታ’ቶም ገስገስቲ ዕላማታት ሓርነት፡ ማዕርነትን ፍትሕን ተደሪኾም ኢዮም ዝተሰለፉ። ንሕና፡ ምእንቲ ሓርነት፡ ምእንቲ ደሞክራሲ፡ ምእንቲ ራህዋ ኢና ተቓሊስና። እቲ ዘሕዝን ግርንቢጥ ግን፡ ህሉው ኵነታት ኤርትራ ኣንጻር እቲ ዝተቓለስናሉ ገስጋሲ ዕላማታት ምህላዉ ኢዩ። ስለምንታይ፧

  1. 1.2ተቓላሳይ ሓርነት ናብ መሳርሒ ጭኮና ተቐይሩ

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (....): ኣድማዒ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብምህናጽ፡ ንኹሉ ብድሆታት መኪቱ ዓወት ሓርነታዊ ኵናት ምስ ኣረጋገጸ፣ ኣብ ሳልሳይ ዓመትቲታሪኻዊ ዓወት፡ ብህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (....) ምስ ተተክአ፣ ናብ መሳርሒ ጭኮና ተቐይሩ። ክንዲ ዚዀነ፡ ህ.... ካብ ሓደ ኲናት ሃገራዊ ሓርነት ዘካይድ: ኣዝዩ ኣድማዒ ፖለቲኮ-ወተሃደራዊ ውድብ: ናብ ንቡር ስራሓት መንግስቲ ዘመሓድር ብቑዕ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኪሰጋገር ኣይከኣለን። ብሓጺሩ፡ መንግስቲ ብግቡእ ከመሓድር ኣይበቕዐን።

  1. 1.3ፍሽለት ምህናጽ ቅዋማዊ መንግስቲ

ሓደ ገስጋሲ ዚነበረ ምንቅስቓስ ሃገርዊ ሓርነት መንግስታዊ ስልጣን ምስ ሓዘ ከድሓርሕር፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዚተኸስተ ተርእዮ ኣይኰነን። ኰረሻ ስልጣን ምስ ኣጣጥሐ፡ መሪሕነቱ፡ ነቲ እቲ ስልጣን ዚህቦ ሓለፋታት ንምዕቃብ፣ ነቲ መበገሲ ዕላማታት ጠሊሙ፡ ሓዲሽ ዋርድያ ናይቲ ኣረጊት፡ ዘይምዕሩይ ስርዓት ይኸውን። ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ዚዀነ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ዚጨበጠ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሓቛፊ፡ ኣሳታፊ፡ ንህዝቢ ተሓታትነት ዘለዎ መንግስቲ ከቕውም ዚኸኣለ የለን። በዚ መንጽርዚ ክረአ እንከሎ ድማ፡ ተመክሮ ኤርትራ ፍሉይ ኣይኰነን።

  1. 1.4ኣረሚናዊምልካዊስርዓት

እቲ ደሞክራስያዊ መትከላት ተኸቲሉ፡ ግዝኣተ ሕግን ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላትን ዘስፍን ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ዚተኻየደ ጻዕርታት ከም ዚመክን ተገይሩ። ዘይምትግባር ናይቲ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን፡ ተነዲፉ ብቅዋማዊ ባይቶ ኣብ 1997 ዚጸደቐ ቅዋም፡ ንሃገረ ኤርትራ ሕጋዊ ሰረት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ልኡላውነት ነፊጉ። ኣብ ኤርትራ ምርጫታት ኣይካየድን ኢዩ። ኤርትራ ፓርላማ የብላን፣ ነብሱ ክኢሉ ፍትሒ ዘመሓድር ኣብያተ-ፍርዲ የብላን፣ ብግቡእ ዚሰርሕ ካቢነ ሚኒስተራት የብላን።

ሃገራዊ ባይቶን ማእከላይ መሪሕነት ህ....ን ኣብ 2001 ደስኪሎም፣ እቶም ቀንዲ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን መሪሕነት ግንባርን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ወይ ኣብ ስደት ሰፊሮም። ሕጋዊ ስልጣን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብፍሉይ ቤት ፍርዲ ተመንዚዑ። ናጽነት ርእይቶ ምግላጽ፡ ናጽነት ምእካብ፡ ናጽነት ምምስራት ማሕበራት ዚበሃል የለን። እቲ ፕረሲደንቲ ፍጹም ስልጣን ገቢቱ፡ ንሃገርን ህዝብን ከም ዊንታኡ፡ ብዘይዚዀነ ሕጋውን ትካላውን ገድብ፡ ይገዝእ።

