ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትግራይ ዘትዩ

2024-12-06 20:40:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 150 times

ኣኼባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፈድራልን ክልል ትግራይ እናተኻየደ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ5 ታሕሳስ 2024 ምስ ላዕለዎት ፖለቲካዊ ሓለፍትን  ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ትግራይ ተዛትዩ። ኣብዚ ላዕለዎት ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዝተሳተፍዎ ዘተ፡ መጻኢ ኣቕጣጫ ካብ ዝተዋህበሎም ዛዕባታት ሓደ፡ እቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ክሳብ ኣብቲ ክልል ምርጫ ዝካየድ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ ክመርሕ ዝብል ከም ዝርከቦ ብተለቪዥን ፋና ብሮድካስት ዝተዘርግሐ ዜና ገሊጹ።

ኣብዚ ኣኼባ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ  ብደረጃ ዞባ ዝረአ ዘሎ ስትራተጅያዊ ብደሆታት ሓቢርካ ምምካት ዝብል ምርድዳእ ከም ዝርከቦ’ውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ኣዚ ጉዳይ ብፍላይ ንናይ ሓባር ዕቤት ጥጡሕ ጸጥታዊ ምርግጋእን ምዕሩይ ምምሕዳርን ዘንጸባርቕ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ሓቢሮም ከም ዝሰርሑ ምርድደኦም ከኣ  ተሓቢሩ።

እቲ ዜና ካልእ ኣገዳሲ ዝበሎ ዝተላዕለ ዛዕባ፡ ምምልሳ ተመዛበልቲ ናብ ናይ ቅድም መረበቶምን ምምላስ ዕጡቓት ዝነበሩ ናብ ሕብረተሰብን ከም ዝነበሩ ተጠቒሱ። ብዘይካዚ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡  ንሃብቲ ተፈጥሮ ትግራይ ዝምልከት፡ ሕጋውን ስሩዕን መስርሕን ምዕሩይ ተጠቃምነትን ክልልን ሃገርን ብዘረጋግጽ ክምራሕ ኣብ ዝበል ምስምምዖም እዩ። ከምኡ እው ንኣገዳስነት ምሃብ ኣገዳሲ መንግስታዊ ኣገልግሎትን ብዝሓሸ ምምላስ ሕቶ ህዝብን ኣፍልጦ ከም ዝህቡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ከም ዝተረዳድኡ ተጠቒሱ።

እዚ ከም ዘሎ እንከሎ፡ ውጽኢት ኣኼባ ኣዲስ ኣበባ፡ ብምውራድ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ናይ ክልል ፕረሲደንትነት ክዛዘም ትጽቢት  ኣብ ዝነበሮም ወገናት ዘይዕግበት ከም ዝፈጠረን፡ ብዙሓት ከኣ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላውሲ በዚዶ ይፍታሕ ይኸውን?” ዝብል ስክፍታ ከም ዝሓደሮም ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ይንጸባረቕ ኣሎ።

Last modified on Friday, 06 December 2024 21:49