ህዝቢ ኤርትራ ሞትን ውርደትን ይኣኽሎ

2022-11-01 08:50:45 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 981 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ባዕዳውያንን መለኽቲ ደቂ ሃገርን፣ ንሞትን ውርደትን ካብ ዝቃላዕ ወለዶታት ኢዩ ሓሊፉ። እቲ ኣዚዩ ዝመረረን ዘሕዝንን ህይወት፡ ሞትን ውርደትን ኣጋጢምዎ ዘሎ ግን ካብ ኣብራኹ ብዝወጹ ደቁ ዝወርዶ ዘሎ ኢዩ። ካብ ባዕዳውያን ብዘይካ ሞትን ውርደትን ትጽበዮ የለን። ብቀንዱ እቲ ንቃልስና ኣበጊሱ ክቡር መስዋእቲ ክንከፍል ዝገበረ ንሱ ኢዩ ነይሩ። ንባዕዳዊ ሓይሊ ስዒርና ሃገርና ጨቢጥና ብሰላም፡ ራህዋን ፍትሕን ክንነብር ሕልምናን ብመስዋእቲ  ከንነረጋግጾ ዝወጠንናዮ ዕላማን ነይሩ።

“ጣዕሚ ማይ ዝፈልጦ፡ እቲ ዝጸምአ ኢዩ“ ከም ዝበሃል፡ ናይ ውግእ ጉድኣትን ምረትን ዝፈልጥ ከኣ እቲ ብእኡ ዝሓለፈ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብነዊሕን ተኸታተልትን መረርቲ ውግኣት ዝሓለፈ ኢዩ። እዚ ካብ ግዝኣት ጣልያን ኣትሒዝና ኣብ ልዕሊ ሃገርና ክወርድ ዝጸንሐ በደላት ክንጽብጽቦ እንኽእል ሓቂ ኢዩ። ኣብ ዘይጉዳዩን ኣብ ዘይጠቕሞን፡ ግዝኣቶም ንምስፍሕፋሕን ንምድልዳልን ምስ ኢጣልያ ተዓስኪሩ  ኣብ ሊብያን  ኢትዮጵያን ኣደዳ ሞት፡ ምርኮን ውርደትን  ምዃኑ ብምረት ዝዝክሮ ኢዩ።

እዚ ናይ ሞትን ውርደትን ሰንሰለት ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት እውን ብዝያዳ ገዲዱን መወዳእታ ስኢኑን እምበር ኣየኽተመን። ስርዓት ኢሰያስ “ሎሚኸ መን ተሪፉኒ ኣሎ?” እናበለ፡ በብተራ ምስ ኩለን ጎረባብትና ሃገራት ተጻብኦ ጻሕቲሩ ናብ ኲናት ኣትዩ። ኣብ ህንጸት ሃገር ከተኩር ንዝነበሮ ዓቕሚ ህዝቢ ኣብ ውግእን ሳዕቤናቱን ኣጥፊእዎ። ንውግእ ከም ቀንዲ ውራይ ብዝወሰደት ሃገር ክትምዕብል ከምዘይትኽእል ኤርትራ ብቕዕቲ ኣብነት ኢያ። ብቑጠባ፡ ብትምህርቲ፡ ብመሰረተ ልምዓትን ብቁጽሪ ህዝብን ካብ ዝነበረቶ እናንቆልቆለት ትኸይድ ከምዘላ እቲ ንኹሉ ጉዳያታ ንበይኑ ዓትዒቱ ሒዙዎ ዘሎ መራሒኣ’ውን ባዕሉ ደጋጊሙ ዝገልጾ ሓቂ ኢዩ።

ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብ ሰላም ክነብር ዘይክእል መራሒ ኢዩ። እዚ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ ዓመታት ዝወልዖ ውግኣት ኣብ ጠርጴዛ ብዘተ ክፍታሕ ዝኽእል ኢዩ ነይሩ። ብመንጽርዚ ብርሰትን ዕንወትን ደኣ የስዕብ  እምበር፡ ብውግእ ዝተዛዘመ ሽግር ኣብ ተመኩሮ ኣይነበረን። ኢሰያስ ንሃገሩን ህዝቡን ዘይሓሊ መራሒ ኮይኑ’በር ካብዚ ተመኩሮዚ ንላዕሊ መምሃሪ ስለዘይህሉ፡ ካብኡ ተማሂሩ ንውግእ ክጽየኖ ምተገብአ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ዓመቱ ኣቑጺሩ ዘሎ ደማዊ ውግእ፡ መንቀሊኡ ፖለቲካውን ሕገመንግስታውን  ስለዝኾነ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክረክብ ዝነበሮ ኢዩ። ህዝቢ በዚ ደረጃዚ ክሞተሉ፡ ክበሳበሰሉን፡ ንብረትን ምዕባለ ሃገሩን ዝዓንወሉን መመኽነይታ የብሉን። ኣብ ጠረጴዛ ዘተ ክፍታሕ ውን ናይ ኩሎም ደለይቲ ሰላም ጸዋዒት ኮይኑ ዘሎ ኢዩ። ግደፍዶ ሃልሃልታ ናይቲ ውግእ ዝትንክፎም ኣካላት፡ ብማዕዶ በቲ ዝወርድ ዘሎ ሞትን ዕንወትን ኣስካሕኪሖም ንሰላም ዘእውዩ ዘለዉ ብዙሓት ኮይኖም እዮም። እዚ ብዘተ ንምዝዛም እቲ ውግእ ተታሒዙ ዘሎ ጽቡቕ ኣንፈት ኢዩ ክበሃል ይከኣል።