2.ህሉው ኩነታት ኤርትራ

ኤርትራ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣረሚናዊ ምልኪ ትሳቐ ኣላ። ንርብዒ ዘመን መመላእታ፡ ኣብዚ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናይ ናጽነት እንጽንብለሉ ዘለና እዋን፡ ህዝብና ዚደለዮን ዘገልግሎን መንግስቲ ተኺሉ ብሰላም፡ ብሓርነት፣ ብኽብረት፡ ብፍትሒ ምንባር ተነፊግዎ ይርከብ። ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብጸቢብ መንግስታዊ ቍጽጽር ተቐይዱ፡ ኣብ ትሕቲ ኣደራዕ ናይቲ መሰረታዊ ጠለባት ህይወት ዘየማልእ ናይ ኩፖን ቁጠባ፡ ግዳይ ኣረሜናዊ ጸቕጥን ስእነትን ብምዃን ይሳቐ ኣሎ።

መንእሰያት ኣብ ታኼላ ናይ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ይሳቐዩ ኣለዉ። ኤርትራውያን፡ ካብ ደቂ 18 ክሳብ ደቂ 70ታት፡ ብደረተ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወይ ግዱድ ዕጥቂ ብረት ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ኲናታትቲ ስርዓት ክዋግኡ ጉዱዳት እዮም።

ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ዚፍጸም፡ንዘይተወሰነ እዋን ምቕያድ፡ ሃለዋት ምስዋር፡ ብዘይ ፍርዲ ምቕታል ማእለያ የብሉን። እቲ ዘይጽወር ፖለቲካዊ ጸቕጥን ኩሉ-መዳያዊ ቁጽጽርን፡ ምስቲ ኵሉ ቍጠባዊ ጸገማት ተደማሚሩ፡ መንእሰያት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት፡ ሃገሮም ራሕሪሖም፡ ንገዛእ ህይወቶም ኣብ ዓበይቲ ሓደጋታት እናውደቑ፡ ሃጽ ኢሎም ክስደዱ ኪቕስቦም ጸኒሑን ኣሎን።

ገለ ንኣሰጋገርቲ ሰባት ገንዘብ ከፊሎም ይሓልፉ፣ ገለ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ እናእተዉ ብእግርም ዶብ ይሰግሩ፣ ብዙሓት ካብኣቶም፡ ኣብቲ መሪር ጉዕዞ ምድረ በዳ ሳሃራ ንሰሜን ኣፍሪቃ ብወቕዒ ጸሓይ ይቕዘፉ፣ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ምስግጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይጥሕሉ፣ ወይ ኣብ ሓውሲ-ደሴት ሲናይ ግዳያት ምህርቲ ውሽጣዊ ኣካላት ኰይኖም ይዝሕዝሑ። ከም ኣብነት፡ እቲ ኣብታ ካብዚ ዘለናዮ ቦታ ብዙሕ ዘይትርሕቕ ደሴት ላምፓዱዛ ዚተፈጸመ ዘሕዝን ቅዝፈት ኩልና እንዝክሮ ኢዩ።

ምትካእ ግዝኣተ-ሕጊ ብግዝኣተ- ሰብ፡

ደሞክራስያዊ ጽገና ንዝሓተቱ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ወተሃደራዊ መኮነናትን፡ ነቓፊ ርእይቶታት ንዘቃልሑ ጋዜጠኛታት፡ ልዝብን ዕርቅን ንዝመኸሩ ዓበይቲ ዓድን ሽማግለታትን፡ ብዘይ ኣገባብ ኣሲሩ።እቲ ስርዓት፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ቅዩዳትን ናይ ሕልና እሱራትን መወዳእታ ዘይብሉ ማሕቡስ፡ ጽምው ማእሰርቲ፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስቓይ፡ ሃለዋት ምስዋር፡ ብዘይ ፍርዲ ምቕታል፡ ይፍጽም።ኣብ ኤርትራ መሰል ርእይ ቶምግላጽ፡ መሰል ምእካብ፡ መሰል ማሕበር ምምስራት ፍጹም የለን፣ ናጻ ፖለቲካውን በርጌሳውን ውድባት ውጉዛት ኢየን፣ ናጻ ርእይቶ ይድቈስ፡ ተቓውሞ ድማ ከም ክድዓት ይቑጸር። ፖለቲካዊ ጸቕጥን ምጭፍላቕ ብሕታዊ ማዕከናት ዜናን ንፖለቲካዊ ሃዋህው ናይታ ሃገር ብምልኡ ዓጽዩዎ።

