ሳዋ፡ ቤት ማእሰርቲ ዶ: ወይስ መሰልጠኒት?

2019-08-12 06:12:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2327 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሳዋ ካብተን ክልተ ግዜ ዝተራእያ ከባብታት ሃገርና ሓንቲ እያ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ከም መደበር ርብዳን ካለኦት መሓዙታን፡ ብዙሓት ሓርበኛታት ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስንቂ  ኣስኒቓን ኣዕጢቓን ዘሰለፈት ታሪኻዊት ቦታ ነይራ።  ድርሕሪ ናጽነት ግና፡ ስሙን ግብሩን ዘይሰማማዕ ሓላፍነት ተዋሂብዋ መሰረታዊ መሰላት ኤርትራውያን ዝገሃሰላን ናብ ባርነት ዝገማገም ምዝመዛ ዝካየደላን ብሕማቕ እትለዓል ቦታ ኮይና ኣላ።

ህልዊ መደብ ሳዋ ብ1994 ክጅመር እንከሎ፡ ሕገመንግስቲ ዝመሰረቱ ትካላዊ መሰረት ኣይነበሮን። ብዙሓት ወገናት ካብ ሽዑ ጀሚሮም፡ መቆጻጻሪ ንጹር ፖሊስን ግሉጽነትን ብዘይብሉ ኣገባብ ውልቀ-መላኺ ብዘንቀዶ ስለ ዝነቐለ፡ ናብዚ ደሓር ዝኾኖ ከም ዝምዕብ ስግኣት ነይርዎም እዩ። ከም ዝኽበር’ኳ ርግጸኛታት እንተዘይነበሩ ኣብቲ፡ “6 ኣዋርሕ መሰልጠኒ፡ 12 ኣዋርሕ ድማ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ብድምር ናይ 18 ኣዋርሕ ዕድመ ክህልዎ እዩ” ዝብል ናይ ሓሶት ቃል ተስፋ ዘንበርሉን ብሓጐስ ዝተቀበልዎን እውን ነይሮም እዮም። ደሓር ግና ዝተፈላለዩ ምስምሳት እንዳተፈጥረ፡ ኩሉቲ ዝተባህለ ተጣሒሱ ናብ “ደረት ዘየብሉ ግዱድ ኣገልግሎት” ማዕቢሉ። በዚ ከኣ ኣብ ርእስቲ ኩሉ ዘይቅርዑይ ኣካይዳ ህግዲፍ፡ መድብ ሳዋ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም መርኣያ ሕማቕ ምስሊ ጉጅለ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኮይኑ ቀሪቡ።

መደባት ሳዋ፡ ጉልበት፡ ግዜን ዕድመን መንእሰያት ዘባኽን ጥራይ ዘይኮነ ብመሰረቱ እውን መጻኢ ዕድል መንእሰይ ኤርትራ ዘጸልመተን ኣብ ሓደጋ ዘውደቐን፡ ኮነ ኢልካ ኤርትራን ኤርትራውነትን ከዳኽም ዝተማህዘ ተንኮል ምንባሩ ሎሚ ብሩህ እዩ። ተስፋ መጻኢት ሃገር ዝኾኑ መንእሰያት፡ ክንድቲ ዝኽእልዎ ሃገሮም ከገልግሉ ወፊሮም ኩነታት ካልእ ኮይኑ ምስ ረኸብዎ፡ ሃገሮም ራሕሪሖም ክስደዱ ካብ ዘገደድዎም ጉዳያት፡ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ሳዋ እቲ ቀንዲ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ስንብራት መደባት ሳዋ ኣብ ህይወት መንእሰያት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገር እውን ጽልዋኡ ከቢድ እዩ።  ብዛዕባ መደባት ሳዋ ዘጽንዑ ክኢላታት ከም ዝጠቕስዎ፡ ካብቲ ኣብ ግዜ ህግዲፍ ዝተሰደ ኣስታት 507,300 ኤርትራዊ፡ መብዛሕቱ ብዘይፍትሓዊ መደባት ሳዋ ዝሓለፈ፡ ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዝዕድመኡ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን  “ጽባሕ ምስ ፈርዘና መደባት ሳዋ ከርክበናዩ’ሞ ከሎ ጋና ነብስና ከነውጽእ” ኢሎም ዝጠፍኡ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት እውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ዋላ’ኳ ከምዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ህግዲፍ፡ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምጅማር ሳዋን ምምራቕ መበል 32 ዙር ተዓለምትን  ብዝብል  ምስሉ ኣብ ጉዳይ ሳዋ ከመላኽዕ እንተፈተነ፡ ነዚ ጉዳይ ብነጻን ሻራ ዘይብሉን ኣገባብ ከጽንዕዎ ዝጸንሑ ክኢላታት ግና ከም ሓደ መርኣያ ዘበናዊ ናይ ባርነት መክዕ ዘለዎ ወጽዓ እዮም ክገልጽዎ ጸኒሖም። ዋላ’ኳ ህግዲፍ ጸማም እዝኒ እንተሃቦ ብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት እውን፡ እዚ መደባት ሳዋ ክስረዝ እሞ ኤርትራውያን ተላዚቦምን ረድዮምን  ብዝሕንጽጽዎ ሕጊ ዝቕለስ ፖሊሲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክወጽእ፡ ንሱ ክሳብ ዝኸውን ከኣ ናብቲ ዝነቐለሉ 18 ኣዋርሕ ክምለስ ይጽውዑን ይምሕጸኑን ኣለዉ። ብዓብይኡ ከኣ ናይዚ ኣዕናዊ ተግባራት ግዳያት ዝኾኑን በቲ መደብ ዝሓለፉ ኤርትራውያን መንእሰያት ብዛዕባቲ ሓቀኛ ኩነታት ሳዋ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ምስክርነቶም ይህቡ ኣለዉ። ህግዲፍ ግና ነቲ “ካብ ዝቐበረስ ዘላቐሰ” ወይ “መን ይንገር ዝነበረ፡ መንከ የርድእ ዝቐበረ” ዝብል ኣበሃህላ ዘንጊዑ ክሽፈን ዘይከኣል ክሸፋፍን  ንዕዘብ ኣለና። በዚ ዘይወድዓዊ  ኣበሃህላኡ ናይ ዝኾነ ልቢ ከረስርስን ኣተሓሳስባ ክቕይርን ከምዘይክእል ግና ርግጸኛታት ኢና።

