ክስገር  ዘየብሉ ቀይሕ መስመር

2021-10-03 21:12:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2316 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ብዝተፈላለዩ መዐቀንታት ብዙሓት ኢና። ቁጽርና ከባቢ 4 ሚልዮን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ጾታና፡ እምነትና፡ ዕድመና፡ ደረጃ ትምህርትና፡ ቦታዊ ኣቀማምጣና፡ ባህልና፡ ቋንቋና፡ ብሄርናን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባናን ክረአ እንከሎ’ውን ብዙሓት ኢና። ብዙሕነትና ሎሚ ዝፍጠር ዘሎ ሓድሽ ተርእዮ ዘይኮነ፡  ኣብቲ ነዊሕ ተመኩሮ ቃልስና እውን ምሳና ክጐዓዝ ዝጸንሐ እዩ። ብዙሕነትና ብሃገራዊ ሓላፍነት ከነመሓድሮ እንከለና፡ ምንጪ ሓይልናን ብርታዐናን ከም ዝኸውን ብግብሪ ኣርእዩና እዩ። ናብ ዘይግቡእ መንገዲ ክንመጦ እንከለና ዝብትነናን ዘድክመናን ምዃኑ ድማ ኣብ ተመኩሮና ዝረኣናዮን ሎሚ እውን ከምዘይገደፈና ካባና ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና ኣብዚ እዋንዚ፡ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ እንመዝነሉ መዐቀኒ፡ ነቲ ጉጅለ ንምውጋድ እንመርጾ ኣገባብ፡ ኤርትራ ድሕሪ ህግደፍ ክትመሓደረሉ ዝግበኣ ኣገባብ ኣብ ምትላም፡ ነዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና  ቃልሲ ኣብ ምዕዋት ኮነ መጻኢት ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ምስ መንን በየናይ ደረጃን ንዛመድ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ክንሓስብ እንከለና፡ ናይ ርእይቶ ብዙሕነት ከም ዘለና ንርእዮ ዘለና እዩ። ካብ ሓደ ንላዕሊ ውድባት ክንከውን ዝድርኸና እውን ንሱ እዩ።  እዚ ኩሉ ርእይቶታት ተደሚሩ ከኣ ናብ ሓደ ናይ ሓባር ጭቆና ንምውጋድን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽን ዝጥምት እምበር በብዝወፈሮ ተፈላልዩ ዝነብር ክኸውን ኣይግበኦን። ናይ ሓባር መዋስኢ መድረኽ ዘድልየና ከኣ ምእንቲ’ዚ እዩ። ስለዚ እቲ ዘሰክፈና  ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ምፍጣሩ ዘይኮነ፡  ነቲ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከነመሓድሮን ሓባራዊ ኣቕጣጫ ከነትሕዞን ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ።

ምስዚ፡ ከምቲ “ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ”  ዝበሃል ቀይሕ መስመር ከይንሰግር እንጥንቀቐሎም እምበር፡ ክንፈላለየሎም ዘይግበኣና መሰረታዊ ኣዕኑድ ከም ዘለዉ  ምስትብሃል ናይ ግድን እዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ልኡላውነትን መንነትን፡ ንኹልና ብማዕረ ዝብጸሓና፡ ብኹልና ከኣ ክዕቀብ ዝግበኦ እዩ። ከምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝተፈላለዩ ሓሳብ ምንጽብራቕ ውሁብ’ዩ ዝበልናዮ፡ ኣብዚ ረዚን ዛዕባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ልኡላውነትን መንነትን፡ እንተተፈላሊና ብመሰረቱ እውን እቲ ፍልልያትና ዓቂብና እንረግጾ መሬት ክጾረና ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራን ልኡላውነታን እንተተፈላሊና “ደቂ ሓንቲ ሃገር ኢና” ፡ ኢልና ምእንተኣ ሓቢርና እንስለፈሉ ቦታ ስለ ዘይህልወና። ስለዚ እቲ “ክንሰግሮ ዘይግበእ ቀይሕ መስመር”  ዝበልናዮ ነቲ ናብዚ ከይወስደና ክንጥንቀቐሉ ዝግበና ዘይጥዑይ ጐደና እዩ።