መንግስቲ ንዅሉ መራኸቢ ብዙሓን ይውንን፣

ንዚመሓላለፍ መልእኽቲ ይቈጻጸር፣ ብዙሕነት ይሕይር፡ ተቓውሞ ከም ገበን ይቘጽር። መንግስታዊ ቍጽጽርን ሳንሱርን ንናጽነት ርእይቶ ምግላጽ ሓምሺሹ፡ ንምልኪ ባይታ መድሚዱ፡ ዕጹው ሕበረተሰብ ፈጢሩ። ብናጽነት ማዕከናት ዜናን፡ ምቕያድ ጋዜጠኛታትን ፖለቲካዊ ተቓወምትን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ዚተሓተ ደረጃ ይስራዕ፣ ኤርትራ ከኣ ከም እታ ዝዓበየት ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ዓለምትፍለጥ። ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣብ ኮንተይነራት፡ ኣብ ትሕቲ መሬት፡ ኣብ መቐየዲ ማእከላት ኣብታ ሃገር ፈቐድኡ ተዘርጊሖም ይርከቡ። ብመሰረት ጸብጻብ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት (ህዩማን ራይትስ ዋች) ድማ፡ እቲ ሰርዓት ልዕሊ 10,000 ፖለቲካዊ እሱራት ኣብ ኪግመት ዘይከኣል ኣስካሕካሒ ኵነታትሒዝዎም ይርከብ።

እቲ ምዕጻው ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ሃዋህውን ምምእካል ኩሉ መዳያት ሃገራዊ ህይወትን ዘስዓቦ ዕንወት፡ ኣብ ሕሰም መነባብሮ’ቲ ህዝብ ምንጻል’ቲ ስርዓትን ተጋሂዱ ይረአ።

  1. 3.ኣድላይነት ለውጢ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ኵሎም ህዝብታ ዓለም፡ ሃረርታን ዘይንፈግ መሰልን ንሓርነትን ክብረት ንፍትሕን ኣለዎ፣ ንምርግጋጾም ከኣ ጸኒዑ ይቃለስ። ክንዲ ዚዀነ፡ እቲ ፍጹም ጭኮና፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ፡ ኣንጻር’ቲ ስርዓት እናዓበየ ዝኸይድ ዝተወዳደበ ተቓውሞ ብምልዓል፡ ለውጢ ምምጽኡ ከምዘይተርፍ ኣበሲሩ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ስለ ዝተወገዘን ዝተደቝሰን፡ንጡፍ ተቓውሞ ኣብ ስደት እናሓደረ ይዝርጋሕ ኣሎ። እቲ ኣብ ስደት ዚነብር ህዝብና ኣብ ዘመናዊ ታሪኽና፡ ኣብ ጉዳይ ሃገር ኣገዳሲተራ ተጻዊቱ ኢዩ። ብመንጽር’ቲ ዅሉ ታሪኻዊ ተርኡን ህሉው ጸጋታቱን፡ ማለት፡ ተዛማዲ ብዝሑ፡ ሃብቱ፡ ኣብ ዘዚነብረሉ ቦታታት ዘለዎ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነትን ናይ ስራሕ ዕድልን፡ ከምቲ ዚድለ ወይ ምስቲ ዓቕሙ ዚመጣጠን ሃገራዊ ኣበርክቶ ኪገብር ኣይከኣለን።

ብጠንቂ’ቲ ርኡይ ምፍልላያት፣ ዘይጋጠም ዕላማታት፣ በሊሕ ምፍሕፋሓት፣ ምርባሕ ፖለቲካዊ፡ በርጌሳዊ፡ ዜናዊ ጉጅለታት፣ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ፡ ምእንቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ብኣድማዕነት ኪጣበቕ ኣይከኣለን።

ኣብ ኤርትራ ናጽነት ርእይቶ ምግላጽ፡ ተኣኪብካ ምምይያጥ፡ ፖለቲካዊ ይዅን በርጌሳዊ ማሕበር ምምስራት ስለ ዘየለ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ውዱብ ሰላማዊ ተቓውሞ ንኸይግበር ዓጊቱ። ስሩዕ ምስግጋር በትረ-ስልጣን ዘኽእል ትካላዊ ኣገባብ ስለዘየለ፡ ፍኑው ፖለቲካዊ ናዕብን ንሱ ከስዕቦ ዚኽእል ዘየድሊ ደም ምፍሳስን ከይፍጠር የስግእ።

