ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ፡ ካብ መዓስን ስለምንታይን?

2021-10-18 08:46:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1548 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እቲ ናይ ቅድም ንታሪኽ ገዲፍካ፡ ተቓውሞ ኣንጻርቲ  መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኤርትራ በይኑ ዝቖሞ ግዝያዊ መንግስትን ዘይህዝባዊ ኣተሓሳስባኡን ካብ ምብሳር ናጽነት ኤርትራ ጀሚሩ እዩ። እዚ ተቓውሞ ካብ ሽዑ ንነጀው ምስ ኩሉቲ ዘጋጠሞ ላዕልን ታሕትን ሎሚ’ውን ህያው እዩ። ክሳብቲ ህዝብና ዝጽበዮን ዋጋ ዝኸፍለሉ ዘሎን ደሞክራስያዊ ለውጥን ልዕልና ፍትሕን ኣብ ሃገርና ዝረጋገጽ ድማ ክቕጽል እዩ። እዚ ተቓውሞ ዝዓርፍ እቲ ጉጅለ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምስ ዝውገድን ኣብ ኤርትራ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት  ዝጸውር ሕገመንግስቲ ዝዋሕሱ ባይታ ምስ ዝፈጥር እዩ። ስለዚ እዩ ድማ፡  ጉጅለ ህግደፍ ካብ ትምክሕትን ስሰዐን ወጺኡ ናይ ሓባር መዋስኢ ፖለቲካዊ ባይታ ንክፈጥር ዘይኮነስ፡ ብህዝባዊ ቅልጽም ክውገድ ብሓባር ክንቃለሶ ናይ ግድን ዝኸውን። እቲ ካልእ ኩሉ ሰላሕታዊ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ናይ ምሕቃቕን ምቕንጻልን ስጉምትታት ገዲፍካ፡ እቲ ኢሳያስ ኣፈወርቅ  ካብ ዕለተ-ናጽነት ድሕሪ 27 መዓልታት ብ20 ሰነ 1991 ሰማእታት ንምዝካር ኣብ ስታድየም ኣስመራ  ዝተጋበአ ናይ መጀመርያ ርክቡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ድሕሪ ሕጂ ብውድባት ሓሽውየ የለ” ዝበሎ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ሓሳብ ክሰምዕ ዘይደሊ ደረቱ ዝሓለፈ  ስሱዕን ነፋግን ጸዋግን ምዃኑ ዘርኣየ እዩ።

ህግደፍ፡ ዕድመ ተቓውሞ ኣብ ኤርትራ ንምሕጻርን ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ቅድሚ ናጽነት  ውዱብ ተቓውሞ ከም ዝነበረ ንምሕባእን ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን። ነቲ ንሱ ክሓብኦ ዝደሊ ሓቂ ብኣብነት ንምቅላዑ ዝኣክል፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ብህጹጽ ንኹሉ ውድባት ኤርትራ ዘሳትፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም መጸዋዕታ ካብ ዘቕረቡ ውድባት ሓደ ምንባሩ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ። ብፍላይ ነቲ ሽዑ ዝተወልደ ኣብዚ እዋንዚ ትውልዲ ናይ ምስጋር ሓላፍነት ዝነበሮ፡ እንተኾነ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዘይተዓደለን ተደፊኡ ኣብ ስደት ዘሎን መንእሰይ ሚዛናዊ ተረድኦ ምእንቲ ክህልዎ ምዝኽኻሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ዙርያ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ካብ ዝተወደበ ሓይሊ ዝሃድምን ፍልልይ  ዘይጻወርን ህግደፍ ዝሽቅጠሉ ዝነበረ ኣበሃህላ፡ “ኤርትራውያን ብግሊ ናባይ ኢዶም ይሃቡ እምበር ውዱብ ሓይሊ ኣይቅበልን እየ” ዝብል፡ ጽበቱ፡ ስስዕቱን መላኽነቱን ኣነጺሩ  ዘርኢ እዩ። እንሆ ከኣ ብኣኡ ደሪቑ ይቕጽል ኣሎ።

ህግደፍ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ሕቶ ካብ ምምሕዳር ንምህዳም፡ ቀልጢፉ ካብ ዝመሃዞም ዘይቅዱሳት ቅድታት ሓደ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ህውከት ምፍጣር እሞ፡ ነቲ ኩነት ከም መህደምን መኸወልን ምጥቃም ነይሩ። ተቐላጢፉ፡ ምስ ሱዳን፡ የመንን ጅቡትን ዝኣጐዶ ሓዊ ከኣ ካብዚ ዝተፈልየ ዕላማ ኣይነበሮን። ኣብቲ ኩነታት ክሳራ ህዝቢ ኤርትራ ድርብ እዩ ነይሩ። በቲ ሓደ ወገን ፍቱዋት ደቁን ንብረቱን ንዘይፈልጦን ዘይረብሓሉን ውግእ ኣባኺኑ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ውልቃውን ሃገራውን ጉዳያቱ ክውግነሉ  ዝግበኦ ዝነበረ ወርቃዊ ግዜኡ ኣምኪኑ። ኤርትራ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ምስላ ተደዊኑ። ህግደፍ ግና ካብዚ ኣይተማህረን። ኣይተማህረን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብ1998-2000፡ ህይወት ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝበለዐን ሰሎልኡ ክሳብ ሕጂ ዘይወጸን ምምዝባል ዘኸተለን ትርጉም ዘይነበሮ ውግእ  ምስ ኢትዮጵያ ኣጒዱ። ኣሉታዊ ብጽሒት ህግደፍ  ኣብዚ ደማዊ ውግእ ክሳብ ክንደይ ከም ዝነበረ፡ ንምጽራዩ ብዝተመዘዘ  ዓለም-ለኻዊ ዘይሻራዊ ትካል ተረጋጊጹ እዩ። ድሕሪዚ ኣዕናውን ኣኽሳርን፡ እዚ  ጉጅለ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ክሕተተሉ ዝነበሮን ውግእ፡ ኣብ ርእሲቲ ኣቐዲሙ ክቃለስ ዝጸንሐ ዝተወደበ ነባር ተቓውሞ፡ ማንፈስቶ በርሊን፡ ምንቅስቓስ ጉጀለ-15ን ተበግሶ ወዲ ዓልን ዝበሃሉ  ተቓውሞታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ተሃቂኖም። ብዘይካዚ “እምብዛ በዚሐን”  ክሳብ ዝበሃላ ኣዝየን ብዙሓት ናይቲ ስርዓት ደገፍቲ ዝነበሩን ብሰንኩ ካብ ሃገር ዝወጹን  ኤርትራውያ ዝተሳተፍወን ኣብ ወጻኢ ናይ ተቓውሞ ውድባት፡ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ተፈጢረን።