እቲ ክንዕቅቦ ዝግበኣና ኤርትራዊ ልኡላውነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ናብኡ ዝበጻሕናሉ ሓርበኛውን ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎን ጉዕዞ ቃልሲ እውን ክብርን ሓለዋ ዘድልዮ እዩ። ነዚ ጉዕዞ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ምንእኣስን ንሓርበኛታቱ ክብሪ ምንፋግን ማለት  ካብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘይምቕባል ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሓደ ኤርትራዊ ንልኡላውነት ሃገሩ ብዘይሃሲ፡ ብርኢቶኡ “እዚ እዩ ኣብ ኤርትራ ዘዋጽእ” ኢሉ ዝኣመነሉ ኣተሓሳስባ ስለ ዝሓዘን ንዕኡ ንምስፋሕ ስለ ዝጐስጐሰን ዝወደበን ብሸፈጥ “ኣንጻር ልኡላውነት”  ዝብል ግጉይ ቅጽል ምጥቃን መሰል ምውዳብ ዝግህስ  እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ደገፍቲ ኢና በሃልቲ ኤርትራውያን፡ ክብሪ ሃገሮምን ህዝቦምን ሓልዮም ኣንጻር  ናይ ህግደፍ ጨቋኒ ርኢቶ ንዝተሰለፉ ኤርትራውያን “ጸረ ልኡላውነት ኤርትራ እዮም” ክብሉ ምስማዕ ዝተለምደ እዩ። እዚ ኣበሃህላኦም ካብ ትርጉም ልኡላውነት ሃገር ጀሚርካ፡ ክሳብ ዋና ልኡላውነት መን ምዃኑ ዘለዎም ናይ ኣረዳድኣ ግጉይነት ዘመልክት’ዩ። ሓሓሊፍካ እውን “ሉኣላውነት ዝፈጠረ ጉጅለ ህግደፍ እዩ፡ ንሱ እንተዘየልዩ ከኣ ምስኡ ዝጠፍእ እዩ” ብዝዓይነቱ ስንኩፍ ኣተሓሳስባ፡ ዕድመ ህግደፍ ክነውሕ ዝጽልዩ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ምዃኑ ከመልክቱ ዝደልዩ ዘይሓፍሩ ኣለዉ። ልኡላውነት ኤርትራ ግና ብሳላ ህግደፍ ዝዕቀብ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ህግደፍ ከይድፈርን  ከይህሰን ዘስግእ ዘሎ፡ ውጽኢት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ተመኩሮና ዝምስክሮ እዩ።

ልኡላውነት ኤርትራ ብኤርትራውያን እዩ ተዋሒሱ። ንመጻኢ እውን ብኤርትራውያን እዩ ዝዕቀብ። ምስ  ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ ፈተውቲ  እንገብሮ ዝምድና ኣብ ርእሲቲ ናትና ዓቕሚ ተወሳኺ ክንድልብ  ኣምበር፡ ኤርትራዊ ጉዳይና ብኣኣቶም ንምውሳን ኣብ ሓደ መኣዲ ንቕረበሉ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ነዚ ቅኑዕ ኣገባብ ኣጽኒዕና ብዘይመሓዝና ኣብ ዝምድናና ምስ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዘለና ናይ ርእይቶ ፍልልይ ነቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ኣጀንዳና ይጸልዎ ምህላዉ፡ ገሌና ክስገር ዘይግበኦ ቀይሕ መስመር ንሰግር ምህላውና ዘመልክት እዩ። ሎሚ ናይ ኤርትራ ባንዴራ ምስ ናይ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባንዴራ፡ ካርታ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ሓንቲ ሃገር ተላጊበን ኣብ ገለ ኣደባባያት ምርኣይ፣ ኣብ ገሊኡ ኣደባባያት ከኣ ምስ ባንዴራ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከተንበልብል  ምዕዛብ ዝተለመደ እዩ። ነዚ  ተርእዮታት’ዚ እቲ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ከባቢ ጎንደር፡ ደሴ፡ ሑመራን ምጥፍኦም፡ ኣብ ዓላማኦም  ሞይቶም ዝብል ወረ ክውሰኾ እንከሎ “ኣበይ ኢና ዘለና?” ዘየብል ኣይኮነን። ኣብዚ ነቲ ማእዝኑ ዝሰሓተ ጫፋት ንቃወሞ ኣለና እምበር፡ ንጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝኣተዎ ኣቲኻ ምቅላሱስ ኣብ ቦታኡ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ንታሪኻዊ ኣመዓባብላ ኤርትራዊ ሃገራውነት ቅድመ-ምፍጣር ሃገራት ዝነበረ ታሪኽ ተሞርኲስካ ንናይ  ጐረባብቲ ማሕበረ-ባህላዊ ዝምድና፡ ሰማይ ኣዕሪግካን ልዕሊ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ናይ ሃገርነት መለክዒ ምስራዕን ንዕዘብ ኣለና። እዚ ብመሰረቱ ተመሳሳሊ ማሕበረ-ባህላዊ ርክባት ኣዛሚድካ “ሓድሽ ሃገር ክንፈጥር” ብዝብል፡ ናይዛ ህያው ኤርትራ ሓድነት ህዝብን መሬትን ምብታን ዘኸትል ምዃኑ ብንጹር ንርኢ ኣለና። እቲ ጉዳይ ዝያዳ ሓደገኛ ዝኸውን፡ ገለ ቁንጣሮ ኤርትራውያን ኢና ዝብሉ ወገናት ኣብ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ዝምልከት ዛዕባ ምስ ኤርትራውያን ዘይኮኑ ወገናት ዝናበብሉ ዘለዉ ምዃኖም እዩ። ስለዚ ከምቲ ወለድና ከምዚ ከጋጥሞም እንከሎ፡ “ስግኣትና ትብዓትና ይግበረልና” ዝብልዎ፡ እዚ  ክስገር ዘይግበኦ ቀይሕ መስመር ዝደናደንን ተመዝሚዙ ዕድመ ህግደፍ ዘንውሕን ኣረዳድኣ ከይሳዕረረ ክንኮልፎ ዝግበኣና እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ክንጸር እንደልዮ፡ እዚ ንልኡላውነት ዝጻባእ ሓደገኛ መንገዲ፡ ከም ናይ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ጌሮም ከቕርብዎ ዝፍትኑ ወገናት ኣብ ግጉይ መንገዲ ከም ዘለዉ  ተገንዚቦም፡ ናብ ልቦም  ክምለሱ   ነዘኻኽሮም።

Last modified on Sunday, 03 October 2021 23:18