ህዝባውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ንምምስራት ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ንመድምድ
2024-12-08 10:05:09 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ፖ.ሓ.ኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 300 timesርእሰ-ዓንቀጽ
ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ’ቲ ብ1987 ዓ.ም ዘካየዶ ካልኣይ ጉባኤኡ፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ብዙሓት ሰልፍታት ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክተከል ምዃኑ ኢዩ ወሲኑ። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ግን፡ ንመብጻዓኡን ቃል-ኪዳኑን ብምኽሓድ "ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይፍቀድን፤ ብስም ውድባት ምጥቛስ ከቢድ ገበን እዩ ዝቑጸር'' ክብል ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ስዒቡ ድማ ህግደፍ ዝኾነ ሰልፊ ካልእ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዝውንን ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ከምዘይጸውር ኣፍለጠ።
ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ውን እንተዀነ፡ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ምልኪ ንምስፋን፡ ነተን ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ዘቖመን ናይ ሓፋሽ ውድባትን ሕብእቲ ሰልፍን ኣፍረሰን። ንመንእሰያት ኤርትራ ከኣ፡ ካብ ናይ ትምህርትን ስራሕን መኣዲ ብምኹላፍ፡ ኣብ ናይ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ውግኣት ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ጸመዶም። ንመራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ድማ፡ ብጥቕምን ድሑር ናይ ምክፍፋል ስልትን ብምግዝዛዕ ኢሳያስን ውሑዳት መጋበርያታቱን ዝቆጻጸርዋ ውድብ ህግዲፍ መስሪቱ። እዚ ኩሉ ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኰነስ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ህዝባዊ ግንባር ንሜዳ ኤርትራ ንምብሓት ምስ ህወሓት ተማሓዝዩ ኣብ ልዕሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብ1980-81 ዓመት ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።
ህግደፍ ካብ ወጋሕትኡ ጨና ደሞክራሲ ዘይብሉ ገባቲ ስርዓት መስሪቱ ንዝሓለፈ ሰላሳን ሰለስተን ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከቢድ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ጭቆና ከውርድ ጸኒሑን ኣሎን። ከም ውጽኢቱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ እውን ርእይዎ ብዘይፈልጥ ሓላንጊ ናይ ድኽነት፡ ድንቁርና፡ ስደትን ምብትታንን ይግረፍ ኣሎ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ስለ ዘይብሉ፡ ደለይቲ ለውጢ ዝዀኑ ኤርትራውያን ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ግንባራትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ንስርዓት ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ስልጣን ብምእላይ፡ ኣምሳይኡ ከኣ ህዝባውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ንምምስራት ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ንምምድማድ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዝብል ስያመ ሰፊሕ ጽላል መስሪቶም ብሓባር ክቃለሱ ጀሚሮም ኣለዉ።
ሰፊሕ ጥርናፈ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ መቐጸልታን መግለጽን ናይ’ቶም ካብ መወዳእታ ተስዓታት ኣትሒዞም ዝተመስረቱ ጽላላት ወይ ድማ ግንባራት ምዃኑ ይኣምን። ሓባራዊ ጽላልና፡ ንህሉው ክውንነት ሃገርናን ህዝብናን ብዕምቆት ብምግምጋም፡ ብቐዳምነት ህዝብን ሃገርን ካብ ኣንጸላልዩዎ ዘሎ ሓደጋ ብርሰት ብህጹጽ ንምድሓን፡ ካብ ሕሉፍ ጉድለታቱ ንዘረጋገጾ እወንታታት ብምዕቃብ ንሕጽረታቱን ኣሉታዊ ተመኩሮታቱን ድማ ብምእራም፡ ዓቕምታት ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣወሃሂዱ፡ ንገባቲ/መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ክቃለስ ተበጊሱ ኣሎ።
እዚ ጽላል’ዚ በዞም ኣብ ታሕቲ ሰፊሮም ዘለዉ መቖምያታት ኢዩ ተበጊሱ።
1. ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ/ገባቲ ስርዓት ምውዳቕን ብቅዋማዊ፡ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካእ፥
2. ንልዑላውነት ናይ ሃገረ ኤርትራ ምዕቃብን ምክልኻልን፥
3. ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምኽባር፥
4. ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ምሕላው።
ነዞም መቆምያታት እዚኣቶም ተቐቢሎም ኣብ’ቲ ብ6 ነሓሰ 2023 ዝተቃንዐ ዋዕላ ዝተሳተፉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ሓባር ቻርተር፡ ህንጻ-ሕግን ኣጽዲቖም ብሓባር ክጉዓዙ ጀሚሮም ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ፦
1. ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ/ደ.ው.ዓ.ቀ.ባ
2. ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር/ኤ.ስ.ሃ.ግ
3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ/ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኢዮም።
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ/ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ፡ ኣብ መስርሕ ምቛም ናይ’ዚ ጽላል’ዚ ብኣካል ተሳቲፉን ብዙሕ ኣበርክቶን ገይሩ ኢዩ። ኣብ’ቲ ብዋዕላ ዝተዛዘመ መስርሕ ግን ብውሽጣዊ ውድባዊ ኩነታቱ ክሳተፍ ኣይከኣለን።
ከምኡ’ውን፡ ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ/ኤ.ል.ደ.ለ ዝተባህለ ብ2 ውድባትን 9 ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝቆመ ልፍንቲ ዝሰፍሐ ጽላል ንምምስራት መኣዲ ዘተ ተኸፊቱ ኣሎ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ምጥርናፍ ኣብ’ዞም ዝጠቐስናዮም ፖለቲካዊ ሓይልታት ከይተሓጽረ ንኻልኦት በቲ መቖምያታት ዝኣምኑ ኣካላት እናሓወሰ ክዓቢ ጻዕርታቱ ቀጻሊ ምዃኑ ውን ከነረጋግጽ ንፈቱ።
ዓወት ንህዝባውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ
ዜና፦
ካልኣይ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ)
ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ብ30 ሕዳር 2024 ካልኣይ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል መልእኽቲ ናይ ኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ተኸፊቱ። ኣስዒቡ፡ ሰለስተ ኣጀንዳ ኣኼባ ኣቕሪቡ። እቶም ኣጀንዳታት እዞም ዝስዕቡ ነበሩ።
1. ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ዝቐርብ መደብ ዕዮታት ምምይያጥን ምጽዳቕን፥
2. ምምሕዳራት ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ምቛምን፥
3. ጉዳይ ኦዲትን ቁጽጽርን
ኣኼባ፡ ኣብ ኩሎም ዝቐረብሉ ኣጀንዳታት ተመያይጡ፡ ኣድላዪ ምምሕያሻት ድሕሪ ምግባር ከኣ ንሰለስቲኡ ኣጀንዳታት ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ።