ጉዳይ ሃገሮም ተነፊግዎስ፡ ብፈስቲቫል ክጥበሩ!

2024-03-14 11:25:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 583 times

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዛ ብቃልሱ ህያው ዝኾነት ሃገሩ ዓሚቕ ተስፋን ትጽቢትን ነይርዎ ሎሚ’ውን ኣለዎ። እንተኾነ ብሰንኪ ህግደፍ ሕልሙ ጌና ኣይተጋህደን። ነዚ ዘይተጋህደ ሕልሙ ንምግሃድ ከኣ እነሆ ኣብ ቐጻሊ ቃልሲ ንለውጢ ይምርሽ ኣሎ።

ኤርትራዊ ሃገሩ ክትኮነሉ ዝደልዮ ብዙሕ እዩ። ጻማ ቃልሱ ዘስተማቕረላ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰሉ እትሕልወሉ ክትከውን ይብህግ። ብሕገመንግስቲ ዝተዋሕሰ፡ ናይ እምነት፡ ሓሳባካ ምግላጽ፡ ምውዳብ፡ ምንቅስቓስን ከምኡ’ውን ምዕሩይን ናጻን ቁጠባዊ ተሳትፎ ሃልይዎ ንገዛእ ርእሱ እናተጠቐመ ሃገሩ ናይ ምህናጽን ህዝቡ ናይ ምርባሕን መሰሉ እትዕቅብ ክትኮነሉ ሃንቀውታ ነይርዎ። እንተኾነ ብሰንኪ ጥልመት ህግደፍ፡ እዚ ኩሉ ባህጉ ኣይተረጋገጸን። ናይ ፍትሒ ልዕልና ጻምኡ ክረውየሉ ከኣ ሃንቀው ይብል። ግን ከኣ ክሳብ ሎሚ ኩሉዚ ሃንቀውታኡ ኣይተረጋገጸን ማለት፡ ንሓዋሩ ኣይክረጋገጽን እዩ ማለት ከምዘይኮነ ስለ ዝኣምን ተስፋ ዓወት ሰኒቑ ይቃለስ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ ሰናይ ትጽቢቱ ካብ ህግደፍ ተጸብዩ ከምዘይረጋገጽሉ ካብ ዝኣምን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ህግደፍ እውን ንሓንሳብ ብስዉር ንሓንሳብ ድማ ብጋህዲ ብትዕቢት ትጽቢታት ህዝቢ ከማልእ ቅሩብ ከምዘይኮነ ክነግር ጸንኒሑ እዩ። ሕድሪ ህዝቢ ኣየኽበረን  ጥራይ ዘይኮነ፡“ዝጐደለኒ መሰል ኣሎ”  ንዝብብለ እውን ክኣስርን ክሞቁሕን ዝጸንሐን ዘሎን እዩ።  ብሓጺሩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጽላል ባዕሉ ዘጽደቖ ሕገመንግስቲ፡ ብዝመረጾ ኣካል ክምራሕ መሰል ከምዘየብሉ ህግደፍ ብኣዋጅ ካብ ዝነግሮ ነዊሕ ኮይኑ።

ብመንጽርዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት፡ ኣንጻርቲ ህዝብና ዝተጸበዮ ምዃኑ ካልእስ ይትረፍ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራ በጺሖም ዝተመልሱ ወጻእተኛታት ክዝርግሕዎ ብዝጸንሑ ዘሕዝን ምስሊ ከተማታት ኣስመራን ባጽዕን ምዝካር ጥራይ፡ ነቲ ኢሳያስ ዝሕጭጨሉ ዝነበረ ዕንወትን ድሕረትን እኹል ዘሕዝ መረጋገጺ እዩ። ኣብ ክንዲ ህዝቢ ብመንግስቲ ዝግልገል፡ ህዝቢ ኣገልጋሊ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ዝዝውሮ ጉጅለ እዩ ኮይኑ ዘሎ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝመሃርን ዝወልድን ዝዝምድን፡ ኣብ ሸዊት ዕድመኡ ኣብ መጀመርታኡ እምበር መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ውትህድርና ምጽማዱ ሓደ ካብ መርኣያታት ህዝቢ ኣገልጋሊ ሓደ ጉጅለ ኮይኑ ምህላዉ እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ቅድም ኣብ በረኻታት ሳሃራን ሲናይን ሎሚ ድማ ኣብቲ ካብ ትግራይ ክሳብ ኬንያን ኡጋንዳን ዝዝርጋሕ መስመር ዝሓልፎ ዘሎ ምክልባት ነቲ ምረት ስደት ምረት ይውስኸሉ። ስለዚ  ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ካብ ስማዊ ዜግነት ሓሊፉ ካብታ ብዋግኡ ዝመጸት ሃገር ዝረኽቦ ዜግነታዊ ክብሪ  የብሉን።