ጠቕሚ ኤርትራ እዚ ውግእዚ ዓሪፉ፡ ኢትዮጵያ ሰላም ክትከውን እንከላ ኢዩ። ናይ ኤርትራ ኣብዚ ውግእዚ ምእታው ናይ ውልቀ መላኺ ኢስያስ ዕንደራ፡ ናይ ስልጣን ጥሙሓትን ህልኽን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድሌት ኢሰያስ ንምርዋይ ይመውት፡ ንብረቱ ይባኽንን ሃገሩ ትበርስን ኣላ። ፋሽስቲ ጣልያን ቅድሚ 90 ዓመታት ንኣቦሓጎታትና ናብ ትሩቡሊ ውሲዱ ኣደዳ ሞት ከም ዝገበሮም ሎሚ ድማ ውልቀ መላኺ ኢስያስ ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኢትዮጵያ ጠቢሱ መንእስያትና ንሞትን ውርደትን ኣቃሊዕዎም ኣሎ። ኤርትራዊ ሃብቲ ይባኽን ኣሎ። ኣብ ክንዲ ንዕብየት ሃገርን  ዝሕሰብን ዝጉስጎስ፡ ብኸመይ እዚ ንኤርትራ ዘይምልከት፡ እኳ ደኣ ዝያዳ ዝጐድኣ ውግእ ንኸይዓርፍ ይጉስጎስ ኣሎ።

ኣብ ዞባና ሰላም ክነግስ፡ ኣብ ጐኒ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ ክብርን ልዑላውነት ሃገራትን ጠጠው ክንብል ይግበኣና። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ንዘሎ ነዚ ክብርታትዚ ዝግህስ ዓማጺ ስርዓት ብዝለዓለ ደረጃ ንቃለሶ። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝለመዶ ኢዩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝዘርግ ዘሎ። ብደቂ ህዝብን ሃብቲ ህዝብን ሃገርን ነዚ በደልዚ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝቢታት እውን ክፍጽሞ እንከሎ  ድምጽኻ ሓቢእካ ሱቕ ኢልካ ምርኣዩ ገበነኛ ምትብባዕ እዩ።

ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ ሎ ናይ ሰላም ዝርርብ፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ኣዕሪፉ ኣብ ዞባና ሰላም ንከስፍን ናይ ደገፍ ድምጽና ከነስምዕ ግቡእን ግዴታን እዩ። ምኽንያቱ ካብ ሰላም ተረባሕቲ ስለዝኾና። ኣብቲ ዝርዝር ጉዳያት ከይተኣትወ ብቐዳምነት እቲ ምፍሳስ ደም ጠጠው ክብል፡ ኤርትራ ካብ ዘይምልከታ ውግእ ኢዳ ከተውጽእ ሕጂ’ውን ከም ቅድም ንጽውዕ ኣለና። ከምዚ መርገጽ እንሕዝ ድማ ንካልኦት ደንጊጽና ዘይኮነ  ምእንቲ ሰላምን ቅሳነትን ህዝብና ኢልና ኢና። መንግስቲ ኢሰያስ እዚ ኣብ ትግራይ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ክገብሮ ዝጸንሐን ዘሎን ዕንወትን ዕንደራን ኢዩ። ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ክመውት ዝጸንሐን ዝመውት ዘሎን ውሒድዎል፡  መንእሰይና ናብ ውግእ ትግራይ ወሲዱ ኣደዳ ሞት፡ መውጋእትን ምምራኽን ምግባሩ፡ ብዝኾነ መለክዒ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ብዝኾነ መንገዲ፡   ክምከትን ክሰዓርን ዘለዎ ህውከተኛ መደብ ስርዓት ኢሰያስ ስለዝኾነ፡ ኩልና ደቂ ሃገር ደለይቲ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ብሓባር ክንቓወሞ ዘለና ኢዩ።

Last modified on Tuesday, 01 November 2022 10:18