ገለ ነቲ ዝበሃል ከይመመዩ ደድሕርቲ ጉጅለ፡ ካብ ኤርትራዊ ወድዓዊ ሓቂ ንምህዳም ዝፈሓሶ ተንኮልን ጸለመን፡ ዝጐዩ ኤርትራውያን፡ “ተቓውሞ ኤርትራ ሃገር ንምብታን ብሓፈሻ ብምዕራባዊ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ወያነ) ተጠፍጢፉ ዝተሰርሐ እዩ”  ክብሉ ካብ ዝስማዕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ቅድም ቀዳድም ኣብ ኤርትራ ተቓውሞ ዝተጀመረ ህግደፍ ምስዘን ሎሚ ተመሊሱ ዝውንጅለን ዘሎ ኣሜርካ እትርከበን ሃገራት ምዕራብን ወያነ ትግራይን ዓይንን ኩሕል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምዃኑ ዘይዝክር ኤርትራዊ እንተልዩ ተመሊሱ ምስ ገዛእ ርእሱ ክላዘብ ይግበኦ።

ብሰንኪ ኣብ መንጎ ህግደፍን ወያነ ትግራይ ቀንዲ ኣባሉ ዝነበረ  ኢህወደግን ዝነበረ ዘይትካላዊ ፍቕርን ውሽጣዊ ስምምዕን፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ እትርከበን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዝኸፈላ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ከምዝነበራን ከምዘለዋን ዘይዝክር ኤርትራዊ እንተልዩ ምልስ ኢሉ ተመኪሮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ክድህስስ ይግበኦ።  ነዚ ተመኩሮ ከየስተብሃልካ፡ እቲ ጉጅለ ነንዝመሃዞ ከም ዘለዎ ወሲድካ ምዕዝምዛም  ነኪዩ እምበር  ሎሚ’ውን ኣሎ። እዞም ናይቲ ጉጅለ ምህዞ ዘንበድብዱ ወገናት፡ “ናይ ወጻኢ ኢድ እንተዘይኣትዎስ፡ ኣብ ኤርትራ ንተቓውሞ ዝዕድም ዝሩግ ፖለቲካዊ ሃለዋት፡ ቅድም ኣይነበረን ሎሚ እውን የለን” ኢሎም ዝኣምኑ እንተኾይኖም፡ ኣብ ካልእ ናይ በይኖም ናይ ኣትሓሳስባ ዓለም ዝነብሩ ጥራይ እዮም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኮነ ኢልካ ኣሻቓልን ኣቕጣጫ ዘስሕትን ናይ ሸፈጥ ኩነት እንዳፈጠርካ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ  ብኩራት ሕገ-መንግስቲ፡ ብዝመርጽካዮ መንግስቲ ናይ ምምሕዳር፡ ዝመረጽካዮ ሃይማኖት ምኽታል፡ ልዕልና ፍትሕን ስርዓትን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽንከ ንምቅዋም ምኽንያት ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም ድዮም ዝብሉና ዘለዉ። ከምኡ ማለቶም እንተኾይኑ፡ ትሕዝቶ መልእኽቶም “ንወጽዓን ጭቆናን ኣሜን ኢልካ ብጸጋ ምቕባል” ዝብል ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ኣይኮነን። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ንሉላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ትንዕ-ምንዕን ኣብ ውግእ እንዳማትካ ኣቲኻ መንእሰያት ምህላቕን እንዳወሰኸሉ እውን ነቲ ጉጅለ ከንጽህዎን ዘይግበኦ ሓርበኝነት ከልብስዎን ዝፍትኑ ክትሰምዕ እንከለኻ ዘሕድረልካ ስምዒት ልዕሊ በቲ ኩነታት ምግራምን ምሕዛንን እዩ። ስለዚ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ነዊሕ ዝዕድመኡ፡ መንቀሊኡ ከኣ ናይ ግዳም ሓይልታት ተጽዕኖን ኢድ ኣእታውነትን ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረን ዘሎን ብሰንኪ ህግደፍ ዝተበላሸወ ውድዕነት ምዃኑ ዘይሕበል ሓቂ እዩ።

Last modified on Monday, 18 October 2021 11:06