ነዚ ሓደጋ’ዚ ንምእምላይ፡ ብኣግኡ ውዱብ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዚሕግዝ ምቅርራብ የድሊ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ንዅሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን ዚነብር ፕሮ-ደሞክራሲ ኤርትራዊ ሓቚፉ፡ ምእንቲ ስሩዕ ሰላማዊ ምስግጋር ናብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ብናይ ሓባር ዕላማ ዘስርሕ መድረኽ ንምጥጣሕ ዝተወሃሃደ ጻዕሪታት ይካይድ ኣሎ።

እዚ ጻዕሪታትዚ ኣብ ሕዳር 2015 ሓደ ንዅሉ ዘሳትፍ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር (ዋ.ሃ.) ኣብ ናይሮቢ; ኬንያ; ንምግባእ በቒዑ። እተን ኣብቲ ዋዕላ ዚተሳተፋ 11 ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ድማ፡ ኵሉ ዓቕመን ናብ ናይ ሓበር ዕላማ ብምቕናዕ ብሓንሳብ ክሰርሓ ተሰማሚዐን። ነዚ ሸቶ’ዚ ንምውቃዕ፡ ሓንቲ ንዚሰፍሐ ዋዕላ ምቅርራብ እተወሃህድ ግዝያዊት ኣራኻቢት ኣካል ኣቚመን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ግዝያዊት ኣራኻቢት ኣካል፡ ምስተን 11 ውድባት እናተመያየጠት፡ ናብ ስሩዕ ምስግጋር ደሞክራስያዊ ምሕደራ ዘምርሕ ናይ ሓባር ራእይን መደብ ስራሕን ኣብ ምንዳፍ ትርከብ። እዛ ኣካል’ዚኣ፡ ብዛዕባ ምቅልጣፍ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ንምዝታይ፡ ንዅለን ተቓወምቲ ውድባት ዘሳትፍ ሰፊሕ ኣኼባ ንምድላው ተሰርሕ ኣላ።

ጐድኒ ንጐድኒ ምስ’ዚ ስራሓት’ዚ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዚካየድ ቅሉዕ ተቓውሞ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዚካየድ ስቱር ተቓውሞ ዘተኣሳስር ፖለቲካዊ ድንድል ብምህናጽ፡ ብኤርትራዊ ዋንነት ዚዝወር ለውጢ ብውሽጢ ንምድራኽ ንሰርሕ ኣለና።

  1. 4.ኣህጉራዊምሕዝነትንደገፍንንደሞክራስያዊምስግጋር

ነቲ ኣብ ኤርትራ ስሩዕ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ንምርግጋጽ ዚግበ ርጻዕሪ፡ ኣህጉራዊ ደገፍን ዞባዊ ምሕዝነትን ከም ዘድልዮ ንጹር ኢዩ። ንሕና፡ እቶም ኣብ ደሞክራስያዊ ተቓውሞ ዘለና፡ ምስ ጐረባብቲ ኤርትራ፡ ኣብ ስትራተጅያዊ መቓን ናይ ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝን ቍጠባዊ ውህደትን ዚተመስረተ፡ ንዅሉ’ቲ ዘይተወድአ ጕዳያት ዚፈትሕ፡ ዞባዊ ሰላም፡ ርግኣትን ጸጥታን ዘረጋግጽ፡ ሓድሽ ዝምድናታት ንምህናጽ ንሰርሕ ኣለና።

ሳላ’ቲ ኣብ ኤርትራን ኣብቲ ዞባ ብዓቢኡን፡ ዚነበራ ታሪኻዊ ህላወን ኣሰር ባህላዊ ምትእስሳርን፡ ኢጣልያ ኣብቲ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ንምምጻእ ኰነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ጸጥታን ንምስፋን ዚካየድ ጻዕሪ ኣቀላጣፊ ተራ ኪትጻወት ትኽእል ኢያ። እዚ ናይ ሎሚ ምይይጥና ፈላሚ ናይቲ ኣብ መንጎ መጻኢት ደሞክራስያዊት ኤርትራን ኢጣልያን ዚምዕብል፡ ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ዘገልግል ሓድሽ ምሕዝነታዊ ዝምድናታት ኪኸውን ድማ ተስፋ እገብር።

ጽን ኢልኩም ስለ ዝሰማዕኩምኒ፡ አመስግን።

Last modified on Wednesday, 01 June 2016 11:17