ኣብ ግዜ መግዛእቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሉቲ ዝወርዶ ዝነበረ ግፍዒ፡ መግዛእቲ ንምስዓር ብዓድን ሜዳን እናተናበበ ደኣ ናብ ቃልሲ ይስለፍ  እምበር ከምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ይስደድ ኣይነበረን እዚ ዋሕዚ ናብ ስደት ንዓና ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብዙሓት ድሕረ-ባይታ ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብና ዝፈልጡ ወገናት’ውን ዘሰንብድ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ስደት ኤርትራውያን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ምዕራባዊ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ብደርጃ ስድራ ቤታት የዕለቕልቕ ኣሎ። ናይ ቀረባ ኣብነት ክኾነና ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ  ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ኣብ ሱዳን ድማ ቅድሚ’ዚ ገጢምዎም ዘሎ ውግእ ዝነበረ ኩነታት  ምጥቃስ ጥራይ እኹል እዩ። ምኽንያቱ ካልእ ማሕበራዊ ፍጻመታት ገዲፍና፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም መርዓታት ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝካየድ ከም ዝበዝሕ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ።

ህግደፍ ነቲ ብሰንኩ ዝተሰደ መንእሰይ ከነኣእሶ እንከሎ “ሓተላ ሕብረተሰብ” ክሳብ ምባል’ኳ ዝበጽሕ እንተኾነ፡ ደድሕሪኡ ምስዓብ ግና ኣይገደፈን። ደፋፊኡ ካብ ሃገር ኣውጺእዎ ከብቅዕ፡ ንዝተወስነ ካብኡ፡ ማልያታት ቀያይሩ ኣልቢሱ ዝተፈላለዩ መረሳሰኒ ኣስማት እናሃበ ናይ ዳንኬራ ፈስቲቫላት ወዲቡ ሆሆ የብሎ ኣሎ። እቲ ጉጅለ ከምኡ ምግባሩ ኣየግረምን ምኽንያቱ ስምዒት ፈጢርካ ምዕሻው ልሙድ ኣፍራሲ ስልቱ ስለ ዝኾነ። እቶም ብሰንኩ ዝተሰዱ መንእሰያት ተመሊሶም፡ ኣብቲ መጻወድያኡ ክኣትዉ እንከለዉ ግና ኣዛረብትን ኣገረምትን እዮም። ኣንጻርቶም ነዚ መዳህለሊ ዳንኬራ ዘይድግፉ ተቓወምቲ መሳድድቲ ኣሕዋቶም ክጋጨዉ እንከለዉ ከኣ፡ “ኸፋፊልካ ናይ ምግዛእ” ፖሊሲኡ ስለ ዝሰምረሉ ህግደፍ ዝያዳ  ከም ዘሕጐን ከምዘጋድዶን ውሁብ እዩ።    

እቲ ዝያዳ ዘተሓሳስብ ድማ እተን ኤርትራውያን ዝተዓቑቡለን ሃገራት፡ ኣብ ክንዲ ኩነታቶም ተገንዚበንን ሓልዮት ሓዲርወንን ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝሕግዘኦም፡ በቲ ኣብ ኣገባብ ተቓውመኦም ዝፍጠር  እሞ ክእረም ዝግበኦ ተግባራት የማርራ ምህላወን እዩ። ጥሕሰት ናይተን ዝነብሩለን ዘለዉ ሃገራት ሕግን ስርዓትን ግዳይ ምጉዳል ኣካላት፡ ማእስርትን ምብልሽው መጻኢ ዕድል ናይቶም መንእሰያት ዘስዕብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንልኡኻት ህግደፍ ዘሻድን እውን እዩ። 

 ስለዚ ከምቲ “ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት” ዝበሃል፡ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ በቲ ኣብ ሃገሩ ዝሰኣኖ መሰል ኣማሪሩ ኣንጻርቶም ዘዕቆቡዎ ምርጻም ክእረብ ዝግበኦ እዩ።  ብብዝሒ ዓድኻ ገዲፍካ ናብ ስደት ብምምራሕካ መዛረቢ ዝኾንካዮ ከይኣክልስ፡ ሕጊ ብዘይምኽባር ናይ ኣሉታ ኣብነት ክትከውን ኣይግድን።

ኣብ ርእሲዚ ህግደፍ ካብቲ መንእሰያት ረብሓኦም ተመሳሳሊ ኣብ ለውጢ ክነሱ ዝጋጨውሉ ናይ ፈስቲቫል መድረኻት  ክልተ መኽሰባት የመዝግብ። በቲ ሓደ ወገን “ደገፍቲ መንእሰያት ኣለዉዎ” ብዝብል ምስሉ የጸባብቕ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ መድረኽ ናብ ምንጪ ኣታዊ ቀይሩ ገንዘብ ይእምርር። እዚ ካብ ኮነ እቲ ዋኒን ሃገሩ ዝተነፍጎ፡ ዓብይ ዕማም እናተጽበዮ ኣብ ፈስቲቫላት ብዝትከል ጓይላ ዝጥበር ኤርትራዊ መንእሰይ፡ “ኣብዘይመንገድኻ ኢኻ ዘለኻ”  ክበሃል ይግባእ።

Last modified on Thursday, 14 March 2024 12:30