ህግዲፍ ናይቲ ዘካይዶ ዘሎ ግዱድ ውትህድርና ርትዓውነት ንምግላጽ፡ ክሕበኣሎም ካብ ዝጸንሐ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታት “ኣይውግእ ኣይሰላም”ን ምስኡ ምትእስሳር ዘይነበሮ ማዕቀብን ምንባሩ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። እንተኾነ እነሆ እዞም ህግዲፍ ካብ ብዙሕ ጉዳያት ክሕበኣሎምን ክሃድመሎምን ዝጸንሑ በዓትታት ካብ ዝፈርስዎ ዝያዳ ዓመት ኮይኑ። ብዙሓት ንህግዲፍ ብግርህናን የዋህነትን ዝርእይዎ ዝነበሩ ወገናት፡ ድሕሪ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኩነታት ምቕያሩን ማዕቀብ ምልዓሉንስ፡ ብሓፈሻ ኣብ ብዙሕ ኩነታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ግዱድ ውትህድርና ለውጢ ክገብር እዩ ኢሎም ተጸብዮም ነይሮም። ኣቶ ኢሳይያስ ግና ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ሳዋ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተርፍን ንኹሉ ዝምልከትን ስለ ዝኾነ ማሕበራዊ ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገጽ ክቕጽል’ዩ”  ኢሉ። እዚ ማለት ከኣ ኢሳይያስ ክሳብ ዘሎ ክቕጽል እዩ። ምኽንያቱ  ኣብ ኤርትራ ብኢሳይያስ ዝምስረት ማሕበራዊ ፍትሒ ስለ ዘይህሉ። እዚ እምበኣር መደባት ሳዋ  ብጉልባብ “ሃገር  ምሕላውን ምምዕባልን” ንመንእሰያት ኤርትራ ብሞራል ድሂኽካ፡ ብትምህርቲ ኣደንቊርካ፡ ጉልበቶም መዝሚዝካን ክብርታቶም ግሂስካን ኤርትራ ተረካቢ ዘይብላ ንወራርን ድሕረትን ዝተቓለዐት ሃገር ከም እትኸውን ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ ውዲት ምንባሩ እዩ ዘረድእ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትምህርታውን ፖለቲካውን መዳያት ዘይርሳዕ ግደ ንዝነበረን 2ይ ደረጃ  ኣያተ-ትምህርቲ ሃገርና ጨፍሉቑ፡ “2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ሳዋ” ብዝብል ብወተሃደራት ብእትምራሕ እንኮ ማእከል ምትክኡ ናይቲ ትውልዲ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ናይ ምቕታል ተግባሩ ኣብነት እዩ። እቲ ተስፋ ዝህብ ግና ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ ኤርትራዊ ነዚ ውዲት ነቒሕሉ ክቃለሶ ድልዊ ምህላዉ እዩ።

መንእሰያት ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ፡ ኢደ-ወነናውያን ከም ድላዮም ብዝሰርሕዎን ዝፍንጥሕዎን ሕግን ኣፈጻጽማን ዘይኮነ፡ ብንጹር ሕግን ቅዋማዊ ኣተሓሕዛን ኣብ ህንጸት ሃገሩ ክሳተፍ ግቡእ እዩ። ብመንጽርዚ እዩ ሰዲህኤ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብሞያውያን ሰራዊትን ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ክቐውም ተደላይነት ከም ዘለዎ ብምግንዛብ: ቅዋም ዘፍቅዶ ስሩዕን ዝተጸንዐን መደባት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝህሉ ክገብር ክጽዕት እዩ” ብዝብል ኣስፊርዎ ዘሎ።

Last modified on Monday, 12 August 2019 08:35