ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተቓውሞ ኣስሚዖም
2024-12-26 19:49:33 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 169 timesተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጽምዎ ጥሕሰትን ኣብ ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲ ዘለዎም ዘይዕግበትን ንምንጽብራቕ ተቓውሞ ከም ዘስምዑ፡ ዩሜምዲ መዲያ (UMD Media)፡ ዝተባህለት ትካል ዜና ሓቢራ። እቲ ብሰላማዊ ኣገባብ ዝጀመረ ዙይምዕሩይ ኣገባብ ኣመራርሓን ዘይብቑዕ ቀረብ መግብን ዝደረኾ ተቓውሞ ናብ ፖሊስ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ዝወሰደሉ ደረጃ ከም ዝዓረገ ከኣ እቲ ዜና ኣፍሊጡ፣
እቶም ተመሃሮ ኣብቲ ዘስምዕዎ ተቓውሞ፡ እቲ ዝቐርበሎም መግቢ ጽርየቱ ዘይሓለወ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንቑርሲ ሓንቲ ሕብስቲ ጥራይ ትቐርበሎም ምዃና፡ ካብቲ ዘቖጠዖም ጉዳያት ሓደ ማዃኑ’ውን ተፈሊጡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቶም ተመሃሮ፡ ንመግቢ ኣብ መዓልቲ 100 ብር ከም ዝኽፈለሎም ተሓሲቡ ትምህርቶም ድሕሪ ምውዳእ ኣብ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ከም ዝሕሰብ ምዃኑ ከም ዘሻቕሎምን ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ምምሕዳር ዝኽተሎ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ቀረባትን ነቲ ኣቐዲሞም ከስምዕዎ ዝጸንሑ ዘይዕግበት ኣብ ግምት ዘየእተወ ምዃኑ እውን ተጠቒሱ።
እቲ ብሰላም ጀሚሩ ምስቶም ሰራሕተኛታት ሓለዋ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ናብ ዕግርግር ዝማዕበለ ምልዕዓል ኣብ ልዕሊ እቶም ተመሃሮ ኣካላዊ ጥሕሰትን ማእሰርትን ከም ዘኸተለን ኣብ ልዕሊ ህንጻ መደቀሲ ተመሃሮ ጉድኣት ከም ዘውረደን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ በረኸት ዝተባህለ 5ይ ዓመት ናይ ሕጊ ተመሃራይን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሰብኣውነት ዝነጥፍን መንእሰይ ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ብዝርዝር ከም ዝገለጸላ ዩኤምዲ መዲያ ብተወሳኺ ኣስፊራ። ገለ ወገናት ከኣ እቲ ተቓውሞ ምምሕዳራዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ፖለቲካዊ ተልእኮ’ውን ኣለዎ ዝብል ግምት ይህብሉ እዮም።
ኣብ ትግራይ ዘለዋ 4ተ ወሲኽካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ልዕሊ 40 መንግስታዊ ዩኒቨርሲታት ምምሕዳረን ኮነ በጀተን ኣብ ትሕቲ ክልላዊ ምምሕዳራት ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕቲ ፈደራል መንግስቲ እዩ።